‹‹ጠንካራን፣ሉኣላውነት ሃገርን ጥቕምን ብዘተኣማምን ኩነታት ዝሕሉ ሓይሊ ባሕሪ እዩ ክፈርስ ተገይሩ›› ኮሞዶር ዋለፃ ዋቻ

ታሪኽ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝጅምር ቕድሚ 3ሺሕ ዓመታት ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ ድርሳናት ይሕብሩ። ዋላ ከምዚ ይኹን ግና ሓይሊ ባሕሪ ብዘመናዊ መልክዕ ዝተመስረተ ብ 1948 ዓ.ም ብሃፀይ ሃይለ ስላሴ ዘመነ መንግስቲ እዩ። መጀመርያ ሕፁያት መርከበኛ መኮንናት መሰልጠኒ ማእኸል ብምድላው ስልጠናታት ይህቡ ነይሮም። እቲ ስልጠና ተመሪፆም ብዝመፁ ኣሰልጠንትን ኣማኸርትን ዝዋሃብ ዝነበረ እንትኸውን ዝመፅሉ ዝነበረ ድማ ካብ ናይ ቐደም ሽማ ዩጎዝላቪያ፣ ኣሜሪካን ፈረንሳይን እዩ ነይሩ። ብኻሊእ ወገን ድማ ምስ ኣሜሪካ፣ ህንዲ ብርታንያ ስምምዕ ብምፍጣር በቲ ዘፈር ብቕዓት ዘለዎም ኣሰልጠንቲ ብዘላቕነት ብምምፃእ እቲ ስልጠና ብዝተጠናኸረ መገዲ ይዋሃብ ከምዝነበረ ናይ ታሪኽ ድርሳናት ይሕብሩ። ከምዚ ዓይነት ስራሕቲ ድማ ኣብቲ ግዜ ንሱ ዓቕሚ እቲ ትካል ብምዕባይ ሃገራዊ ግዴትኡን ተልእኹኡን ብኣግባቡ ክዋፃእ ገይርዎ እዩ።

ቐፂሉ ደርጊ ስልጠን እንትሕዝ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣዋዳድብኡ ብምስፋሕን ብምጥንኻርን ዘመናዊ ዝኾኑ ወተሃደራዊ ዕጥቒ ብምድላው ምስ ፈተውቲ ሃገራት ጥቡቕ ርክብ ብምፍጣር ካብ ኣፍሪካ ተወዳዳሪ ዝኾነ ሓይሊ ባሕሪ ክምስረት ተኻኢሉ እዩ። ደርጊ ምስወደቐን ናይ ስርዓት ለውጢ ምስተኻየደን ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብናይ ህዝቢ ውሳነ ብምፍላያ ምኽንያት በሪ ባሕሪ ዘይብላ ብምዃና ካብ ሰራዊት ወፃኢ ክኸውን ብምግባሩ ክፈርስ ክኢሉ እዩ።

ኮይኑ ግና ከምዚ እናሃለወ ብ2011ዓ.ም ኣዋዳድባ ሰራዊት ወቕታዊን ሃገራዊ ኩነታት መበገሲ ብምግባር ሓይሊ ባሕሪ ኣድላይ ምዃኑ ተኣሚንሉ ብቑፅሪ ኣዋጅ 1100/2011 መሊሱ ክጣየሽ ተወሲኑ። በዚ መሰረት ብፍጥነት ክጣየሽ ንምግባር ኣባላት ብምምዳብ ናይ ነዊሕ ግዜ ልምዲ ዘለዎም ኣባላት ምስ ፈተውቲ ሃገራት ምትእስሳር ብምግባር እቲ ሓይሊ ባሕሪ ኣካል ምክልኻል ኮይኑ ክጣየሽ እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ።

እምባኣርከስ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ሓይሊ ባሕሪ መሊሱ ክጣየሽ ምግባሩ እንታይ መልክዕ ኣለዎ ብምባል ኣዲስ ዘመን ምስ ምክትል ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪን ሓላፊ ሎጂስቲክን ፌዴሪኢ ዝኾኑ ኮሞዶር ዋለፃ ዋቻ ዝገበሮ ፃኒሕት ከምዝስዕብ ተርጕምና ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

 ሕቶ፡- ኮሞዶር ዋለፃ መን እዮም ንዝብሉን ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ክንደይ ዝኣክል ዓመት ከምዘገልገሉን ከምኡ ‘ውን ኣብ ምንታይ ሓላፍነታት ከምዝሰርሑ ንመንበብበቲ ግልፂ ንኽኸውን እንተዝነግሩና?

ኮሞዶር ዋለፃ፦ኣብ ውሽጢ ሰራዊት 30 ዓመት ኣገልጊለ ኣለኹ። ኣብዚ ውሽጢ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ናይ ስራሕ ዕድመይ ዘሕለፍክዎ ኣብ ሓይሊ ኣየር እዩ። ኣብዚ ካብ ተራ ቴክኒሻል ጀሚሩ ክሳብ ሱፐር ቫይዘር ዝሰራሕኹ እንትኸውን ናብ ኣመራርሓ ምስ ወፃኹ ድማ ካብ ታሕቲ ናይ ኣመራርሓ ጀሚረ ክሳብ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሰሪሐ እየ። ብትምህርቲ ድማ ብኣቬሽን ኢንጅነሪንግ፣ ማናጅመንት ከምኡ ‘ውን ብኣመራርሓ ሓይሊ ሰብ ካብ መጀመርያ ዲግሪ ጀሚረ ክሳብ ካልኣይ ዲግሪ በፂሐ ኣለኹ።

ሕቶ፦ ኣብ ሓይሊ ኣየር ብርክት ዝበለ ዓመታት ምስ ምሕላፎም ተተሓሒዙ ሓይሊ ኣየር ዝመፆ ርሕቐትን ሕዚ ዘለዎ ኩነታት ከመይ ይገልፅዎ?

ኮሞዶር ዋለፃ፦ ሓይሊ ኣየር ከምዝፍለጥ ብአፍሪካ ሽሙ ግኑንን ፍሉጥን እዩ፤ ዓቕሙ ‘ውን ዘተኣማምን ኮይኑ ካብ ውሽጥን ደገን ዝፍነዉ ጥቕዓታት ንምምካት ተመጣጣኒ ግብራዊ መልሲ ንምምላስ ዘኽእል ኣቕሚ ኣለዎ እዩ። ብቑዕ ፍልጠት፣ ክእለት፣ ብኣካላዊ ብቕዓት ይኹን ብፍቕሪ ሃገር ዝተሃነፁ ኣባላት ዘለዎ እዩ። እዚ ምናልባሽ ካብ ዘመነ ደርጊ ጀሚሩ ሓቢሩ ዝመፀ ግኑን እንትኸውን ሃይሊ ኣየርና ሕዚ ዘለዎ ብቕዓት ዘተኣማምን እንትኸውን ኢትዮጵያ ንምውራር ዝሓስብ ሓይሊ እንተሃልዩ ደው ኢሉ ብዝግባእ ክልተ ግዜ ክሓስብ ኣለዎ። ምኽንያቱ ብኣየር ምውጋእ ይኹን ምክልኻል ብዝኾነ ኣንፈት ክመፅእ ዝኽእል ጥቕዓት ንምምካት ዘኽእል ዓቕምን ድልውነትን ዘለዎ እዩ። ብፍላይ ሕዚ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ጥንኩርን ዘመናዊ ቴክኖሎጂን ዝተዓጠቐ እዩ።

ሕቶ፡- ዝበዝሕ ናይ ስራሕ ግዚኦም ኣብ ሓይሊ ኣየር እዮም አሕሊፎሞ ሕዚ ድማ ከም ብሓዱሽ ዝተጣየሸ ሓይሊ ባሕሪ መፂኦም ኣለዉ፤ እንታይ ስምዒት ፈጢርሎም? ከመይ ኢሎምስ ክመፁ ክኢሎም?

ኮሞዶር ዋለፃ፦ መንግሰቲ ክሰርሐለይ ይኽእል እዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ሰብ ኣብ ዝደለዮ ቦታ መዲቡ እዩ ዘስርሕ። ኣነ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ሓይሊ ኣየር እየ ኣገልጊለ። ኮይኑ ግና ካብ 2010ዓ.ም ጀሚሩ ሃገራዊ ለውጢ ምስመፀ ቕድሚ ሕዚ ተበቲኑ ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ከም እንደጋና ክጣየሽ እንትሕሰብ ኣነ ናብቲ ቦታ ተመዲበ ክሰርሕ ተገይሩ እዩ። ከምኡ ‘ውን ኣብዚ ክምደብ ምኽኣለይ ሕጉስ እየ።

ቕድሚ ሕዚ ሃገርና ግኑንን ጠንካራን ዝኾነ ሓይሊ ባሕሪ ነይርዋ እዩ። ኮይኑ ግና ክፈርስ ተገይሩ እዩ። ለውጢ ተኸቲሉ ናይ ሪፎርም ኣካል ካብ ዝኾነ ሓደ ሓይሊ ባሕሪ እዩ። ብምዃኑ ከምባሓድሽ እንትምስረት ነዚ ከጣይሹ ካብ ተፈላለዩ ክፍሊ ሰራዊት ተውፃእፂኦም ብትምህርቶም ተራእዩ ነዚ ከጣይሹ ተገይሩ እዩ። ዝተዋሃበና ሓላፍነትን ተበግሶን ሒዝና ህዝቢ ዘሸከመና ሓደራ ተቐቢልና ድማ ናብ ስራሕ ኣቲና ኢና።

ሕቶ፡- ሕዚ ኣብዚ ሓይሊ ባሕሪ ከም በሓዱሽ ክጣየሽ ክግበር እንተሎ እንታይ ዓይነት ተግባራት ተሳሊጦም? እንታይ ዝኣክል ርሕቐት ከ ተኸይዱ?

ኮሞዶር ዋለፃ፦እወ፤ እዚ ክለዓል ዘለዎ ሕቶ እዩ። ብኣዋጅ ምስተጣየሸ ናብ ስራሕ እዩ ተኣትዩ። ቕድሚ ሕዚ ሓይሊ ባሕርን ሓይሊ ኣየርን ፍሉይ ሓይሊ እዮም ዝባሃሉ ነይሮም። ሕዚ ግና ናይ ሓንቲ ሃገር ብሄራዊ ድሕንነትን ጥቕምን ንምኽባር ተጣሚርካ ምስራሕ ወሳኒ ብምዃኑ ሓይሊ ምድሪ፣ ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪ፣ ሓይሊ ሳይበር ከምኡ ‘ውን ኮማንድ ስፔስ ብዝብል ብ5 ዓውዲ ተጣይሹ እዩ ድልዱል ስራሕ ዝስራሕ ዘሎ። ምስዚ ተተሓሒዙ ሓደ መከላኸሊ ኮይኑ ዝተጣየሸ ሓይሊ ባሕሪ ካብ ዝተጣየሸሉ ግዜ ጀሚሩ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ክስራሕ ፀኒሑ እዩ። ናይ መጀመርያን ዓብዪ ስራሕን ዝነበረ መዋቕር (ስትራክቸር) ም ድላው እዩ።

ሓይሊ ባሕሪ ንምጥያሽ ካብተፈላለዩ ክፍሊ ምክልኻል ዝተውፃእፅኡ ኣካላት ብምዃን እዞም ኣካላት እዚኦም ብኣግባቡ መሪሖም ኣዋቓቕርኡ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ቕርፂ ክሕዝ ዝተወሰኑ ልምድታት ምውህሃድ የድሊ ስለ ዝነበረ ምስ ተፈላለዩ ፈተውትና ዝኾና ሃገራት ብምርኻብ ልምድታት ናይ ምእካብ ስራሕቲ ተገይሩ እዩ። ቐፂሉ እዚ መዋቕር ብተግባር ዝልውጥ ሓይሊ ሰብ ናይ ምእካብ ስራሕ ክስራሕ ስለ ዝነበሮ በዚ ምኽንያት ትምህርቲ መሰረት ብምግባር ዕድመን ፆታን ብዘካተተ መልክዑ ሓፈሻዊ እቲ ሓይሊ ባሕሪ ከቕፅል ዝኽእል ሰብ ብምክታት እቲ ስራሕ ብዝግባእ ኩነታት ብምክንዋን ናብ ስራሕ ተኣትዩ እዩ።

ብኻሊእ ወገን ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ከይዲ ምውዳብ ውሽጢ መሰልጠኒ ማእኸላት ክህልዉ ናይ ምግባር ስራሕ ሓደ ብምዃኑ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት መሰረታዊ ባሕረኛታት ዝስልጥኑሉ ማእኸል ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ኣብ ቢሸፍቱ ቦታ ተመሪሕና እምኒ ኩርናዕ ኣቐሚጥና ኢና። ኣብዚ ዓመት እዚ ሓይሊ ሰብ ኣብ ምብቓዕ እንተወሲድና ልዕሊ 200 ሰልጠንቲ ብምቕባል መሰረታዊ ናይ ውትድርና ስልጠና ክወስዱ እናተገብረ እዩ። ካብዚ ወርሒ መወዳእታ እዚ ጀሚሩ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ኣብ ቢሸፍቱ ኢንጂነሪንግ ኮሌጅ ስልጠና ክረኽቡ እናተሰርሐ ይርከብ።

መኮንናት ባሕረኛታት ዝምረፅሉ ኣካዳሚ ድማ ኣብ ባህርዳር ቦታ ተመሪሕና እምኒ ኩርናዕ ተቐሚጡሉ ናብ ህንፀት ንምእታው ስራሕቲ እናተሰርሑ እዮም። ብሓፈሻ ኣብ ቐፃሊ ዝወሃቡ ግዳያት ንምዕዋት ዘኽእል ቴክኒካል ብቕዓት ዘለዎም ሰባት ናይ ምፍራይ እቲ ዋና ስራሕ ብምዃኑ ኣብ ዝሕዚ ሰዓት ኣብ ፈተውትና ዝኾና ሃገራት ከይዶም እናሰልጠኑ ዝርከቡ ፓይሎታት ኣለዉ እዮም።

ብፍላይ ኣካዳሚ ንምጥንኻር ስርዓተ ትምህርቲ ምቕራፅ ስራሕቲ ብምስራሕ ናብ ተግባር ኣቲና ኢና። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ስልጠና ኣብ ጣና ሃይቅ እንገብሮ ኩነታት ክህሉ እዩ። ኦፕሬሽናል ኤሪያ ብምባል ፈሊና ዘቕረብናዮ ከባቢታት ዘሎ ኩነታት እንትመቻቾ ድማ ኣብ ቐፃሊ ዓመት ስራሕቲ ስልጠና ትምህርቲ ኣብ ጁብቲ፣ ሱዳን፣ ኤርትራን ሱማሌላንድን ክወሃቡ እዮም። ብሓፈሻ ኣብዚ ሕዚ እዋን ሓይሊ ባሕሪ ከም ሓደ ሓይሊ ንምውቓር ዘኽእል ስራሕቲ ተሰሪሑ እዩ። ኣብ ምስ ናይ ቐፃሊ ብፍላይ ኣብ ናይ 10 ዓመትና ትልምና ተተሓሒዙ በቢ ዓመቱ ክዓቢን ክልወጥን ብምስራሕ ዝተሓሰበ ብርኪ ምምፃእ ይከኣል እዩ።

ሕቶ፡- ናይ ቕድሚ ሕዚ ብጣዕሚ ጠንካራን ፍሉጥን ዝኾነ ሓይሊ ባሕሪ ክፈርስ ክኢሉ ምንባሩ ከም ሃገር እንታይ ከስእነና ክኢሉ? ሕዚ ድማ ካብ ዜሮ ተላዒልና ሓይሊ ባሕሪ ምጥያሽ ዘለዎ ጥቕሚ እንታይ እዩ?

ኮሞዶር ዋለፃ፦ ታሪኽ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ንሪአሉ ግዜ ሓይሊ ባሕሪ ብዘመናዊ መልክዕ ተጣይሹ ናብ ስራሕ ዝኣተወሉ 1948 ዓ.ም ኣብ ባፅዕ እዩ። ድሕሪኡ ዓርሱ እናጠናኸረ ብምምፃእ ብሄራዊ ጥቕሚ እዛ ሃገር ዘኽብረሉ ብርኪ በፂሑ ነይሩ እዩ። ድሕሪ እዚ ግና ስርዓት ደርጊ እንትመፅእ ሓይሊ ባሕሪ ዘመናዊ ብምግባር ጥንኩርን ብኣፍሪካ ተወዳዳሪ ክኸውን ተገይሩ እዩ ክሳብ 1983ዓ.ም ፀኒሑ።

ኣብ 1983 ዓ.ም ኣብ ሃገርና ብዘጋጠመ ናይ መንግስቲ ለውጢ ምኽንያት ኤርትራ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ኮይና ዓርሳ ምስከኣለት ሃገርና ወደብ ባሕሪ ኣልቦ እያ ኮይና። ኣብቲ እዋን መራሕቲ ፖለቲካን ውሳነ ውሃብትን ሓይሊ ባሕሪ እናዳኸሙ ብምምፃእ ብ1986 ዓ.ም ብሕጋዊ መገዲ ዝፈረሰሉ ኩነታት እዩ ነይሩ። ጠንካራ፣ ሉኣላውነትን ጥቕሚ ሃገርን ብዘተኣማምን ኩነታት ዘኽብር ሓይሊ ባሕሪ እዩ ክፈርስ ተገይሩ። እዚ ከም ሃገር ዓብዪ ክሳራ ዘስዐበ እዩ ነይሩ። ድሕሪ እዚ ኩሉ ክሳራን ፃኒሕት ኣመታትን ንድሓር ናይ ሕዚ ከባቢ ሰለስተ ዓመት ብዝመፀ ለውጢ ምኽንያት ሓይሊ ባሕሪ ከም ሓዱሽ ክጣየሽ ተገይሩ እዩ።

ሓዱሽ ሓይሊ ባሕሪ ምጥያሽ ብፍላይ ሕዚ ዘሎ ኩነታት ጂኦ-ፖለቲክስ ናይ ምስትኽኻል ጉዳይ እዩ ዘሎ። ካሊእ ልዕሊ 95 ሚኢታዊ ዝኸውን ናይ ሃገርና ወፃኢን ኣታዊን ዝመላለስ ኣብ ባሕሪ እዩ። ኣብ ባሕሪ ዝስትውዐል ዘሎ ሽፍትነት ንዓለም ዘስግእ እዩ። እዚ ኩነታት እዚ ብኸምዚ ዓይነት ባሕሪ ንጥቐም ኮይና ናይ ኣታዊን ወፃኢን ፍርያት ድሕንነትን፣ብሄራዊ ጥቕሚ ሃገርና ምሕላው ሓደ ስትራቴጂና እዩ። ካብዚ ወፃኢ ድማ ሃገርና ካብ ጎረቤት ሃገራት ዘለዉ ወደባት 60ን 65ን ኪሎ ሜትር ጥራሕ እያ ሪሒቓ እትርከብ፤ ብዝኾነ ዓይነት ኩነታት ካብ ባሕሪ ተበጊሱ ኣብ ሃገርና ዝፍኖ መጥቓዕቲ እንተልዩ ብቐሊሉ ንምክልኻል የኽእል እዩ። ብሓፈሻ ሓይሊ ባሕሪ ምጥንኻሩ ናይታ ሃገር ብሄራዊ ጥቕሚ ንምኽበርን ኣታዊን ወፃኢን ምህርቲ ብሰላም ክጎዓዓዝ ብምግባር ዓብዪ ትርጉም ኣለዎ እዩ።  ብኻሊእ ወገን ድማ ሓይሊ ምድሪ፣ሓይሊ ባሕር፣ ሓይሊ ኣየር፣ ሳይበርን ስፔስ ኮማንድን እዚኦም ኩሎም ብሓደ ክጠናኸሩ እንተለዉ እዩ ድሕንነት ሃገር ክሕሎ ዝኽእል።

ሕቶ፡- ሱዳን ዶብ ኢትዮጵያ ሓሊፋ መሬት ምውራራ ዝፍለጥ እዩ። እዚ ኩነታት እዚ መበገሲኡ ምናልባሽ ኢትዮጵያ ብናይ ውሽጣ ፀገም ተዳኺማ እያ ካብ ዝብል ሓሳብ ዝፈልፈለ እዩ። ምስ እዚ ተተሓሒዙ ሕዚ ከም ሃገር ዓርስና ናይ ምክልኻል ዓቕምና ኣብ ምንታይ ብርኪ ይርከብ ይብሉ?

ኮሞዶር ዋለፃ፡– ክንርደኦ ዘለና ፀላእትና ሕዚ ብዘሎ ኩነታት ብቐጥታ እናተዋግኡና ኣይኮኑን ዘለዉ። ናይና ውሽጣዊ ክፍተት እናተጠቐሙ እዮም ዝርከቡ። ኮይኑ ግና ሕዚ ዘሎ ጥንካረ ሰራዊትና ሓድነቱ ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ዝጠንከረን ዝዳበረን እዩ ዘሎ። ከም ዜጋ ኣብ ውሽጥና ዝኾነ ዓይነት ናይ ፖለቲካን ኣተሓሳስባን ፍልልይ ክህሉ ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር ኣብ ጉዳይ ሃገርና ሓደ ኢና። ሰራዊትና ድማ ካብ ኣቐራረፅኡ ጀሚሩ ዝተፀንዐ ብምዃኑ ናይ ማንም ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ የብሉን፤ ልኣላውነት ሃገር ከይድፈር ናይ ምሕላው ሓላፍነት እዩ ዘለዎ። ነዚ ተረዲኡ በዚ መገዲ እዚ እዩ ሓላፍነቱ ብዝግባእ እናተዋፀአ ዝርከብ።

ብኻሊእ ወገን ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ምድሪ፣ ሓይሊ ባሕሪ ካልኦትን ኣብ ናይ ዓውደ ውግእ ብምጥማርን ተወዲቦም ብምንቕስቃስን ድሕንንት እታ ሃገር ንምሕላው ዘኽእል ኣብ ዘተኣማምን ዓቕሚ እዮም ዝርከቡ። ዝኾነ ዓይነት ፀላኢ ብዝኾነ ዓይነት ይምፃእ ክደፍረና ኣይኽእልን። ምኽንያቱ ዓቕምና ኣብ ዘተኣማምን ብርኪ እዩ ዝርከብ። ባሕሪ ሓይሊ ከም ባሕሪ ሓይሊ ሕዚ ዘለዎ ድልውነት ቐፃሊ ክመፁ ዝኽእሉ ነገራት ኩሉ ተሓሳቢ ዝገበረ ብምዃኑ ሕዚ እንተይኮነ ፅባሕ እንድሕር ፅባሕ ብባሕሪ ክመፅእ ዝኽእል ጥቕዓት ንምክልኻል ዘኽእል ብርኪ ክህልዎ ተገይሩ እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ። ሕዚ ብዘለዎ ኩነታት ሓይሊ ኣየርናን ሓይሊ ባሕርናን እንተሪእና ኣሎ ዝባሃል ምድላው ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐ፣ ብብቕዓት ብኣካልን ብስነ ምግባርን ዝተሃነፀ ብምዃኑ ዝኾነ ፀላኢ ንምምካት ዘኽእል ኣቕሚ ኣለዎ።

ሓይሊ ባሕሪ እንተኾነ ‘ውን ተመሪፆም ናብቲ ሞያ ዝኣትዉ ሰባት ካብ ምምልማል ጀሚሩ ኣብ ውሽጥን ደገን ሃገር ዝወስድዎ ዘለዉ ስልጠና ብጣዕሚ ዝተፀንዐን ውፅኢታዊ ዝገብርን ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ሓይሊ ባሕርና ንቐፃሊ ዓብዪ ስራሕ ዝሰርሕ ከምዝኸውን እዩ ዘርኢ። ሕዚ ‘ውን እንተኾነ ናይ ደገ ፀላእቲ ኣብ ዝፋታተኑና እዋን ሓይሊ ኣየርና ንምምካት ኣብዘተኣማምን ኩነታት እዩ ዝርከብ። ስለዚ ምስ ካልኦት ሓይልታት ብሓደ ኮይኑ ግቡኡ ንምውፃእ ዘኽእል እኹል ሞራልን ድልውነትን ከምኡ ‘ውን ብቕዓት ዘለዎ ሓይሊ ባሕሪ ከምዘለና ክዛረብ እኽእል እየ።

ሕቶ፡- በዚ መልክዕ እዚ ናይ ባዕልና ዓቕሚ እናጠናኸርና ጎኒ ንጎኒ ዓቕሚ ፀላእትና ምፅናዕ ድማ ወታደራዊ ሳይንስ ዝእዝዞ ተግባር እዩ ዝመስለኒ። ስለዚ ኣብዚ ኩነታት እዚ ዘለና ምድላው ኣብ ምንታይ ብርኪ እዩ ዝርከብ?

ኮሞዶር ዋለፃ፡– ሓቒ እዩ ሓይሊ ሚዛን ምሕላው ከም ሓደ ወታሃደራዊ ሳይንስ ዝረአ እዩ። ፀላእትና ኣብ ሃገርና ጥቕዓት ንምፍፃም ዝሓስቡ ከምዘለዉ ስለ እንፈልጥ ናቶም ዓቕምን ናይና ዓቕምን እንታይ ከምዝመስል ምርኣይ መሰረታዊ ነገር እዩ። በዚ መሰረት ከምዚ ዓይነት ስራሕ ተሰሪሑ እዩ ኢለ ብዝርዝር ምዝራብ ዋላ ኣይንኽኣል፤ዓቕምና ንምጥንኻር ብዙሕ ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም። ካብ ዝሰራሕናዮ ስራሕ ብምብጋስ ናይ ባዕልና ዓቕሚ እንትንርኢ ድማ ብጣዕሚ ዘተኣማምን እዩ። ጎረባብትና ሃገራት ምሳና ዘለዎን ፀገም ብዲፕሎማስያዊ መገዲ ብምዝርራብን ብምድምማፅን ምፍታሕ ድማ ቐዳምነት ንህቦ ጉዳይ እዩ ዝኸውን። ካብዚ ሓሊፉ ግና ብሉኣላውነትናን ብብሄራዊ መንነትናን መሰረት ገይሩ ጥቕዓት ንምፍፃም ዝሙኩር ሓይሊ እንተሃልዩ ብዘተኣማምን ኩነታት ምምካት ዘኽእል ሓይሊ ኣሎ እዩ። ንሳቶም ምስ ዘለዎም ዓቕሚ ክረአ እንተሎ እኹልን ተማጣጣኒ ብቕዓት ዘለዎ ሓይልን ምድላውን ኣለና።

ሕቶ፡- ናይ ቕድሚ ሕዚ ብዙሕ ልምዲ ዘለዎም ሓይሊ ባሕሪ ሕዚ ነዚኦም ኣብ ምጥቓም ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል?

ኮሞዶር ዋለፃ፡- ካብ መበገሲ ከም መርኣያ ወይ ፅቡቕ ተሞክሮ ገይርና ዝተጠቐምናሎም ንሳቶም እዮም። ሕዚ ‘ውን ብዕድመ ዝደፍኡ ዋላ ይኹኑ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ስርዓት ካብ ምቕራፅ፣ ኣባል ሓይሊ ባሕሪ ንምግባር፣ብትምህርቲ፣ዕድመ ከምኡ ‘ውን ብኣካል ብቕዓት እንታይ ዓይነት ሰብ እዩ ክምረፅ ዝኽእል ኣብ ዝብል ምኽሪ ኣብ ምሃብ ዓብዪ ግደ ነይርዎም እዩ። ንሕና ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ወተሃደራት ኢና መፂእና። ናይ ሓይሊ ባሕሪ መሰረታዊ ስልጠና ‘ውን የብልናን። እንተዀነ ግና ካብ እተፈላለያ ሃገራት ዝረኸብናዮ ተሞክሮን ብኣማኸርቲ ካብ ተፈላለዩ ሃገራት ዝመፁ ሰብ ሞያ ዋላ ይንበሩ እዞም ናይ ቕድሚ ሕዚ ዝነበሩ ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ ዝገበርዎ ኣስተዋፅኦ ቐላል ዝባሃል ኣይኰነን። ብምዃኑ ቅድሚኡ ካብ ዝነበረ ሓይሊ ባሕሪ ተበጊሶም ሕዚ ዝሓሸ ሓይሊ ባሕሪ ንምህናፅ ድሌት ስለ ዝነበሮም ንዓና ብሞራል እናደገፉ ኣብዪ ስራሕ ሰሪሖም እዮም።

ሕቶ፡-ኮሞዶር ንባዕሎም መብዛሕትኡ ናይ ስራሕ ሂወቶም ዘሐለፍዎ ኣብ ሓይሊ ኣየር እዩ። ሕዚ እዚ ትካል እዚ ብዝተራቐቐን ብዝዘመነን ቴክኖሎጂ ዝሕገዝ ብምዃኑ ብኣፍሪካ ፍሉጥ ክኸውን ክኢሉ ኣሎ እዩ። እዚ ባሕሪ ሓይሊ ‘ውን ኣብ ከምዚ ዓይነት ብርኪ ክበፅሕ ካብ መን እንታይ ዓይነት ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኮሞዶር ዋለፃ፦ ሓይሊ ኣየር ሕዚ ኣብዘለዎ ብርኪ ክበፅሕ በቢ ስርዓቱ ተደማሪ እናኾነ ምምፅኡ ጠቒምዎ እዩ። ከም ሓይሊ ባሕሪ ኣብ ሓደ እዋን ተቖሪፁ ዝቐረየ ኣይኮነን። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ድማ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካ ኣብ ጥቕሚ ዘይዋዓሉ ድሮናት ኣብ ጥቅሚ ብምውዓል ናይ ሃገር ድሕንነት ንምሕላው ዘኽእሉ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ እዩ። ሕዚ ሓይሊ ባሕሪ መሰረት እናሓዘ እዩ፤ ጠንካራን ፅዕንቶ ፈጣሪን ሓይሊ ባሕሪ ንምጥያሽ ዘኽእል ስራሕቲ እዩ ኣብ ዝሕዚ ሰዓት ዝስራሕ ዘሎ፤ እዚ ድማ ብዕጥቒ፣ሓይሊ ሰብ፣ ድልውነት ስልጠናን ብኹሉ መዳይ ውፅኢታዊ ዝኾነ ስራሕ ሰሪሕና ፅዕንቶ ፈጣሪ ዝኾነ ሓይሊ ባሕሪ ንምህናፅ ወሰንቲ ዝባሃሉ ስራሕቲ እናሰራሕና ኢና። ግና እዚ ውፅኢት እዚ ንኽመፅእ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ዝተመደበ ሰብ ጥራሕ እንተይኮነስ ኩሉ ዜጋ ሓገዝ ክገብር ይግባእ። ሕዚ ብዘሎ ኩነታት መንግስቲ እቲ ዘፈር ምእንቲ ክጣናኸር ልዑል ሓገዝን ፃዕርን እናገበረ እዩ። መከላኸሊ ድማ ንዝዀነ ይኹን ሕቶታትና ቕልጡፍን ፈጣንን ምላሽ ኣብ ምሃብ ልዑል ግደ እናተፃወተ እዩ ዝርከብ። ከምዚ ብምዃኑ እዚ ሓይሊ እዚ ክድልድል ዝተጀመረ ብዙሕ ደገፍ ክቕፅል እዩ። ካብዚ ብምብጋስ ድማ ድሕሪ ሓፂር እዋን ትንሳኤ እነብስረሉ ክኸውን እዩ ኢለ ይሓስብ።

ሕቶ፡- ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ስለዝየብላ ሓይሊ ባሕሪ እንታይ ክገብረላ እዩ፤ ከመይከ ከትጥቐመሉ እትኽእል ዝብሉ ኣካላት ኣለዉ። ነሶም ኣብዚ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ እዩ?

ኮሞዶር ዋለፃ፡- በሪ ባሕሪ ዘይብሎም ሃገራት ኮይኑ ግና ጠንካራ ሓይሊ ባሕሪ ዘለዎም ከም ኣብ ኣፍሪካ፣ ኤዢያ፣ ላቲን ኣሜሪካ ብዙሓት ሃገራት ኣለዉ እዮም። ንኣብነት ኣብ ጅቡቲ ዝሰፈሩ 26ን 27ን ሃገራት ኣለዉ እዮም። እዞም ሃገራት እዚኦም ድማ ምስ ሃገርና እንትነፃፀር ብኣሻሓት ኪሎ ሜትራት ኣቋሪፆም ብምምፃእ ዝሰፈሩ እዮም። ንሕና ድማ ካብ ዶብና ናብቲ ባሕሪ ንምብፃሕ 60 ኪሎሜትር ጥራሕ እዩ ከንጎዓዝ ትፅቢት ዝግበረና። ከምዚ ዓይነት ኣብ ዘለዎ ኩነታት በሪ ባሕሪ የብልናን ኣየድልየናን ማለት ዘይምፍላጥ እዩ። ትኽክል ኣይኮነን።

ካብ ጎረቤት ሃገራት ብሊዝ ቦታታት ብምግዛእ ከም ማንም ሃገር ናይ ባዕልና ግዝኣት ምምስራት ይከኣል እዩ። ብምዃኑ ወፃኢን ኣታዊን ፍርያት ሃገርና ዝጎዓዘሉ ከባቢ ናይ ምፍላይ ስራሕቲ ተሰሪሑ እዩ። ኣየናይ ወደብ እዩ ዘድልየና ዝብል ተፀኒዑ ቐሪቡ እዩ። እዚ ፅንዓት እዚ ውሳነ እንትረክብ መሰረተ ልምዓታትና ኣማሊእና እንሰርሐሉ ኩነታት እዩ ዝኸውን።

ሃገርና እናዓበየት ምስ እትኸድ ፀላእቲ እናበዝሑ እዮም ዝኸዱ፤ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ካብ ባሕሪ ዝፍነዉ መጥቃዕቲ ምክልኻልን ናይ ባዕልኻ ሃገራዊ ድሕንነትን ንምሕላው ሓይሊ ባሕሪ ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። ብተወሳኺ እነእትዎን ሰደድ እንገብሮን ምህርቲ ሰላማዊ ከይዲ ክህልዎ እዩ ዝገብር፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ባሕሪ እናበዝሐ ዝኸይድ ዘሎ ዓማፂ ምስ ምብዝሑ ተተሓሒዙ ኣብ ግምት ብምእታው መራኽብና ምዕጋት እንተጋጢምዎም ናይ ካልኦት ሃገራት ባሕረኛታት በጃኹም ኣልቑቕልና ምባል ቐሊል ኣይኰነን። ስለዚ ዓርስኻ ናይ ምክልኻል ግደ ቀሊል ኣይኰነን። ወደብ የብልናን ዝብሉ ሰባት ትኽክል እዩ፤ እወ የብልናን። እንተዀነ ግና በሪ ባሕሪ ዘይብሎም ሃገራት ብባሕሪ ሓይሎም ፍሉጣት ብዙሓት ሃገራት ኣለዉ እዮም። ስለዚ ኣፍ ደገ ባሕሪ ስለ ዘይብልና ሓይሊ ባሕሪ ኣየድልየናን ማለት ጌጋ እዩ።

ንዝነበረና ፃኒሕት የቐንየለይ።

ኮሞዶር ዋለፃ፦ ኣነ ‘ውን የቐንየለይ

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You