ማሕበረሰብ እስልምና ፆም ረመዳን ብፍቕርን ብምትሕግጋዝን ከሐልፍ ተሓቲቱ

መኣርግ ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡- ማሕበረሰብ እስልምና መበል 1442 ፆም ረመዳን ንፈጣሪኡ ተገዛኢ ብምዃን፣ብምርድዳእን ብምትሕግጋዝን ከሓልፎ ይግባእ ክብል ጉዳያት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ማሕበረሰብ እስልምና ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ጉዳያት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ እስልምና ኣዲስ ኣበባ፣ ኣብ ውሽጢ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኢትዮጵያን ከምኡ’ውን ካብ ኢትዮጵያ ወፃኢ ንዝነብሩ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን እስልምና ማሕበረሰብ መበል 1442 ፆም ረመዳን ኣመልኪቱ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ሼህ ዓሊ መሓመድ ሽፋ ምጅማር ወርሒ ፆም ረመዳን ኣመልኪቶም፣ ፆም ረመዳን ናይ ፍቕሪ፣ ሓድነትን ዝተቐደሰን ክኸውን ትምኒቶም ገሊፆም።ሰዓብቲ እምነት እስልምና ፅጉማት፣ ድኹማት ከምኡ ‘ውን ዘኽታማት ብምሕጋዝ ክሐልፉ ከምዝግበኦም ፃውዒቶም ኣመሓላሊፎም።

ረመዳን ናይ ምትሕግጋዝን ርህራሄን ወርሒ እያ፣ ብምዃኑ ኣብ ከተማ ዝርከብ ማሕበረሰብ እስላም ወርሒ ረመዳን ብኢባዳ፣ ብፍቕሪ፣ ብምርድዳእን ብምትሕግጋዝን ከሓልፎ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝተፀንዑ ቑፅሪ ሕሙማት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እናወሰኸ ምምፅኡ ብምዝኽኻር፤ ኣብዛ ዝተቐደሰት ወርሒ ማሕበረሰብ እስላም ንፀሎት ኣብ ዝእከበሉ ግዘ ሰብ ሞያ ጥዕና ዘመሓላልፍዎም ምኽሪታት ብምቕባልን ኣብ ግብሪ ብምውዓልን ኣድላይ ጥንቃቐ ክገብር እውን ኣተሓሳሲቦም እዮም ።

 ኣብተፈላለዩ ክልላት ዝረኣዩ መንነትን ሃይማኖትን መሰረት ገይሮም ዝፍፀሙ ጥቕዓታት፣ ምዝንባልን ንብረት ምዕናውን ከምኡ’ውን ሂወት ህፃናት፣ ኣዴታትን ሽማግለታትን ንምጥፋእ ምኽንያት ምዃኑ ብምጥቓስ፤ ኣስተምህሮ እስልምና ሃይማኖትን መራሕቲ እቲ እምነትን ኣትሪሩ ከምዚዅንኖም ተዛሪቦም። ኢትዮጵያውያን ነቲ ፍፃመ ብምዅናን ንህዝቢ ፅቡቕ ብምሕሳብን ቐዳምነት ብምሃብን ነቲ ፀገም ብዝርርብ ክፈትሕዎ ትፅቢት ከምዝግበር ተዛሪቦም።

ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኣመልኪቶም ከምዝበልዎ፣ካብ ሓይልታት ወፃኢ ዝበፅሕ ዘሎ መጥቓዕቲ ኢትዮጵያውያን ሓድነትን ሃገራዊ መንፈስን ሒዞም ጠጠው ብምባል ክዅንንዎ ይግባእ። ንሓበራዊ ሃብቶም ጠጠው ብምባል ህንፀት እቲ ግድብ ክሳዕ ዝዛዘም ብገንዘብን ካልኦት ተፈላለዩ ሓገዛትን ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ መኺሮም።

ለብዘበን ኣብ ዝግበር ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ተናሕናሕቲ ፓርትታት ዝገብርዎ ጎስጓስ መረፃ ሰብኣዊ መሰላት ብዘኽብር መገዲ ክካየድ ይግባእ ኢሎም። ንማሕበረሰብ እስልምና ድማ ካርድ መረፃ ብምውሳድ መራሕቱ ብምምራፅ ሃገራዊ ግዴትኡ ንኽዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You