ኢትዮጵያ ክትዕምብብ እያ

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣፍሪካ ኢሉ’ውን ኢትዮጵያ ምስ ቻይና ብርቱዕ ምትእስሳር ሃልይዋ፤ብሕብረት ናይ ምስራሕን ልዑል ስምዒት ምርድዳእ ስለዝርኣይ ንኣሜሪካ ኣብ ልዑል ስግኣት ኣእትይዋ እዩ። ኢትዮጵያ ንሓዋሩ ኣብ ዓለም ተፈላጢት ኾይና፤ፅዕንቶ ናይ ምፍጣር ኹነታት ስለዘለዋ ሃገራት ኣፍሪካን ኤስያን ኣተሓባቢራ ክትደፍአኒ እያ፤ንምዕራባውያን ኣይትእዘዝን ብዝብል ስግኣት ተደቂንዋ ኣሎ። ኢትዮጵያ ብኹሉ መዳይ እንተተመዓራርያ ኣይትከኣልን ዝብል ናይ ውጥረት ሓሳብ ኣብ ኣሜሪካን ምዕራባውያንን ጭንቀት ኣሕዲሩ እዩ።

ብኻልእ ወገን ድማ፤ብሽም ረድኤት ንዓኣ ዝመስላ ምዕራባውያን ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከም ልቢ ኣትዮም ኹሉ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ቑፅፅሮም ንምግባር ድሌት ነይርዋ እዩ፤ኣይኾነላን ‘ምበር። ካበዚ ዝነቐለ ድማ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣሜሪካ ኻልኦት ዝመስልኣ ኣካላት ኣተሓባቢራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብዝኾነ ኹነታት እስካብ ሐዚ ዘይተለመደን ዘይተጠቐመትሉ መረብ ተንኮል ዘርጊሓ ንኢትዮጵያ ናብ ድሕሪት ንምጉታት ፅዕንቶ እናገበረት እያ። መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እናፈጠሮ ዘሎ ፅዕንቶ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዝኾነ እቲ ህዝቢ ክግንዘብ ይግባእ። ነቲ ጉዳይ ‘ውን ትኹረት ሂቡ ምክልኻልን ብፅንዓትን ብሓድነት ጠጠው ክብል ኣለዎ።

ግብፂ ስግኣት ሕፅረት ማይ ዘይኮነስ፤ምንካይ ልሙዕ ሓመድ ኢትዮጵያ ከምዘጠዓሳ ኣሜሪካ ‘ውን ኻሊእ ፀገም ዘይኮነስ ብምኽንያት ኢትዮጵያ ምስ ቻይናን ኻልኦት ሃገራት ኤስያን ናይ ቐረባ ርክብ ስለዝገበረት ውፅኢት ስግኣትን ፍርሕን ንኢትዮጵያ ወጢራ ዝሓዘታ። ኣሜሪካ ትኹን ኻልኦት ደፋር ሃገራት ካብ ኢትዮጵያ ኢዶም የልዕሉ። ካብዚ ተንኮሎምን ማዕበል ፖሮፖጋንዳ ክግደቡ ይግባእ። ከምኡ ‘ውን ጥንቃቐ ክገብሩ ከምዝግባእ ኢትዮጵያ ኣጥቢቓ ትመኽሮምን ተጠንቅቖምን። ዝስዕቦምን ዝመፅእን ጉድ ኣይተገንዘቡዎን ወይ ድማ ኣይፈለጥዎን።

ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ወዲ ሰብ ብኣእምሮ በሲሉ ብሓሳብን ብጥበብን ኣብ ዝመጠቐሉ እዋን፤ልዕሊ እዚ እየ እትብል ኣሜሪካ ናብ ታሕቲ ወሪዳ ዝተርኣየትሉ ዓለም ከይተገረመ ኣይተርፍን። እዚ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እትገብሮ ፅዕንቶን መቕፃዕትን መስተውዓሊ ዘበለ ኹሉ ብፅሞና እንተተመልኪትዎ፤ቕድሚ 70 ዓመት ኣብ ውሽጢ ጃፓን ሄሮሹማን ናጋካሲን ዘውደቐቶ ኣቶሚክ ቦምብ ዘይነኣኣስ ድርጊት እዩ። ምኽንያቱ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን፤ፅቡቕ ዲሞክራሲ ዝሓቆፈ መገዲ ዕብየት ኣብ ዘለትሉ እዋን ምስ ሃወኽቲ ሃገራን ኣብ ፅልመት ዝርከቡን ኾይና፤ ንኢትዮጵያ ፅልመት ንምኽዳንን ብፀልማት ንምግራድ ምፍታና ፤ኣሜሪካ ኢትዮጵያ ኽሳዳ ንኽተድንን እንተፀዓረት ‘ውን ኣይተሳኸላን ዒላማኣ ስሒታ እያ። መፃወዲኣ’ውን ተሰቢሩ እዩ።

ኣሜሪካ ድሕሪ ሕጂ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ዲፕሎማሲ፤ ኣብ ማዕርነትን ምርድዳእን ጥራሕ ዝተደረኸ እዩ። ዲፕሎማሲ ኣዛዛይን ተኣዛዛይን ተቛሪፁ እዩ። ሞት ንባዕሉ ይሙት ኢትዮጵያ ግና ኣይትመውትን። ኣይትቐትልን’ውን። መራሕቲ ኣሜሪካ መራሒ ፍሬን ከም ዝተበጠሶ መኪና ሲኖ ትራክ ኾይኖም እዮም። ኹሎም ኽፉኣት እናፀሙለዩን እናመኸኑን ክኸዱ እዮም። ኢትዮጵያ ግና ኣይትጥውልግን፤እናዓምበበት ንቕድሚት ክትግስግስ እያ፤ክትብልፅግ እያ ድማ። ኣሜሪካ ጠጠው ኢላ ንዓርሳ እንተትርኢ ኣብዚ ዘበን እዚ ብፀልማት ከምዝተኸበበት ትፍለጥ፤ ኣብ ዓለም ዝርከቡ ራዕዳውያን ዝተብሃሉ ኹሎም ንኣሜሪካ ኸቢቦም እናዓለምዋ እዮም ዝርከቡ።

ናይ ባዕላ እናሓረራ ናይ ሰብ ተሕብር ከምዝበሃል፤ብስራሕቲ ግብረ ራዕዲ ንጉሰ ነገስት ዓለም ዝኾነ ኣልቃይዳ ሓሻኽራቱ ታሊባን፣ ኣልኢትሃድ፣ ኢዝቦላ፣ ኣልሽባብ፣ ኣይ ኤስ ኤስ፣ ሃማስ፣ ቦኮሃራምን ኻልኦትን ንኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ዕላምኦም ኣእትዮም ብኽፉእ ስግኣት ወጢሮም፤እናሓመስዋ ካብ ገፅ ምድሪ ንኸጥፍእዋ ኣብ ዝሓሰቡሉ እዋን፤ኣሜሪካ ኻልኦት ዝፀንሑ ፈተውታ ክትስእን ኣይምነበራን። ስለዝኾነ ንኢትዮጵያ ካብ ምቕያም እንተተቖጠበት ዝሐሸ ይኸውን። ኢትዮጵያ ዘብዒ ምስራቕ ኣፍሪካ ስለዝኾነት። ኣንፃር ራዕዳውያን እውን እያ።

ፍዳን ሓጥያትን ኣሜሪካ ኣብ መረፃ 2020 ተጀሚሩ ‘ምበር ኣይተፋረቐን። ብኻልእ ወገን ንዓለም ብራዕዲ ወጢሮም ካብ መንጎ ዝሓዙ ራዕዳውያን ብዘይንእስ ብፅዕንቶን ብሓይልን ከም ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ዓለም እትገብሮ ኹሉ እናሰርሐት ትርከብ። ስለዝኾነ ኣሜሪካ ጉዕዞ መስመራ ክተመዓራርይ ኣለዋ። ፈፂማ ንኸይትጠፍእ። ንምዃኑ ኣሜሪካ እትኽተሎ ዲሞክራሲ ኢትዮጵያ ብዝሐሸ መገዲ ኣብ እትምርሐሉ እዋን እዚ ኹሉ ዓይኒ ዘውፀአ ፅዕንቶን ተንኮልን ዘብዘሐትሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?እቲ ጉዳይ ኣብ ላዕሊ ከም ዝተጠቐሰ ንምንታይ ምስ ቻይና ተፏተየት እዩ። ኣሜሪካ ሓያልን ግንንትን ዝገበራ፤ስልጣንኣን ዕብየታን ዘይኮነስ ኣብ ዓለም ብእትገብሮ ምጭብርባርን ሸፈጥን እዩ። ኣሜሪካ ናይ ትማሊ እያ፤529 ዕድመ ዘለዋ፣ይኹን ‘ምበር ብስራሕቲ ተንኮላ ናብ ቕድሚት ተወንጪፋ እያ፤ኢትዮጵያ ንኣሜሪካ እነሓጎአ ጥራሕ ዘይኮነትስ ልዕሊ 3000 ዘበናት መሰረት  ዘለዋ ሃገር እያ። ድሕሪት ዝመፀ ዝመፀፀ ኾይኑ ‘ምበር።

ኣሜሪካ ቀውስን ኣዙሪትን ተጠናዊትዋ ኣሎ፤ገና ድማ ኽፉእ ሕማም መርዘን ይፀበያ ኣሎ፡፤ኣይተፈለጠናን ‘ምበር ኣሜሪካ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ኣብ ልእሊ ኢትዮጵያ ኲናት ደርጒሓ እያ፤ይኹን ‘ምበር እሳ ብዝድህሰስ ኣፅዋር እንተወግአትና ‘ውን ኣንሕና ብዘይድህሰስ ኣፅዋር ክንወቕዓ ኢና። እቲ ምሽጥር ‘ውን ብተግባር እዋን ክኽፈት እዩ። ብሕቡእ ዝፀንሐ ትምኒት ኣሜሪካ፤ ኢትዮጵያ ናይ ኣሜሪካ ፅግዕተኛ ኾይና ንዘልኣለም ንኽትነብር ዝነበረ ድሌታ ሐዚ ተቓሊዑ እዩ። ብዝኾነ ኣንፈት ኢትዮጵያ ዓርሳ ኽኢላ ንኸይትነብር ልክዕ ከም ምዕጋት እያ ተርእዮ ዘላ ድርጊት።

ባንኪ ዓለም ወይ ድማ ኣሜሪካ ዘይኮነስ፤ተፈጥሮ ብዝዓደላ ፅሩይ ሃፍታ ሩባ ኣባይ ንኸይትጥቀም ብቀጥታ ንብረታ ንዘይኮነ ሃገር ምውጋና መሕፈሪ ድርጊት ከምዝኾነ ተዝርዳኣ፤ታሪኽን ጋህድን ንቐፃሊ ክግለፀላ እዩ፤ብሱሩ ኣሜሪካ ብዛዕባ ታሪኽ ኣባይ እንታይ ትፈልጥ?ኣባይ ምፍሳስ እንትጅምር ምድሪ ኣሜሪካ ኣይነበረን፣ኣይተሓሰበን። ኣሜሪካ ተዘይሓገዘታ ‘ውን እታ ድጋፍ እትደሊ ሃገር፤ኹሉ ግዘ ኣብ መሰላል ደይባ ንዓለም ካብ ምልፍላፍ ኣይተቖጠበትን። ኣይኾነላን፤ግዘ ተለዋዋጢ እዩ። ብኹሉ ነገር እትኾርዕ ኣሜሪከ፤ኢትዮጵያ ዳቢራ ንኣሜሪካ ብቑጠባ ይኹን ብኹለ መዳይ ተመሓድራ ትኸውን፤እዚ ፈጣሪ ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ፤ንሰብ ግና ነበርያ ነበረ እዩ ዝመስል።

ኣሜሪካ ኣይተረድኣን ‘ምበር ንኢትዮጵያ ብዘይኣግባብ ዝተንከፉ ኹሎም እንታይ ከምዝወረዶም ካብ ታሪኽን ካብ ሕሉፍ ኹነታትን ምፍላጥ ምተገበኣ ነይሩ። ናይተን ሃገራት ሽም ምፅራሕ ኣድላዪ ተዘይኮነ ‘ውን ፈራሪሰን መንግስቲ ኣልባ ዝኾና ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝተተናኾላ እየን። ኣሜሪካ’ውን ንኢትዮጵያ ምትንካፍ ካብ እትጅምር ናብዚ ኣብ ልዕሊኣ ዝበፅሐ ነገር እስኪ ትሕሰቦ፤ኣካይዳን ኣመራርሐን ዲሞክራሲ ኣብ 2020 ዝተበላሸየ ምዃኑ፤ኣናእሽተይ ሃገራት ዓለም ክንዲ ዝተኸላኸለኦ እኳ ናይዚ ዘበን ለበዳ ሕማም ዘይተኸላኸለት ደኽምቲ ኾይና ምርኣያን ብዙሓት ህዝብታታ ክረግፉ ምግባራ፤ብሓይሊ ሰራዊት ‘ውን ምስ ዝኾነት ድኽምቲ ሃገር እንተገጢማ እኳ ከምእትስዓር ምልክታት እናተርኣዩ እዮም።

ሐዚ’ውን ትምቢት እዩ፡-ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ብእትፍሕሶ ውዲት፤ዘበናተን ዓመታትን ከይተቖፀሩ ኣብ ውሽጢ ሓፂር እዋን እንታይ ከምዝወርዳ ተመራመ ብስልጣነን ብቑጠባን ልዕልቲ እየ እንተበለት ውን፤ብሓደ ሓደ ብልሹዋት መራሕታ ተዋሪዳ ትሕቲ ዓለም ከምዝኾነት ትረዳእ፤ኣሜሪካ ድሕሪ ሐዚ ጥሮታ ክትወፅእ ኣለዋ። ዝኾነ ዘገልገለ ኣቕሓ ይኹን ሰብ ኣብ መወዳእታ እዋን እንትበፅሕ ንሰብ ጡረታ ንኣቐሐ ድማ ናብ መአከቢ ጋርቪጅ ክወፅእ ይግበኦ። ኣሜሪካ ‘ውን ብኹለመዳይ ዕብየታ ንዕሊ ኹሉ እየ ኢላ ዝኾረዐት ሃገር ስለዝኾነት ፍልጠት በዚሕዋ ፅልልቲ ኾይና ኣላ። ድሕሪ ሐዚ ሰኣን ውንኣ ጥፍኣት ካብ ምስራሕ ሓሊፋ ፅቡቕ ነገር ስለ ዘይተበርክት ገለል እንተበለት ይሓይሽ። ኣሜሪካ ብስራሕቲ ውዲትን ተንኮልን ተዘይትሰክር ነይራ ብዕድምኣ ገና ዕሸል እያ፤ መሬታ’ውን ዝተረኸበ ካብ 1492 ዓ/ም ናብዚ እዩ።

 ብናፅነት ዝነበረትሉ እዋን ድማ ን241 ዘበናት ዝኣክል እዩ። ስለዝኾነ ፅቡቕ ንም ስራሕ ኣይምረፈዳን ነይሩ። ይኹን‘ምበር ልዕሊኹለን ሃገራት ዓለም ታህዋኽ ኣብዚሓ፣እትሰርሖ ውዲትን ተንኮልን ኣእሪግዋ። ፈላጣት ብመፅናዕቲ ከምዝብልዎ እንተኾይኑ፤ሰብ ተንኮል ዘብዝሕ እንተኾይኑ ብጭንቀት ስለዝፅመድ ደሙ ተመጢጡ ንእርጋንን ማህሰይትን ቐልጢፉ ይቃላዕ። እስኪ ብመረዳእታ ነስተውዕል፤ፖለቲከኛታት ዝኾኑ ኹሎም ህፁፃትን ቑጡዓትን ብምዃኖም፤ሸፈጥ የብዝሑ፣ነገራ ምትሕንፋፅ ይፈተዉ፣ነንባዕሎም ጭቕጭቕ የብዝሑ።

 በዚ ምኽንያት ኣእምሮኦም ብጭንቀት ስለዘይዓርፍ ቕድሚ ኣእምርኦም ምስሓቶም፤ቐልጢፎም ይአርጉ። እቶም ውሑዳት ድማ ተንኮልን ሓሶትን ስለዝሰርሑ ቐልጢፎም ይወድቁ። ቐፃሊ ዕድል ኣሜሪካ’ውን እዚ እዩ። ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ካብ ምህዋኽ ፈንተት ትበል፤ከይተዋረደት ቐልጢፋ ንዓርሳ መኺራ ትመለስ። ተዘይኾይኑ ፈታዊታ ሰሜን ኮርያ መኺራ ትምለሳ። ሕጊ ዘይገዝኦ ሓይሊ ይገዝኦ እዩሞ። ብኻልእ መዳይ ራዕዲን መርዝን ዝነዝሑ ሓሳዳት ጋዜጠኛታት ዓለም፤ልዕሊ ደብዳብ ኣፅዋር ኲናት ብወረ ሓሶት እናኣደሙ ስለዝርከቡ ኣደብ ተዝገብሩ ይሓይሽ። ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ትኹረት ገይሮምን ዓሊሞምን ወረ ሓሶትን ሓደጋን እናዝነቡ ይርከቡ። በጃኹም ንፍልጠት (ሙህሮ) ኣኽብሩ።ዋላኳ ሰማይ እንተተዳህሰሰ ምድሪ እንተተፈተሸ፤ ኢትዮጵያ ብሓቂ፣ብፅኑዕ እምነትን ብፅቡቕ ኣመራርሓን ዝተሃቀነላ ውዲት ክኸሽፍ እዩ። ኢትዮጵያ ክትዕምብብ እያ። (ፍልፍል፤ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን)

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You