ሓድጊ ሰማንያ ዓመት

ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሰማንያ ዓመታት 30 ጉንበት 1933 ዓ.ም ፈላመይቲ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ብቋንቋ ኣምሓርኛ ብምሕታም ጀሚሩ። በዚ’ውን ኣብ ዘበናዊ ታሪኽ ሕትመት ሚድያ ናይ ባዕሉ ሓድጊ(ዓሻራ) እናቐመጠ ዝመፅአ እንትኾን ኣብዚ ሐዚ እዋን ዕለታዊ ጋዜጣ ኣዲስ ዘመንን ብቋንቋ እንግሊዝኛ ጋዜጣ ዘኢትዮጵያን ሄራልድ፣ ሰሙናዊ ድማ ብቋንቋ ዓረብኛ ጋዜጣ ኣል ዓለም፣ብቋንቋ ኦሮምኛ ጋዜጣ በሪሳ፣ብቋንቋ ትግርኛ ጋዜጣ ወጋሕታ፣ብቋንቋ ሲዳምኛ ጋዜጣ ባካልቾ ከምኡ’ውን ወርሓዊ ብቋንቋ ኣምሓርኛ መፅሄት ዘመን እናሐተመ ይርከብ።

እቲ ትካል ኣብ ሰማንያ ዓመት ጉዕዙኡ ዕለታዊ ዜና እናፀብፀበ ታሪኽ ብፅሑፍን ፎቶ ግራፍን እናሰነደ መፂኡ እዩ። በቢ እዋኑ ኣብ ኢትዮጵያ ብፅቡቕ ኮነ ብሕማቕ ዝተፈፀሙ ድርጊታት እናሰነደ ናይ ባዕሉ ሓድጊ እናቐመጠ ዝመፅአ ዓብይ ትካል እዩ። ሐዚ ድማ ካብ ውፅኢታት ሕትመት ብተወሳኺ ብኦን ላይን ሚድያ ተበፃሒ ንምዃን እናሰርሐ ይርከብ። ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ለውጢ ̋ብነባር መንነት ብሓድሽ ኣቀራርባ ̋ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ትሕዝቶ ለውጢ ኣብ ምምፃእ ኣሎ።ቐዳሚ ናይ ሕትመትን ኦን ላይን ሚድያ ንምዃን እናሰርሐን ውፅኢት እናመዝገበን እዩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 2013 ዓ.ም ድማ ጋዜጣ ወጋሕታ ብቋንቋ ትግርኛ፣ ጋዜጣ ባካልቾ ብቋንቋ ሲዳምኛ ብምጅማር ሓድሽ ታሪኽ ምስራሕ ጀሚሩ ኣሎ።እዘን ጋዜጣታት ውፅኢት ጉዕዞ ሰማንያ ዓመትን ለውጢ 3 ዓመትን እየን። ተወሰኽቲ ናይ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ቋንቋታት ሕትመት ንምጅማር ድማ ኣብ 10 ዓመት ስትራቴጅክ ትልሙ ኣቐሚጡ ኣሎ። ቪድዮ ፕሮዳክሽን ብምስራሕ ድማ ናይ ኦን ላይን ቴሌቪዥን ንምጅማር ህንፀት ስትድዮ ይጅምር ኣሎ።በዚ’ውን ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሉ ሓድጊ ከምዘቐምጥ ርግፅኛ ምዃን ይከኣል።

ኣብ ውፅኢት ሕትመት ናይ ትሕዝቶን ኣቀራርባን ለውጢ ንምምፃእ እናሰርሖ ካብ ዘሎ ስራሕ ብተወሳኺ ኣታዊኡ ንምድንፋዕን ማሕበራዊ ሓላፊነቱ ንምውፃእ ናይ መንግስቲ ሓበሬታ ዳይሬክተሪ ዘሐተመ እንትኾን፣ኣብ መበል ሰማንያ ዓመት ልደቱ 30 ጉንበት 2013 ዓ.ም ድማ ̋ዐሻራ ̋(ሓድጊ) ዘርእስቱ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ለውጢ(ካብ 24 መጋቢት 2010 ዓ.ም ስጋብ 14 መጋቢት 2013 ዓ.ም) ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቐሪቦም ዘስምዕዎ 16 መደረታት ብኣርባዕተ ምዕራፍን ብ494 ገፅን ብምሕታም ኣመሪቑ ኣሎ።በዚ’ውን ኣብ መበል ሰማንያ ዓመቱ ሓዱሽ ሓድጊ ኣቐሚጡ ኣሎ።

ኣብቲ ስነስርዓት ምረቓ መፅሓፍ ዐሻራ(ሓድጊ) ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ̋ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ንባዕርሱ ሓድጊ እዩ ̋ ክብሉ ተዛሪቦም እዮም። ንሰማንያ ዓመታት ዜና እናፀብፀበ ታሪኽ ሃገር እናሰነደ ዝመፅአ ትካል ባዕርሱ’ውን ̋ሓድጊ እዩ ̋ እንተተብሃለ ይግብኦ እዩ።ሐዚ’ውን ታሪኽ ሃገር ኣብ ምስናድ ናይ ባዕሉ ሓዲጊ እናቐመጠ ዘሎ ትካል እዩ።

ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኽ ሕትመት ሚድያ ሃገርና ስሙያት ጋዜጠኛታትን ደረስትን ዘፍረየ፣ኣብ ዝተፈላለዩ ስርዓታት ስያሜታት ጋዜጣታቱ ዘይቐየረ ሐዚ’ውን ብነባር መንነቱ፣ብሓድሽ ኣቀራርባን ብብዝሃ ቋንቋታት ጉዕዝኡ እናቐፀለ ዘሎ ትካል እዩ። ናይቲ ትካል ናይ ዝሓለፉ ሰማንያ ዓመታት ጉዕዞ ኩርኳሕ’ውን ዝነበሮ ምዃኑ ርዱእ እዩ።ሐዚ’ውን ጉዕዝኡ ከም ሰጣሕ ጎልጎል ኣይኸውንን።ክንድቲ ዕድሜኡ’ውን ኣብ ዝግብኦ ብርኪ ኣይኮነን።ናይ ባዕሉ ቤት ሕትመት ዘይብሉ ትካል እዩ።ስለዚ ናይ ባዕሉ ቤት ሕትመት ንክህልዎ መንግስቲ ሓገዝ ክገብረሉ ይግባእ።

ጋዜጣ ወጋሕታ’ውን ኣብ ታሪኽ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣብ መበል ሰማንያ ዓመቱ ሕትመት ዝጀመረት ብምዃና ታሪካዊት እያ።ሐዚ እትሰርሖም ዜናታት ፅባሕ ታሪኽ እዮም። ስለዝኾነ’ውን ኣብ ሓድጊ ሰማንያ ዓመት እቲ ትካልን ሃገርን ናይ ባዕላ እጃም እናበርከተት ኣላ።ንቐፃሊ’ውን ክትህልው እያ። ብሓፈሻ ጉዕዞ ሰማንያ ዓመት ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ እንትርአ ብዙሓት ፅቡቓት ነገራት ከምዘለዎ ኩሉ ጉድለታት’ውን ነይረምዎ።እቶም ጉድለታቱ ክንድቲ ዕድሚኡ ተፅዕኖ ፈጣሪ ሚድያ ከይኾን ገይረሞ እዮም።እዞም ጉድለታት ብምፍታሕ ምስቲ ዘበን ዝኸይድ ሚድያ ንምግባር ሐዚ ተጀሚሮም ዘለዎ ናይ ለውጢ ስዳሮታት ኣጠናኺርካ ምቕፃል ይግባእ።በዚ’ውን ንሃገርን ንቲ ትካልን ሓድጊ እናንበርካ ምኻድ ግቡእ ይኸውን።

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You