‹‹ስራሕቲ መሊስኻ ምህናፅን ምጥያሽን ናይ ኹሉ ሓገዝ ዝሓቱ ‘ዮም›› -ኣምባሳደር ተሾመ ቶጋ

ኣብ ክፋል ሰሜን ኢትዮጵያ ልዕሊ ኽልተ ዓመት እናተኻየደ ዝነበረ ኹናት ብስምምዕነትን ሰላም ፕሪቶሪያ ጠጠው ኢሉ ኣሎ። ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ሰነድ ዝተስማዕምዕዎም ዓበይቲ ጉዳያት ንምፍፃም እናሰርሑ ፀኒሖም ‘ዮም። ካብዚኣቶም ድማ ብወገን ህወሓት ዕጥቂ ኣብ ምፍታሕን ተወጋእቲ ናብ ንቡር ህይወቶም ምምላስ እቲ ቀዳማይ ስራሕ ‘ዩ። እዚ ብጭቡጥ ኣብ መሬት ንክወርድ ድማ መንግስት ብሄራዊ ተሃድሶ ኮምሽን ኣጣይሹ ናብ ስራሕ ኣትዩ ‘ዩ። ጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ነዚ ኣመልኪቱ ክሳብ ኸዚ ዝተገበሩ ንጥፈታት ንኮምሽነር ኮምሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ኣምባሳዳር ተሾመ ቶጋ ብምዝርራብ ዘቕረቦ፣ ጋዜጣ ወጋሕታ ከምዝስዕብ ተርጕሙ ኣቕሪብዎ ኣሎ።

ሕቶ፡ብሄራዊ ተሃድሶ ኮምሽን ምጥያሸ ዘድለየሉ ምኽንያት እንታይዩ፣ ተልእኹኡስ እንታይ?

ኣምባሳደር ተሾመ፡ ከምዝፍለጥ መንግስቲ ኢትጵያን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶሪያ ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም ‘ዮም። እቲ ስምምዕነት ብዙሕ ነገራት ዘካተተ ‘ዩ። ካብዚኦም ውሽጢ ዕጡቓት ህወሓት ዕጥቂ ምፍታሕ፣ ናብ ሓደ ማእኸል ምስብሳብን ስልጠና ብምሃብ ናብ ዝነበርዎ ማሕበረሰብ ንክሕወሱ ምግባር ‘ቲ ሓደ ‘ዩ። እዚ ዝግበር ዘሎ እቶም ዜጋታት ጥዕና ዘለዎን ውፅኢታውን ህይወት ንክመርሑ ‘ዩ። ከም ዝፍለጥ ስራሕ ዕጥቂ ምፍታሕ ስራሕ ቅድሚ ኸዚ ኽልተ ግዜ ተሰሪሑ ‘ዩ። ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝስራሕ ንሳልሳይ እዋን ‘ዩ፤ እዚ ስራሕ ዝተፈላለየ ትካላት ዝሳተፍሉ እንተኾነ ‘ውን ብኣግባብ ዝመርሕ ሓደ ትካል የድልዮ ‘ዩ ተባሉ ስለዝተኣመነ ብውሳነ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት መሰረት ኮምሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ተጣይሹ ‘ዩ። እቲ ኮምሽን ሰለስተ ዝተፈላለየ ተልእኾ ኣለዎ። እቲ ሓደ ቅድም ኢለ ከምዝበልክዎ ዕጡቓት ህወሓት ዝነበሩ ናብ ማሕበረሰብ ንክሕወሱን ባዕሎም ንክኽእሉ ምግባር ‘ዩ። ነበር ተዋጋእቲ ናይ ሰላም ፣ ዲሞክራሲ ሓይሊ ልምዓት ንክኾኑ ዘኽእል ስርዓት ምድላው ናይዚ ኮምሽን ሓላፍነት ‘ዩ። ነዚ ድማ ስራሕቲ ዕጥቂ ምፍታሕ ብተኸታታሊ ዝስራሕ ስራሕ ‘ዩ ዝኾን። እዚ ትካል ዝተጣየሸ ግዝያዊ ፀገም ንምፍታሕ ‘ምበር ዘላቂነት ዘለዎም ኣይኾኑን። ስራሖም እንትውድኡ ዝፈርሱ ‘ዮም። ንዓና ‘ውን ናይ ኽልተ ዓመት ዕደመ ‘ዩ ዘለና።

እዚ ኮምሽን ዝተጣየሸሉ ምኽንያት መንግስቲ ምስ ህወሓት ዝበፅሖ ስምምዕነት ስዒቡ እንተኾነ ‘ውን ቤት ምኽሪ ሚኒስትር ብዝገብሮ ዘተ ኣብ ካልኦት ከባብታት ዕጥቂ ዝፈትሑ ወይም ነባራት ኣባላት ሰራዊት ስለዝህልዉ እዚ ተልእኾ ብሄራዊ ንክኾን ተወሲኑ ‘ዩ፤ እዚ ማለት ትግራይ ፣ኣምሓራ ፣ ዓፋር ፣ ቤንሻንጉል ጉሙዝ፣ ደቡብ ብሄር ብሄረሰባት ከምኡ ‘ውን ከባቢ ጋምቤላ ነባር ተዋጋእቲ ኣለዉ ‘ዮም። ስለዚ እዚ ስራሕ ምስርሑ ዘይተርፍ ብሓደ ከባቢ ዝተሓፀረ ጥራሕ እንተይኾነስ ብሄራዊ ንግበሮ ዝብል ስምምዕነት ተበፂሑ ‘ዩ። ብምዃኑ ናይዚ ኮምሽን ተልእኾ ብሄራዊ ኾይኑ ንኹሉ ክልል ‘ዩ ዝሽፍን። ብዋናነት ንክንሰርሕ ዘድልዮ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ሰላማዊ ናብራ ንክምለሱ ምግባር ‘ዩ ፤ እዚ ንምግባር ናይ መጀመርያ ስራሕ ዕጥቂ ምፍታሕ ‘ዩ ፤ ኣብቲ ኹናት ዝተሳተፉ መጀመርያ ዕጥቆም ምፍታሕ ትፅቢት ይግበረሎም።

እዚ ኣካል ፕሪቶርያ ስምምዕነት ‘ዩ ፤ እዚ ብኣና እንተይኾነስ ብሰራዊት ምክልኻል ብዝግባእ እናተሰርሐ ‘ዩ ፤ ብተወሳኺ እዚ ስራሕ ዝከታተል ክትትልን ቁፅፅርን ሕብረት ኣፍሪካ ጉጅለ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ጉጅለ ኣብቲ ኸባቢ እናሰርሐ ‘ዩ ዘሎ፤ ኣብ ቀረባ ናብ መቐለ ኸይደ ኣብ ዝነበርክሉ ግዘ፣ ንዚ ዝመርሕ ጀነራል ረኺበ ከምዝተዛተናዮ እቲ ስራሕ ብፅቡቕ ኩነታት እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብዝተሰርሐ ስራሕ ሕጉሳት ከምዝኾኑ ክሳብ ኸዚ ዓብይ ዕንቅፋት ከምዘይገጠሞም ገሊፆምለይ ‘ዮም። ኣብ ቀፃሊ ናብ ሓደ ማእኸል ድሕሪ ምእታይና ስልጠና ክንህቦም ኢና ፤ እዚኦም ነበር ተዋጋእቲ ናብ ሕብረተሰብ ተሓዊሶም ሰለማዊ ናብራ ክመርሑ ምግባር መንግስቲ በቲ ኮምሽን ኣቢሉ ሓገዝ ናይ ምእካብ ስራሕ እናሰርሐ ‘ዩ። ንቕድሚት ‘ውን ምንም ዓይነት ምፍልላይ ፖለቲካ እንተሃለወ ከምኡ ‘ውን ፀገማት እንተተፈጠሩ ብዝሰልጠነን ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ንኽእሉ ስልጠና ክንህብ ኢና። ነዚ ዝኾን ልምዲ እናኣከብና ኢና።

ሕቶ፡ጉዕዞ መቐለ እንታይ ይመስል ነይሩ ?

ኣምባሳደር ተሾመ፡ መቐለ ዝኸድና ዋና ዕላማ ዝጀመርናዮ ስራሕ ኮምሽን ስራሕ ብዝምልከት ብሓፈሻ ምፍታሕ ዕጥቂን መሊስካ ምጥያሽ ስራሕ ንምስራሕ ‘ዩ። ምኽንያቱ ኣብ መቐለ ካብ ኻሊእ ከባቢ ብዝበዝሐ ኩነታት ነበር ተዋጋእቲ ብምንባሮም ብዙሕ ትፅቢት ዝግበር ነገር ስለዘሎ ‘ዩ። ዝኸድና ‘ውን ኽልተ ኣጀንዳ ሒዝና ‘ዩ። እቲ ሓደ ብዛዕባ ምፍታሕ ዕጥቂ ልምዲ ካልኦት ሃገራት እንታይ ከምዝመስል ብምርኣይ ኣብ ሃገር ድማ ዘላቂ ሰላም ንክህልው ዘለዎ ረብሓ ግንዛበ ንምጭባጥ ‘ዩ ፤ ካልኣይ እቲ ትካል ዝሰርሖም ስራሕቲ ግልፂ ንምግባር ‘ዩ። ኣብ መድረኽ ዝምልከቶም ኣካላት ፌደራልን ክልል ንክሳተፉ ገይርና ኢና። ካብ ህዝቢ ዝተልዓሉ ጉዳያት ብዋናነት እቶም ዕጡቓት ብቕልጡፍ ዕጥቆም ፈቲሖም ናብቲ ሕብረተሰብ ንክሕወሱ ‘ዩ። እዚ ንምግባር ሕፅረት ዓቕሚ ከምዝህሉ ትፅቢት ዝግበር ‘ዩ ፤ ኾይኑ ግና ናይ መቐለ ፃንሒትና ዝተወሰነ ነገር ኣሳኺዑ ‘ዩ ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። እቲ ሓደ ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ሰላም ብሄራዊ ዝኾነ መድረኽ ዝተዳለወ ንመጀመርያ ግዜ ‘ዩ። እዚ ድማ ከምዚኦም ዝበሉ ፕሮግራማት መቐለ ምክያድ ከምዝካኣል ኩነታት ከምዘሎ መልኽቲ ዘመሓላለፈ ‘ዩ።

እቲ ካልኣይ ልዕሊ ኽልተ ሚኢቲ ሰብ መቐለ ብምኻድ ብዝተሳኸዐ ኩነታት ምክያድና እቲ ሰላም ስምምዕነት ተፈፃምነት እናኾነ ከምዘሎ መርኣያ ‘ዩ ፤ እዚ ማለት ድማ ኣብ መንጎ ፌደራልን ህወሓት ዘሎ ምትእምማን እናጠንከረ ከምዘሎ ዘመላኸተ ‘ዩ። ካብ ኹሉ ንላዕሊ ንነበር ተዋጋእቲ ዘመሓላፎ መልእኽቲ ‘ዩ ፤ እዚ ድማ ዕጥቆም እንፈትሐሉ እውን ናታቶም ጉዳይ ኣብቒዑ ማለት ኣይኮነን። ኣብ ቀፃሊ ናብ ሰላማዊ ናብረኦም ንምምላስ መንግስቲ ቁርፀኛን ድልውን ከምዝኾነ ነጊርናዮም ኢና። ብሓፈሻ ብመንፅር ትልምና ክረአ እንተሎ ዕዉት መድረኽ ነይሩ ምባል ይካኣል።

ሕቶ፡ነበር ተዋጋእቲ ከይዲ ዕጥቂ ምፍታሕ ክንደይ ዝኣክል ውፅኢታዊዩ፣ ብፍላይ ካብ ዝተቐመጠሉ ግዜ ኣንፃር?

ኣምባሳደር ተሾመ፡ ቕድም ኢለ ከምዝበልክዎ እዚ ስራሕ ዝሰርሖ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ‘ዩ። እዚ ስራሕ ንክከታተል ሓላፍነት ዝተውሃቦ ሕብረት ኣፍሪካ ኣሎ። ካብ ኽልቲኦም ካብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ናይ ከቢድ ዕጥቂ ምፍታሕ ስራሕ ብዝተሳኸዐ ኩነታት ተሰሪሑ ‘ዩ። እዚ ስራሕ ምስ ዝተሰርሐ እቶም ኣፅዋራት ናብ ሚኒስቴር ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣታዊ ተገይሩ ‘ዩ። ብተወሳኺ ‘ውን ብውልቀ ሰብ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ ስራሕ ተጀሚሩ ‘ዩ። እዚ ስራሕ ብፅቡቕ ኩነታት እናኸደ ‘ዩ ምባል ይካኣል። እዚ ስምምዕነት ሰላም እዚ ጥራሕ እንተይኾነ ካልኦት ሓቢሮም ዝኸዱ ብዙሓት ጉዳያት ዝሓዘ ‘ዩ ፤ ኹሉ ብዝሓዝናዮ ግዘ እናኸደ ‘ዩ ዝብል እምነት የብልናን። ዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ‘ውን ብግዚኡ ኣይኮነን እናተሰርሐ ዘሎ። ምኽንያቱ ሰፊሕ ዘተ ዘድልዮ ከምዝኾነ ‘ዩ ፤ ብዙሕ ክርክራት ‘ውን ነይሮም ‘ዮም፤ እዚ ትፅቢት ዘይግበርናዮ ነገር ኣይኮነን፤ ከምትፈልጥዎ እቲ ጉዳይ ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ ብዝተብሃለ እዋን ከምዝሓሰብናዮ ወይም ከምዝደለና ዘይክኸይድ ይኽእል ‘ዩ።

ንኣብነት ዕጥቂ ድሕሪ ምፍታሕ ናብ ሓደ ማእኸል ምትእኽኻብ ስራሕ ኣብዚ ምስ ዘሎ ምምሕዳር ብሓባር ክንሰርሕ ግድን ‘ዩ፤ ኣብ ሰራዊት እናሰርሑ ዝነበሩ ሰባት ኣለዉ። ስለዚ እቲ ሰራዊት ናይ ሓደ ምትእኽኻብ ስራሕ ኣብዚ ምስ ዘሎ ትካላት ፌደራልን ከምኡ ‘ውን ምስ ሰራዊት ብሓባር ክስራሕ ዝግበኦ ጉዳይ ‘ዩ። ስለዚ እቲ ከይዲ ብዝደልናዮ ግዘ ንከይኸድ ዘኽእሉ ኩነታት ከጋጥሙ ይኽእሉ ‘ዮም። ብዙሓት ሃገራት ‘ውን ብተመሳሳሊ ከይዲ ዝሓለፉ ‘ዮም፤ ኸዚ ‘ውን እናሓለፉ ዘለዉ ‘ዮም። ንኣብነት ናይ ደቡብ ሱዳን እንተወሲድና ነዊሕ እዋን ‘ዩ ወሲዱ። ናትና ገና ኣብ ኣዋርሕ ውሽጢ ስለ ዘሎ ብጣዕሚ ዘንጊዑ ተዘይባሃል ፅቡቕ ‘ዩ ኢለ ይሓስብ። ምኽንያቱ እቶም ፀገማት ቀለልቲ ኣይኮኑን። ስለዚ እዚኦም ፀገማት ንምሕላፍ ግዜ ወሲድኻ ምዝታይ ናብ ሓደ ኣመለኻኽታን ኣተሓሳስባን ምምፃእ ኣድላይ ‘ዩ። ዝኾነ ኾይኑ ግና ከይዲ ምፍታሕ ዕጥቂ ብፅቡቕ ኩነታት እናኸደ ‘ዩ ምባል ዝሓሸ ‘ዩ። ቀፂሉ ናብ ናይ ሓደ ማእኸል ምትእኽኻብ ስራሕ ክቕፅል ‘ዩ ፤ ኸዚ ናብ ዝተወሰነ ካምፕ ዝኣትዉ ኣለዉ፤ መቐለ ኣብ ዝኸድናሉ እዋን ኣብ ምዝርራብ ተበፂሑ ‘ዩ። ኸዚ ምስ ዝተጣየሸ መንግስቲ ብምዃን ዝተረፈ ሰራዊት ዕጥቂ ብምፍታሕ ናብ ማእኸል ንምምፃእ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና።

ሕቶ፡በቲ ኹናት ዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስኻ ምህናፅ ፣ተሳትፎ ዝነበሮም ክፍልታት ሕብረተሰብ ናብ ልምዓትን ዴሞክራሲን ብምምፃእ ተጠቀምቲ ክኾኑ ንምግባር እንታይ እናተሰርሐ?

ኣምባሳደር ተሾመ፡ ብምኽንያት ኹናት ዝተጎድኡ ከባብታት ናብ ሰላማዊ ህይወት ንክምለሱ እቲ ኮምሽን በይኑ ክሰርሖ ኣይኽእልን። ካልኦት ትካላት ክልልን ፌደራልን ሓዊሱ ተሳትፎ ቡዙሓት ዝሓትት ‘ዩ ፤ ናይ ብዙሓት ሃገራት ነበር ተዋጋእቲ ዕጥቂ ንምፍታሕ ናይ ሓደ ማእኸል ንምእታው ኾነ መሊስኻ ንምጥያሽ ስራሕቲ ናይ ብዙሓት ኣካላት ሓገዝ ሓቲቱ ‘ዩ። በርግፅ ዝምራሕ ብመንግስቲ ‘ዩ፤ ምንም ሕቶ የብሉን። ልክዕ ካልኦት ፖሊሲ ከምዘፍፅም መንግስቲ ባዓል ዋና ኾይኑ ይመርሕ ‘ዩ። ነዚ እውን ‘ዩ ኮምሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ዝተጣየሸ። ናትና ግደ ምትሕብባር ‘ዩ። ባዕልና እንሰርሖም ስራሕቲ ኣለዉ። ከም ትካል ግና ምስ ቡዙሓት ኣካላት ኢና እንሰርሕ ፤ መንግስቲ ናይ መሪሕነት ስራሕ እናሰርሐ ‘ዩ። ውልቐ ትካላት ‘ውን ክሳተፉ ኣለዎም። ኹላትና ተጎዳእቲ ናይቲ ኹናት ኢና። ናብ ሰላም ተረባሕቲ ‘ውን ኢና። ብተወሳኺ ሲቪል ማሕበራት ክሳተፉ ክኽእሉ ኣለዎም። ተሳትፎ ብዝተፈላለዩ መንገዲ ክግለፅ ይኽእል። ኣብዙሓ መሊስኻ ናይ ምጥያሽ ስራሕቲ ብመንግስቲ ጥራሕ ዝስርሑ ኣይኮኑን። ኸዚ ዘለናዮ ኩነታት ዝፍለጥ ‘ዩ። ስለዚ ብዙሕ መሊስኻ ናይ ምጥያሽ ልምዓት ብኣጋራት ድጋፍ ዝስራሕ ‘ዩ ፤ ናትና ተሞክሮ ‘ውን ዘሪአና እዚ ‘ዩ ፤ ናይ ወፃኢ ሓገዝ እንትባሃል ሓገዝ ቴክኒክ ሓገዝ ክኾን ይኽእል ‘ዩ ፤ ንኣብነት ናብ ማእኸል ናይ ምእታው ስራሕ እናሰራሕና ዘለና ምስ ሕቡራት መንግስታት ብምዃን ‘ዩ ፤ ናይ ባዕልና ጉጅለ ኣለና። ሓገዝ ቴክኒክ ግና የድሊ ‘ዩ።

ካብ ኹሉ ንለዕሊ ንምጥያሽ ዘድሊ ገንዘብ ቡዙሕ ‘ዩ፤ ካብ ኹናት እናወፀ ስለዝኾነ እዚ ንምስኻዕ ዓቕሚ ንምፍጣር ኣድላይ ‘ዩ፤ ስለዚ እዚ ፕሮግራም ነክሳኻዕ እንድሕር ተደልዩ ወፃኢ ኣጋራት ልምዓት ሓገዝቲ ትካላት፣ውልቀ ዘፈራት ፣ ሲቪክ ማሕበራት ተሳትፎ የድሊ ‘ዩ። ካብ ኹሉ ንላዕሊ እዚ ስራሕ ነበር ተዋጋእቲ ሱቕ ኢልካ ናብ ሕብረተሰብ ምሕዋስ እንተይኾነ ማሕበረሰብ ካብዚ ፕሮግራም ንክጥቀምን ማሕበረሰብ መሰረት ዝገበረ መሊስኻ ምጥያሽ ንክኾን ይምረፅ። ስለዚ እቲ ኮምሽን ስልጠና ኣብ ዝህብ እዚ ሚኒስትር ሰላም ፣ ሚኒስትር ክህሎትን ስራሕን ሚኒስትር ጥዕናን ምስ ዝኣመሰሉ ትካላት ፌደራልን ቢሮታት ክልል ሓቢሩ ክሰርሕ ‘ዩ። እዚኦም ትካላት ኣባላት ኮምሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ‘ዮም። ስለዚ ካልኦት ኣካላት ዝሳተፍሉ ናይ ሓባር ኣሰራርሓ ኣሎ ‘ዩ ፤ ኩሉም ኣካላት ግደኦም ንክዋፅኡ ምግባር እንድሕር ተኻኢሉ መሊስኻ ናይ ምጥያሽ ስራሕ ክንሰርሕ ኢና ኢልና ንሓስብ።

ሕቶ፡ምስ እዚ ተተሓሒዙ ብምኽንያት እቲ ኹናት ኣካላቶም ንዝሳአኑ ዝተሓሰበ ነገር ኣሎ ?

ኣምባሳደር ተሾመ፡ እወ፣ እዚ ግና ንትግራይ ዘለዉ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ኹሉ ከባቢ ንዘለዉ ማለት ‘ዩ። ኣብ ቐረባ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ናይ ምኻድ ሓሳብ ‘ውን ኣለና ‘ዩ። ምስ ክልላት እናተዘራርብና ኢና። ክሳብ ኸዚ ዘለና ሓበሬታ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብቲ ኹናት ዘይተሳተፈ ኣካል የለን። ምኽንያቱ ዝነበረ ጎስጓስ ኹላትና ንፈልጦ ኢና። ናይ ትግራይ ኩነታት ፍሉይ ዝገብሮ ‘ውን እዚ ‘ዩ ፤ ስዘሊ በቲ ኹናት ጉድኣት ዝበፅሖም ፍሉይ ምንክብካብ ዝደልዮ ክፋል ሕብረተሰብ ኣለው። ንዝሓለፉ ዓመታት ካብ ትምህርቲ ወፂኦም ብዘይ ዕድሚኦም መሳርሒ ሒዞም ንኽዋግኡ ዝተገበሩ ህፃናት ኣለዉ ‘ዮም ፣ እዚኦም ናብ ቤተሰብ ምምላስን ትምህርቲ ንክጅምሩን ምግባር የድሊ። ኣብዚ ኣኼባ ጉድኣት ኣካላት ዘልዐልዎ ሕቶ ‘ውን እዚ ‘ዩ። ኣብ ቀፃሊ ሕድሕድ ጉድእ ኣካላት እንታይ ዓይነት ሓገዝ የድልዮ ዝብል ሓበሬታ ንምትእኽኻብ ምድላው እናገበርና ኢና። እዚ ሓበሬታ ነቲ ንሰርሖ ስራሕ ወሳኒ ‘ዩ። ናይ ጉድኣት ኣካላት መጠን ጉድኣት ተፈልዩ ከም ኩነታቱ ዘላቕን ግዝያውን ሓገዝ ዝግበር ‘ዩ ዝኾን። እዚ ንምግባር ብዙሕ ሃፍቲ፣ ሓይሊ  ሰብ ፣ ተሳትፎ ሕብረተሰብን ኣጋራትን ሓገዝ የድሊ ‘ዩ።

ሕቶ፡ኣብቲ ክልል መንግስቲ ስግግር ምጥያሹን፣ህወሓት ካብ ራዕዳዊነት ምስራዙን ነቲ ስምምዕነት ሰላም ብዝግባእ ተግባራዊ ንክኾን ዘለዎ ረብሓ እንታይ ይብሉ ?

ኣምባሳደር ተሾመ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንትግራይ ኾነ ንመላእ ሃገር ረብሓ ከምዘለዎ ምንም ሕቶ የብሉን። ልዕሊ ኽልተ ዓመት ኹናት ኣሕሊፍና ኢና። ብብርኪ ክልል ይኹን ብሃገር ዓብይ ፅዕንቶ ኣሕዲሩ ‘ዩ። ኸዚ መሊስኻ ንምህናፅ ብዓቕሚ መንግስቲ ሰፊሕ ስራሕ እናሰራሕና ኢና። ሓገዝ ወፃኢ ንምርካብ ብብርኪ ብሄራዊ እናተሰርሐ ዘሎ ስራሕ ኣሎ። እዚ ዝኾን ዘሎ ዘይሩ ዘይሩ ስምምዕነት ስለዝተፈረመ ‘ዩ ፤ ስምምዕነት እንተዘይተገይሩ መሊስካ ምህናፅን ኢኮኖሚ ንክምለስን ትኹረት ኣይንገበርናን ነይርና። ካብ ኹሉ ንላዕሊ ስምምዕነት ተኹሲ ጠጠው ምባል ባዕሉ ዓብይ ረብሓ ኣለዎ። ህወሓት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕነት ዝፈረመ ሓደ ኣካል ምዃኑ ዝፍለጥ ‘ዩ። ካብዚ ብዝዘለለ ኣብ ትግራይ ዝግበር ዝኾነ ስምምዕነት ሰላም ስራሕ ኣጋር የድልየና ‘ዩ። ድሕሪ እዚ ‘ዩ ስግግር መንግስቲ ትርጉም ዘለዎ ዝኾን።

ከምዚ እንተኾይኑ ፖሊስ ናይ ውሽጢ ፀጥታ፣ ሰራዊት ዶብ ከኽብር ይኽእል ‘ዩ ፣ ኩሎም ግልጋሎታት ብፌደራል መንግስቲ ጥራሕ ክስራሕ ኣይኽእልን። ኣብቲ ክልል ሓደ ግዝያዊ ምምሕዳር ክህሉ ግድን ‘ዩ።

ብመንፅር ኸዚ ዝተመስረተ ስግግር መንግስቲን ፌደራል መንግስትን ካልኦት ኣካላትን ኣብ ዝሰርሕዎ ስራሕ ህወሓት ናይዚ ኣካል ምዃኑ ባዕሉ ዓብይ ፋይዳ ኣለዎ። እዚ ስግግር ምምሕዳር ምጥያሹ ነቲ ኮምሽን ስራሕ ዓብይ ሓገዝ ሓይሊ ይኾን ‘ዩ ተባሂሉ ‘ዩ ዝእመን። ንኣብነት ስራሕቲ ዕጥቂ ምፍታሕን ናብ ሓደ ማእኸል ንምእታው በይንና እንሰርሖ ስራሕ ኣይኮነን፤ ካምፕ ምምራፅ ይግባእ። ሓለዋ የድሊ ‘ዩ። ነዚ ድማ ኣብቲ ከባቢ ምምሕዳር ክህሉ ግድን ‘ዩ ፤ እዚ በይንና ከንሰርሖ እንኽእል ነገር ኣይኮነን። ድሕንነት ብዝምልከት ፌደራል ‘ውን በቢቦትኡ ክጣየሽ ኣይኽእልን። ስለዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ምህላው ንዓና ብጣዕሚ ጠቓሚ ‘ዩ። ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ‘ውን ንምጥያሽ እናሰራሕና ኢና፤ ካብ ሕድሕድ ተዋጋኢ ቀሪብና ሓበሬታ ኣኪብና ቀፃሊ ናብ ሕብረተሰብ ንምውራድ ግድን ናይቲ ክልል ምምሕዳር ሓገዝ የድሊ ‘ዩ። ካብዚ መንፃር ካብ ናትና ዝደልዮ ፕሮግራም ብሓባር ኾይና ክንፈፅም ኢና። ልክዕ ፌደራል መንግስቲ ተሳትፎ ከምዝገብር ኹሉ ናይቲ ክልል ምምሕዳር ‘ውን በዚ መልክዕ ትፅቢት ይግበረሉ ።

ንኣብነት ሓረስታይ ናብ ማሕረሱ ክምለስ እንድሕር ተደልዩ ግዴታ ምስቲ ናይቲ ከባቢ ቢሮ ሕርሻ ብሓባር ምስራሕ የድሊ ‘ዩ ፤ ጥዕና ቢሮ ዘድልዮ ንሕና ባዓል ሞያ ጥዕና የብልናን፣ ግና ባዓል ሞያ ጥዕና ካብ ሚኒስትር ጥዕና ከምኡ ‘ውን ምስቲ ቢሮ ክልል ብምዃን ክንሰርሕ ይግባእ። ነዚ ጥራሕ እንተይኾነ ነቲ ስምምዕነት ብምፍፃም፣ እቲ ክልል ናብ ሰለማዊ ኩነታት ንምምላስ፣ከም ካልኦት ክልላት ስሩዕ ናብ ዝኾነ ስራሕ ንምእታው ዘኽእል ኩነታት ስግግር መንግስቲ ወሳኒ ‘ዩ። እቲ ስምምዕነት ሰላም ብኣግባብ ተግባራዊ ንከይኾን ስግኣት ፖለቲካ ፣ ዝተደለየ ገንዘብ ንከይርከብ ይኽእል ዝብሉ ስግኣት ኣለና። ካብኡ ወፃኢ ግና ኣብቲ ክልል ተንቀሳቒስካ ምስራሕ ስግኣት የብልናን። በርግፅ ሕብረተሰብ፣ ነበር ተዋጋእቲ፣ ግዝያዊ ምምሕዳር፣ መንግስቲ ፌደራል ዝደልይዎ ጉዳይ ስለዝኾነ ብዙሕ ስግኣት ዝኾኑ ነገራት ይህሉ ‘ዮም ተባሂሉ ኣይሕሰብን። እቲ ቐንዲ ጉዳይ ግቡእ ሃፍቲ ምርካብ ‘ዩ። እቲ ሃፍቲ እንድሕር ዘይተረኺቡ እንታይ ኣማራፂ ክንጥቀም ንኽእል? ዝብል ‘ዩ ዘተሓሳስበና። ግና ስግኣት ጥራሕ ተንቲና ኣይገደፍናን። ስግኣት ንክቕረፍ ክንሰርሕ ኣለና ዝብል ትንተና ሰሪሕና ኢና። ዝምልከቶ ኣካል ድማ ዝሰርሕ እንተኾይኑ ስግኣት ምውጋድ ይካኣል ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለና።

ህወሓት ካብ ራዕዳውነት መዝገብ ምስራዙ ነዚ ስራሕ ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ ፤ ምኽንያቱ መንግስቲ ንምጥያሽ። ቅድሚ ኸዚ ‘ውን ተላዚብካ ንምፍራም ፃዕሪ እናተገበረ ዝነበረ ምስ ህወሓት ‘ዩ፣ ብመሰረቱ ዘተ ዝግበር ምስ ፀላኢ ወይም ምስ ራዕዳዊ ‘ምበር ምስ ፈታዊ ኣይኮነን። እዚ ብብርኪ ዓለም ‘ውን ዝፍለጥ ነገር ‘ዩ። እቲ ሓይሊ ፀገሙ ብሓይሊ ንምፍታሕ እንትፍትን ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ራዕዳዊ ኢሉ ሰይምዎ ‘ዩ ፤ ኸዚ ስምምዕነት ሰላም ምስ ተበፅሐ ብፍላይ ድማ ብሰለማዊ መገዲ ስምምዕነቱ ምስ ተቐበለ ‹‹ራዕዳዊ›› እናበልና ክንፅወዖ ኣይንኽእል። ኣብቲ ግዜ ዘገደደ እዋን ነይሩ። ኸዚ ድማ ስለዝተቐየረ ካብ ራዕዳዊ መዝገብ ምልዓል ግቡእ ‘ዩ ፤ ብሓፈሻ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ብምግባር ኣብ ቀፃሊ ንንሰርሖም ስራሕቲ ወሳኒ ‘ዩ።

ሕቶ፡እዚ ስግግር መንግስቲ ኣብ ቀፃሊ እንታይ ክሰርሕ ትፅቢት ይግበረሉ ይብሉ?

ኣምባሳደር ተሾመ፡ እቲ ስግግር መንግስቲ ናይ መጀመርያ ስራሕ ክገብሮ ኣለዎ ኢለ ዝሓስቦ ኣብቲ ክልል ዘለዉ መንግስታዊ ግልጋሎት ንህዝቢ ግቡእ ግልጋሎት ክህቡ ምግባር፤ ምስ ፀጥታ ፌደራል ብምዃን ናይቲ ክልል ሰላምን ፀጥታን ምኽባር፤። ብጣዕሚ ዝተጎድአ ከባቢ ስለዝኾነ ኣብ ህንፀትን ልምዓትን ብዝግባእ ምስታፍ ፤ ከምዝባሃል እቲ ስግግር መንግስቲ ንሽድሽተ ኣዋርሕ ‘ዩ ዝተሓሰበ ምስ እዚ ተተሓሒዙ ናይቲ ክልል መረፃ ዝካየደሉ ኩነታት ሓቢሩ ምስራሕ ኣድላይ ‘ዩ፤ እዚኦም ናይ ፖለቲካ ማሕበራዊ ጉዳያት ኸዚ እንሓስቦም ዝተረፉ ስምምዕነት ሰላም ንክሳኻዕ ምሳና ክኾን ይግባእ።

ነዚ ድማ ሲቪል ሰርቪስ ናብ ስራሕ ንክምለስ፣ ማህበራውን ኢኮኖሚያውን ናብ ስራሕ ምእታው፣ ብፍላይ ኣብ ካምፕ ዘለዉ ትምህርቲ ዘቋረፁ ህፃናት ናብ ትምህርቲ ክኣትዩ ትፅቢት ይግበረሎም። ናይቲ ክልል ኢኮኖሚ ተጎዲኡ ‘ዩ ፤ ስለዚ ብሃገር ለኸ ዝግበር ፃዕሪ ናይቲ ክልል ምምሕዳር ሓገዝ ወሳኒ ‘ዩ ፤ ናይቲ ክልል ፀጥታ ንምሕላው በቲ ክልል ፖሊስ ዝስራሕ ከምዘሎ ኾይኑ ካብዚ ንላዕሊ ዝሕተቱ ጉዳያት ምስ መንግስቲ ፌደራል ሕግን ፀጥታን ሓቢርካ ምስራሕ የድሊ። ካብ ኹሉ ንላዕሊ ግዝያዊ ምምሕዳር ግዝያዊ ስራሕ ምስራሕ ስለዝኾነ ቋሚ ስራሕ ንምስራሕ መረፃ ተገይሩ ኣብቲ ክልል ቤት ምኽሪ ክህሉ ኣለዎ። ብህዝቢ ዝተመረፀ መንግስቲ ክህሉ ይግባእ። እዚ ድማ ፌደራል መንግስቲ ምስ ቦርድ መረፃ ብምዃን ክፈፅም ‘ዩ ኢልና ትፅቢት ንገብር።

ሕቶ፡ነበር ተዋጋእቲ ዕጥቂ ካብ ምፍታሕ ብዝዘለለ ኣብቲ ኹናት ጉድኣት ዘብፅሑ ኣካላት ተሓተቲ ናይ ምግባር ከይዲ ብምንታይ መልክዑ ክቕፅል ይግባእ ይብሉ?

ኣምባሳደር ተሾመ፡- በዚ ኹናት ብዙሕ ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘሎ ዝፍለጥ ‘ዩ። ካብዚ ኣንፃር ብዙሓት ሰባት ‹‹ፍትሒ ክመፅእ ኣለዎ›› ኢሎም ሕቶ የልዕሉ ‘ዮም። ብናተይ እምነት እቲ ሕቶ ትኽክል ‘ዩ ፤ ምኽንያቱ ብዘይ ፍትሒ ሰላም ክሰፍን ኣይኽእልን። ድማ ኣብቲ ስምምዕነት ውሽጢ ሓደ ኣካል ኾይኑ ዝኣተወ ጉዳይ እዚ ፍትሒ ስግግር ‘ዩ። እዚ ስራሕ ሚኒስቴር ፍትሒ ብሓላፍነት እናሰርሐ ‘ዩ፤ ናይ መጀመርያ ስራሕ ፖሊስ ፍትሒ ስግግር ምንዳፍ ‘ዩ ብዝብል ኣብዚ ሰሙን ሚኒስቴር ፍትሒ ዘዳለዎ ረቒቕ ሰነድ ሰፊሕ ምኽክር እናተገበረ ‘ዩ ፤ በዚ ድማ ሓሳባት እናተኣከበ ‘ዩ። ኣብዚ ሐዚ በቲ ፖሊሲ ትሕዝቶ ምዝራብ ተዘይካአልኩ ‘ውን ኣብ ኹሉ ተግባራዊ ዝኸውን ‘ዩ ፣ ስለዝኾነ ድማ ነበር ተዋጋእቲ ኾኑ ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላት ንተሓታትነት ድልዋት ክኾኑ ይግባእ። በዚ ምፍልላይ ክንፈጥር የብልናን ኢለ ይኣምን። ብመጀመርያ ግና እቲ ፖሊሲ ብቤት ምኽሪ ምፅዳቕ ቐዳመይ ስራሕ ይኾን ኢለ ይኣምን።

ፍትሒ ስግግር እንፈፅሞ ንባዕልና ኢልና ኢና ፣ ናይ ወፃኢ ኣካላት ስለዝሓተቱና እንተይኾነስ ንሃገርናን ንህዝብናን ዝጠቕም ብምዃኑ፣ ብፍትሒ ስግግር ዝተጎድአ ክከሓስ፣ ይቕርታ ክወርድ ይገብር። በዚ ኹናት ምኽንያት ሕድሕድና ብዙሕ ተቋሲልና ኢና። ስለዝኾነ ድማ ፈውሲ የድልየና ‘ዩ። ፈውሲ ዝመፅእ ድማ ፍትሒ እንትሰፍን ‘ዩ። ፍትሒ ዝመፅእ ሰባት ብምእሳር ጥራሕ ኣይኮነን፤ ጥፍኣት ኣሚኑ ዝተቐበለ፣ ይቅርታ ዝሓተተ፣ ብሕጊ መሰረት ይቅርታ ዝግበረሉ ክህሉ ይኽእል ‘ዩ። እዚ ንምግባር ድማ ናይቲ ገበን ኩነታት ይውስኖ ‘ዩ። ብሓፈሻ ብፖሊሲ ፍትሒ ስግግር ማእቀፍ ዝረአ ‘ዩ ዝኾን።

ሕቶ፡ንዝሃቡና መብርሂ ነመስግን።

ኣምባሳደር ተሾመ፡ ኣነ ‘ውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 28 መጋቢት 2015 ዓ.ም

Recommended For You