‹‹ተሳትፎ መረፅትን ተመረፅትን ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይ ስራሕቲ ግንዛበ ተዋሂቡ እዩ›› ወይዘሪት ሓዳስ ኪዱ

ኣዲስ ኣበባ፡ -ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ኢትዮጵያ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ንምዕባይን መረፅትን ተመረፅትን ንክኾናን ኣብ ፓርቲ 50ሚኢታዊ ንክሽፍና ዓብይ ፃዕሪ ከምዝተገበረ ሓላፊት ቢሮ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሪት ሓዳስ ኪዱ ገሊፀን፡፡ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ካብ ዝሓለፈ መረፃ ዝሓሸ እዩ ኢለን፣ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ክብ ንምግባር ግንዛበ ኣብ ምፍጣርን ተወዳደርቲ ፓርቲ እኹል ምንቕስቃስ ደቂ ኣንስትዮ ንክገብሩን ከምኡ’ውን ናይ መራፅነት ካርድ ብምውሳድ ዝደልየኦ ፓርቲ ንክመርፃ ሰፊሕ ዝኾነ ስራሕቲ ጎስጓስ ከምዝተሰርሐ ዝሓበራ ወይዘሪት ሓዳስ ፣ቢሮ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ዝመርሐን ምምራፅ መሰለን ከምዝኾነ ዝተፈላለዩ መድረኻት ብምፍጣር ብብርኪ ኣዲስ ኣበባ ልዕሊ 800 ሚኢቲ ሽሕ ደቂ ኣንስትዮ ካርድ መረፃ ንከውፅኣ ከምዝተገበረ እተን ሓላፊት ኣብሪሀን፡፡

ደቂ ኣንስትዮ ካርድ መረፃ ንክወስዳ ኣብ ምግባር ዓብይ ትልሚ ከምዝነበረ ዝገለፃ ወይዘሪት ሓዳስ፣ ንመን እየን ዝመርፃ ናይ ባዕለን መሰል ኾይኑ መረፃ ካርድ ግና መሰለን ከምዝኾነን በዚ ካርዲ ይጠቕመኒ እዩ ኢለን ፣ንቐፃሊ ሰላም፣ዲሞክራሲን ብፍላይ ድማ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ሕቶታት ዝምልሰለን ፓርቲ ኣብ ምምራፅ ክውስና ዝኽእላ ካርዲ ብምውሳድን ብምምራፅን ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

መሰልን ተጠቃምነት ደቂ ኣንስትዮ ክሕሉ ምግባር ሕድሕድ ዜጋ ሓላፍነትን ግዴታን እንተኾነ’ውን ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ብዙሕ ሓላፍነት ዘለዎን ብምዃኑ ብዙሕ ክፍሊ ሕብረተሰብ ፅልዋ ዘሕድራ ስለዝኾና እዚ ኹሉ ክቐርፈለን ዝኽእል ፓርቲ ብናይ ባዕለን መሰል ተጠቒመን ክመርፃ ከምዝኽእላ ስራሕቲ ግንዛበ ከምዝተሰርሐ ዝገለፃ እተን ሓላፊት፣ እቲ መረፃ ሰላማውን ዲሞክራስያውን ኾይኑ ንሓልፍ ግደ ደቂ ኣንስትዮ ልዑል ከምዝኾነ ወሲኸን ኣብሪሀን እየን፡፡

ሕፁያት ደቂ ኣንስትዮ ዘቕረቡ ፓርትታት ምስ ቦርድ መረፃ በምዃን ስልጠና ዝረኽባሉን ዓቕመን ዘጎልብታሉ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተሰርሐ ምስ ገለፃ፣ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ 50 ሚኢታዊ ንክኾን ዝብል ሓሳብ ሓደ ሓደ ፓርትታት ዘየማልኡ እንተሃለዉ’ውን ካብቲ ዝድለ ንላዕሊ’ውን ዘማልኡ ፓርትታት ከምዘለዉ ተዛሪበን፤ብሓፈሻ ክረአ ከሎ ግና ካብቲ ዝሓለፉ ዝነበሩ መረፃታት ኣብዚ ኸዚ እዋን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝሓሸ ኾይኑ ከምዝተረኸበ እተን ሓላፊት ገሊፀን እየን፡፡

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You