‹‹ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓቕነትን ግልፅነትን ዘለዎ ኣካይዳ ክኽተል ኣለዎ›› -ኣይተ ገብረፃድቕ ገብረመድህን

ኣይተ ገብረፃድቕ ገብረመድህን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ኣዋዳድባ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ትግራይ ‘ዮም። ኣብ ሃገርና ለውጢ ንኽመፅእ ናይ በዓሎም ግደ ዝተፃወቱ ኮይኖም ኣብ ብልፅግና ፓርቲ ፖለቲካዊ ቕዋሞም እናንፀባረቑ ካብ ዝርከቡ ናይ ለውጢ ሓይልታት ሓደ ‘ዮም። ምእንተ ሰላምን ሓድነት ህዝቢታት ኢትዮጵያን እናተቓለሱ ዝርከቡ ኮይኖም ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣጋጢምዎ ዘሎ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ፀገም ብምርድዳእ ክፍታሕ ኣለዎ ኢሎም ዝኣምኑ ‘ዮም።

ኣይተ ገብረፃድቕ ቅድሚ ለውጢ ጀሚሮም ኣብ ትግራይ ኣብ ተፋላለየ መንግስታዊ ሓላፍነት ዝሰርሑ ኮይኖም ከምኡ ‘ውን ድሕሪ ለውጢ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣማኻሪ ዋና ስራሕ ፈፃሚ ኣዋዳድባ ህዝቢ ከተማ ኮይኖም ሰሪሖም ‘ዮም። እምበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣመልኪትና ምስ ኣይተ ገብረፃድቕ ዝገበርናዮ ቓለ መሕትት ከምዝስዕብ ኣሰናዲእናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተገብረ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ከይዲ ትግበራኡ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ከይዲ ኣተገባብርኡ ዋላ ዝተወሰነ ክፍተት እንተሃለዎ ብኣወንታ መልክዕ ‘የ ዝሪኦ፤ እዚ እንተነኣሰ ብኣብዝሓ ሰላም ኣስፊኑ ኣሎ። እዚ ብምዃኑ መሰረታዊ ግልጋሎታት ጀሚሮም፣ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ ዝኾነ ዓይነት ዓንቐፍቐፍ ይኣትዉ ኣለዉ ‘ዮም። ዝተወሰነ ክፍተት ኣለዎ እንትብል እንተለኹ ብመዳይ መንግስቲ ፌዴራል ዝሓሸ ስጉምትታት እናተወሰዱ እንትኾኑ፤ ብወገን ህወሓት ግና ምድንጓያት ይረአዩ ‘ዩም። ንኣብነት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ምምራፅ ምድንጓይ ነይሩ ‘ዩ። እዚ ብምዃኑ ቐልጢፉ ባጀት ክልቐቕ እናተገበኦ ከይተለቐቐ ስለ ዝፀንሐ ህዝቢ ኣብ ስቃይ ፀኒሑ ‘ዩ።

ብወገን ህወሓት ኣጣቓቕማ ሚድያ ፀገም ኣሎ። ስኽን ዘይምባል ነገራት ይረአዩ ‘ዮም። እዚ ድማ ካብቲ ስምምዕነት ሰላም ወፃኢ ስለ ዝኾነ ክእረም ‘ዩ ዝግበኦ። ፀገማት የለዉን ማለት ኣይኮነን ኮይኑ ግና ብዝሰኸነ መገዲ ምስ መንግስቲ ፌዴራል ብምልዛብ ‘ዮም ክፍትሑ ዝኽእሉ። ብሓደ ግዜ ንምፍታሕ ከፅግሙ ይኽእሉ ‘ዮም። ምኽንያቱ ኣብቲ ኩናት ዝተሳተፉ ኣካላት ብዙሓትን ዝተፈላለየ ድሌታት ዘለዎምን ስለ ዝኾኑ ኣብ ግምት ምእታው ኣድላይ ‘ዩ። ሕዚ ግና ናብ መወዳእታ ወገን እናሰጎመ ‘ዩ ዝመሰል ዘሎ፤ ስለዚ ኣተገባብርኡ ብኣብዝሓ ፅቡቕ ‘ዩ ዝብል ርኢቶ ኣለኒ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ምጥያሽ ዕጡቓት ህወሓት እንታይ ክስራሕ ኣለዎ? ከምኡ ‘ውን ጉድኣት ኹናት ብኸመይ ክትሓዙ ኣለዎም ይብሉ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ካብ እዋን ደርጊ ጀሚሩ ብኹናት ሰንሰን ዝበለ ህዝቢ ‘ዩ። ብዙሕ ሰብ ብፍላይ ህይወት መናእሰይ ጠፊኡ ፤ከምኡ ‘ውን ኣካለ ጉዱእ ኮይኑ ‘ዩ። ክሳብ ሕዚ ካብ ኩናት ናብ ኩናት እናተሰጋገረ መፂኡ ‘ዩ። እዚ ድማ ንትግራይ ብጣዕሚ ጎዲእዋ ‘ዩ። እዞም ጉድኣት ኩናት ክሳብ ሕዚ ግቡእ ካሕሳ ኣይረኸቡን። ናይሕዚ ድማ ከምዚ ከይኸውን ጥንቓቐ ክግበር ኣለዎ። ግበኦም ክረኽቡ ኣለዎም። ኣድላይ ምሕብሓብ ክግበረሎም ኣለዎ። ነዚ ብዝምልከት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ መግለፂኡ ብኸመይ ክተሓዙ ከምዘለዎም ገሊፅዎ ‘ዩ። እዚ ተግባራዊ ክኸውን ኣለዎ።

በቲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያ መሰረት መንግስቲ ፌዴራል ‘ውን ዝከኣሎ ኩሉ ክሰርሕ ኣለዎ።በርግፅ መንግስቲ ኮምሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ብምጥያሽ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ። ናይ ስነ ኣእምሮ ትምህርቲ ክወሃቦም ኣለዎ፤ መጣየሺ ገንዘብ ክወሃቦም ኣለዎ። ምኽንያቱ ስሩዕ ስርሑ ገዲፉ ‘ዩ ኣብ ውግእ ነይሩ። ግቡእ መጣየሽን ስልጠናን የድልዮ ‘ዩ። እቲ ዝተጎድአ ብፍላይ ዝተፈለየ ምንክብኻብ የድልዮ ‘ዩ። ቐንዲ ጉዳይ በቲ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ክስራሕ ኣለዎ። እዚ ተግባራዊ ንኽኸውን ድማ ህዝቢ ትግራይ ይኹን ካሊእ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ሓጋዚ ክኸውን ኣለዎ።

ኣተሓዛ ጉድኣት ብዝምልከት ብጣዕሚ ጥንቓቐ የድሊ ‘ዩ፤ ኣብ ደገን ውሽጥን ዘሎ ትግራዋይ ክሕግዞም ኣለዎ። እዞም ኣካላት እዚኦም ናብ ኩናት ዝኣተውሉ ምኽንያት ተኣዚዞም ‘ምበር ብናይ በዓሎም ድሌት ኣይኮኑን። እቲ ዝነበረ ፖለቲካዊ ኩነታት ስለ ዘገደዶም ‘ዩ። ኣብ ትሕቲ እቲ ገዛኢ ውድብ ኮይኖም ‘ዮም ናብ ውግእ ኣትዮም። ኣብዚ ትግራዋይ ጥራሕ እንተይኮነትስ መንግስቲ ፌዴራል ይኹን ካልኦት ኣካላት ክድግፉ ኣለዎም። ምኽንያቱ እዞም ኣካላት እዚኦም ኢትዮጵያውያን ዜጋታት ‘ዮም። ተቓዋሚ ይኹን ዘይተቓዋሚ ክሕግዞም ኣለዎ፤ ምኽንያቱ እዞም ዜጋታት እዚኦም ሃፍቲ ትግራይ ወይ ሃገር ‘ዮም። ትማሊ መን ኣሎ ከማኻ ጅግና እናበልካ ናብ ኩናት ኣእቲኻ ሕዚ ሓሳቦም ንምግላፅ ናብ ኣዳባባይ ኣብዝወፅሉ ብመንብዒ ትኪ ክብተኑ ምግባር ኣግባብነት የብሉን።

ወጋሕታ፡- ብኹሉ ወገን ዝተፈፀመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ፍትሒ ንምሃብ ‹‹ፍትሒ ስግግር›› ግድን ‘ዩ ፤እቲ ከይዲ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ዝሞተ ሰብ ክነምልሶ ኣይንኽእልን፤ ዝዓነወ ንብረት ግና ክንትክኦ ንኽእል ኢና፤ ኣነ ናይ ደገ መርማሪ ኮምሽን ዝበሃል ኣየድልን በሃላይ ‘የ። ምኽንያቱ ካሊእ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ሒዙልና ክመፅእ ይኽእል ‘ዩ። ኣብዚ ፍትሒ ስግግር እዚ ክከሓስ ዝግበኦ ኣካል ክከሓስ ኣለዎ። ብሕጊ ክጥየቕ ዝግበኦ ‘ውን ክጥየቕ ኣለዎ። ኣብ ሰብኣውነትን ሓቒን ዝተመስረተ ኣካይዳ ክኽተል ኣለዎ። ብዕርቕን ምርድዳእን ዝውዳእ እንተሃልዩ በዚ ክውዳእ ኣለዎ። ኣብዚ ካብ ፖለቲካዊ ኣሻጥር ወፂእና ኩልና ደገፍቲ ከንኸውን ኣለና።

ወጋሕታ፡- ህወሓት ካብ ራዕዳዊነት ስያመ ምልዓሉ ንከይዲ ሰላም እንታይ ትርጉም አለዎ ይብሉ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ህወሓት ካብ ራዕዳዊነት ስያመ ምልዓሉ ንሰላም ዘለዎ ግደ ልዑል ‘ዩ። ምልዓል ስያመ ራዕዳውነት ኣካል እቲ ስምምዕ ሰላም ‘ዩ። እቲ ሰላም ዕዉት ክኸውን እንተኾይኑ ስያመ ራዕዳውነት ምልዓል ናይ ግድን ‘ዩ። እዚ እንተይገበርካ ሰላም ክመፅእ ኣይኽእልን። ግዝያዊ ምምሕዳር ተጣይሹ ስርሑ ክጅምር እንተኾይኑ እዚ ክለዓል እንተሎ ‘ዩ። ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝጣየሸሉ ድማ ህዝቢ ሰላም ረኺቡ ናብ ንቡር ሂወቱ ይምለስ። በጀት ይልቐቕ።

ሰራሕተኛ መንግስቲ ናብ ስርሑ ይምለስ። ሰላማዊ ምንቕስቓስ ይህሉ፤ ምትእምማን ይነግስ። ስለዚ እዚ ምልዓሉ ወሳኒን ቑልፍን ነገር ‘ዩ። እዚ መንግስቲ ፌዴራል ሓላፍነቱ ብግቡእ እናፈፀመ ምዃኑን ንሰላም ዘለዎ ድሌት ክንደይ ዝኣክል ከምዝኾነን ዘርኢ ‘ዩ። ህወሓት ቐይሕ መስመር ኢሉ ኣቐሚጥዎም ዝነበሩ ነጥቢታት ውድቒ ገይሩ ሃገራዊ ኣተሓሳስባ ክሕዝ ስለ ዝኸኣለ ስያመ ራዕዳውነት ምልዓሉ ግቡእ ‘ዩ። ምስ መንግስቲ ፌዴራል ግቡእ ምዝርራብን ስራሕን ክጅምር እንድሕርደኣ ኮይኑ ስያመ ራዕዳውነት ምልዓል ግቡእ ስለ ዝኾነ ሰላም ደላዪ ህዝቢ ክሕግዝ ‘ዩ ዘለዎ። ብወገን ህወሓት በቲ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ክስርሑ ዝግበኦም ክስርሑ ኣለዎም። በቲ ውዕል መሰረት እቲ ሰላም ብምሉእነት ክሳኽዕ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ሓጋዚ ኮይኑ ክርከብ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ መግለፂኦም ኣብ ዝዘርዘርዎም ነጥቢታት እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? እንታይ ዝተረፉ ኸ ኣለዉ ይብሉ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ኣይተ ጌታቸው ረዳ ዘቕረቦ መግለፂ ከም ግዝያዊ ኣመሓዳሪ ትግራይ ኮይኑ እንተይኮነስ ከም መራሒ ህወሓት ኮይኑ ‘ዩ። ዝሃቦም መግለፂታት ኣብዝሓ ብኣወንታዊ ጎኒ ዝረኣዩ’ኳ እንተኾነ ብውስን መልክዑ ህወሓታዊ ባህሪ ዝነበሮ መግለፂ ‘ዩ። ልስልስ ዝበሉ ቓላት ክጥቐም ኣይከኣለን። ኣብ ካሊእ ወገን ኣሉታዊ ስምዒት ክፈጥሩ ዝኽሉ ኣገላልፃ ‘ዮም ነይሮም። ኣብዚ ጥንቓቐ የድሊ ‘ዩ። ብናህሪ እንተይኮነስ ብልዝብ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ።

በቲ ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ኩሉ ክፍፀም ብልዝብ ምስ መንግስቲ ፌዴራል  ምዝርራብ ‘ዩ ዘድሊ፤ ናህሪ ዝተመልኦ ኣዛራርባ ንህዝብና ዝጠቕም ኣይኮነን። ንሰላም ከንሰርሕ ኢና ምባሉ፤ መሓዛ ‘ምበር ጎረቤት ምምራፅ ኣይከኣልን ምባሉ እዚ ፅቡቕ ‘ዩ። ምኽንያቱ ትግራይ ሰላም ከትረክብ እትኽእል ምስ ኩሎም ጎረቤት ህዝቢታት ሰላም ከትኸውን እንተላ ‘ዩ።

ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዝምልከት ንኹሎም ፓርቲታ ዝሓቖፈ ‘ዩ ዝበሎ ጌጋ ‘ዩ፤ ዝተወሰኑ ኣብቲ ክልል ጥራሕ ዝንቐሳቐሱ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ‘ዩ ኣካቲቱ። ካብ ብልፅግና ትግራይ፣ ትዴፓ፣ ትንሳኤ ሰብዓ እንደርታ፣ ዓረና፣ ራያ ራዩማ ወዘተ ኣይተኻተቱን። እዚ ሸፋፊንካ ምሕላፍ ኣግባብነት የብሉን። ኣብዚ መንግስቲ ፌዴራል ‘ውን ስቕታ መሪፁ ‘ዩ። ሓቋፊ ክበሃል ከሎ ንኹሎም ፖለቲካዊ ፓርቲታት ትግራይ ከካትት እንተሎ ‘ዩ። ብሓፈሻ እንተረአ እንተሎ ግና ዝተወሰነ ክፍተት እንተዘይኮይኑ ድሓን ዝበሃል መግለፂ ‘ዩ ነይሩ።

ወጋሕታ፡-እቲ ዝተረፈ ስምምዕነት ሰላም ብሙሉእነት ተግባራዊ ንክኸውን ካብ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ሃገርና እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ምርዳእ ኣድላይ ይመስለኒ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያ ፅቡቕ ዕድልን ፈተናን ኣለዋ። ካብቲ ፈተና ሓደ ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ዝነበረ ዘይምስምዕማዕ ‘ዩ። ሕዚ እዚ እናተፈትሐ ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ ኩሎም ተናሕናሕቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ኣብ ጉዳይ ሃገር ኣወንታዊ ግደ ክፃወቱ ኣለዎም። ምኽንያቱ እዛ ሃገር እዚኣ እንተፈሪሳ መንግስቲ ጥራሕ ኣይኮነን ዝጉዳእ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ተጎዳኢ ‘ዩ። ኩልና ኣብ ጉዳይ ሃገር ንመንግስቲ ክንድግፍ ኣለና። እዚ እንተኾይኑ ሃገርና ካብ ፈተና ወፂኣ ናብ ዝሓሸ ዕድል ከትሰጋገር ትኽእል ‘ያ።

ክሳብ ሕዚ ሃገር ከይትፈረስ ንመንግስቲ እናሓገዙ ነይሮም ‘ዮም። እዚ ኣወንታዊ ተግባር ‘ዩ። መንግስቲ ከጥፍእ እንተሎ ድማ ፖለቲካዊ ፓርቲታት መረዳእታ ብምሓዝ ክነቕፉ፣ ህዝቦም ከንቕሑን ክውድቡን ኣለዎም። ናይ ደገ ፅዕንቶ ኣብ ግምት ብምእታው ክሰርሑ ኣለዎም። ስለዚ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ዕውት ክኸውን ፖለቲካዊ ፓርቲታት ሃገርና ሓገዝቲ ክኾኑ ኣለዎም።መንግስቲ ከጥፍእ እንተሎ ኣብ ሓቒ ተመስሪቶም ስራሕቲ ክሰርሑ ኣለዎም። ትኽክል እንትሰርሕ ድማ ብምድጋፍን ብምትብባዕን ኣወንታዊ ግደ ክፃወቱ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እንታይ ክግበር ኣለዎ? ብፍላይ ድማ ግደ ዲያስፖራን መላእ ህዝቢ ትግራይን እንታይ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ህዝቢ ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ‘ዩ። ኩሉና ተጋሩ ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዘለና ግልፂ ‘ዩ። ብምዃኑ መንግስቲ ፌዴራልን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ክሕግዙ ኣለዎም። ከምኡ ‘ውን ማሕበረሰብ ዓለም ክሕግዝ ኣለዎ። ሕድሕድ ክልል ብዝተወደበ መልክዑ ክሕግዝ ኣለዎ። ሓድነትን ሰላምን ክጥንክር ምእንቲ ምትሕልላይን ምትሕግጋዝን ወሳኒ ‘ዩ።

ብገንዘብን ፍልጠትን ክረባረብ ኣለዎ። እዚ ‘ዩ ንትግራይ ክሃንፃ ዝኽእል። ብፍላይ ዲያስፖራ ተጋሩ ብዝተወደበ መልክዕ ርኡይ ሓገዝ ክገብሩ ኣለዎም። ቤት ትምህርቲ፣ ሕክምና ኣብ ምፅጋን፣ ዝተፈላለዩ እታዎታት ኣብ ምብርካት ክረባረቡ ኣለዎም። ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ መንግስቲ ፌዴራልን ካልኦት ናይ ደገ ኣካላትን ኣብ ጎንና ኮይኖም ክሕግዙና ኣለዎም። ነዚ ድማ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓቕነትን ግልፅነትን ዘለዎ ኣካይዳ ክኽተል ኣለዎ።

ከምኡ ‘ውን ኣብ ደገን ውሽጥን ዝርከብ ኩሉ ትግራዋይ ተወሃሂዱ ብምስራሕ ካብቲ ገጢምዎ ዘሎ ፀገም ንምውፃእ ለይትን ቐትርን ክሰርሕ ኣለዎ። ብዝኽእሎ ኩሉ ካብ ምሕጋዝ ንደሓር ክብል የብሉን። ፀገማት ካብቲ ሓደ ናብቲ ሓደ ብምውርዋር እንተይኮኑ ክፍትሑ ኣይኽእሉን። ንትግራይ ካብ ፀገም ዘውፅእ ተናቢብና ከንሰርሕ ከለና ‘ዩ። ዘየድልዩ ቓላት ምውርዋር እንተይኮነስ ብእሂን ምሂን ሓቢርካ ብምትሕግጋዝ ምስራሕ ‘ዩ። ኣብ ንሰርሖ ስራሕ ድማ ግልፅነትን ተሓታትነት ክህልዎ ኣለዎ።

ብፍልጠትን ገንዘብን ዝተኣሳሰረ ምትሕግጋዝ እንተሃልዩ ትግራይ ካብቲ ኣትያቶ ዘላ ፀገም ዘይትወፀሉ ኩነታት ኣይህሉን። ከምዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ ምውዳብን ምርድዳእን ኣድላይ ‘ዩ። ብፍላይ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ምስ ክልላትን መንግስቲ ፌዴራልን ጥንኩር ስራሕቲ ክሰርሕ ኣለዎ።

ተጣይሹ ዘሎ ካቢኔ ኣብ ምትሕብባርን ምችው ባይታ ኣብ ምፍጣርን ዕዙዝ ግደ ዝፃወት ክኸውን ኣለዎ። ንትግራይ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ካብቲ ፀገም ዘውፅእ ብቕዓትን ዓቕምን ክንሃንፅ ኣለና። ብምንባብን ምርድዳእን ኩሉ ኣቕምና ተጠቒምናሉ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ትግራይ ንምህናፅ ዘፀግም ኣይኮነን። ካብ ምውቕቓስ ወፂእና ኣብ ልምዓትን ሰላምን ትግራይ ከንረባረብ ይግባእ።

ወጋሕታ፡- ህንፀት ግድብ ኣባይ ንኢትዮጵያ ዘለዎ ትርጉም ከመይ ይገልፅዎ? ክሳብ ዝዛዘም ኸ ተሳትፎ ህዝቢ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ግድብ ኣባይ ኢትዮጵያ ብዙሕ ትርጉም ኣለዎ። ኣብ ፖለቲካዊ፣ ማህበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዘለዎ ረብሓ ልዑል ‘ዩ። እዚ ግድብ እዚ ንዕቤት ሃገርና ወሳኒ ‘ዩ። ኣዴታት ምግቢ ንምብሳል ክሳብ ሕዚ ዕንጨቲ ‘የን ዝጥቐማ። እዚ ድማ ብርሰት ኣግራብ ካብ ምስዓብ ሓሊፉ ኣብ ኣዴታት ዝፈጥሮ ፀገም ጥዕና’ውን ቀሊል ዝበሃል ኣይኮነን። ካብቲ ዕንጨቲ ዝወፅእ ትኪ ኣብ ጥዕና ዓይኒ ኣዴታት ፀገም ከምዘለዎ ዝፍለጥ ‘ዩ። ስለዚ ካብ ኢኮኖሚያዊ ረብሓ ሓሊፉ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ማሕበረሰብ ንምፍጣር ‘ውን ወሳኒ ‘ዩ።

ካሊእ ኢኮኖሚያዊ ዓቕምና ንምብራኽ ብጣዕሚ ጠቓሚ ‘ዩ። ግድብ ኣባይ ኢኮኖሚያዊ ዓቕምና ዝፈትሐልና ፕሮጀክት ስለ ዝኾነ ብዘይ ኣፋላላይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክሳብ ዝዛዘም ከምቲ ዝጀመሮ ክረባረብ ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ዘሎ ይኹን ኣብ ደገ ከም ናይ ትማሊኡ ካብ ምስታፍ ንደሓር ክብል የብሉን። ብፍላይ ሕዚ ንምዝዛም ዓሰርተ ሚኢታዊ ስለ ዝቐረየ ቐልጢፉ ናብ ፍርያት ምእንቲ ክኣቱ ክሳላቾ የብሉን። 90 ሚኢታዊ በፂሑ ኣሎ ክበሃል እንተሎ ኣብዪ ታሕጓስ ‘ዩ ዝፈጥረለካ።

ስለዚ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዝኸኣሎ ኩሉ ክሳተፍ ክኽእል ኣለዎ። መንግስቲ ‘ውን ምልዕዓል ክገብር ኣለዎ። ከም ብሓዱሽ ተለዓዒልና ከንውደኦ ኣለና። እዚ ግድብ እዚ ምልክት ሓድነትናን ኩርዓትናን ‘ዩ። ፕሮጀክት ጀሚርና ናይ ምውዳእ ዓቕሚ ዘለና ምዃኑ ‘ውን ዘርኢ ‘ዩ። እቲ ዝቐረየ ክፋል ኣብ ዝሓፀረ እዋን ክውዳእ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ተሳትፍኡ ከም ትማሊ ከሐይል ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ምስ ከይዲ ትግበራ ስምምዕነት ሰላምን እዋናዊ ኩነታት ተተሓሒዙ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከሕልፍዎ ዝደልይዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም።

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ንህዝቢ ትግራይ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፣ መጀመርታ እቲ ፀገም መን ከምዝፈጠሮ ይፈልጥ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ትምህርቲ ክወስድ ኣለዎ። ተመሊሱ ናብ ኩናት ከይኣቱ ክጥንቐቕ ኣለዎ። ምኽንያቱ በዚ ኩናት እዚ ብዙሕ ህዝቢ ተጎዲኡ ‘ዩ። ምስ ጎረባብቱ ዘሎ ርክብ ከማዕብል ኣለዎ።

ምስ ኤርትራ ዘለዎ ርክብ ንኽመሓየሽ ህዝቢ ትግራይ ብመራሕቱ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ኣቢሉ ክሰርሕ ኣለዎ። ብባህልን ታሪኽን ዝተኣሳሰረ ህዝቢ ስለ ዝኾነ ክፋላለ ኣይኽእልን። ብንግዲ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካውን ሓቢሩ እንተሰሪሑ ናብ ዝሓሸ ኢኮኖሚያዊ ደረጃ ክሰጋገር ይኽእል ‘ዩ። እዚ ህዝቢ እዚ ልክዕ ከም ክልላት ኢትዮጵያ ብባህሊ፣ ቋንቋ፣ ታሪኽ፣ ጂኦግራፊ ዝራኸብ ህዝቢ ‘ዩ።

ህዝቢ ኢትዮጵያ፣ ህዝቢ ትግራይ ኣካል ህዝቢ ኢትዮጵያ ምዃኑ ስለ ዝፈልጥ እቲ ኩናት ከመይ ይርብሾ ከምዝነበረ ይፍለጥ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ንኢትዮጵያ ዓብዪ ዋጋ ከፊሉ ‘ዩ። ኣብ ከም እኒ ካራማራ፣ ዓድዋ፣ መተማን ካልኦትን ዝኸፈሎ ዋጋ ብቐሊሉ ዝረአ ኣይኮነን። ስለዚ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ክኸውን ኣለዎ። ብዝኸኣሎ ኩሉ ክሕግዞ ኣለዎ።

ብሞራል፣ ብዓይነት ይኹን ብገንዘብ ክሕገዞ ይግባእ። ኢትዮጵያውነቱ ከርኢ ኣለዎ። ምኽንያቱ ኣብ ሓንቲ ኩርናዕ ዝፍጠር ፀገም ናይ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ፀገም ‘ዩ። እቲ ፀገም ዘምፀኦ የምፃእዮ ብዘየግድስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብጎንኻ ኣለኹ ክብሎ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና:

ኣይተ ገብረፃድቕ፡- ኣነ ‘ውን የቕንየለይ::

 መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 21 መጋቢት 2015 ዓ.ም

Recommended For You