ኣብ ከተማ መቐለ 25 ሺሕ ዓበይቲ ግልጋሎት ዝርገሐ መስመር ኤሌክትሪክ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ.ቢ.ሲ)፡- ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሓደሽቲ መንደራት ንዝርከቡ ልዕሊ 25 ሺሕ ኣባይቲ ኣገልግሎት ዝህብ ሓዱሽ ዝርገሐ መስመር ኤሌክትሪክ ብብር 405 ሚሊየን ወፃኢ እናተሳለጠ ምዃኑ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ቤት ፅሕፈት ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ መስፍን ገብረመድህን፥ እቲ ዝርገሐ መስመር ኤሌክትሪክ ኣብ 19 ሓደሽቲ መንደራት ከተማ መቐለ ዝካየድ ኢዩ።ኣብ ወርሒ ሰነ ክዛዘም ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ እቲ ፕሮጀክት፣ ካብ 25 ሺሕ ዝበልፁ መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ከምዝገብር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ዝቕፅል በጀት ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ 320 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ዝርገሐን ፅገናን መስመር ኤሌክትሪክን ህንፀት ሓዱሽ ፕሮጀክታትን ንምክያድ ዝውዕል ልዕሊ ብር 180 ሚሊየን ሕቶ በጀት ናብ ፌዴራል ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከምዝቐረበ ተዛሪቦም።

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You