ኣብ ልዕሊ 53 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክሲ ተመስሪቱ

ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ ቢ ሲ)፡- ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈፀመ ቅትለት ሰለማውያን ዜጋታትን ፆታዊ ዓመፅን ብምትሕሓዝ ኣብ ልዕሊ 53 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክሲ ከምዝተመስረተ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣፍሊጡ።

ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ምስ ሓላፊት ቋንቋታት ወፃኢን ዲጂታል ሚዲያን ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ብምዃን ኣብ ኢትዮጵያ ንዘለዉ መራኸብቲ ሓፋሽ ወፃኢ መግለፂ እንትህቡ ከምዝገለፅዎ ፣ኣብ ትግራይ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ምርመራ ገበን ፖሊስ ፌዴራል፣ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ብሓባር ብምዃን ይሰርሑ ኣለዉ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዝተፈላለዩ ጥፍኣታት ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ተሓተትቲ ኸምዝኾኑ ምግላፆም ይዝከር። ብመሰረት እዚ ኣብ ትግራይ ምስ ዝተፈፀመ ቅትለት ሰለማውያን ዜጋታት 28 ከምኡ’ውን ብፆታዊ ዓመፅ 25 ብድምሩ ኣብ ልዕሊ 53 ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክሲ ተመስሪቱ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You