ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ፌዴሪኢ ረቂቕ በጀት ዓመት 2014 ልዕሊ 561 ቢሊየን ብር ንክኸውን ውሳነ ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፡- ቤት ምኽሪ ሚኒስቴራት ፌዴሪኢ ኣብ መበል 97 ስሩዕ ኣኼብኡ ረቂቕ በጀት ዓመተ 2014 ብር 561 ነጥቢ 7 ቢሊየን ንክኸውን ውሳነ ሂቡ። እቲ ረቂቕ በጀት መፍረያይነት ንምዕባይ ዝሕግዝን ምስ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ዝተጠዓዓመ ከምዝኾነን ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ፅሒፎም።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘሳለጦ ስሩዕ ኣኼባ፣ ኣብ 2014 ዓ.ም ንዝሳለጡ ስራሕቲን ግልጋሎትን ዝውዕል ንስሩዕን ወፃኢታትን መንግስቲ ፌዴራል ብር162 ቢሊየን ፣ ብር ንካፒታል በጀት 183 ነጥቢ 5 ፣ ንክልላት ዝወሃብ ድጋፍ ብር 203 ነጥቢ 95 ቢሊየን ፣ ንድጋፍ መፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ብር 12 ቢሊየን ብድምር ብር 561 ነጥቢ 67 ቢሊየንን ንክኸውን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ በጀት ድሕሪ ምዝታይ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክፀድቕ ውሳነ ሂቡ። እቲ በጀት ምስ ናይ 2013 ዓ.ም እንትነፃፀር ናይ 18 ሚኢታዊ ወሰኽ ከመዘለዎ እውን ተገሊፁ።

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You