ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ኢትዮጵያ 54 ሚልዮን ሄክታር ዝተጎሳቖለ መሬት ከምዘሎ መፅናዕትታት ከምዘመላኽቱ ተገሊፁ። ሓምለዋይ ኣሰርን ዝተጎድአ መሬትን ንምሕያው ዝሕግዝ ፍሉይ ፈንድ ክጣየሽ ምዃኑ ‘ውን ተጠቚሙ።
መበል 12 ስሩዕ ኣኼባ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ 4ይ ዓመት ስራሕ ዘመን ሓምለዋይ ኣሰርን ዝተጎድአ መሬትን ንምሕያው ዝሕግዝ ፍሉይ ፈንድ ንምቛምን ንምምሕዳርን ዝቐረበ ረቒቕ ኣዋጅ ብቕድሚ ትማሊ መርሚሩ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑዎ።
ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትልምን በጀትን ፋይናንስን ቤት ምኽሪ ኣይተ ደሳለኝ ወዳጄ ፀብፃብን ሐሳብ ውሳነን ረቂቕ ኣዋጅ ኣብ ዘቕረቡሉ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኣብታ ሃገር 54 ሚልዮን ሄክታር ዝግመት መሬት ዝተጎድአ ከምዝኾነ መፅናዕትታት ይሕብሩ። ካብዚ እቲ መሬት ብቕልጡፍ እንተዘይተመሊሱ 11 ሚልዮን ሄክታር ንሓዋሩ ክጉዳእ ‘ዩ።
እቲ ኣዋጅ ዝተጎድአ መሬት ኣብ ምሕዋይ፣ ሽፋን ኣግራብ ኣብ ምዕባይን መፍረያይነት ኣብ ምዕባይን ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ብምጥቓስ፤ እቲ ዝካየድ ዘሎ ስራሕ ሓምለዋይ ኣሰር ብቐፃልነትን ብደገፍ ፍሉይ ፈንድን ምትግባር እቲ ምሕዋይ ትርጉም ብዘለዎ መንገዲ ክቕፅል ከም ዘኽእል ገሊፆም።
እቲ ዝተጎድአ መሬት ክምለስን ዝሓሸ ሽፋን ኣግራብ ክህልዎን ብምግባር ብብዙሕ መዳያዊ ንጥፈታት ልምዓት ኣግራብ ኣብ ኢኮኖሚ ኣበርክቶ ከምዝገብር ገሊፆም። ዝተጎድአ መሬት ብትካላዊ መንገዲ ንምምላስ ምስራሕ ኣድላዪ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ኣቦ መንበር ቀዋሚ ኮሚቴ፣ ካብ ዜሮ ነጥቢ ሓሙሽተ ክሳብ ሓደ ሚኢታዊ ካብ በጀት ፌደራል ሃገርና ንሓምለዋይ ኣሰርን ዝተጎድአ መሬትን ንምምላስ ዝስራሕ ስራሕ ከምዝምደብ ተዛሪቦም።
እቲ ኣዋጅ ንስራሕቲ ሓምለዋይ ኣሰር ቐዋሚን ትካላዊ ስርዓት ዘለዎ ዓቕሚ ፋይናንስ ከክህልዎ ኣድላይ ኮይኑ ዝተዳለወ ምዃኑ ብምዝካር፤ ብዘላቒነት ነባሪ ኣየር ለውጢ ዝፃወርን ካብ ብከላ ነባሪ ኣየር ናፃ ዝኾነን ኢኮኖሚ ንምህናፅ ሃገራዊ ራእይ ኣብ ምዕዋት እጃሙ ከምዘበርክት ሓቢሮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ዝተዋደደ፣ ቀዋምን ዘላቕን ውሽጣዊ ፋይናንስ ፍልፍል ብምምዳብን ብምውዳብን ኩለን ክልላት ብፍትሓዊ መንገዲ ተጠቀምቲ ዝኾናሉ ስርዓት ምሕንፃፅ ግቡእ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ነዚ ድማ ሓምለዋይ ኣሰርን ዝተጎድአ መሬትን ንምሕዳስ ዝሕግዝ ፍሉይ ፈንድ ምምስራት ኣድላዪ ኮይኑ ተረኺቡ ኣሎ ኢሎም።
ኣብ ሃገርና ዝተጎድኡ ከባቢታት ብልምዓት ኣግራብን ሕርሻን መሊሶም ክሓውዩ ምግባር ልዑል ዝኾነ ማሕበራዊ፣ ቁጠባውን ስነ-ምህዳራዊን ኣገዳስነት ንምዕባይ ከምዝሕግዝ ዝተዛረቡ እቶም ኣቦ መንበር፤ ፌደራል መንግስቲ ነቶም ዝተተኽሉን ኣብ ቀፃሊ ዝትከሉን ፈልሲታት ብቐፃልነት፣ ብቐዋምን ዝተዋደደን ኣገባብ ናይ በጀት ድጋፍ ከምዝገብር ኣመላኺቶም፡፡
ብተወሳኺ ሃገርና ካብ መሻርኽቲ ልምዓትን ካልኦት ዓለምለኻዊ ፍልፍላት ፋይናንስ፣ ለውጢ ነባሪ ኣየርን ስርዓታት ንግዲ ካርቦንን እትረኽቦ ደገፍን ተጠቃምነትን ክትውስኽ ከምእትኽእል ተገሊፁ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም