ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካ ፅባቐ ርእሰ ከተማ ንምልላይ ምድላዋት ከምዝተገበረ ቤት ፅሕፈት ፅባቐን ሓምላዋይ ልምዓትን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
መበል 38 ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ 8ን 9ን ለካቲት 2017፤ መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ፈፃሚ ቤት ምኽሪ ሕብረት ንዕለት 5ን 6ን ለካቲት ክካየድ ‘ዩ። ርእሰ ከተማ ኣፍሪካን ዲፕሎማስያዊ ማእኸል ዓለምን ዝኾነት ኣዲስ ኣበባ ንዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካ ብኹሉ መዳይ ምድላዋት ኣጠናኺራ ኣላ።
ኣዲስ ኣበባ ነቲ ዋዕላ ብድሙቕን ፅቡቕን ኣገባብ ንምእንጋድ ኣድላዪ ምድላዋት ብምግባር ንኣጋይሻ ካብቲ ልሙድ ንላዕሊ ንምቕባል ትሰርሕ ከምዘላ ተገሊፁ። እቲ ዋዕላ ከም ፅቡቕ ዕድል ተጠቒምካ ኣብ ዝተፈላለዩ መእተዊ ነታ ከተማ ስራሕቲ ምፅባቕን ሓምለዋይ ልምዓትን ብፅዑቕ ይካየድ ኣሎ።
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፅባቐ ከተማን ሓምለዋይ ልምዓትን ኣዲስ ኣበባ ግርማ ሰይፉ ን ግ.ዜ.ኢ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፣ እታ ከተማ ፅብቕትን ሓምለዋይን ናይ ምግባር ስራሕ ብትኹረት ይስራሕ ከምዘሎን ንዋዕላ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝመፁ ኣጋይሽ ንምፅባቕ ከተማና ስራሕቲ ብፍሉይ ትኹረት ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።
እቲ ዋዕላ ብቐንዱ ልምዓት ኮሪደርን ካልኦት ኣብ ርእሰ ከተማ ዝስርሑ ስራሕቲ ልምዓትን ኣብ ምድንፋዕን ኣጋይሽን ናብ ካልኣይ ሃገሮም ከም ዝመፁ ክስመዖምን ዘተኮረ ምዃኑ እቶም ሓላፊ ኣፍሊጦም። እቶም ሓላፊ፣ እታ ከተማ ፅብቕቲ ናይ ምግባር ስራሕ ቀፃሊ ከምዝኾነ ገሊፆም። እቶም ልምዓታዊ ስራሕቲ ኣዲስ ኣበባ ፅብቕትን ምችውትን ንምግባር ጥራሕ ዘይኮነስ መባፅሒ ቱሪዝም ንምስፋሕ እውን ከምዝኾነ ጠቒሶም።
ብተወሳኺ እቲ ቤት ፅሕፈት ንዋዕላ ዝመፁ ኣጋይሽ ፃንሖቶም ፅቡቕ ንምግባርን ፃንሒቶም ከናውሑን ብፍሉይ ትኹረት ብምግባር ስራሕቲ ፅሬትን ምፅባቐን ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፆም። እቲ ዋዕላ ብዓወት ንምእንጋድ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ምድላው ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ጠቒሶም ክብል ግ.ዜ.ኢ ፀብፂቡ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም