ኣዲስ ኣበባ፡- ባንክታት ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ ምምፀኦም ናይ ባዕሎም ረብሓታትን ፈተናታትን ዘለዎም እንትኾን፤ እቶም ረብሓታቶም ብምድሓዝ እቶም ፈተናታቶም ከመይ ኢና ክንዋፀኦም እንኽእል ዝብል ኣሰራርሓ ክንኽተል ኣለና ክብሉ ስራሕ መካየዲ ባንኪ ኦሮሚያ ጨንፈር ዓዲ ሓቂ መቐለ ኣይተ ጎይቶኦም ደሳለኝ ገሊፆም።
ኣይተ ጎይቶኦም ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበልዎ ፤ እዞም ባንክታት ናብ ውሽጢ ዓዲ ምእታም እቲ ሓደ ኣብ መንጎ ባንክታት ንሕንሕ ክፈጥር ዝገብር ‘ዩ፤ ንሕንሕ ክዓቢ ብምግባር ህዝቢ ወይከዓ እቲ ዓሚል ዝሓሸ ግልጋሎት ባንኪ ንክረክብ ዝገብር ‘ዩ እንትኾን ዕዳጋ ዓለም ንምርካብ(ኣክሰሰ) ቀሊል ዝገብርን ዓበይቲ ዓማዊል ስለዘለዎ ናትና ነጋዶ ምስ እዚኦም ናይ ምርኻብ ዕድል ቀሊል ዝገብረሎም ‘ዩ ኢሎም።
ናይ ባዕሎም ኣሰራርሓ ቴክኖሎጂ ሒዞም ዝመፁ እንተሃልዮም ኣብዚ መፂኦም ኢንቨስት ናይ ምግባር ድልየቶም ዘስፍሕ ‘ዩ፤ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ብቀሊሉ ካብ ወፃኢ ብዝመፁ ዝሓሸ ቴክኖሎጂ ዝሓሸ ካፒታል ስለዘለዎም ናይ ምልቃሕ ድልየት ብጣዕሚ ዘስፍሕ ‘ዩ ዝበሉ ኣይተ ጎይቶኦም ፤ኣብ ሰእነት ስራሕ ናይ ምቕራፍ ዕድል ‘ውን ናይ ባዕሎም ዝኾነ ተሳትፎ ክገብሩ ‘ዮም ኢሎም። እዞም ባንክታት ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝሰርሑ ድማ ትርፊ ምርካቦም ኣይተርፍን ፤እንድሕር ትሪፊ ረኺቦም ድማ ግብሪ ክኸፍሉ ‘ዮም እዚ ድማ ከም ሃገር እንርበሐሉ ኣጋጣሚ ‘ዩ ።
ኣይተ ጎይቶኦም ከም ፈተና ኢሎም ካብ ዘቐመጥዎም ነጥብታት፤ ካፒታል ምውፃእ(ፍላይት) እዚ ማለት እቶም ናይ ወፃኢ ባንክታት ኣብዚ ዝረኽብዎ ትርፊ ተመሊሶም ኣብዚ ኢንቨስት ዘይምግባሮም፤ እተን ካብ ደገ ዝመፃ ባንክታት ዝለዓለ ቴክኖሎጂ እየን ዝጥቀማ ፣እቶም ዝለዓለ ቴክኖሎጂ እንብሎም ዓብይ ልምድን ዘለዎም ማነጅመንት ሒዘን እየን ዝመፃ ፤ብተወሳኺ ድማ ናይ ምቁፅፃር ዓቕሚ መንግስቲ ዘይብሉ ምዃኑ ከቢድ ክኾን ከምዝኽእል ኣብሪሆም።
እዚ ንምቕራፍ እተን ባንክታት ‘ውን እንታይ ክገብራ ኣለዎን ካፒታለን ኣመዓራርየን(ማች) ገይረን ዝሓሸ ቴክኖሎጂ ዝሓሸ ሓይሊ ሰብ ኣፍርየን እዚ ናይ ምፅዋር ስራሕቲ ክሰርሓ ኣለዎን ዝበሉ ኣይተ ጎይቶኦም፤ እቶም ረብሓታቶም ብምድሓዝ እቶም ፈተናታቶም ከመይ ኢና ክንዋፀኦም እንኽእል ዝብል ከም መንግስቲ ክስረሐሎም ዝግባእ ናይ ውሽጢ ዓዲ ፖሊስታት ብምምሕያሽ ክስራሕ ኣለዎ ክብሉ ገሊፆም።
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም