ኣዲስ ኣበባ፡-ኣብ ወረዳ ሕንጣሎ ጣቢያ ሒዋነ ፍሉይ ቦታ ሜዳ ፍሽሕ ኣብ ዝብሃል ከባቢ ብዝሓሸ ብርኪ ዝለምዕ ዘሎ 335.5 ሄክታር ዝራእቲ ስገምን ስርናይን ልምዓት መስኖ ዑደት ተሳሊጡ። እቲ ዘሎ ሃፍቲ ተጠቒምካን ሞያዊ ደገፍን ክትትልን ብምሃብን ከም ወረዳ ሕንጣሎ ምንቅስቓስ ምልማዕ መስኖ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ ብዕቱብ ይስራሕ ከም ዘሎ በዓልቲ ሞያ መስኖ ወረዳ ሕንጣሎ ወ/ሮ ኣበባ ግደይ ሓቢረን።
እዚ ካልኣይ ዙር ልምዓት ክላስተር መስኖ ዝራእቲ ስርናይ ስገምን ብዝሐሸን ብዝማዕበለን መንገዲ ተጠቒምካ ናብ ክላስተር ምልማዕ መስኖ ንክሰጋገር ምስ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ከይዲ ስራሕ በዓል ሞያ ዘራእትን ሆልቲካልቸርን ተዋዲድና እናሰራሕና ንርከብ ክብሉ ኣብ ጣብያ ሒዋነ ሰራሕተኛ ልምዓት መስኖ ኣይተ ሃይለ ማርያም ተስፋይ ሓቢሮም።
ኣብቲ ልምዓት ካብ ዝተዋፈሩ መንእሰይ ኣሰፋ ሓዱሽን ግዝያዊ ማንያክለውን ብወገኖም ኣብ ዓመት ሰለስተ ጊዜ ተጠቀምቲ ምዃኖም ድሕሪ ምግላፆም ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ሕዚ ግን ብደለል መሊኡ ዝተዓበሰ ግድብ ሸላናት ፍታሕ ክግበረሎምን ሕሞድያ እውን ኣብ ዘራእቶም ጉዳኣት ከየብፅሕ ስግኣት ከም ዘለዎምን ይሕብሩ።
ኣብ ካልኦት ዘራእቲ ምስፍሕፋሕ መስኖ ከም እኒ ድንሽ ዝኣመሰሉ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ጣብያ ማይ ነብሪ ዝዋፈሩ ዘለው መናእሰይ ካብ ባዕሎም ሓሊፎም ንካልኦት ስራሕ ዕድል እናፈጠሩ ከም ዝርከብ ይገልፁ። መንእሰይ ገፁ ናብ ልምዓት መስኖ ክገብርን ደገፋት ክመቻቸውሉን ድማ ወሲኾም ገሊፆም።
ብተመሳሳሊ ዜና ኣብታ ወረዳ ኣብ ምልማዕ ቀይሕ ሽንጉርቲ ካብ ዝተዋፈሩ መንእሰይ ገ/ሂወት ፀሃዬ ከም ዝበሎ “ዝጀመርናዮ ልምዓት ፀጋታት ከባቢና ንጠቐም” ብዝብል ሓሳብ ተለዓዒልና ነልምዖ ዘለናን ኣብ ምቕያር ኢኮኖሚያዊ ተጠቃምነትና ዓብይ ግደ ክህልዎ ከም ዝኽእል ብምእማን ኢና ፃዕርና ኣጠናኺርና ንቕፅል ዘለና ኢሉ ክብል ንሓበሬታን ርክብን ወረዳ ሕንጣሎ ፀሪሑ ዝፀብፀበ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ዞባ ደቡብ ምብራቕ ትግራይ እዩ። ብኻሊእ ዜና ሃፍቲ እንስሳን ተፈጥሮን፣ ኣብ ልምዓት መስኖን ካልኦት ተዛመድቲ ስራሕቲ ተሞክሮ ብምውሳድ ንምስፋሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተሓቢሩ።
ኣብቲ ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ፣ጣብያ ሓወስታ ቁሸት ሽሕ ታምቦክ ኣብ ሃፍቲ እንስሳን ተፈጥሮን፣ ኣብ ልምዓት መስኖን ካልኦት ተዛመድቲ ስራሕቲ ተሞክሮ ብምውሳድ ንምስፋሕ ይስራሕ ከምዘሎ ዘፈር ቁጠባ ገጠር ልምዓት እታ ወረዳ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ኤክስቴንሽን ኣይተ የማነ መኮነን ገሊፆም። መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ዘራእትን ሆልቲ ካልቸርን ኣይተ ወላይ ኣብርሃ ብወገኖም ሓረስታይ ኣብ ኣፀጋሚ ቦታ ብናይ ባዕሉን ስድርኡን ፃዕሪ ከልምዕ ብምኽኣሉ ከም ትካል ንምሕጋዝ ድሉዋት ምዃኖም ሓቢሮም።
ሓረስታይ ተኽለ መዋፀን ድማ እቲ ዝለዓለ ፃዕሪ ብምክያድ ደኺሙኒ ሰልችዩኒ ከይበሉ ብምስራሕ ዝሓሸ መነባብሮ ይነብር ኣለኹ፤ብመዳይ ሃፍቲ እንስሳ፣ ኣብ ምህጣርን ፀባን፣ ጤለበጊዕ፣ ዘበናዊን ባህላዊን ቆፎ ንህቢ፣ ምርባሕ ደርሆ፣ ልምዓት መስኖን ካልኦት ስራሕቲ ክተኣታቶ የተባብዕ ኣለኹ ክብሉ ገሊፆም።
ዑደት ዘካየዱ ወገናት ብወገኖም እቲ ከባቢ ንምልማዕ ምችዊ ስለዝኾነ ነቲ ተሞኩሮ ብምውሳድ ምስፋሕን ናብራ ንምልዋጥ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ክብል ሓበሬታን ርክብን ወረዳ ላዕላይ ማይጨው ከምዝገለፀ ካብ ማሕበራዊ ገፅ ቢሮ ኮሙኑኬሽን ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የመልክት።
ወጋሕታ 17 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም