“ፀገም ተፃዊርና ሃገር ክትፀንዕ ብምግባርና ኢትዮጵያ እትፈርሰሉ ግዜ ሓሊፉ ‘ዩ”- ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

 አዲስ አበባ፡- ነቲ ፀገም ተፃዊርና ሃገር ክትፀንዕ ብምግባርና ኢትዮጵያ እትፈርሰሉ ግዜ ሓሊፉ ‘ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ተደሚራ ንፈተናታታ ክትሓልፎም ክኢላ ‘ያ ክብሉ ‘ውን ተዛሪቦም።

መበል ሻድሻይ ካልኣይ ዓመት ዘመነ ስራሕ መበል 11 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ዝሓለፈ ሰሉስ እንትካየድ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ካብቶም ኣባላት ቤት ምኽሪ ንዝተልዓሉ ሕቶታት መልሲ ሂቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ከምዝተዛረብዎ፣ ብዙሓት ሃገራት ፅዕንቶ ኣብ ዘሕድሩልናን መውፅኢ መንገዲ ኣብ ዘዳለዉልናን ግዜ ንሃገርና ገዲፍና ኣይከድናን፣ ነቲ ፀገም ተፃዊርና ሃገር ክትፀንዕ ብምግባርና ኢትዮጵያ እትፈርሰሉ ግዜ ሓሊፉ ‘ዩ።

ሰላም ምምፃእ ብጣዕሚ ኣድላዪ ከምዝኾነ ንኣምን ኢና ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ይኹን ‘ምበር ሰላም ንምምፃእ ካብ ኵናት ብዘይነኣኣስ ትግሃትን ድኻምን የድሊ። ነዚ ‘ውን ምሉእ ማሕበረሰብ ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ፃዕሪ ክገብር ይግባእ ኢሎም።

እናተጉዓዝና ዘለና ዝተማልአ ሰላም ንምምፃእ ‘ዩ፣ ሰላም ድማ ኣንፃራዊ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ብፍላይ ‘ውን ኣወንታዊ ሰላም ብዙሕ ካባና ይትረፍ ካብ ሰላም ነትርፎ ይበልፅ ኢልካ ምእማን ከምዝሓትት ሓቢሮም።

ዶክተር ኣብይ ከምዘዘኻኸርዎ፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ዝነበረ ሎሚ ዝሓሸ ሰላም ኣሎ። ናብ ዝተማልአ ሰላም ንምኻድ ብዙሕ ስራሕ ትፅቢት ይግበር።ኮይኑ ግን ተኹስን ሞትን ጠጠው ምስበለ ሽዑ ንሽዑ ኣየር ሰላም ክነፍስ ‘ዩ ማለት ኣይኮነን፣ ድሕረ ጎንፂ ዘሕድሮ በሰላ ቀልጢፉ ዝድሕን ኣይኮነን ክብሉ ‘ውን ተዛሪቦም።በዚ ምኽንያት ‘ውን ኣየር ሰላም ክሰፍን ንምግባር ፈተና ኮይኑ ‘ዩ፣ ሰላም ኣድላዪ ‘ዩ ኢልና ኢና ንኣምን፣ ንዘላቒ ሰላም በርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ኡሎም።

መንግስቲ ብወገኑ ኢትዮጵያ ንክትፀንዕ ሕጊ ክኽበር ዝገብሩ ትካላት ሃኒፁ ‘ዩ። ሃገራት ኣፍሪካ ሓዊሱ ዝቐንኡሎም ኣካላት ፀጥታ ሃኒፅና ኢና። ድሕሪ ሕዚ ሃገር ክትፈርስ ‘ያ ዝብል ስግኣት የብልናን ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ‘ውን ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእል ስራሕ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ። ኮንትሮባንድ፣ ዘይሕጋዊ ዕጥቂ፣ በብቦትኡ ሰብ ምቕታልን ምስራቕን ንምክልኻል ብዘኽእል ኣሰፋፍራ ምክልኻል ሃገርን ፌዴራል ፖሊስን መብዛሕቲኡ ወሳኒ ከባቢ ንክሕዙ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ ክብሉ ‘ውን ኣፍሊጦም።

ብሓዱሽ ጅማሮ ከይዲ ኣሰፋፍራ ፀጥታ ውፅኢታት ተራእዩ’ዩ፣ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ውፅኢታውነቱ ብዝበለፀ ክጠናኸር ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ ኢሎም።

ከም ገለፃ ዶክተር ኣብይ፣ ኣብ ኩሉ ከባቢ ዘለዉ ሓይልታት ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ቦትኦም ንክፈልጡ ዝተጀመረ ስራሕ ኣሎ። ኮይኑ ግን ሕዚ በቢቦትኡ ሓልሓሊፉ ዝረኣዩ ፀገማት ንክቕንሱን ንክጠፍኡን መንግስቲ ኣድላዪ ፃዕሪ ክገብር ‘ዩ።

ሰላም ዝፀልእ ሓይሊ የለን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነቲ ዓወት በርቲዕና ክንሰርሕ ኢና ‘ውን ኢሎም።

ንሸኔ ብዝምልከት ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ብወገን መንግስቲ ካብ 10 ግዜ ንላዕሊ ጅማሮታት ዋላ እንተተገበሩ ኣሰላልፋ ዝተዓጠቑ ሓይልታት ዝተበታተ ብምዃኑ ነቲ ከይዲ ዕንቅፋት ዝበዝሖ ገይርዎ ‘ዩ ኢሎም።

እቲ ፃዕሪ ሰላም ከም ፓርቲ ተዘራሪብና ዝወሰናዮ ‘ዩ፣ መንግስቲ ‘ውን ብሰላማዊ መገዲን ብዘተን ንምፍታሕ ቆራፅ ‘ዩ፣ ኣብ ካልኦት ከባብታት ጎንፅታት ብሰላምን ብዝርርብን ንምፍታሕ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ፅቡቕ ውፅኢት ተራእዩ ‘ዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ንሰላም ካብ ዝግበር ፃዕሪ ጎናጎኒ ተወሳኺ ቅትለትን ምፍንቓልን ንከይፍጠር ሓይልታትና ኣብቲ ከባቢ ጥንኩር ስራሕ እናሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ከምዝገለፅዎ፣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝነብር ፖለቲካዊ ምጥልላፍ፣ ተንኮልን ጉልበትን ኣብዚ ሕዚ ግዜ ዘድልየና መገዲ ሰላምን ይቅሬታን ‘ዩ።

ኢትዮጵያ ናይ ኢትዮጵያውያን ሃገር ‘ያ፣ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ናብ ዝኾነ ቦታ ተንቀሳቒሱ ናይ ምስራሕ መሰል ኣለዎ። ሓባራዊት ሃገር ክንሃንፅ ይግባእ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝስርሑ ፃዕርታት ዴሞክራሲ ምስ ፀገሙ ዋላ እንተኾነ ምሕጋዝ ግቡእ ‘ ዩ ኢሎም።

ንስደተኛታትን ካልኦትን ህዝብታት ሃገር ዝኾነት ኢትዮጵያ ናተይ ኢሉ ዝኣምነላ ሃገር እንተሃኒፅና ኢትዮጵያ እኹልቲ ‘ያ፣ እቲ ዘሎ ዘየድሊ ቅድድም ግን ጥፍኣት ከምፅእ ‘ዩ ክብሉ ሓቢሮም።

ኣብ ከባቢ ዶብ ንዘጋጥሙ ፀገማት ብሰላማዊ መገዲ ብዝርርብ ንምፍታሕ ኢትዮጵያ ቅድምያ እትህቦ ጉዳይ ምዃኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም፣ ብጉዳያት ዶብ ምስ መንግስትታት ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘተ መሰረት ዝገበሩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ኣፍሊጢም።

በሪሁ ኣረጋ

ወጋሕታ 21 መጋቢት 2015 ዓ.ም

Recommended For You