‹‹ህዝቢ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ፣ ህዝቢ ዘሳተፈን ቕቡል ዝኾነን ስርዓት የድልዮ››- ኣይተ መስፍን ደሳለኝ

ኣይተ መስፍን ደሳለኝ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ከተማ ማይጨው ‘ዮም ተወሊዶም። ብቐዳማይ ዲግሪ ብኢንጅነሪንግ ዝተመረቑ ኮይኖም ቕድሚ ለውጢ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ኣብ ማይጨው ኮሎጅ ቴክኒክን ሞያን፣ ኣብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ብሞያ መምህርነት ከምኡ ‘ውን ኣብ መቐለ ፋብሪካ ሲሚንቶ መሰቦ ሰሪሖም ‘ዮም። ኣይተ መስፍን ሐዚ ኣብ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ምክትል ኣቦ ወንበር ኮይኖም እናሰርሑ ዝርከቡ ኮይኖም። ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይ ኣድሂብና ዝገበርናዮ ቓለ መሕትት ከምዘስዕብ ኣዳሊውናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ዕጡቓት ናብ ሕብረተሰብ ተፀሚሮም ሰላማዊ ናብረኦም ክመርሑ መንግስቲ ፌዴራል እናሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ፡፡እዚ ኣብ ዝኾነሉ ካብ ህዝቢ፣ መንግስቲን በዓሎም እቶም ዕጡቓትን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ? ኣይተ መስፍን፡- ብናይ ፕሪቶርያ ስምምዕነት መሰረት እቲ ዕጡቕ ተሃድሶ እናተወሃቦ ገሊኡ ናብ ፖሊስ፣ ገሊኡ ናብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ገሊኡ ድማ ናብ ህዝቢ ተፀሚሩ ስሩዕ ናብርኡ ክመርሕ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝረከብ።እዚ መጀመርታ እኹል ናይ ስነ ልቦና ተሃድሶ ክወሃቦ ኣለዎ፤ ምኽንያቱ እቲ ዕጡቕ ዝነበሮ ባይታ ፅቡቕ ኣይኮነን።ኣብ ኩናት ተሳቲፉ ዝነበረ ኣካል ከም ዘለዎ ናብ ሕብረተሰብ ወይ ናብ ካሊእ ኣይፅመርን።ዝተፈላለየ ናይ ሳይኮሎጂ ትምህርቲታት የድልዮ ‘ዩ።መጀመርታ ከምዚ ዝበሉ ተሃድሶታት ክዋሃቦ ኣለዎ።

በርግፅ ብቕልጡፍ ክሕከም ‘ዩ ኢልካ ብዙሕ ትፅቢት ትገብረሉ ኣይኮነን።ኣብ ካልኦት ዓዲታት ኣብ ከምእኒ ቬትናም እንተሪእና ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም እቲ ዕጡቕ ብጣዕሚ ብዙሕ ዓመት ኣብ ኩናት ስለ ዝነበረ ኣተሓሳስብኡ ብቕልጡፍ ኣይተመለሰን።ሰላማዊ ዝኾነ ባህሪ ቐልጢፉ ኣየምፀአን።ናብ ስሩዕ ኣተሓሳስባ ንምቕያር ብዙሕ ዋጋ ተኸፊሉ ‘ዩ። መንግስቲ ዕጡቓት ህወሓት ተሃድሶ ንምሃብ ጀሚርዎ ኣሎ ‘ዩ።እዚ ፅቡቕ ነገር ‘ዩ፤ እቶም ዕጡቓት ናብቲ ማሕበረሰብ እንትምለሱ ብዙሕ ናይ ስነ ልቦና ስልጠናታት የድልዮም ‘ዩ፤ ምኽንያቱ ኣካሉ ዝጎደለ ኣሎ፤ ኣተሓሳስብኡ ካብቲ ማሕበረሰብ ውፅእ ዝበለ ኣሎ፤ ወለዲ ደቐን ዝተሰዉእወን ኣለዉ፤ ካልኦት ፀገማትን ስለ ዘለዉ ብመንግስቲ ፌዴራል ይኹን በቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣካላት ብፋይናንስ ይኹን ብኻሊእ ኣቐዲምካ ዝሓሸ ምትዕርራይ ክግበር ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- በቲ ኩናት ተሓስዩ ዝነበረ ህዝቢ ናብ ልምዓት ተመሊሱ ስሩዕ ናብርኡ ክመርሕ ብመንግስቲ ከመይ ክማቻቸወሉ ኣለዎ? ኣይተ መስፍን፡- ከም ዝፍለጥ ኣብዚ ንክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኩናት ብዙሕ መሰረተ ልምዓታት ዓንዮም ‘ዮም፤ ዝዓነዋ ትካላት ናብ ንቡር ክምለሳ ቕልጡፍ ዳግማይ ህንፀት የድሊ ‘ዩ።ናብ ስራሕ ዝኣትያሉ መንገዲታት ክስራሕ ኣለዎ።እዚ የምናልባሽ ካብ መንግስቲ ንዓቐብ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።ብምዃኑ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ክተሓባበር ኣለዎ።ብኸምዚ ናብ ስራሕ ዝኣትዋሉ ባይታ ክማቻቾ ኣለዎ።

ጠቕላላ ናይ መንግስቲ ትካላት በቲ ዝነበረኦ ልክዕ ክሰርሓ ክግበር ኣለዎ።እዘን ትካላት እዚአን ቐዳምነት ተዋሂብወን ክስራሕ ክኽእል ኣለዎ።ምኽንያቱ ብዙሕ ሓይሊ ሰብ ዝሕዛ ትካላት ‘የን።እዘን መሰረታዊ ትካላት እዚአን ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ክኣትዋ ብምግባር ሕብረተሰብ ዝጥቐመሉ ኩነታት እንተዘይተማቻችይዉ እቲ ፀገም ክቓለል ኣይኽእልን።ምኽንያቱ ኣብዘን ትካላት እዚኣተን ዝሰርሕ ሰብ ብዙሕ ‘ዩ። መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ክሳብ ሕዚ ኣይኽፈሉን ዘለዉ።ስለዚ እቲ ሕብረተሰብ ክሳብ ሕዚ ኣብ ከቢድ ፀገም ‘ዩ ዘሎ፤ በቲ ውዕል ሰላም መሰረት ብቕልጡፍ ተፀጊነን ናብ ግልጋሎት ክምለሳ ኣለዎን።ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ብዙሕ ተስፋ ዝህቡ ነገራት ኣለዉ ‘ዮም፤ ኮይኑ ግና መሃያ ዘይምኽፋል ሓደ ፀገም ‘ዩ።ስለዚ እዚ ቐዳምነት ሂብካ ክስረሐሉ ይግባእ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ዝሓለፈ ቐረባ እዋን ስግግር ፍትሒ ኣመልኪቱ ሃገራዊ ጉባኤ ተኻይዱ ነይሩ፤ እዚ ኣገዳስነቱ ከመይ ይገልፅዎ? ፍትሒ በዚ ክረጋገፅ ይኽእል ‘ዩ ኢሎም ዶ ይሓስቡ? ወይ ብመደበኛ ቤት ፍርዲ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ? ኣይተ መስፍን፡- ኣጋጣም ኣብዚ ብናይ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ተሳቲፈ ነይረ ‘የ፤ ካብ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ሓሳብ ንምርካብ ኣኪቦምና ነሮም ‘ዮም።ኣድላይ ሓሳብ ኣልዒልና ነይርና ኢና፤ እዚ ስግግር ፍትሒ ኣብ ኣድላይነቱ ዘተሓታትት የብሉን፤ ኮይኑ ግና ናብ ረብሓ ክቕየር ይኽእል ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን።ምኽንያቱ ቕደም ሰዓብ ኣይተኸተለን።ናይ ሃገርና ፀገም ፖለቲካዊ ፀገም ‘ዩ።መጀመርታ እቲ ሃገራዊ ዘተ ክጅመር ኣለዎ።እዚ ‘ዩ ፖለቲካዊ ፀገም ክፈትሕ ዝኽእል።ፍትሒ ስግግር ዝባሃል ብዛዕባ ምሕረት፣ ካሕሳ፣ ክሲን ሓቓዊ ምላሽን ‘ዩ።እዚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ፖለቲካ ኣብ ዘይተረጋገዐሉ፤ ፀገም እናቐፀለ ኣብ ዘለዎ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሕዚ ‘ውን ብዙሓት ፀገማት እናሃለዉ ለውጢ ከምፅእ ይኽእል ‘ዩ ኢለ ኣይኣምንን።

ኣብ ዝተረጋገዐ ኩነታት ‘ዩ ፍትሒ ስግግር ረብሓ ክህልዎ ዝኽእል፤ ፍትሒ ስግግር ከም ሓደ ትካል ኣጣይሽካ ንናይ መወዳእታ ውፅኢት ‘ዩ ዝጠቕም ‘ምበር ሕዚ ሃገርና ኣብ ፀገም ኣብ ዘለወትሉ እዋን እዚ ክጠቕም ይኽእል ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ቕድሚ ሕዚ ‘ውን ክልተ ኮምሽናት ምንም ውፅኢት ከየምፅኡ ፈሪሶም ‘ዮም።ብዛዕባ ወሰንን መንነትን ዝብሉ ነይሮም ፈሪሶም ‘ዮም።ኣነ ምናልባት ተሓታትነት ክሰፍን ኣለዎ ኢለ ‘የ ዝኣምን።ይቕሬታ ተሓቲቱ ምሕረት ተገይርዎ ዝኽየድ ክህሉ ይኽእል ‘ዩ።ከም ከም ክብደት ገበንን ትሕዝቶን በቢደረጅኡ ዝሕተቱ ኣካላት ክሕተቱ ኣለዎም።ዝተበደለ ብሕጊ ክከሓስ ኣለዎ።ዝበደለ ‘ውን ክሕተት ኣለዎ።እዚ ኣብቲ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ዝተኻተተ ነጥቢ ‘ዩ፡፡ እዚ ፍትሒ ስግግር ክንደየናይ ገለልተኛ ምዃኑ ‘ውን ክረአ ኣለዎ። ስኽኢልካ ነፃሪ ኣለና፤ ፍትሒ ነረጋግፅ ኣለና ብዝብል ንማሕበረሰብ ዓለም ንምሽዋድ ከይኸውን ጥንቓቐ ክግበር ኣለዎ።እዚ ግዜ መግዝኢ ‘ምበር ብተግባር ውፅኢታዊ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን።

ብዓሉ እቲ ሚኒስቴር ፍትሒ ክሳብክንደይ ዝኣክል ዘይሻራዊ ‘ዩ ዝብል ‘ውን ካሊእ ሕቶ ‘ዩ።ኣብዚ ብዝግባእ ዘይሻራውነቱ ዝተረጋገፀ ነገር የለን።ብዙሕ ፖለቲካዊ ፀገማት ኣብ ዘለወሉ ኩነታት ፍትሒ በዚ ክረጋገፅ ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ኣብቲ ኣኼባ ከም ኣብነት ዝተላዕላ ‘ውን ኣብ ከም እኒ ርዋንዳን ደቡብ ኣፍሪካን ዝተገብረ ፍትሒ ስግግር’ዩ።እዚኦም ፍትሒ ስግግር ዝገበሩ እቲ ገበን ጠጠው ምስበለ ‘ዩ፤ ኣባና ግና ገና እቲ ገበን እናቐፀለ ‘ዩ ዘሎ፤ ፖለቲካዊ ምርግጋዕ የለን።ኣብ ሃገርና ፖለቲካዊ ፀገም ‘ዩ ዘሎ፤ መጀመርታ ፖለቲካዊ መፍትሒ ክህሉ ኣለዎ።ድሕሪ እዚ ‘ዩ ናብቲ ፍትሒ ስግግር ዝእቶ፤ ስለዚ ኣባና ናይ ቕደም ሰዓብ ፀገም ኣሎ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን። እዚ ፍትሒ ስግግር ብዓይኒ ህዝቢ ትግራይ ከንርእዮ እንተለና ፖለቲካዊ ጉድኣት የብሉን ከንብል ኣይንኽእልን፤ ኣብዚ ኩናት እዚ ብጣዕሚ ዝተጎድአ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ፤ ምኽንያቱ ብዙሓት ሓይልታት ዝተሳተፍሉ ኩናት ‘ዩ ነይሩ።

ብዙሕ ፀገም ዝበፅሐ ኣብ ትግራይ ‘ዩ።ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ፍትሒ የድልዮ ‘ዩ።ካብቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝነበሮ ከቢድ ፀገም ናብ ዝሓሸ ሃዋህው ሰላም ዝመፀሉ ኩነታት የድልዮ ዩ፤ ልምዓት፣ ሰላምን ምርግጋዕን የድልዮ ‘ዩ።ማሕበራዊ ፍትሒ ዘረጋግፀሉ ኣካል የድልዮ ‘ዩ።ከምዚ ክኸውን እንተኾኑ ድማ ነገራት ኩሎም ብግልፂ ክኾኑ ኣለዎም።ህዝቢ ዘሳተፈ ፍትሒ ስግግር ክህሉ ኣለዎ፤ ህዝቢ ዝኣመነሉ ክኸውን ኣለዎ፤ ዝተወሰኑ ኣካላት ጥራሕ ዘሳተፈ ክኸውን የብሉን።በዚ ፍትሒ ክረጋገፅ ኣይኽእልን።ናፃን ግልፅን ፍትሒ ክጣየሽ ኣለዎ፤ ንህዝቢ ካብ ፀገም ከውፅእ ‘የ ዝብል ኣካል እንተሃልዩ ንህዝቢ ዘሳተፈ ወይ ንኹሉ ዝሓቖፈ ክኸውን ኣለዎ። ናይ ፓርቲ ወይ ጉጅለ ዝዕብልለሉ ኩነታት ከይኸውን ጥንቓቐ ክግበር ኣለዎ።ኣብ ሓቒ፣ ፍትሓዊን ፍልጠትን ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ዘላቒ ሰላምን ዳግመ ህንፀት ትግራይን ክረጋገፅ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ? ኣይተ መስፍን፡- ኣብ ትግራይ ዘላቒ ሰላምን ዳግመ ህንፀትን ንምርግጋፅ ትግራይ ትምልከተና ‘ያ፤ ንቑርቖረላ ኢና፤ ናይ ትግራይ ኩነታት የግድሰና ‘ዩ፤ ኩነታት ትግራይ ናብ ዝሓየሸ ከንቕይራ ኣለና ዝብሉ ኣካላት እንተሃልዮም ነዚኦም ብመዓርነት ንምስታፍ መድረኽ ክፍጠር ኣለዎ።ግዝያዊ ምምሕዳር ህዝቢ ትግራይ ብዘላቕነት ፀገሙ ክፈትሐሉ ዝኽእል ክኸውን ኣለዎ።መንግስቲ ‘ውን ብተመሳሳሊ።ምስ መንግስቲ ፌዴራል ጥራሕ እንተይኮነስ ምስ ጎረባብቲ ክልላት ‘ውን ፅቡቕ ርክብ ክህልዎ ይግባእ።ፅቡቕ ጉርብትና ክህልዎ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክስራሕ ይግባእ።ምስ ጎረባብቲ ህዝቢታት ክሳብ ሕዚ ስኽፍታታት ኮይኖም ‘ዮም ዝቕፅሉ ዘለዉ። ከም እንደገና ካሊእ ምድማይ ከይፍጠር ዘላቒ ሰላም ዝፍጠረሉ ኩነታት ክረጋገፅ ኣለዎ።ሕዚ ‘ውን እጉድ ሓዊ ኮይኖም ‘ዮም ዝቕፅሉ ዘለዉ።

ብዙሕ ምጉጅጃላት ይረአዩ ኣለዉ ‘ዮም።ብምዝርራብ እቲ ዘሎ ፀገም ዝፍተሐሉ ኩነታት ክፍጠር ኣለዎ።ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ተስፋ ሰላም ከይኹለፍ ጥንቓቐ ክግበር ኣለዎ።እቶም ስኽፍታት ብዘላቕነት ክፍትሑ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ውሑስ ዝኾነ ሰላምን ልምዓትን ክህልዎ እንድሕር ኮይኑ እቶም ዘለዉ ፀገማት ብዘላቕነት ንምፍታሕ ክስራሕ ኣለዎ።ብዝርርብ ክፍታሕ እንተዘይክኢሉ ድማ ብሕጊ ክፍታሕ ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ ንዘመናት እናተጣራቐሙ ዝመፁ ብዙሓት ሕቶታት ኣለውዎ ‘ዮም።ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ዲሞክራሲን ፍትሕን ንምርካብ ብዙሕ ተዋዲቑ ‘ዩ።ይኹን ‘ምበር ክሳብ ሕዚ ሕትኡ ኣይተመለሰሉን።ህዝቢ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ፣ ህዝቢ ዘሳተፈን ቕቡል ዝኾነን ስርዓት የድልዮ፡፡ብህዝቢ ቕቡልን ሓዱሽን ዝኾነ ስርዓት ክህነፀሉ ኣለዎ፤ ምስ እዚ ተተሓሒዙ እቲ ስምምዕነት ብዝግባእ ኣይኽበርን ዘሎ።መጀመርታ ከባቢ ደሓን ይኸድ ነይሩ ሕዚ ግና ክንድትዝድለ እናኸደ ኣይኮነን።ብጣዕሚ ‘ዩ ዝጓተት ዘሎ።በቲ ስምምዕ መሰረት ብዙሕ እንተይደንጎየ ክፍፀም ኣለዎ።ንህዝቢ ብዝጠቕም መሰረት ክፍፀም ‘ዩ ዝግባእ።ግልፅነት ብዝተመልኦ ተፈፂሙ ህዝቢ ብናፀናት ዝንቐሳቐሰሉ ኩነታት ክፍጠሩ ኣለዎም።በዚ ዘላቒ ሰላምን ዳግመ ህንፀት ትግራይን ክረጋገፅ ይኽእል ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን።

ወጋሕታ፡- ኣብ ከይዲ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዘለዎም ርኢቶ ከምኡ ‘ውን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ? ኣይተ መስፍን፡- ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንህዝቢ ብዝጠቕም፣ ህዝቢ ትግራይ ካብ ናይ ሓደ ዓብላላይ ጉጅለ ክወፅእ ኣለዎ።ብዝኣመነሉ ውድብ ክምራሕ ክኽእል ኣለዎ፡፡ብዓሉ ንበዓሉ ተወዲቡ ረብሓታቱ ብዘረጋግፅ ክኸውን ኣለዎ፤ ሕዚ ‘ውን ብዝተወሰኑ ጉጅለታት መልከዖም እናተቐያየሩ ንሕና ኢና ንፈልጠልካ ብዝብሉ ኣካይዳ ክምራሕ የብሉን።ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ንህዝቢ ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊልዎ ‘ዩ።

ሕዚ ‘ውን በቲ ስምምዕነት መሰረት እናኸደ ኣይኮነን፤ ካልኦት ኣካላት እናሳተፈ ኣይኮነን ዘሎ።እቲ ስምምዕነት ሙሉእ ብሙሉእ እናተኸበረ ኣይኮነን ዘሎ።መንግስቲ ፌዴራል ብርሑቕ ኮይኑ ጥራሕ ክርኢ የብሉን።ክሳብ ሕዚ መብርሂ ክህብ ኣይረአይን ዘሎ፤ ካቢኔ ካብ ምጥያሽ ጀሚሩ ኩሎም ካብ ህወሓት ‘ዮም ዝመርፁ ዘለዉ።ስለዝኾነ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ብዝጠቐም ‘ምበር ንዝተወሰኑ ውልቐ ሰባት ዝጠቐም ክኸውን የብሉን።ቐንዲ ስራሕ ህዝቢ ትግራይ ዝርበሐሉ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ።ከምዚ ክኸውን እንተኾይኑ ድማ ንኹሉ ዝሓቖፈ ክኸውን ነይርዎ።ናፃ፣ ግልፅን ኣሳታፋይን ዝኾነ ግዝያዊ ምሕደራ ክኸውን ነይርዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ካሊእ ክቐሪ የብሉን ዝብልዎ ሓሳብ እንድሕር ዘይሃልዩ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም፤ ኣይተ መስፍን፡- ትማሊ ብዘውደቐና መንገዲ ሕዚ ‘ውን በዚ ደጊምና ንኸይድ እንተኾይና ናብ ካሊእ ፀገም ክንኣቱ ንኽእል ኢና።በዚ መገዲ ደጊምና ንኸይድ እንድሕር ኮይና ካሊእ ፀገም ካብ ምፍጣር ሓሊፍና ነምፀኦ መፍትሒ ኣይህልውን።ብዝተለምደ ኣካይዳ ምኻድ ንረኽቦም ረብሓታት የለዉን።ካብ ናይ ትማሊ ጌጋታት ከንመሃር ኣለና።ንህዝቢ ናብ ዝሓሸ መነባብሮ ነሰጋግረሉ ስራሕ ከንሰርሕ ኣለና፣ ሃገር ነዕብየሉ ስራሕ ከንሰርሕ ኣለና።ብፍላይ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋህው ከንጥቐመሉ ኣለና።እዚ ዕድል እዚ ከምልጠና የብሉን።ብዝተሰሓሓተ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ከንጎዓዝ የብልናን። ብፍላይ ከፋፋሊ ዝኾነ ኣካይዳ ከንኽተል የብልና። ሓድነት ህዝቢታት ዘጣናኽር ፖለቲካዊ ኣካይዳ ከንኽተል ኣለና። ፖለቲካዊ ውድባት ብዛዕባ ሓድነት ህዝቢታት ‘ምበር ብዛዕባ ብሄር ጥራሕ ክሓስቡ የብሎምን።እዚ ንሃገር ንደሓር ካብ ምጉታት ሓሊፉ ንህዝቢ ረብሓ ዘምፅእ ኣይኮነን።ሃገርና ካብ ፀገም መሊኣ ከትወፅእ ንህዝቢ ዝጠቕም ፖለቲካዊ ኣካይዳ ከንኽተል ኣለና። ነዚ ዘመን እዚ ዝምጥን ፖለቲካዊ ኣካይዳ እንድሕር ዘይንኽተል ኮይና ሃገርና ካብ ፀገም ዘይክትወፅእ ትኽእል ‘ያ። ህዝቢ ድማ ሓታታይ ክኸውን ኣለዎ። ብፍላይ ካብቶም ጠንካራ ዲሞክራሲ ዝሃነፁ ሃገራት ልምዲ ምምፃእ የድሊ።እንተዘይኮይኑ በቲ ዝተለምደ ሸፋፊንካ ምኻድ ናብ ዘይንወፀሉ ኩነታት ከአትወና ይኽእል ‘ዩ።ኣሉታዊ ኣስተዋፅኦ ከይንገብር ጥንቓቐ ከንገብር ኣለና።ንሃገርና ናብ ዝሓሸ ደረጃ ንምስግጋር በርቲዕና ከንሰርሕ ኣለና ዝብል መልእኽቲ ‘የ ከመሓላልፍ ዝፈቱ።

 ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሒት ኣዚና ነመስግን።

ኣይተ መስፍን፡- ኣነ ‘ውን ኣዝየ ‘የ ዘመስግን።

14 መጋቢት 2015 ዓ.ም  ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You