“ዘላቂ ሰላም ክመፅእ ዝኽእል ርክብ ህዝቢ ብምጥንኻርን ኣፈላላይ ብምፅባብን ‘ዩ”-ኣይተ ሙሉጌታ ሓድጉ

ናይ ሎሚ ጋሻና ኣይተ ሙሉጌታ ሓድጉ ይብሃሉ። ካብ ናይ ፎረም ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ንዘላቂ ሰላም ኣባላት ስራሕ ፈፀምቲን መስረትን ካብ ዝኾኑ ሓደ እንትኾኑ ቅድም ክብል ኣብ ትግራይ ኣብ ዝነበረ ግዝያዊ ምምሕዳር ናይ ክልል ትግራይ ቢሮ እቶት ሓላፊ ኮይኖም ሰሪሖም ‘ዮም። ኣይተ ሙሉጌታ ሓድጉ ዝተወለዱ ብ1977 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ከባቢ ኣኽሱም እንትኾኑ፤ካብ መቐለ ዩኒቨርስቲ ብመምህርነት ብምምራቅ በቲ ሞያ ካብ 1999 ዓ.ም ጀሚሩ ንሸሞንተ ዓመት ዝኸውን ብመምህርነት ዝገልገሉ እንትኾኑ ፤ ካብ 2007 ዓ.ም ጀሚሩ ድማ ኣብ ባንኪ ንግዲ እናሰርሑ ፀኒሖም ድሕሪ ዝተፈጠረ ለውጢ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሓላፍነት ድሕሪ ምስራሕ ተመሊሶም ሐዚ ኣብ ባንኪ ንግዲ እናሰርሑ ይርከቡ፡፡ኣብ እዋናዊ ዛዕባን ከምኡ’ውን ኣብ ምምስራት ፎረም ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ንዘላቂ ሰላም ኣድሂቦም ሓሳቦም ንከካፍሉ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ከምዚ ዝስዕብ ኣቅሪብናልኩም ኣለና ፤ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ :- ኸይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ከመይ ይሪእዎ? ኣይተ ሙሉጌታ:- እቲ ከይዲ ስምምዕነት ሰላም ኩላትና ከም እንፈልጦ ብውልቀይ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ከምዝተዓዘብክዎን ከምዝሪኦን፤ ብሓፈሻ ኩሉ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ውዕሊ ሰላም ተገይሩ ምስተብሃለ ብታሕጓስ ከምዝተቀበልዎ ይፍለጥ። ምኽንያቱ ድማ እቲ ዝነበረ ደማዊ ኵናት ጠጠው ኢሉ፤ እቲ ስምምዕነት ብቲ ውዕሊ መሰረት ኣብ ሓፂር ግዜ ተፈፃማነት ረኺቡ እቲ ህዝቢ ብፍላይ ድማ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዝነበሮ ስቓይን መከራን ክላቀቅ ‘ዩ ኢልና ኩላትና ተሓጒስና ኢና። ናብ ኣፈፃፅምኡ ክንመፅእ ከለና ግና ኣብ ወርሒ ውሽጢ ክፍፀም ‘ዩ ተባሂሉ ዝነበረ ሐዚ ዳርጋ ኣርባዕተ ወርሒ ኮይንዎ ኣሎ።

እዚ ካብ ወርሒ ናብ ኣርባዕተ ወርሒ ምንዋሕ ማለት ብኣንፃር ግዜ ክትሪኦ ከለኻ እቲ ስምምዕነት ኣብቲ ዝተበሃለሉ እዋን ኣይተፈፀመን። ኣብቲ ዝተብሃለሉ እዋን ብዘይ ምፍፃሙ ድማ ሐዚ’ውን ብዙሓት ዝጉድኡ ማሕበረሰብን ክፋል ማሕበረሰብን ኣለው። ዝተወሰኑ መሰረተ ልምዓታት ከም መብራህቲ፣ ባንኪ፣ ስልኪን ትራንስፖርትን ዝበሉ ምኽፋቶም ሓደ ዓብይ ናይቲ ውዕሊ ሰላም ፅቡቅነት ኮይኑ፤ ግዝያዊ ምምሕዳር ብዘይ ምምስራቱ ግና ክሳብ ሐዚ ን21 ኣዋርሕ ዝኣክል ደመወዝ ዘይተኸፈሎም መንግስቲ ሰራሕተኛታት ኣለው። ስለዝኾነ እዙይ ብምዱንጋዩ ዓብይ ክፍተት ይፈጥር ኣሎ። ካብኡ ብምቕፃል ድማ ከምቲ ምፍራም ስምምዕነት ኣንጨብጪብና ዝተቀበልናዮ እቲ ኣተገባብርኡ’ውን ምእቲ ከነንጨብጭበሉ በታ ናይ ፕሪቶርያን ኬንያን ዝተኣሰረት ውዕሊ መሰረት ክፍፀም ኣለዎ።

 ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጡ ክረዳዳእ ዝኽእል ሰብ እናሃለወና ናይ ኦባሳንጆን ናይ ኡሁሩን እናበልካ እናፀዋዕኻ ካብ ምኻድ እቲ ውዕሊ በቲ ናይ ሃገራዊ ባህሊ ዕርቂ ኣሰኒኻ ምኻድ ፅቡቅ ምዃኑ ከምዘሎ ኮይኑ፤ እቲ ኣፈፃፅምኡ ግና ካብቲ ስምምዕነት ውዕሊ ዝሰሓተ ክኸውን የብሉን። ምኽንያቱ እታ መበገሲትና እታ ውዕሊ ክትኸውን ኣለዋ። ኣብዚ ሰዓት እዚ ካብ ህወሓት እንሪኦም ነገራት ኣለው። ካብ ፌደራል መንግስቲ ግና ዝኾነ እንሰምዖ ነገር የለን፤ ስለዝኾነ ኣብቲ ኣፈፃፅምኡ ግልፅነት ክህልዎ ኣለዎ። ምኽንያቱ መንግስቲ ክሳብ ዝሰማዕናዮ ዘየለ ኢዙይ ኢልና ክንነቅፎ ኣይንኽእልን። እቲ ህወሓት ዝኸድዎ ዘለው ግና እቲ ስልጣን ክፍፍል ብተፈላለየ መልክዕ ከፋፊሎም ንባእሎምን ነቶም ንዕኦም ዝድግፍዎም ዝነበሩ ወታደራዊ መራሕቲ፣ ንምሁራትን ንዳያስፖራ ትግራይን ‘ዮም፡፡ እዚኦም ኩሎም ንመን ዝድግፉ ‘ዮም እንተይልና ኩሎም ንህወሓት ዝድግፉ ‘ዮም። ስለዚ ፈቲና ፀላእና እቲ ኣብ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ መረፃ ዝድግፉን ዝሳተፉን ዝነብሩ ፓርትታት ‘ዩ ዝወሃብ ዘሎ።

ብካሊእ ወገን ድማ ብትግራይ ዓይኒ ክንሪኦ ከለና ምስ ፌደራል ወገን ኮይኖም ዝቃለሱ ዝነበሩ ፓርትታትን ውልቀሰባትን ሓይልታትን’ውን ኣለው፤ ከም እኒ ዓረና፣ ትዴፓ፣ራዴፓ ብልፅግናት ትግራይን ካልኦትን ዝበሉ ድማ እቲ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ነዚኦም ኩሎም የግልሎም ኣሎ ማለት ‘ዩ። ስለዚ ነዚኦም ዘግለለ ስግግር መንግስቲ ክንምስርት ኢና እንተተባሂሉ እዚ ውዕሊ ብትኽክል ይፍፀም ኣሎ ኢልካ ምዝራብ ይኸብድ ‘ዩ።ስለዚ በዚኦም በዚኦም እቲ ውዕል ክትሪኦ ከልኻ ፅቡቅ ይኸይድ ኣሎ ንከይትብል ንእሽተይ ትስከፍ ኢኻ። መሊእኻ ከይትዛረብ ድማ ነቲ ነሃቶም ከይዲ መንግስቲ ፌደራል ብምንታይ ይከታተሎ ኣሎ? እንታይ ምላሽ ይህበሉ ከምዘሎ ኣይፍለጥን። ምኽንያቱ ኣብዚ ኣርባዕተ ወርሒ እዚ ልዕሊ ኣርብዓ ስብሳባታት ገይሮም ክኽእሉ ‘ዮም ፤ይኹን ‘ምበር ኣብዚ ስብሰባ እዚ ዝገብርዎ መድረኻት ዝፈጠሮ ነገር የለን። ስለዚ ፌደራል መንግስቲ እንታይ ‘ዩ ቅዋሙ ዝብል መንግስቲ ምስገለፀ ንፌደራል ዲና ክንድግፍ ወይስ ክንወቅስ ቀፂሉ ንሪኦ ይኸውን። ስለዝኾነ እቲ ከይዲ ውዕሊ ሰላም በዚ ‘የ ዝምልከቶ ።

ወጋሕታ :- ድሕሪ ስምምነት ሰላም ሐዚ’ውን ፀገማት ህዝቢ ይቅፅል ‘ዩ ዘሎ ከምቲ ዝበልኩሞ ደመወዝ የለን እሞ እዚ ዝፍታሕ መዓዝን ብመንን ‘ዩ? ኣይተ ሙሉጌታ :- እዚ ብዋናነት እቲ ዓንተዎ ዘልዓልክዎ ምኽንያት ‘ዩ። እዚ እንታይ ‘ዩ ግዝያዊ ሕጋዊ ዝኾነ መንግስቲ እንተዘይሃልዩ ናብ ትግራይ በጀት ክልቀቅ ኣይኽእልን ማለት ‘ዩ። በጀት እንተዘይተለቂቁ ድማ ዘለው ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ይኹኑ ኩሎም እቲ ህዝቢ’ውን ሙሉእ ፋሲሊቲ ተማሊኡ ክፍቲ ኮይኑ ሰሪሑ ነጊዱ ‘ውን ክበልዕ ‘ዩ ዝበሃሎ ነገር’ውን ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኩሉ ናይ ምድሪ ትራንስፖርት ሙሉእ ነፃ ኮይኑ ኣይተኽፍተን። ናብቲ ደመወዝ ክመፅእ ከለኹ ደመወዝ መን’ዩ ዘዕንቅፎ ዘሎ እንተይልና ቀዳማይ ህወሓት ‘ዩ።

ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ትሕቲኦም ስለዘሎ እቲ ሓላፍነቶም ብቅልጡፍ ክዋፅኡ ነይርዎም። ህወሓት እቲ ኣብ ማሕበረሰብ ዘሎ ፀገም ይፈልጦ ‘ዩ እሞ መን ‘ዩ ነቲ ከይዲ ከፋጥኖ ነይርዎ? እቲ ዕርቂ ተፈጢሩ ይመስረት ዝተብሃለ ግዝያዊ መንግስቲ ብቁልጥፍ ተዝምሰረት ነይሩ እቲ በጀት ክልቀቅ ነይሩ ‘ዩ። ካልኣይ ንሶም ጥራሕ ዘይኮኑ ሕላፍነት ዘለዎም (ህወሓት) ትግራይ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዘላ ክልል ‘ያ እቲ ህዝቢ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ‘ዮም። ስለዝኾነ ነዚ መንግስቲ ቅልጡፍ መፍትሒ ወሲዱ ክስተኻኸል ዘለዎ ኣስተኻኺሉ ብሓፂር ግዘ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምምስራት ነቲ ህዝቢ ክበፅሓሉ ነይርዎ። ስለዚ እቲ ሓላፍነት ናይ ክልቲኦም ‘ዩ።

እቲ ብኡ ዘሎ ሓይሊ ‘ውን እቲ ፀገም ይሪኦ ኣሎለለ ን21 ወርሒ ዝኣክል ደመወዝ ዘይረኣዩ መንግስቲ ሰራሕተኛ ስለዘለው ንዕኦም መፍትሒ ንክረኽቡ እቲ ዝግበር ኣኼባታት ኣሕፂሩ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ንክምሰርት ክገብር ኣለዎ። ፌደራል መንግስቲ ‘ውን ኩሉ ንዕኦም ሂቡ ኣብ ዝወዳእኽሞ ወድኡ ኢሉ ሱቅ ዝብል እንተኾይኑ ኣብ ሞንጉኡ ዝጉድኡ ዜጋታት ኣለው። ክልተ ሓርማዝ ኣብ ዝቃለስሉ ዝጉዳእ ሳዕሪ ‘ዩ ከምዝብሃል ሐዚ ዝጉዳእ ዘሎ፤ እቲ መንግስቲ ሰራሕተኛ ስለዝኾነ ፌደራል መንግስቲ’ውን ብቅልጡፍ ፈፅምዎ ኢሉ ‘ዩ ክውዳእ ኣለዎ። እቲ ተሓትነቱ ድማ ክልቲኦም ‘ዮም ዝወስድዎ። እታ ዋና ቀንዲ መፍትሒታ እንታይ ‘ያ እንተተባሂላ እታ ግዝያዊ መንግስቲ ምስተፈፀመት ‘ያ ደመወዝ ዝቕፅል።

ወጋሕታ :- ኣብ ምምስራት ፎረም ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ንዘላቂ ሰላም ከምዝተሓበረ ዘላቂ

ሰላም ንክሰፍን ክነሰርሕ ኢና ይብል ‘ዩ እሞ እንታይ ብምስራሕ ‘ዩ ዘላቂ ሰላም ክመፅእ ዝኽእል? ኣይተ ሙሉጌታ :- ከምቲ ዝበልካዮ እቲ ፎረም መበገሲ ኣለዎ እቲ መበገሲ መሰረት ገይሩ ካብ ሓደ ክሳብ ትሸዓተ ዓላማታት ኣለዎ፡፡ፎረም ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ንዘላቂ ሰላም ዝብል እንታይ እንታይ ክትሰርሑ ኢኹም ንዝብል፤ ሓደ ናይ መጀመርያ ዕላምኡ ዘላቂ ሰላም ክመፅእ ዝኽእል ርክብ ህዝቢ ብምጥንኻርን ኣፈላላይ ብምፅባብን ‘ዩ ዝብል ‘ዩ።

ምስራሕ ‘ዩ? ኣይተ ሙሉጌታ :- እሺ ናብኡ ክመፅእ ‘የ። እንታይ ‘ዩ ክጠናኸር ዝኽእል ኣብቲ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ዝፀንሓ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ኣካያይዳ ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ሞንጉኡ ዝተፈላለየ ኣመልኻኽታን ዘይምስምዕማዕ ነገር ኣሎ። ስለዝኾነ መድረኻት እናዳላውካን ዝተፈላለዩ ርክብ ህዝቢ ዘጠናኽሩ ስራሕቲ እናሰራሕኻ ናብ ሓደ ዝመፅኡሉ ኩናታት ምፍጣር ‘ዩ። እቲ ኻልኣይ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዘሎ ህዝቢ ምስ ኢትዮጵያውያን ዘለዎ ኣመለኻኽታ ብዝተፈላዩ መሓውራት ከም ናይ ፖለቲካ ፓርትታት፣ ናይ ሃይማኖት መራሕቲ፣ ሲቪክ ማሕበራት ዝኣምሰሉ ገይርካ ምኽክር እናገበርካ ዘለው ኣፈላላያት ብሰላማዊ ዘተ ክፍታሕ ምግባር እንትኾን፤ ሓደ ህዝቢ ምስ ሓደ ፓርቲ ገይርካ ናይ ምርኣይ ዘሎ ኣመለኻኽታ ከምኡ ከምዘይኮነ ምርኣይ የድሊ።

ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ተወፃዒ ‘ምበር ካብቲ ዝነበረ ስርዓት ዝኾነ ዘትረፎ ነገር ኣይነበረን። ስለዝኾነ ብኸምዙይ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ዘሎ ርክብ ክነጠናኽሮ ኢና ብዝብል ክንሪኦ ኢና ማለት ‘ዩ። እቲ ኻልኣይ እቶም ጠንቂ ናይቲ ዅናት መበገሲ ዝኾኑ ብፅንዓት ምፍላይ፤ ንኣብነት ኣብ ህዝቢ ትግራይን ዓፋርን ዘሎ ኣፈላላይ እንታይ ‘ዩ? ኣብ ሞንጎ ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ዘሎ ኣፈላላይን ብፅንዓት ብምርኣይ ንዕኡ መፍትሒ ንክረክብ ናይ ባዕልኻ ኣስተዋፅኦ ምግባር ዝብል ‘ዩ። ስለዚ መጀመርያ እቲ ብኮመን ሴንስ ዝፍለጥ ብፅንዓት ብምንፃር መፍትሒ ናብ እነምፅአሉ ኩነታት ኢና ንኸይድ።

እቲ ሳልሳይ ደረጃ እቲ ብኲናት ዝተመዛበለ ህዝቢ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ እንተወሲድና ልዕሊ ሓደ ሚልየን ህዝቢ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢ ካብ መረበቱ ተመዛቢሉ ዝነብር ህዝቢ ኣለና። ከም ሃገር እንተወሲዳና ድማ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ዝተፈናቀለ ማሕበረሰብ ኣሎ ማለት ‘ዩ። ስለዚ እዚ ፎረም ፎረም ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ስለዝብል ኣብቲ ናይ ትግራይ ኢድና ኣእቲና እንሰርሓሉ ምኽንያት ክንፈጥር ኢና በሃልቲ ኢና። እቲ ዝተፈናቀለ ህዝቢ ክምለስ ከሎ ሱቅ ኢልካ ብመኪና ፅዒንካ ኣብፅሒካ ኪድ ውረድ ዘይኮነስ ምስቲ ከባቢ ጎረባብትን ዘሎ ህዝቢ ፅዕንቶ ከይበፅሖ ምስራሕ ንኣብነት ናብ ምዕራብ ትግራይ ዝምለስ ማሕበረሰብ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ዘሎ ማሕበረ ተፅዕኖ ንከይበፅሖ ናይ ምርድዳእ ስራሕቲ ክስራሕ ‘ዩ። ናብ መረበቱ ዝምለስ ተፈናቃሊ ከምይ ይምለስ ከምይ ይጣየሽ ዝብል ብዝኸኣልናዮ እንተነኣሰ ብሓሳብ ክንሕግዝ ኢና።

ካብኡ ድማ እቲ ፎረም ዓቅሚ እንተፈጢሩ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክንሕግዝ ኢና ዝብል ‘ዩ። ካሊእ ብሓደጋ ተፈጥሮ ዝጉድኡ ሰባት ንኣብነት ከም ኢትዮጵያ እንተሪእና ከም ኣብ ቦረናን ኣብ ሶማልን ብተፈጥሮ ሓደጋ ዝተጎድኡ ኣለው። እዚኣቶም ውን ኣብቲ ዝግበር ናይ መፍትሒ ኣካል ብሓሳብ ይኹን ብኻሊእ ምግባር ‘ዩ። ናይዚ ፎረም ‘ዚ ዕላማ እንታይ ‘ዩ ኢትዮጵያውነት ዘቐንቅን ትግራዋይነት ዝብል ‘ዩ እቲ መልዓሊና ምኽንያቱ ንሕና ናይ ትግራይ ማሕበረሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ታሪኽ ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ዘሎ ዋጋ እናኸፈለ ዝመፅአ ማሕበረሰብ ‘ዩ።

 ስለዚ እቲ ኢትዮጵያውነት ዝብል ንመን ቀሪብዎ ንመን ርሕቅዎ ዝብል ኣመለኻኽታ ኣለና። ምኽንያቱ ካብ ማንም ንላዕሊ ከም ብሄር ንዓና ዘማእኸለ ‘ዩ። ስለዚ እዚ እንተኾይኑ እቲ ኢትዮጵያውነት ዝብል ማንም ቆሪሱ ዝህበና ወይ ቆሪሱ ዝኽልአና ስለዘይኮነ ኣብዙይ ፀረ ኢትዮጵያነት ብዝብል ንሕና ዝኾነ ይኹን ተጋሩ ፀረ ኢትዮጵያ ‘ዮም ዝብለና ብትሪ ክንቃለሶ ኢና። ከም ተጋሩ’ውን በቲ ዝተፈጠረ ፀገም ኣንሕና ኢትዮጵያውያን ኣይኮንናን ኢሎም ዝቃለስ ወይ ዘልዕሉ እንተሃልዮም ንዕኦም’ውን ክንቃለሶም ኢና ዝብል ዕላማ ‘ዩ ዘለና። ቃልሲ ክብል ከለኹ ናይ ሓሳብ ቃልሲ ምኻኑ’ውን ኣብ ግምት ከኣትው ኣለዎ።

ካሊእ በቲ ኵናት ዝተሃሰዩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብፍላይ ትግራይ እንተወሲድና ኣብቲ ናይ ዳግመ ህንፀት ኣብ ዝግበር ዝኾነ ይኹን ምንቅስቃስ ንሕግዝ ኢና። እንተስ ምስ ዝተፈልለዩ ገበርቲ ሰናያትን ዓለምለኽ መንግስታዊ ይኹኑ ዘይመንግስታዊ ትካላትን ካልኦትን ብምትሕብባር ዝተጎድአ ከባቢ ግቡእ ጠመተ ረኺቡ ናብቲ ዝነበሮ ዝምለሰሉ ኹነታት ንክፍጠር ብዝኸኣልናዮ ክንሕግዝ ኢና። ክሳብ ሐዚ ዝፍጠርናዮ ሃብቲ ኾነ ዝኣከብናዮ ሓገዝ ስለዘየለ መልዓሊና ሓሳብ ‘ዩ። ሐዚ ሓሳብ ዝወለዶም ብዙሕ ነገራት ክንሕግዝ ኢና ዓቅሚ ምስ ፈጠርና ድማ ንዋታዊን እንሕግዘሉ ኩነታት እንተተፈጢሩ በዚ’ውን ዘይንሕግዘሉ ኩነታት የለን። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰላት ደቂ ሰባት ‘ውን ክንሰርሕ ኢና። ኩሉ ዘጥፍአ ማሕበረሰብ፣ ውልቀሰብ፣ ትካል ብሕጊ ክሕተት ክኽእል ኣለዎ።

 ብኹናት ይኹን ብኻሊእ እቲ ዝተበደለ ሰብ ወይ ኣካል ድማ ፍትሒ ክረክብ ኣለዎ። እዚ ኩሉ ምስ መን ኢኹም ዝትሰርሑ ዝብል፤ ኣብዙይ ካብ ውልቀ ሰብ ጀሚሩ ጉጅለታት፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ናይ ሃይማኖት ትካላት፣ ዓበቲ ዓዲ፣ ሙሁራት፣ ናይ ንግዲ ማሕበረሰብ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይኹን ኣብ ወፃኢ ዘልው ተጋሩ ይኹኑ ብሓፈሻ ኢትዮጵያውያን ኮይንና ንሰርሕ ኢና ። ብሓፂሩ እቲ ዘላቂ ሰላም ክመፅእ እንተኾይኑ ብሓፈሻ ኢኮኖምያዊ ጉዳያት ምኽንያቱ ኢኮኖምያዊ ጉዳያት እንተዘይተፈቲሑ ፖለቲካዊ ጉዳያት ክፍታሕ ኣይኽእልን፣ ናይ ማሕበረሰብ እንተዘይተፈቲሑ ኩሉ ነገር ክፍታሕ ስለዘይኽእል ኣብ ኢኮኖሚ ፣ ፖለቲካ፣ ማሕበራዊ ፣ሰብኣዊነት ዙርያ ኣብ ኩሎም ሰሪሕና ዘላቂ ሰላም ክነምፅእ ኢና ዝብል ሒዝና ኢና ተለዓሊና ዘለና።

ወጋሕታ :- ኣብቲ መግለፂኹም ከምዝሓበርኩሞ ብቅልጡፍ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንክምስረት ፅዕንቶ ክንፈጥር ኢና ዝብል ኣሎ እሞ ብኸመይ ኢኹም ፅዕንቶ ክትፈጥሩ እትኽእሉ? ኣይተ ሙሉጌታ :- ከምቲ እናበልናዮ ዝመፅኣና ውዳበ ሓይሊ ‘ዩ ዝብሃል ኣሎ። ምኽንያቱ ከም ውልቀይ ከም ሙሉጌታ ወይ ከም ውልቅኻ ውፂኢት ክተምፅእ ኣይኽእልን። ከም እኩብ ሓይሊ ግና ለውጢ ምምፃእ ይኽእል ‘ዩ። ስለዚ በዚ ውዳበዚ ገይርና መንግስቲ ፅእንቶ ክግበሮ ኣብዘለዎ ሰዓትን ግዜን እንተሃልዩ መንግስቲ ዘጓትቶ እንተሃልዩ እዚ እዚ ተጓትቶ ኣለኻ ክንብል ኢና። ኣብቲ ናይ ህወሓት ዘሎ ምጉታት ‘ውን ብዝተወደበን ዝተዋደድን መልክዑ እናጠይቅና መግለፂ ብምሃብ ኮነ እንተስ ናብ ሚድያታት እናቀርበና ይኹን ተፅዕኖ እንፈጥረሉ መገዲ እናኸድና መፍትሒ ክነምፅእ ኢና።

 ኣብ ሓፂር ኢዋን ንክፍፀምን ንክውዳእን ክንገብር ኢና። እዚ ንዝምልከቶ ኣካል ሰላማዊ ዝኾነ ተፅዕኖ ክንፈጥር ክንሓትት ኢና። ተፅዕኖ ምፍጣር ማለት ምሕታት ‘ዩ፤ንምንታይ ህዝቢ እናተጎድአ ተጓቲቱ? ንምንታይ ዘይምስረት? ምኽንያቱ እንታይ ‘ዩ? ንምንታይ ካብቲ ውዕል ወፃኢ ንኽድ ኣለና? ኣብ ሓደ ወርሒ ክውዳእ ‘ዩ ዝተብሃለ ንኣርባዕተ ወርሒ ምድንጓይ ማለት እንታይ ‘ዩ? ኢልካ ምሕታት ‘ዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ምስ ዝተፈላለዩ በቲ ሕጋዊ መሰረት ኣብ ቀረባ ክፍፀም ምስ ዝደልዩ ሓይልታት ፖለቲካ ውድባትን ካልኦት መዋቅራትን እናተራኸብና ብዝተወደብ መልክዑ ዝሕተት እናሓተትና ዝውገዝ እናወግዝና ነቲ ዘሎ ኩነታት ንክሳለጥ ንገብሮ ንኽእል።

ወጋሕታ :- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን?

ኣይተ ሙሉጌታ :- ኣነ’ውን የቀንየለይ።

7 መጋቢት 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You