ኣብ ከተማ መቐለ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ (ኤፍ.ቢ.ሲ):- ኣብ ከተማ መቐለ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝሓለፈ ሰኑ ከምዝተጀመረ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ተወካት እቲ ቤት ፅሕፈት ወይዘሪት ገነት መብራህቱ ከምዝገለፀኦ፣ እቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ 32 መንግስታዊን 30 ዘይመንግስታዊን ብድምር 62 ኣቢያተ ትምህርቲ ኢዩ ተጀሚሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ትግራይ ብምኽኒያት ዝተፈጠረ ፖለቲካውን ፀጥታውን ዘይምርግጋዕ ተምሃሮ ትግራይ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ኣብ ከቢድ ስነልቦናውን ማሕበራውን ቅልውላው ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ነዚ መሰረት ብምግባር ምስ ወለዲ፣ መምህራንን በቢብርኩ ምስ ዘለዉ ኣመራርሓ መንግስቲን ብዝተገበረ ምርድዳእ እቲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝተጀመረ ገሊፀን።

ፀገም ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ንዘለዎም ተምሃሮ ሓገዝ ይግበር ከምዘሎ ብምሕባር፣ ጉድኣት ዝበፅሐን ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ስራሕቲ ፅገናን ምምላእ ናውቲን ከምዝተገበረ ኣፍሊጠን።

ኣብ ሸውዓቲኤን ክፍለ ከተማታት መቐለ ኣብ ዝጀመረ ከይዲ ምምሃር ምሰትምሃር ኩሎም መምህራን ከምዝተረኸቡ ተዛሪበን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You