‹‹ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ንዝርከቡ ዜጋታት ምግቢ ናይ ምርካብ መሰሎም ንኽሕለውሎም እቲ ምምሕዳር ግቡኡ ክዋፃእ እዩ››ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ትሑት ብርኪ ዝነበሩ ኹሉ ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ምግቢ ምርካብ ናይ ዜግነት መሰሎም ንኽሕለወሎም እቲ ምምሕዳር ግቡኡ ንክዋፃእ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡ተስፋ ብርሃን ራብዓይ ማእኸል መመገቢ ስራሕ ጀሚሩ፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ዝተሃነፀ ራብዓይ ተስፋ ብርሃን ማእኸል መመገቢ ግልጋሎት ምሃብ ኣብ ዝጀመረሉ መርሃ ግብሪ ወይዘሮ ኣዳነች ከምዝገለፀኦ፤ነበርቲ ምግቢ ምርካብ መሰሎም እንትኸውን ፣መንግስቲ’ውን ምግቢ ናይ ምቕራብ ግቡእ ኣለዎ፡፡

እዚኦም ማእኸላት መመገቢ ንክሳኽዑ ገበርቲ ሰናይ ውልቀ ሰባትን ትካላት ምትሕብባር ከምዝገበሩ ዝገለፃ ወይዘሮ ኣዳነች ፤እዚ ኣብቲ ከተማ ዝስትውዐል ማሕበራዊ ፀገማት ብሓባር ምቅላል ከምዝካኣል መርኣያ ይኸውን እዩ፡፡ፀገማትና እነቃልሎም ብምትሕብባርን ብምትሕግጋዝን እዩ ኢለን፡፡

እዚ ማእከል ብሙሉእ ዓቕሙ ስራሕ እንትጅምር ኣብ መዓልቲ ልዕሊ ኽልተ ሽሕ ተመገብቲ ንምትእንጋድ ዘኽእል ዓቕሚ ከምዘለዎ ፣ኣብቲ ማእኸል ተጠቀምቲ ዝኾኑ ድማ ኣካላውን ኣእሙራዊን ጉድኣት ዘለዎም ፣ሕፅረት ኢኮኖሚ ዘለዎምን ፣ብኣታዊ ባዕሎም ዘይኻሉ ነበርቲ ከምዝኾኑ ገሊፀን እየን፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ ኣይተ ስላሴ ዋለልኝ ፤ኣብ ከፍለ ከተማ ልደታ ዝተሃነፀ ማእኸል መመገቢ ብትሑት ብርኪ ናብራ ዝመሓደሩ ዜጋታት ንምሕጋዝ ብምግቢ ከይፅገሙ ንምግባር ዝተሰርሐ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

 ኣብቲ ክፍለ ከተማ ብዝሓት ዘለዎም ማአኸላት መመገቢ ምህናፆም በቢኸባቢኦም ኣብ ትሑት ናብራ ዝርከቡ ዜጋታት ተበፃሒ ንምግባር ከምዝሕግዝ ኣመልኪቶም ፤ኣብ ከተማ ካብ ከባቢ ናብ ከባቢ ዝግበር ፍልሰት ንምዕጋት ከምዝሕግዝ’ውን ኣፍሊጦም እዮም፡፡

ኣብቲ ማእኸል ንተጠቀምቲ ካብ ምምጋብ ብተወሳኺ ክእለት ንምዕባይ ፣ስልጠና ስራሕ ፈጠራ ፣ምኽሪ ስነ ልቦና ፣ሓገዝን ሕክምናን ከምዝረኽብሉ ተገሊፁ እዩ፡፡

ኣብቲ ማእኸል ተጠቃሚ ምግቢ ካብ ዝኾኑ ኣይተ ተካ ኣስናቀ ፤ንዜጋ ምሕሳብ ንሃገር ምሕሳብ እዩ፤ኸዚ ዝረኸብናዮ ግልጋሎት ሓቢርካ ናይ ምንባር ትርጉም እዩ፤እዚ መርሃ ግብሪ ምግቢ ንምርካብ ጎዳና ወፂኦም ብልመና ዝመሓደሩ ሽማግለታት ፣ህፃናትን መናእሰይን ዝሕግዝ እዩ ኢሎም፡፡

ኣብ ትሑት መነባብሮ እንርከብ ዜጋታት ካብ ምግቢ ዝሓለፈ ልምዓትን ዕብየትን ፣ሓድነትን ሰላም ሃገርን ንክሓስብ ገይሩና እዩ፡፡ተስፋ ሒዝና ዝሓሸ ዜጋ ንምዃን ንኽንፅዕር ብዓል ሃፍትን መንግስትን ተሓባቢሮም ብዝገበርዎ ተግባር ደስተኛታት ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም እዮም፡፡

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You