ኣብ ትግራይ 20 ትራክተራት ን6 ወረዳታት ተኸፋፊለን

  • ዩኒቨርስቲ መቐለ ንሓረስቶት ግራውቶም ብትራክተር ይሓርሰሎም ኣሎ

 ኣዲስ ኣበባ፡- ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (USAID) ምስ ማሕበራዊ ረድኤት ትግራይ (ማረት) ብምትሕብባር ብ41 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ዝተዓደጋ 20 ትራክተራት ን6 ወረዳታት ትግራይ ከምዝተኸፋፈላ ማረት ገሊፃ።

ማረት ኣብ ማሕበራዊ ድረገፁ ከምዝገለፆ፣ እተን ትራክተራት ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ወራር ኣምበጣን ኣብዚ ዓመት ዘጋጠመ ፀገም ፀጥታን መሰረት ብምግባር ነተን ወረዳታት ተዋሂበን ኣለዋ፡፡ በተን ትራክተራት ንልዕሊ 14 ሺሕን 280 ሓረስቶት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ዝተገለፀ እንትኸውን፣ በተን ትራክተራት ኣቢሉ ብማእኸላይ 3 ሺሕን 570 ሄክታር መሬት ክሕረስ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። እተን ትራክተራት ምስ ሙሉእ ናውተን ዝተኸፋፈላ ከምዝኾናን ን60 ኦፕሬተራት ናይ 4 ወርሒ መሃያ ከምዝተኸፈሎምን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ማረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተመሳሳሊ ዜና ዩኒቨርስቲ መቐለ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ኤልሻዳይን ካልኦትን ብምዃን ኣብ ወረዳ እንደርታ ንዝርከቡ ዓቕሚ ዘይብሎምን ኣረጋውያንን ሓረስቶት ግራውቶም ብዘመናዊ ትራክተር ይሓርሱሎምን ደገፍን ክትትል ይገሩሎምን ከምዘለዉ ተሓቢሩ።እቲ ደገፍ ኣብቲ ወረዳ መሕረሲ ኣቡዑር ንዘይብሎም ኣረጋውያንን ደቂ ኣኒስቲዮን ዝተገበረ ከምዝኾነ ኢዩ ተገሊፁ።

ነቲ ሓገዝን ማሕረስን ዘተሓባብሩ ካብ ዩኒቨርስቲ መቐለ ዝመፅኡ መሰረት ኣስማማውን፣ ካብ ትካል ኤልሻዳይ ዶክተር ወልደ ኣብርሃ ሓድጉን ከምዝበልዎ፣ ኣብዚ ወሳኒ እዋን ንሓረስታይ ካብ ምክትታልን ምድጋፍን ብዝዘለለ ኣለናልካ ብምባል ናብ ማእተታዊ ሕርሽኡ ንክኣቱ ምግባር ኣገዳሲ ኢዩ። “ክራማት መፂኡ ኣሎ፤ ክሕረስ ዝግበኦ መሬት ዝሕረሰሉን ዝለሳለሰሉን እዋን ድማ ሐዚ ኢዩ። ግራቱ ምሕራስን ምዝራእን ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ጉዳይ ንዝኾኖ ሓረስታይ ምድጋፍ ድማ ነፅባሕ ዘይበሃል ኢዩ” ኢሎም እቶም መተሓባበርቲ።

እቲ ሓረስታይ እንተዘይኣፍሪዩ እቲ ካሊእ ክፋል ሕብረተሰብ’ውን ክነብር ስለዘይኽእል፣ ኩሉ ሰብ ምእንተ ባዕሉ ኢሉ ዝኸኣሎ ደገፍ ንክገብር ምዒዶም። እቲ ሓገዝ ኣብ ትራክተራት ጥራሕ ዝተሓፀረ ንከይኸውን ብምሩፅ ዘርኢ፣ ዘመናዊ ድኹዕን ካልኦት እታዎታትን ንምሕጋዝ ዘኽእል ምንቅስቓሳት’ውን ይጠናኸር ኣሎ ኢሎም።ደገፍ ዝረኸቡ ሓረስቶት ብግደኦም፣ ንዝተገበረሎም ሓገዝ አመስጊኖም። እቲ ብትራክተራት ናይ ምሕራስ ተግባር ኣብ ካልኦት ወረዳታት’ውን ከምዝቕፅል መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ ፀብፂቡ።

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You