ናይዚ ለውጢ ዋና ዕላማ ቓል ምእታው፣ ምኽባርን ምፍፃምን ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፡- ዋና ዕላማ እቲ ለውጢ ቓል ምእታው፣ ቓልን ምኽባርን ምፍፃምን ከምዝኾነ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣፍሊጦም፡፡ ዝተጀመረ ናይ ለውጢ ጉዕዞ ዋና ዕላምኡ ኢትዮጵያ ምስ ባዕላ፣ ባህላ፣ ደቓ፣ ሕብረ ብሄራዊነታ፣ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ ምስምዕማዕ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ጣና በለስ ቑፅሪ ሓደ ፋብሪካ ሽኮር ስነ ስርዓት ምረቓ ተረኺቦም ኣብዝሐለፍዎ መልእኽቲ፣ ናይዚ ለውጢ ዋና ዕላማ ቓል ምእው፣ ቓል ምኽባርን ምፍፃምን ከምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡ ፕሮጀክት ሽኳር ጣና በለስ ቕድሚ 60 ዓመት ዝተጀመረ ዋላ ይኹን ኣብዚ ሕዚ ሰኣት ድሕሪ ውፃእ ደይብ ንምረቓ ምብፅሑ ገሊፆም፡፡ እቲ ለውጢ እንትመፅእ ስራሕ ህንፀት ፕሮጀክትታት ተገምጊሞም ተወሳኺ በጀት ተመዲቡ ስራሕ እንትጅመር ብዘይ ኣግባብ ብሽም ፋብሪካ ዝተኣከቡ ኣቑሑት ምልዓል ጥራሕ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ከምዝወሰደ ጠቚሞም፡፡

በለስ ተዛዚሙ ስራሕ ክጅምር እዩ እንትብሃል ኣይሽንኳይዶ ህዝቢ ጃዊ ነቲ ስራሕ ዝመርሑ ዝኣምኑ ኣይነበሩን ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፣ ናይዚ ለውጢ እዚ ዋና ዕላማ ቓል ምእታው፣ ቓል ምኽባርን ምፍፃምን ከምዝኾነ ኣመልኪቶም። በዙይን ብኻልኦትን ፕሮጀክትታት ከይዲ ውሽጢ ፈተናታት ብልፅግና ኢትዮጵያ ከንግምግም እንተለና ዝፈለናዮም ክልተ ፀገማት እዮም ዝበሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ፣ እቶም ፈተናታት እቲ ሓደ ካብ ባንዳታት ከምዝገጥሙና ገምጊምና ኢና ኢሎም። ካብዚ ኦም ዝገጥሙና ፈተና ኩሉ ባንዳ ሕዚ’ውን ከም ጣልያን ግዜ ሃገሮም እንድሕር ዘይሸይጦም ስራሕ ዝሰርሑን ዝተሳኸዐሎም ከምዘይመስሎም ኣፍሊጦም።

ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ዋና ዕላምኡ ኢትዮጵያ ምስ ባዕላ፣ ደቓ፣ ባሕላ፣ ታሪኻ፣ ሕብረ ብሄራዊነታ፣ ሃፍቲ ተፈጥሮኣ፣ ምትዕራቕ እዩ፤ እዚ ዕርቕን ጉዕዞ ዕርቕን ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ መሰረት ከምዝኾነ ኣመልኪቶም። ፕሮጀክት ገበታ ንሃገር ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ወንጪ፣ ጎርጎራን ኮይሻን ዘድንቕ ስራሕቲ ጀሚሩ እዩ። እዞም ፕሮጀክት እዚኦም ተወሳኺ ሃፍቲ ወፂእዎም ሸሞንተ ዓመት ደንጉዮም እንተይበልና ብግዚኡ ሰሪሕና ክምረቑ ብምግባር ሓጎስና ተደራራቢ ከንገብሮ ኢና ኢሎም።

ቕፅሪ ኽልተ ፋብሪካ ጣና በለስ ብኣመራርሓ ለውጢ ቆራፅነት ሪፎርም ኣንፈት ብኢንዱስቱሪ ዝተበላሸዉ ጅማሮታት ብሓፅር እዋን ብምስትኽኻል ምስኻዕ ከምዝካኣል መርኣያ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም እዮም። እቲ ፋብሪካ ብምሉእ ዓቕሙ ምምራት እንትጅምር ቃንጫ ሽኮር ተረፈ ምርቲ ብምጥቃም 45 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ሓይሊ ቋት ምእታው ከምዝካኣል፣ 20 ሜጋ ዋት ብምጥቃም ድማ ዝተረፈ ናብ ብሄራዊ ቋት ምእታው ከምዝካኣል ኣፍሊጦም።

ፋብሪካ ሽኳር ጣና በለስ ቁፅሪ ሓደ ብ18 ኣዋርሕ ክውዳእ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት እንተተገበረ እውን ሸሞንተ ዓመት ከምዝወሰደ ኣብቲ እዋን ተዛሪቦም እዮም። ኣብ 2010 ዓ.ም ህንፀት እቲ ፋብሪካ ንቻይና ሲኤም ሲ ኢ ኩባንያ ንክዋሃብ ምስተገበረ ዝተረፈ ስራሕ ኣብ 14 ወራት ተ ዛዚሙ ንምረቓ በፂሑ እዩ። ኣብቲ ምርቃት ስነ ስርዓት ናይ ፌደራል ፣ናይቲ ክልል ብዓል ስልጣናትን ስራሕ ሓለፍትን ከምኡ’ውን ናይቲ ከባቢ ማሕበረሰብ ተረኺቦም እዮም።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You