ኩነታት ትግራይ ናብ ንቡር እናተመለሰ ምዃኑ ተገሊፁ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ሓፈሻዊ ኩነታት ትግራይ ካብ ዝነበረሉ ቀስ ብቐስ ናብ ንቡር እናተመለሰ ይርከብ ክብላ ሓላፊት ቢሮ ኮምኒኬሽን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወይዘሮ እቴነሽ ንጉሴ ገሊፀን።ቁፅሪ ተመዛበልቲ ምውሳኹን ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ዞባታትን ወረዳታት ከምተለኣኸ ሓቢረን።

 ወይዘሮ እቴነሽ ንጉሴ ንወጋሕታ ጋዜጣ ከምዝገለፀኦ፣ሰራሕተኛታት መንግስቲ’ውን ካብቲ ቅድሚ ኸዚ ዝነበረ ስግኣት ብምውፃእ ኣብ ስራሕ እናተረኸቡ እዮም።

ኣብ እዋን ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ዕንወት ናይ ቢሮ መሳርሒ ናውቲ ምሉእ ብሙልእ እኳ ተዘይተማለአ ‘ውን እቲ ሰራሕተኛ ግና ኣብ ስራሕ እናተረኸበ ከምዝኾነ ገሊፀን እየን ።

ግልጋሎት ውሃብቲ ትካልት ስራሕተን ኣብ መብራህቲ ዝውሰን ስለዝኾነ ግልጋሎት መብራህቲ ኣብ ዝቋረፀሉ እዋን ካልኦት ግልጋሎት ወሃብቲ ‘ውን ብኡኡ ልክዕ ዝቋረፀሉ ኩነታት ከምዘሎን ዝገለፃ ወይዘሮ እቴነሽ፣ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብቲ በረኻ ብምኻድ ብምዕራይ ኸዚ ግልጋሎት መብራህቲ ከምዝተጀመረን ፀገም ክፍጠር ከሎ ከዓ እናጠፍአ ከም ዝርከብ ኣፍሊጠን እየን።

ኣብ ከተማታት ትግራይ ሓለሓሊፉ ናይ ስርቂ ኩነታት እንተሃለወ’ውን እቶም ፀገም ዝፈጥሩ ዘለዉ ጉጅለ ብዝምልከቶም ኣካላት ፀጥታ ፀገም ዝፍጠረሉ ምኽንያት ብምፅናዕ ኣብ ገበን ዝተዋፈሩ ድማ ናብ ሕጊ ንምቕራብ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ገሊፀን።ኾይኑ ግና ካብቲ ቅድም ሐዚ ዝነበረ ኩነታት ፀጥታ ክርአ ከሎ ግና ሐዚ ዝሓሸ ለዉጢ ከምዘሎ እተን ሓላፊት ኣመልኪተን።

ጉዳይ ተመዛበልቲ ብዝምልከት ኣብ ትግራይ ኣብዚ ኸዚ እዋን 1ነጥቢ7 ሚልየን ተመዛበልቲ ከምዘለውን ኣብ ከተማ መቐለ ድማ ልዕሊ 150ሽሕ ተመዛባላይ ከምዝርከብ ዝገለፃ ወይዘሮ እቴኔሽ፣ ቁፅሪ ተመዛበልቲ ስለዝበዝሐ ሓገዝ ንምሃብ ይኹን መፅለሊ ንምርካብ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ እውን ፈታኒ ኾይኑ እዩ ኢለን።

ተመዛበልቲ ኣብ ዝተፈላለያ ቤት ትምህርቲ ኣፅሊሎም ከምዝነበሩን ኣብዚ ኸዚ እዋን ድማ ትምህርቲ ኣብ ንምጅማር እናተሰርሐ ስለዝኾነ ካልኦት መማረፅታት ንምውሳድ እናተሰርሐ ከምዘሎ ገሊፀን እየን።

 ኣብ ዓድዋ ፣ሽረ፣ ኣክሱምን ዓድግራትን ዝኣመሰሉ ከተማታት መፅለሊ ንክስራሕን ከምኡ ድማ ፅሬት ጥዕና ትምህርትን ብዘማለአ መልክዕ ተፀኒዑ ናብ ስራሕ ከምዝእቶ ዝገላፃ ወይዘሮ እቴነሽ፣ ናይ መቐለ ኣብ ውሽጢ ኽልተ ሰሙን ተሰሪሑ እቶም ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ ናብ ዝተዳለወሎም መፅለሊ ንከሓልፉ፣ እቶም ኻልኦት ድማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ተሰሪሖም ኩሎም ተመዛበልቲ ናብ ዝተዳለወ መዕቖቢ ንክኣትዉን ቤት ትምህርትታት ድማ ናብ ግልጋሎት ትምህርቲ ንክኣትው ምንቅስቓስ እናተገበረ ከምዝኾነ ወሲኸን ገሊፀን።

ምስ ሓገዝ ተዳሓሒዙ ድማ ኣብ ትግራይ ሓገዝ ናብ ዝተፈላለየ ወረዳታት እናተሰራጨወ እንተኾነ’ውን ኣብ መንገዲ ናብቲ ቦታ ንከይበፅሕን ንከይኣቱን እናተገበረ ከምዝኾነ እዚ ድማ ሓገዝ ብእዋኑ ንከይበፅሕ ዕንቕፋት እናኾነ እዩ ኢለን እየን።

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You