‹‹እቲ ፀገም ክድገም የብሉን ዝተረኸበ ሰላም ክፀንዕ ኣለዎ›› – ወይዘሮ ልእልቲ ግደይ

ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመታት ብፍላይ ድማ ንትግራይ ፅቡቕ ኣይነበረን። ብምኽንያት ኹናት ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ፀገም ኣትዩ ከምዝነበረ ዝዝከር ‘ዩ። እቲ ኹሉ ፀገማት ሓሊፉ ግና ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ሰላም ሃዋህው ተሰሚዑ ፣ ካብ ምስማዕ ‘ውን ሓሊፉ ኣብ ተግባር ውዒሉ ህዝቢ ትግራይ ናይ ሰላም ኣየር ካብ ዝትንፍስ ኣዋርሕ ተቖፂሩ ኣሎ። ናይዚ ሰላም ቀፃልነት ተጠናኺሩ ትግራይ ካብ ዝነበራ ዝሓሸት ክልል ንክትኾን ናይኹሉ ኢትዮጵያዊ ብፍላይ ድማ ናይ ትግራዋይ ባህጊ ‘ዩ። ወይዘሮ ልእልቲ ግደይ ተወላዲት ትግራይ እንትትኾና ኣብ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣካቢት ቀዋሚ ኮምቴ መሰረተ ልምዓትን ትራንስፖርትን ‘የን። ኣብ ትግራይ ሰላም ምምፅኡ ስዒቡ ሓዱሽ ኣተሓሳስባን ስልጡን ዝኾነ ፖለቲካዊ ባህሊ ክሰፍን ኣለዎ ይብላ ። እዚ ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል ድማ መንእሰይ ትግራይ ሓላፍነት ኣለዎ ። ኣብ ዘተ ዝተደረኸ ፖለቲካዊ ኣካይዳ ፣ ቅድምያ ንህዝቢ ትኹረት ምሃብን ህዝቢ ከእምኑ ዝኽእሉ ስራሕቲ ኣብ ተግባር ብምውዓል ሓዳሽ ትግራይ ክንፈጥር ንኽእል ኢና ትብል። እዚኦምን ካልኦት ሓሳባትን ምስ ወይዘሮ ልእልቲ ግደይ ዝገበርናዮ ቃለ መሕተት ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ !

ወጋሕታ፡- እቲ ዝተፈጠረ ስምምዕነት ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ዘምፀአሉ ረብሓ ከመይ ሪአንኦ? እዚ ስዒቡ መንግስቲ ፌደራል ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቃስ እንታይ ይመስል? ልእልቲ፡- ልዕሊ ኽልተ ዓመት ትግራይ ኣብ ውሽጢ ኹናት ‘ያ ነይራ። እዚ ኹናት ኣብቲ ኹናት ዘሎ ሰብ ጥራሕ ኣይኮነን ጉድኣት ዘብፀሐ። ኣብ ንፁሃን ምንም ዘይፈልጡ ህፃውንትን ሽማግለታትን ‘ውን ዓብይ ጉድኣት ኣብፂሑ ‘ዩ። ብዙሕ ፀገማት ስነ ልቦና ኣብፂሑ ‘ዩ።

ተምሃሮ ኣብ ቤት ትምህርት ክውዕሉ እናተገበኦም ኣብ ገዛ ውዒሎም ‘ዮም፣ ኣደታት ከም ሃገረን ብነፃነት ወፂአን ሰሪሐን ደቀን ክዕንግላ ኣይኻእላይ ፣ መናእሰይ ኣብ ልምዓት ተዋፊሮም ህይወቶምን ኣብ ዝልውጥሉ እዋን ናብ ኹናት ኸይዶም ሓንቲ ህይወቶም ክግብሩ ተራእዩ ‘ዩ ። ናይ ኣየር ፣ ድሮን ድምፂ እናሰማዕኻ ናይ ሰላም ኣየር ኣይነበረን። ማሕበራዊ ህይወት እናናገዐ ‘ዩ። እቲ ፀገም ዝተፈጠረ ብምኽንያት ኹናት ‘ዩ። በሰላ ኹናት ብጣዕሚ ኸቢድ ‘ዩ። ካብዚ መንፃር ንሪኦ ከለና ትግራይ መዘና ዘይብሉ ስቓይን መከራን ‘ያ ኣሕሊፋ። ትግራይ ዘለዋ ሓይሊ ምሁር ኣብ ኹናት ‘ያ ኣወፊያቶ።

 እዚ ፀገም ጠጠው ንክብል ብዙሕ ዋጋ ተኸፊሉ ‘ዩ ፣መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላም ዝነበሮ ድሌት፣ ብዙሕ ሃገራትን ዓለምለኻውን ትካላት ሰላም ንክወርድ ብዝገበሮ ተበግሶ ስዒቡ ስምምዕነት ሰላም ብምግባሩ ካብዚ ዝነበረ ፀልማት ወፂእና ናይቲ ሐዚ ዘሎ ሰላም ኣየር ምምላስና ዘሐጉስ ‘ዩ። ብፍላይ ድማ ኣብቲ ግዳይ ኹናት ዝነበረ ማሕበረሰብ ዓብይ ዘሕጉስ ዜና ‘ዩ ነይሩ ። እዚ ሰላም ብቀሊሉ ዝመፀ ኣይኮነን ፣ መንግስቲ ብዙሕ ፃዕሪ ገይሩ ፣ ብዙሕ መስዋትነት ኸፊሉ ንፁሃንን መናእሰይን ካብ ኹናት ንምድሓን ኣፍሪካውያን ናይ ባዕሎም ፀገም ባዕሎም ናይ ምፍታሕ ክእለት ከምዘለዎም ‘ውን ዘመስከርሉ ኣጋጣሚ ‘ዩ ነይሩ። እዚ ሰላም ድማ ኣብ ሰፊሕ ብራኸ ንክበፅሕ ዓብይ ስራሕ የድሊ ‘ዩ።

እዘ ሰላም ኹሉ ይደልዮ ‘ዩ ማለት ግና ኣይኮነን። ኣብ ሃገር ውሽጥን ወፃእን እዚ ሰላም ንድሕሪት ንምምለስን ኹናት ንክጅመርን ዝደሊ ሓይሊ ኣይጠፍእን። ስለዚ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዘሎ ህዝቢ እዚ ሰላም ንክሳኻዕ በቢ ዘለዎ ሓላፍነት ክቃለስ ኣለዎ ፤ ምኽንያቱ ካብዚ ኹናት መዘና ዘይብሉ ፀገም ዘሕለፈት ኣደ ትግራይ ‘ያ። ኣብቲ ኹናት ክንደየናይ ስቓይ ከምዘረኣየትን ዋጋ ከምዝኸፈለትን ካብ ማንም ንላዕሊ ባዕላ ምስክር ‘ያ። ብዝኾነ ምኽንያት እዚ ሓይሊ ንድሕሪት ዝምልስ ሓይሊ እንድሕር ሃልዩ ክምክቱን  ክቃለሱን ዘለዎ ቀዳማይ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ድማ ስዒቡ ዝመፅእ ነገር ናይ መሊስካ ህንፀት ስራሕቲ ‘ዩ። ዝዓነዋ ፋብሪካታት ኣለዋ ዝዓነያ ጥዕና ኬላታት ኣለዋ ካልኦት ግልጋሎት ዝህባ ትካላት ፀጊንካ ግልጋሎት ንክህባ ካብ መንግስትን ትካላት ሰናይ ተግባራትን ብዙሕ ትፅቢት ይግበር ‘ዩ። እዚ መንግስቲ ዓብይ ሓለፍነት ወሲዱ ኣብ ተግባር ንክውዕል ዝተፈላለዩ ምሁራን ዝምልከቶም ኣካላትን ናብቲ ቦታ እናኸዱ መረዳእታት እናከቡ እቲ ዝዓነወ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ ዝግበር ስራሕ ‘ዩ ክስራሕ ዘለዎ። ካብ ቕድሚ ኸዚ ብዝሓሸ መድሓኒት ይኣቱ ኣሎ ፣ ሓገዛት እኽሊ ይኣቱ ኣሎ ፣ ግና ካብዚ ዝሓሸ ኣታዊ ምእንቲ ክህሉ መንግስቲ ፃዕሪ እናበረ ‘ዩ ዘሎ። እዚ ድማ ሙሉእ ንክኾን ዝተጠናኸረ ክኾን ኣብ ትግራይ ዘሎ ማሕበረሰብ ምትሕብባር ክህልዎ ይግባእ።

ወጋሕታ፡- ትግራይ ናብ ዝነበረቶ ንምምላስ ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ትግራይ ንግደስ ኢና ዝብሉ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዘለዉ ተወለድቲ ትግራይ ሓላፍነቶም ብምንታይ መንገዲ ክዋፅኡ ኣለዎ ይብላ? ወይዘሮ ልእልቲ፡- ትግራይ ናብ ዝነበረታ ሙሉእ ብሙሉእ ንክትምለስ መንግስቲ ናይ ባዕሉ ግደ ኣለዎ። ናይ ባዕሉ ዝኾነ ብፂሒት ኣለዎ እዚ ድማ ግቡእ ‘ዩ። ግና ካብቲ በቲ ኹናት ምኽንያት ዝዓነው መሰረታዊ ግልጋሎትን ካልኦትን መንፃር ክንሪኢ ከለና ግና ብመንግስቲ ጥራሕ ዝሽፈን ንከይኾን ይኽእል ። ስለዚ ትግራዋይን ፈታዊ ትግራይን ኣብ ዘለዎ ኾይኑ ገንዘብ ብምትእኽኻብ ሃፍቲ ብምትእኽኻብ እዚ ዝበፅሐ ዕንወት ካሊእ ማሕበረሰብ ክፈልጦ እናገበረ ኣብ ምርድዳእ ኣብ ምስታፍ ናይ ኹሉ ሓላፍነት ‘ዩ።

ዝኾነ ናውቲ ኣብዚ ሐዚ ክናዓቕ የብሉን። ሓንቲ ስክሪቢቶን ደፍተርን ኣብዚ ሐዚ ንትግራይ ዓብይ ዋጋ ኣለዋ። ዳያስፖራን ካብ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ዝኾነ ትግራዋይን ንትግራይ ዝፎቲ እናተሓባበረን እናኣከበ ዝዓነዋ መሰረተ ልምዓት ንምምላስ ክሳተፉ ኣለዉ። ኣብዚ ሐዚ ዝግበር ሓገዝ ኣብ ትግራይ ንዘሎ ሰብ ብጣዕሚ ‘ዩ ዝጠቅም። እዚ ኸዚ ኣብ ትግራይ በፂሑ ዘሎ ኪሳራ ብጣዕሚ ሰፊሕ ስለዝኾነ መንግስቲ ‘ዩ ዝምልከቶ ኢልና እንገድፎ ነገር ኣይኮነን። ካብ ኹሉ ንላዕሊ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላይን ድልየትኪ ንጎኒ እትገድፈሉ ኩነታት ‘ዩ ተፈጢሩ ዘሎ። እንድሕር ንህዝቢ እንሓሊ ኢና እንብል ኾይና ዘለና ቅዋም ፖለቲካ ክፈላለ ይኽእል ‘ዩ ፣ ኣብ ህዝቢ ምድሓንን ምጥቃምን ግና ምፍልላይ ክህሉ ኣይኽእልን፣ሓደ ኢና ክንኾን ዘለና። ስለዚ ኹሉ ኣብ ዘለዎ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምድሓን ዓብይ ሚና ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ንምፍጣር መንእሰይ ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ‘ዩ። ኣብዚ ሒዚ ግና መንእሰይ ትግራይ እዚ ለውጢ ንከየምፅእ ብዙሕ ዕንቅፋት ዝኾኑ ነገራት እናጋጣሞ ‘ዩ ፤ እዞም ዕንቅፋት እቲ መንእሰይ ብኸመይ መንገዲ ‘ዩ ክሳገሮም ዝኽእል ይብላ? ወይዘሮ ልእልቲ ፡- ኣብ ትግራይ ሓዱሽ ባህሊ ፖለቲካ ልምምድ ክህሉ ኢለዎ ‘የ ዝኣምን ። እዚ ንክኾን ግና ኣብ ገዛ ኮፍ ኢልካ ዝኾን ነገር ኣይኮነን ዋጋ የኽፍል ‘ዩ።

እቲ ሓደ ኣብዚ ኸዚ በፂሕናዮ ዘለና ኩነታት ንክንበፅሕ ዝገበረና ብዝነበረ ናይ ፖለቲካ ኣተሓሳስባ ‘ዩ፣ ካልእ ኣይኮነን። እዚ ንከይድገም እንድሕር ኾይኑ ንትግራይ ዝምጥን ፣ ነዚ ወለዶ ንቕድሚት ዘራምድ፣ ዳግማይ ናብ ኹናት ከእትዋ ዘይኽእል ኣተሓሳስባ፣ መንእሰይ ዘሳተፈ፣ምሁራን ዘሳተፈ ሓዱሽ ስርዓት ፖለቲካ ኣብ ትግራይ የድሊ ‘ዩ። እዚ ንክመፅእ ድማ እጃም መንእሰይ ልዑል ቦታ ‘ዩ ዝወሃቦ። እቲ ፅዕንቶ ከምፅእ ዝኽእል ‘ውን በቲ መንእሰይ ‘ዩ። እቲ መንእሰይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዙሕ ናይ ሶሻል ሚድያ መማረፂ ‘ዩ ዘለዎ።

 ኣብዚ መማረፂ ብምጥቃም ንትግራይ ይጠቕማ ‘ዩ ዝብሉ ሓሳባት እናሸጡ እናተደማመፁ እናተሓባበሩ ዝሓሸ ነገር ብተግባር እናርኣዩ መንእሰይ ዝሳተፈሉ ስርዓት ኣብ ትግራይ ክህሉ ኣለዎ ። ህዝቢ ‘ውን ምምራፅ ዝኽእል ዝተፈላለየ ሓሳብ እንድሕር ኣቕሪብካ ‘ዩ። እንድሕር መማረፂ ተዘይቐሪቡ እታ ብቕድሚቱ ዘላ ጥራሕ ‘ዩ ክመርፅ ዝኽእል። ስለዚ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታት ዘሎ ሙሁር ብዝተፈላለዩ መገዲ ሓሳቡ ተጠቂሙ ካብቲ ዝነበረ ስርዓት ፖለቲካ ዝሓሸ ንምምፃእ እቲ መንእሰይ ዋጋ ክኸፍል ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምንታይ መንገዲ ‘ዩ ክጣየሽ ኣለዎ ይብላ?

ወይዘሮ ልእልቲ፡- ኣብዚ ንክንበፅሕ ብዙሕ ዋጋ ኸፊልና ኢና። ኣብ ምንግጋር ዘደረኸ ምርድዳእ ተዝህልየና ነይሩ ናብዚ ጉዳይ ኣይመኣተናን ነይርና። እዚ ስዒቡ ዝመፀ ፀገም ‘ውን ኣይምተቐበልናን። ኣብ ዘተ ዝተደረኸ ኣካይዳ ተዝህሉ ነይሩ ውፅኢቱ ኹናት ኣይኾንን ነይሩ፣ ምክንያቱ ተመሊስና ፀገማትና ብምርድዳእ ንፈትሕ ኣለና ማለት ‘ዩ። ብምንግጋር ፀገማት እንፈትሕ እንድሕር ኾይና ድማ ኣሳተፊ ክኾን ኣለዎ። ኣሳታፊ ማለት እዋናዊ ፣ ግዚኡ ኣብ ግምት ውሽጢ ዘእተወ መናእሰይ ዝሓቖፈ ሙሁራን ዝሓቆፈ እቲ ሓዱሽ ወለዶ ዝሓቖፈ ክኾን ኣለዎ ኢለ ‘የ ዝኣምን ። እዚ ኸዚ ዝኸድዎ ዘለዉ ኣካይዳ ‘ውን ከምዚ ክኾን ዝብል እምነት ኣለኒ።

ካብቲ ዝነበረ ዝሓዘ ካብ ሙሁራን ካብ ህወሓት ካብ ብልፅግና ‘ዩ ዝኾን ኢለ ‘የ ትፅቢት ዝገብር ። ውፅኢቱ መንግስቲ ገምጊሙ ናይ ባዕሉ መልሱ ዝህብ ኾይኑ ትምህርቲ ግና ክውሰድ ኣለዎ። ከምቲ ቕድሚ ኸዚ ዝኸድናዮ መንገዲ ከይድና ትግራይ ክነድሕና ክነቕንዓ ኣይንኽእልን። ዘመናዊ ዝኾነ ዝተምሃረ መንእሰይ ዝደልን ዘቕርብን ፣ ኣብ ትግራይ ዝተፈላለያ ዝተፈጠራ ውድባት ኣለዋ ‘የን ፣ እዚአን ፖለቲካ ፓርትታት ከየግለለ ሓቒፉ ዘሳትፍ ክኾን ኣለዎ። ኣብ ፀገም እዋን እኮ ሓደ ፓርቲ በይኑ የኾነይ ተዋጊኡ ፣ ዋላ ኣግባብ ኣይኹን ‘ምበር ኹሉ ኣብዚ ፖለቲካ ዘሎ መንእሰይ ይኹን ምሁር ብሓደ ‘ዮም እቲ ፀገም ኣሕሊፈምዎ። ኣብ ምምሕዳር እንትኾን ድማ ምክብባር ምዝርራብ ምትሕግጋዝ ኣድላይ ‘ዩ። ፀገማት እኳ ተተፈጠሩ ብምዝርራብ ዝፍተሐሉ መድረኽ ንምፍጣር ድልው ዝኾነ ሓይሊ ክፍጠር ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን ፌደራል መንግስቲ ኣብ ምንታይ ዓበይቲ ጉዳያት ትኹረት ገይሩ እንድሕር ሰሪሑ ‘ዩ ኣብ ትግራይ ቕልጡፍ ዝኾነ ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል ይብላ? ወይዘሮ ልእልቲ ፡- መጀመርያ ኣብቲ ህዝቢ ዝጠቕም ስራሕቲ ትኹረት ተገይሩ ክስራሕ ኣለዎ ይብል። ብልፅግና እንድሕር ሪእኺ ሰብ ተኮር ዝኾነ ስራሕ ‘ዩ ዝሰርሕ። ብፍላይ ድማ ኣብ ትሕት ዝበሎ መነባብሮ ዘለዉ ማሕበረሰብ ትኹረት ገይሩ ይሰርሕ ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ድማ ብዝሓሸ መልክዑ ሰብ ትኹረት ስራሕቲ ቀዳምነት ተዋሂቡ ክስራሕ ኣለዎ። ድሕንነታን ሰላማን ዘረጋገፀት ትግራይ ፣ እዚ ኸዚ ካብ ስራሕን ትምህርትን ወፃኢ ኾይኑ ዘሎ መንእሰይ ቶሎ ኢሎ ጉድኣት ስነልቦና ብምሕካም ናብ ትምህርቲን ናብ ስራሕን፣ ፋብሪካታት ናብ ምፅጋን ፣ ትካላት ጥዕና ኣብ ምስትኽኻል ኣብዚ ኹሉ ትኹረት ብምሃብ ክሰርሕ ኣለዎ። እዚ ጎኒ ንጎኒ ድማ ኣብ ምርግጋዕ ሰላም ተጠናኺሩ ክስራሕ ይግባእ።

 ወጋሕታ፡- ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ካብዚ በፂሕወን ዘሎ ፀገም ንምውፃእ እንታይ ይምዕዳ፣ ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ኣብ ፖለቲካ ንቕድሚት ንክወፃ እንታይ ዓይነት ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ ይብላ? ወይዘሮ ልእልቲ፡- ማርች 8 በዓል ጥራሕ ምኽባር እንተይኾነስ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ተጠቃምነት ናይ ባዕሉ ዝኾነ ኣወንታዊ ፅዕንቶ ዘሕድር ክኾን ይግባእ። ደቂ ኣንስትዮ ብፍላይ ድማ ኣብ መሪሕነት ዘለዎን ተሳትፎ ልዑል ንክኸውን ከም ሓደ ቅዋም ሒዙ ‘ዩ መንግስቲ ክንቀሳቐስ ዘለዎ። ኣብ ታሕቲ ብምውራድ ኣብ ወረዳ ካብኔ ምጥያሽ ይግባእ። ደቂ ኣንሰትዮ ዘይብሉ መሪሕነት ብልፅግና ክረጋገፅ ኣይኽእልን። እዚ ንምርግጋፅ ድማ ብልፅግና እናሰርሐ ዘሎ ፓርቲ ‘ዩ ፤ እዚ ግና ብመንግስቲ ጥራሕ ዝኾን ኣይኮነን ፣ደቂ ኣንስትዮ ባዕለን ተለዓኢለን ዘለዎን ዓቕሚ ፣ ክእለት ተወፋይነት ተጠቒመን ተበፃሕነት ንክሰፍሕ ኹላትና በቢ ዘለናዮ ክንፅዕር ኣለና።

ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ወሰንቲ ዝኾን ቦታታት ‘ውን ብዓርሰ እምነት ዝውስናሉ ቦታ ክቕመጣ ኣለወን። ኸዚ ኣብ ደቂ ኣንስትዮ እናተሰርሐ ዘሎ ስራሕ ፅቡቕ እንተኾነ ‘ውን እኹል’ዩ ኢልና ግና ክወስዶ ስለዘይንኽእል ናይ ባዕለን ተሳትፎ ግድን ‘ዩ። ኣብዚ ሐዚ ኣብ ትግራይ እንተሪእና ኣብዝሓ ደቂ ኣንሰትዮ ክሕዘኦ ይግባእ። እዚ እንድሕር ዘይተኻኢሉ ግና ብማዕርነት ግና ምስታፍ ክኽእላ ኣለወን። ኣብ ፖለቲካ ይኹን ማሕበራዊ ኩነታት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ክረጋገፅ ኣለዎ። ደቂ ኣንስትዮ ኹናት ኣይፎትያን ብቀዳሚት ዝጥቀዓ ግና ንሰን ‘የን። እቲ ካልኦት ይፎቲ ‘ዩ እናልኩ እንተይኾነስ እተን መጀመርያ ተጠቃዕቲ ግና ደቂ ኣንስትዮ ‘የን። ብፍላይ ድማ ናይ ትግራይ ኣደ ብዛዕባ በሰላ ኹናት ካልእ ኣካል ከረደኣ ክመፅእ ‘ዩ ዝብል እምነት የብለይን። ኸዚ ኣብ ዝግበር መንግስታዊ ሽግግር ድማ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ተሳትፎ ልዑል ክኸውን ክቃለሳ ኣለወን ይብል። ህዝቢ ትግራይ ንኽልተ ዓመት ዝነበሮ ፀገም ቀሊል ኣይኮነን። እዚ ፀገም ድማ ቀፃልነት ንከይህልዎ ናይ ኹሉ ምርብራብ የድሊ ‘ዩ። ፀገም ኣብ ምፍታሕ እቲ ዓብይ ቦታ ዝሕዛ ድማ ደቂ ኣንስትዪ ‘የን ፣ እቲ ፀገም ብቀጥታ ዘጥቀዐን ድማ ንዐአን ‘ዩ። ስለዚ እቲ ፀገም ክድገም የብሉን ዝተረኸበ ሰላም ክፀንዕ ኣለዎ።

 ወጋሕታ፡-ንዝነበረና ጻንሒት የመስግን። ወይዘሮ ልእል፡-ኣን እውን የመስግን።

Recommended For You