ከተማ ሸገር ብስግግር ቴክኖሎጂን ብምንቅስቃስ ኢኮኖሚ መርኣያ እትኾን ከተማ ንምግባር ብትኹረት ክስራሕ ‘ዩ

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ኣዲስ ኣበባ፡- ከተማ ሸገር ብስግግር ቴክኖሎጂ ብምንቅስቃስ ኢኮኖሚ መርኣያ እትኾን ከተማ ንምግባር ብፉሉይ ትኹረት ከምዝስራሕ ፕሬዝዳንት ክልል ኦሮምያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ገሊፆም፡፡

160 ሄክታር ስፍሓት መሬት ዘለዎ ብ12 ክፍለ ከተማን ብ36 ወረዳታት ከም ሓዱሽ ዝተዋቀረ ከተማ ሸገር ብዕሊ ተመስሪቱ ‘ዩ፡፡

ኣይተ ሽመልስ ኣብ እዋን እቲ ምስረታ ከምዝበልዎ፣ ባህሊ ሸገር ናይቲ ህዝቢ ብምብልፃግ ፣ ብቴክኖሎጂ ስግግር ብኢኮኖሚ ምንቅስቃሳ ፅቡቕ ኣብነት እትኾን ከተማ ንክትኾን ብትኹረት ክስራሕ ‘ዩ ኢሎም፡፡

ንከተማ ሸገር ዝተውሃበ ትኹረት ዓብይ ም’ኑ ዝገለፁ ኣይተ ሽመልስ፣ ካብዚ መንፃር ብከተማ ግብርና ዝተዋፈሩ በዓል ሃፍትን ሓረስቶትን ብሓባር ዝሰረሐሉ ኩነታት ምምችቻው ኣፍሊጦም ‘ዮም፡፡

ኣብ ታሪኽ ቃልሲ መሬት ናይ ሓረስታይ ንክኾን ብዙሕ መስዋትነት ተኸፊሉ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዝዳንት፣ ብኣንፃሩ ድማ ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ሓረስቶት ካብ ልምዓት ተፈልዮም ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ብዙሕ በደላት በፂሕዎም ‘ዩ።

ናይታ ከተማ መሬት ካብ ግዕዝይናን ብልሹው ኣሰራርሓ ብዝፀረየ መልክዑ ኣብ ስራሕ ውዒሉ ንነበርቲ ከተማ ናብራ ምምሕያሽ ኢሉ ‘ውን ንዕብየት ሃገር ኣስተዋፅኦ ንከበርክት መራሕታ ብቕንዕነት ብሓላፍነት ንክሰርሑ ‘ውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ነባር ፕሬዝደንት ክልል ኦሮምያ ኣይተ ኣባዱላ ገመዳ ብወገኖም ፣ ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ንዘመናት ብብዙሕ መልክዑ ኣብ ድኽነት ከምዝነበሩ ድሕሪ ምግላፅ ፣ ብፍላይ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ሓረስቶት ኣብ ጥቓ ኣዲስ ኣበባ ኾይኖም ዕንጨይቲ እናሸጡ ናብረኦም የካይዱ ነይሮም ኢሎም።

ናይቲ ከባቢ መሰረት ልምዓት ዝርገሐን ዕድል ስራሕ ፈጠራን ብጣዕሚ ትሑት እንትኾን ናይቲ ከባቢ ፀገማት ኢሉ ‘ውን ንሃገር ኢኮኖሚ ዕብየት ማሕበራዊ ምትእስሳር ሸገር ቁልፊ ፍታሕ ‘ዩ ኢሎም። ንነባራት ፕሬዝደንታት ክልል ኦሮምያን ነታ ከተማ ምስረታ ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ ውልቀ ሰባት ብኣይተ ሽመልስ አብዲሳ ሽልማት ተበርኪትሎም ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ 23 ለካቲት 2015 ዓ.ም

Recommended For You