‹‹ካብ ዓወት ዓድዋ ሓድነትን ፅንዓት ቐዳሞት ኣቦታት ከንመሃር ይግባእ›› -ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ስለሺ

በዓል መዓልቲ ዓወት ዓድዋ በቢ ዓመቱ ብድምቐት ካብ ዝኽበሩ ዓበይቲ ህዝባዊ በዓላት ሓደ ‘ዩ። ነዚ ኣመልኪትና ጋሻ ሒዝናልኩም ቐሪብና ኣለና። እዞም ጋሻ ልጅ ዳንኤል ጆቴ መስፍን ስለሺ ይባሃሉ። ብ1936ዓ.ም ኣብ ጎሬ ኢሉባቡር ተወሊዶም። ሐዚ ፕሬዚደንት ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ‘ዮም። ልጅ ዳንኤል ካብ ራእሲ መስፍን ስለሺ ዝተወልዱ እንትኾኑ፣ ራእሲ መስፍን ስለሺ ምእንተ ሃገሮም ሓርበኛታት እናመርሑ ዝዋግኡን ዘዋግኡን ዝነበሩ ‘ዮም። ራእሲ መስፍን ምእንተሃገሮም ዝሰርሑ ዝነበሩን ንሃገሮም ዝተሰውኡን ግኑን ሽም ዝነበሮም ‘ዮም። ራእሲ መስፍን ስለሺ ኣብ ከባቢታት ሽዋ፣ ወሎ፣ትግራይ፣ ወለጋ ሆሮ ጉድሩ፣ጎንደርን ጎጃምን ምስ ጣልያን ተዋጊኦም ‘ዮም።ብሓፂሩ ኣብ ዝተዋግእዎ ኩሉ ተዓዋቲ ምንባሮም ታሪኾም ይሕብር። እምባኣርከስ መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ለብዘበን ንመበል 127 ዝኽበር መዓልቲ ዓወት ዓድዋ ኣድሂብና ምስ ልጅ ዳንኤል ጆቴ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ከም ዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- በዓል ዓወት ዓድዋ ንህዝቢታት ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ዘለዎ ትርጉም ከመይ ይገልፅዎ?

ልጅ ዳንኤል፡- መጀመርታ ብዛዕባ እቲ ታሪኽ ዝተወሰነ ከንጠቕስ እንተለና፤ ወለድና ምስ ባዕዳዊ ወራሪ ሓይሊ ብጅግንነት ገጢሞም ዘይሃስስ ታሪኽ ኣመዝጊቦም ‘ዮም፡፡ ብዙሓት ጀጋኑ ንሃገሮም ብሓድነት፣ ፅንዓት፣ ፍቕርን ጅግንነትን ተቓሊሶም መስዋእቲ ብምኽፋል ሃገር ኣሪክቦምና ‘ዮም፡፡ እዚ ዓወት እዚ ብቐሊሉ ኣይመፀን፡፡ ሓርበኛታት ኢትዮጵያውያን ብፍላይ ሃፀይ ንጉስ ምንሊክ ምስ በዓልቲ ቤቶም እቴጌ ጣይቱ፣ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ፣ ራእሲ መንገሻ፣ ንጉስ ሚካኤል፣ እንበዓል ገብርዬን ወዘተ ብጥንካረ ንሃገር መስዋእቲ ንምኽፋል ተሰሊፎም ዝነበሩ ‘ዮም፡፡ እዚኦም ብሓቦን ወነን ተቓሊሶም ታሪኽ ሰሪሖም ‘ዮም፡፡ ገብርዬ እንተሪእና ምስ ፈረሱ ዘሊሉ ዝኣተወ ጅግና ‘ዩ ነይሩ፡፡ ንሱ እዩ ነቲ ኩናት ጀሚርዎ። እንዚኦም ንኣብነት ጠቐስና ‘ምበር ካልኦት ብዙሓት ጅግንነት ሰሪሖም ሓሊፎም ‘ዮም፡፡ ብፍላይ እቲ ኩናት እናተጎሃሃረ ምስ ከደ ኩሉ በቢዝኸኣሎ ሓያል ተጋድሎ ገይሩ ‘ዩ፡፡

ብኣንፃሩ ኣብ ኩናት ዓድዋ ከደዓትን ባንዳታትን ነይሮም ‘ዮም፡፡ ጣልያናውያን ባንዳታት ንምርካብ ብዙሕ ናይ ምትላል ስራሕ ይሰርሑ ነይሮም ‘ዮም፡፡ ብፍላይ ንራእሲ መንገሻ ኣታሊሎም ኣብ ጎኖም ንምስላፍ ሞኪሮም ነይሮም ‘ዮም፡፡ ብኣና ወገን እንተተሰሊፍካ ብምልኡ ናይ ወለድኻ መሬት ትግራይ ከንህበካ ኢና ብምባል ብጥቕሚ ንምትላል ሞኪሮሞም ነይሮም ‘ዮም፡፡ ጣልያናውያን ከምዚ ዝበልሉ ምኽንያት ራእሲ መንገሻ ናብ ጣልያን እንተመፂኡ ንሰራዊት ኢትዮጵያ ብዓብይኡ ከዳኽም ይኽእል ‘ዩ ኢሎም ብምሕሳብ ‘ዩ ነይሩ፡፡ ብዝላዕለ ደረጃ ዘዳኽሞ ከም ዝኾነ ብምግንዛብ ‘ዩ፡፡ እዚ ሓበሬታ ብሰለልቲ ገይሩ ናብ ንጉስ ምንሊክ በፂሑ ነይሩ፡፡ ንጉስ ምንሊክ ድማ ነዚ ብዕቱብ ይከታተልዎ ኔሮም ‘ዮም፡፡ ይኹን ‘ምበር ራእሲ መንገሻ ምስ ንጉስ ምንሊክ ኮይኖም ንሃገሮም ክስለፉ ‘ዮም መሪፆም፤ ብውልቓዊ ጥቕሚ ኣይተታለሉን፡፡ ንጉስ ሚኒሊክ ምስ ዝነበሮም ጅግንነትን ስልትን ብፍላይ ካብ ሰለልቲ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ሓበሬታ ተወሲኽዎ ብዓወት መሰስ ክብሉ ክኢሎም ‘ዮም፡፡ ንጉስ ሃፀይ ሚኒሊክ ንጣልያን ክእዘዙ ዝደልዩ መሳፍንቲ ንኸይእዘዙ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይሰርሑ ነይሮም ‘ዮም፡፡

ንጣልያን ዝጠቕሙ መሲሎም ንኢትዮጵያ ዝጠቕሙ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ሰለልቲ ነይሮም ‘ዮም፡፡ ንኣብነት ከም ባሻይ ኣውዓሎም ዝበሉ ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ፡፡ ሰለልቲ ኢትዮጵያውያን ንጣልያን ዝወገኑ መሲሎም ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ጣልያን ናይ ምትላል ስራሕቲ ይሰርሑ ነይሮም ‘ዮም፡፡ ንኣብነት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ በዓል መዓልቲ ጊዮርጊስ ክዋጋእ ከምዘይኽእል ገይሮም ዝተጋገየ ሓበሬታ ንጣልያናውያን ብምሃብ ኣሰሓሒቶሞም ‘ዮም፡፡ በዚ ምኽንያት ጣልያናውያን፣ ኢትዮጵያውያን ጊዮርጊስ መዓልቲ ከም ዘይዋግኡ ገይሮም ወሲዶሞ ነይሮም፡፡ ኮይኑ ግና ከም ዝሓሰብዎ እንተይኮነስ ብተፃራሪ ኮይኑ ‘ዩ ፀኒሕዎም። ከምኡ ‘ውን ንጉስ ሃፀይ ሚኒሊክ ኣብ ኤርትራ ምስ ዝነበረ ጣልያን ዲፕሎማሲያዊ ስራሕቲ ይሰርሑ ነይሮም ‘ዮም፤ ሓይሊ ሰራዊቶም እናጣናኸሩ ሰላም ‘ምበር ኩናት ኣየድልየናን እናበሉ ናይ ምትላል ስራሕቲ ይሰርሑ ነይሮም ‘ዮም፡፡ ብምዃኑ ጣልያናውያን ንጉስ ምኒሊክ ንኹናት ብዝግባእ ዝተዳለወ ኣይመስሎምን ነይሩ፡፡

ብምዃኑ ዓወት ዓድዋ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ዓብዪ ትምህርቲ ሂቡ ‘ዩ፡፡ ንኣፍሪካውያን ኣይከኣልን ዝባሃል ነገር ከም ዘየለ፤ ለካ ዘይከኣል ነገር የለን ዝብል መንፈስ ዝፈጠረ ‘ዩ፡፡ ንኣፍሪካውያን ንነፃነቶም ንኽዋግኡ ሓቦን ንሒን ፈጢርሎም ‘ዩ፡፡ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪካ ካብዚ ተላዒሎም ንነፃነቶም ክዋግኡ ምልዕዓል ፈጢርሎም ‘ዩ፡፡ እዚ ናይ ይከኣል መንፈስ ንኣፍሪካውያን ጥራሕ እንተይኮነስ ንመላእ ውፁዓት ህዝቢታት ዓለም ትምህርቲ ሂቡ ‘ዩ፡፡ ኣብ ትሕቲ ባዕዳውያን መግዛእቲ ንዝነበሩ ሃገራት ካብ ጅግንነት ኢትዮጵያውያን ብምምሃር ንነፃነቶም ጠንኪሮም ክዋግኡ ዝገበረ ‘ዩ በዓል ዓድዋ፡ ፡ ተስፋ፣ ሓቦን ኒሕን ፈጢርሎም ‘ዩ፡፡ ካብ መግዛእቲ ኣርዑት ባዕዳውያ ክወፁ ገይሩ ‘ዩ፡፡ ስለዚ ዓወት ዓድዋ ኩርዓት ኣፍሪካውያን ካብ ምዃን ሓሊፉ ንመላእ ውፁዓት ህዝቢታት ዓለም ‘ውን ትምህርቲ ኮይኑ ‘ዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ዘመናዊ ኣፅዋር ምስ ዝተዓጠቐ ሰራዊት ጣልያን ገጢምካ ምስዓር ቐሊል ኣይነበረን፤ ህዝቢ ዓለም ብጅግንነት ኢትዮጵያውያን ተደኒቑን ተገሪሙን ‘ዩ፡፡ ንኣፍሪካ ብዝሃቦ ዓብዩ ትርጉም ‘ዩ ፓን ኣፍሪካኒዝም ክምስረት ክኢሉ፡፡ ዓወት ዓድዋ ኣፍሪካውያን ልዕል ኢሎም ክረአዩ ዝገበረ ‘ዩ፡፡

ዓወት ዓድዋ ንኢትዮጵያውያን ዘለዎ ትርጉም ብተወሰነ መልክዑ ከንርኢ እንተለና ኢትዮጵያውያን ተሓቢሮም ፀላኢ ክስዕሮም ዘይኽእል ምዃኑ፤ ኢትዮጵያ ንማንም ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢዳ ዘይትህብ ምዃና፤ ጠንካራ ህዝቢ ዘለዋ ኮይኑ ናይ በዓላ አሕሊፋ ዘይትህብን ናይ ካሊእ ዘይትደሊ፤ ልዕሊ ኩሉ ድማ ሓድነት ወሳኒ ምዃኑ፤ ኢትዮጵያውያን እንተተሓባቢሮም ዝኾነ ዓይነት ሓይሊ ክስዕሮም ከምዘይኽእል፣ ሓድነት ወሳኒ ከም ዝኾነን ትምህርቲ ዝሃበ ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ፡- ዓወት ዓድዋ በቢ ዓመቱ ክበዓል ምግባር ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ? ናይ ሕዚ ትውልዲ ኸ ካብ ባዓል ዓወት ዓድዋ እንታይ ክመሃር ይኽእል?

ልጅ ዳንኤል፡- ዓወት ዓድዋ በቢ ዓመቱ ክበዓል እንተሎ ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ፤ ሓደ እቲ ታሪኽ ከይርሳዕ ይሕግዝ፡፡ ካሊእ ሓድነት ወለዲ ከንመሃር ይሕግዝ፡፡ እዚ ወለዶ እዚ ካብ በዓል ዓወት ዓድዋ ክመሃር ዝኽእል ብዙሕ ‘ዩ፡፡ ብናተይ ኣተሓሳስባ፣ ናተይ ይበልፅ፣ ኣነ ካብ ካሊእ ዝሓሽኩ ልዑል ‘የ፤ ንስኻ ታባይ ዝተሓትካ ኢኻ ዝብል ኣተሓሳስባ ዘየድሊ ምዃኑ ዘምህር ‘ዩ። እዚ ካብ ኩሉ ኢትዮጵያዊ መንፈስ ክቕረፍ ክኽእል ኣለዎ፡፡ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ማዕረ ከምዝኾነ ዘምህር ‘ዩ። ኢትዮጵያውያን ብሓድነትን ማዕረን ተሳቲፎም ‘ዮም ዓወት ሓፊሶም። እገለ ትበልፅ ንስኻ ምራሕ ተባሃሂሎም ኣይኮኑን ተዓዊቶም፤ ማዕረ ወፊሮም ማዕረ ‘ዮም ተዓዊቶም፡፡ ስለዚ ሓድነት፣ ምክብባር ክህሉ ኣለዎ፡፡ ንሃገር ‘ምበር ንውልቕኻ ዘይምሕሳብ ዘምህር ‘ዩ፡፡ ፍቅሪ ሃገር፣ ሓድነት፣ ምርድዳእን ምትሕልላይን ዘምህር ‘ዩ። ሓድነት እንሃልዩ ዝኾነ ፀላኢ ክገዝአካ ከምዘይኽእል ዘምህር ‘ዩ፡፡ ዓወት ዓድዋ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብቋንቋኡን ባህሉን ኮሪዑ ክነብር ዝገበረ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። እዚ ድማ ብሓድነት ኢትዮጵያውያን ዝመፀ ‘ምበር ብተናፀል ኣይኮነን፡፡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነንበዓሉ ተሓባቢሩን ተፋቒሩን ክነብር እንተኽኢሉ ዝኾነ ፀላኢ ክደፍሮን ክስዕሮን ከምዘይኽእል ዘምህር ‘ዩ፡፡ ቐዳሞት ወለድና ሳላ ብሓድነትን ፍቕርን ‘ዮም ፀላኢ ኣሕፊሮም መሊሶሞ፡፡ ብፀላኢ ከንስዓር ንኽእል ነንሕድሕድና ዘይምስምዕማዕ እንተሃልዩና ‘ዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነቱን ፍቕሩን እንተሐይሉ ዝኾነ ዓነት ፀላኢ ተወጊኡ ክስዕሮ ኣይኽእልን፡፡

ኣብ ኩናት ዓድዋ ከም እኒ ራእሲ ኣሉላ ኣባነጋ፣ ገብርዬ፣ ራእሲ መኮነን፣ ራእሲ ሚካኤል፣ ራእሲ መንገሻ፣ ደጃዝማች ዳምጠው ከተማ፣ እኒ ኣባተ ዝመሳሰሉ ልዑል ፍቕሪ ሃገር ስለ ዝነበሮም ልዑል ጅግንነት ሰሪሖም ‘ዮም። ናይ ሕዚ ወለዶ ካብዚኦም ፍቕሪ ሃገር ክመሃር ይግባእ፡፡ ፍቕሪ እንትህሉ ሓድነት ስለ ዝህሉ ፀላኢ ንምስዓር ዘፀግም ኣይኮነን፡፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና እዚ እናቐቀነሰ ይመስል፡፡ ሓደ ብሄር ኣብ ካሊእ ከባቢ ብሰላም ተንቐሳቒሱ ክሰርሕን ክነብርን ዝኽእለሉ ኩነታት እናፀበበ ‘ዩ ዘሎ፡፡ ከም ድልየቱ ተንቐሳቒሱ ክነብር ዘይኽእል እንተኾይኑ ፍቕሪ ሃገር ክህልዎ ኣይኽእል፡፡ ሃገር ናይ ሓባር ክሳብ ዝኾነት ዝኾነ ህዝቢ ከም ድልየቱ ተዛዋዊሩ ክሰርሕን ክነብርን ኣለዎ፡፡

ወጋሕታ፡- ታሪኽ ኢትዮጵያ ሕዚ ምስ ዘሎ ኩነታት ሃገርና ከመይ ይግልፅዎ?

ልጅ ዳንኤል፡- ታሪኽ ኢትዮጵያ ሰፊሕ ‘ዩ፤ ኣብ ሓፂር ግዜ ዘርዚርካ ዝውዳእ ኣይኮነን፡፡ ኮይኑ ግና ካብ ሃፀይ ንጉስ ሚኒሊክ ጀሚርና ዝተወሰነ ታሪኽ ምጥቓስ ይከኣል ‘ዩ፡፡ ኣብቲ እዋን ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም ‘ዮም፤ ዘመናዊ ነገራት ናብ ኢትዮጵያ ዝተኣታተወሉ ‘ዩ፡፡ ኣብቲ ግዜ ዝተጀመረ ምትእትታው ዘመናዊነት ብዝበለፀ እናዓበየ ብምኻዱ ኣብቲ ሕዚ በፂሕናዮ ዘለና ደረጃ ከንበፅሕ ኣኽኢሉና ‘ዩ፡፡

ኣብ እዋን ንጉስ ሃፀይ ሚኒሊክ ህዝቢ ኢትዮጵያ ምናልባት ዓሰርተ ሚልዮን ከም ዝነበረ ‘ዩ ዝግመት፡፡ ሕዚ ግና ልዕሊ ሚኢትን ዒስራን ሚልዮን ህዝቢ በፂሑ ‘ዩ። ስለዚ እቲ ታሪኽ ዓብዪ ፍልልይ ኣለዎ፡፡ ኣብቲ እዋን ዘይነበሩ ሕዚ ብዙሓት ነገራት ኣለዉ ‘ዮም፡፡ ኩሉ ምስ ግዜ፣ ድሌትን ንቕሓትን ህዝቢ ተተሓሒዙ ዝመፅእ ስለ ዝኾነ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ እዋን ዘይነበረ ብዙሕ ነገር ኣሎ ‘ዩ፡፡ ሚኢትን ዒስራን ሚሊዮን ህዝቢ ምምሕዳር ቐሊል ኣይኮነን፤ ጥበብን ብልሓትን የድሊ ‘ዩ፡፡ ልክዕ ከም ንጉስ ሃፀይ ሚኒሊክ ጥበብን ብልሓትን ዝሓትት ‘ዩ። ንጉስ ሃፀይ ሚኒሊክ ኣዝዮም በዓል ብልሓትን ጥበብን ‘ዮም ነይሮም፡፡

ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን እትምራሕ ዘላ ብሶሻል ሚድያ ‘ያ፡፡ ብሶሻል ሚድያ ሃገርና ንምፍራስ ዝፅዕሩ ኣካላት ኣለዉ፤ ኣብዚ መንእሰይ ወለዶ ስኽን ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ፡፡ ብስምዒት ተላዒሉ ንሃገሩ ዝጎድእ ኩነታት ክሰርሕ የብሉን፡፡ ዘመኑ ምስትውዓልን ምግንዛብን ዝሓትት ‘ዩ፡፡ ፀላእቲ ብዝመርሑና ከንኸይድ የብልናን፡፡

ኩናት ዓድዋ ብሓደ ወገን ከንርኢ እንተለና ፈተውቲ ፈጢሩልና ‘ዩ፤ ብኻሊእ ወገን ድማ ፀላእቲ ‘ውን ፈጢሩልና ‘ዩ፡፡ ዓወት ኢትዮጵያውያን ዘይደልዩ ሃገራት ኣለዉ ‘ዮም። ብምዃኑ ድማ ብብሄርን ሃይማኖትን ከንጓነፅ እናገበሩ ይርከቡ፡፡ ሓንሳብ ብሃይማኖት፣ ካሊእ ግዜ ብብሄር እናፈተኑና ይርከቡ። ሕዚ ‘ውን ተስፋ ኣይቖረፁን ኣብ ምፍታን ‘ዮም ዝርከቡ፡፡ እዚ ድማ ገሊኡ ብገንዘብ፣ ገሊኡ ብፖለቲካ እናተታለለ ‘ዩ ዝፍፅሞ ዘሎ፡፡ ብሓፈሻ ከንሪኦ እንተላና ፍቕሪ ሃገር ትማሊ ነይሩ ሕዚ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዝተወሰነ መልክዑ ናይ ምክፍፋልን ምድፍፋእን ባህርያት ይስትውዐሉ ‘ዮም፡፡ ይኹን ‘ምበር ናይ ሕዚ ወለዶ ‘ውን ከም ቀዳሞት ወለዱ ረብሓ ሃገሩ አሕሊፉ ንፀላኢ ዝህብ ኣይኮነን፡፡

ወጋሕታ፡- ለብዘበን ንመበል 127 ግዜ ዝኽበር በባዓል ዓወት ዓድዋ ካብናይ ቕድሚ ሕዚ ዝፈልዮ ነገር እንተልዩ ተዝገልፁልና?

ልጅ ዳንኤል፡- ንእሽተይ ንደሓር ምልስ ኢልና ከንርኢ እንተለና ማለት ብቐዳማዊ ንጉስ ሃይለስላሴ ግዜ ብመንግስቲ ደረጃ ‘ዩ ይኽበር ነይሩ፡፡ ኣብ ‹‹ኣደባባይ ሚኒሊክ›› ዕንበባ ይቕመጥ፣ መደረ ይግበር፣ ታቦት ናይ ጊዮርጊስ ወፂኡ ‘ዩ ዝኽበር ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብ ዘመነ ደርጊ ብኸምዚ ኣይቐፀለን፡፡ መንግስቲ ብዝተለወጠ ቑፅሪ እናተላዋወጠ ‘ዩ መፂኡ፡፡ ስርዓቱን ባህሉን ዝፈልጡ ሰባት ገሊኦም ብዕድመ ምኽንያት የለዉን ሞይቶም፤ ገሊኦም ቐይሕ ራዕዲ እናተባሃለ ብደርጊ ተረሺኖም ‘ዮም። ብዙሓት ተቐቲሎም ‘ዮም። በዚ ምኽንያት ኣብ እዋን ደርጊ ህዝቢ ሃገሩ ብምፅላእ ናብ ስደት ዘምረሐሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ፡፡ ብመንግስቲ ደረጃ ብዝተጣናኸረ እንተይኮነስ ብማሕበር ሃርበኛታት ‘ዩ እናተኸበረ መፂኡ። ብሓፈሻ ብደርጊ ተዳኺሙ ‘ዩ ነይሩ፡፡

ኢህኣዴግ ምስ መፀ ካብ ዘመነ ደርጊ ብዝሓሸ ደረጃ ምኽባር ዝተጀመረሉ ‘ዩ ነይሩ፡፡ እዚ ድማ ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት ‘ዩ፡፡ ንዓለም ዘድንቕ ታሪኽ ሒዝና ንምንታይ ብመንግስቲ ደረጃ ኣይኽበርን ብዝብል ዘቕረቦ ሕቶ መሰረት ብዝሓሸ ደረጃ እናተኸበረ መፂኡ ‘ዩ፡፡

ለብዘበን ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ታሪኽ ምምሕልላፍ፣ ትምህርቲ ንወለዶ ምሃብ፣ ዘይተፃሓፉ ክፃሕፉ ምግባር፣ ሓቓዊ ታሪኽ መርሚርካ ምውፃእ ‘ምበር በዓል ምብዓል ናይ ህዝቢን ሰራዊት ምክልኻል ‘ዩ ክኸውን ዝግባእ ኢሉ ወሲኑ ‘ዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ክቕበሎ ይግባእ ዝብል ሓሳብ ኣቅሪብና በዚ ክኸውን ‘ዩ ተወሲኑ፡፡ ክሳብ ሕዚ በዓል ዋና ስኢኑ ‘ዩ ነይሩ፡፡ በዓል ዋና ስለ ዘድልዮ ለብዘበን ንምክልኻል ሰራዊት ሃገር ‘ዩ ተዋሂቡ፤ ክኸው ዘለዎ ‘ውን እዚ ‘ዩ፡፡ እዚ ክብል እንተለኹ ግና ህዝቢ ኣይምልከቶን ማለተይ ኣይኮነን፡፡ ንሰራዊት ዝተወሃበሉ ምኽንያት እቲ በዓል ወታደራዊ ትርኢት ሃልይዎ ብዝበለፀ ደሚቑ ክኽበር ስለ ዘለዎ ‘ዩ፡፡

መጀመርታ ብፕረዚደንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ሕቑፊ ዕንበባ ኣብ ኣዳባባይ ሚኒልክ ተቐሚጡ ካብኡ ናብ ድልድል ዓድዋ ክኽየድ ‘ዩ፤ ካብኡ ቐፂሉ ናብ ኣደባባይ መስቀል ተኸይዱ ብዝተፈላለየ ትርኢት ዝኽበር ይኸውን፡፡ ኣብዚ ብላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራዊት፣ ሰራዊት ምክልኻል፣ ፖሊስ ብማርሽ ባንድ ተዓጂቡ ክኽበር ‘ዩ። ኣብዚ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ፣ ኣጋይሽ ዲፕሎማት ብዝተረኸብሉ ክኽበር ‘ዩ፤ ሰራዊት ምክልኻል ናይ በዓሉ ትርኢት ከቕርብ ‘ዩ፡፡ ኣብዚ ብልዑል ፅብል ስለ ዝኽበር ብርክት ዝበለ ህዝቢ ክርከብ ‘ዩ ተባሂሉ ይግመት። ሰራዊት ምክልኻል ብዕሊ ተረኪብዎ ምዃኑ ብዘርኢ ደረጃ ክኽበር ‘ዩ። ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ ብተናፀል ዝኽበር ነገር ኣይኮነን። ድሕሪ ሕዚ ከምዚ ዝበሉ በዓላት ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ‘ዩ ከተኣናግዶም፤ እቲ ታሪኽ ግና ዝልወጠሉ መገዲ የለን፤ ታሪኽ ሕማቕ ይኹን ፅቡቕ ዝቕየር ኣይኮነን፤ ወይ ክተቕርዮ ኣይትኽእልን፡፡ ታሪኽ ፅልኣዮ ፍተዎ ሓኺኽካ ክትድርብዮ ኣይትኽእልን ኢኻ። ዝተሸርሸረ ታሪኽ ከይኸውን ምጥንቓቕ የድሊ። ናይ ሕዚ ወለዶ ናይ ቐደም ቒም ሒዙ ሕነ ንምፍዳይ ክሓስብ

 የብሉን፡፡ ከምዚ እንተኾኑ ሃገር ኢኻ ተፍርስ ዘለኻ። ቐድሚ 127 ኣመት ዝነበረ ታሪኽ ንሕዚ ሕነ ምፍዳይ ከትጥቐመሉ ኣይትኽእልን፤ ምኽንያቱ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ወለዶ ሕዚ የለን፡፡ እኒ ሃፀይ ዮሃንስን ሚኒሊክን ንኢትዮጵያ ኢሎም ‘ምበር ንሓደ ብሄር ኢሎም ኣይኮኑን ተሰዊኦም። ኣብቲ እዋን ዝነበሩ መራሕቲ ሃገር ‘ምበር መራሕቲ ናይ ዝተወሰነ ብሄር ኣይነበሩን፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዝነበረ ሕድሕዳዊ ኩናት ብሰላም ንምፍታሕ ኣብ ዝተገብረ ስምምዕነት ሰላም ንተግባራውነቱ ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ ዘለዎ ግደ እንታይ ይመስል?

ልጅ ዳንኤል፡- ብመጀመርያ ደረጃ ማሕበር ሓርበኛታት ጥንታዊት ኢትዮጵያ እቲ ኩናት ወይ ፅልኢ ክፍጠር ኣይነበሮን ኢሉ ‘ዩ ዝኣምን፡፡ ብምቕፃል እቲ ማህበር ክገብሮ ዝግባእ ምትዕራቕ ‘ዩ፤ እዚ ኣብ ግዚኡ ተሞኪሩ ኣይተሳኸዐን፡፡ እቲ ፅልኢ ኣብ መንጎ ህዝቢታት እንተይኮነስ ኣብ መንጎ መራሕቲ ‘ዩ ነይሩ። ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጠሩ ቕርሕንትታት ኣብ መንጎ መራሕቲ ‘ምበር ኣብ መንጎ ህዝቢታት ኣይኮኑን፡፡ ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝቢታት ፅልኢ የብሉን። ክሳብ ሕዚ ንሃገር መስዋእቲ እናኸፈለ ዝመፀ ህዝቢ ‘ዩ። ካብ ህዝቢ ትግራይ ወፃኢ ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ምስ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ዓይነት ፅልኢ የብሉን። በቲ ዝተፈጥረ ኹናት ብዙሕ መንእሰይ ሞይቱ ‘ዩ፡፡ እዚ ፈፂሙ ክኸውን ዘይነሮ ኣዝዩ ዘሕዝን ጌጋ ተፈፂሙ ‘ዩ።

ኣብዚ ኩናት እዚ ህዝቢ ንህዝቢ ክዳመ ቓሕ ዝብሎም ኣካላት ነይሮም ‘ዮም፡፡ እዚኦም ብዛዕባ ሃገር ትፍረስ ኣይትፍረስ ዝግድሶም ኣይኮነን፡፡ እኳዳኣስ ከትበታተን ‘ዮም ዝደልዩ፡፡ እዚኦም ኩሉ ግዜ ኣብ መንጎ ብሄራት ቕርሕንቲ ክነግስ ዝደልዩ ‘ዮም፡፡ ገሊኡ ድማ ከምዚ ዓይነት ክፍፀም ዘይደሊ ‘ዩ፡፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሃገር ሓድነት ዝሓስብን ዝቑርቖርን ‘ዩ፡፡ ህዝቢ ንህዝቢ ኣይተጓነፀን፡፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝነብሩ ተጋሩ ተበዲሎም ክኾኑ ይኽእሉ ‘ዮም፤ እዚ ድማ ክኸውን ዘይግበኦ ‘ዩ ነይሩ፡፡

እቲ ማሕበር ኣብ መንጎ ሕብረተሰብ ዘየድሊ ቕርሕንቲ ከይፍጠር ኣስተዋፀኦ እናገበረ ‘ዩ ዝርከብ፡፡ ነቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ብምድጋፍ ኣብ መንጎ መንግስቲ ጠጠው ኢሉ እናሰርሐ ‘ዩ ዘሎ፡፡ ነቲ ሰላም ምድጋፍ ጥራሕ እንተይኮነስ ንተፈፃሚነቱ ‘ውን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ እናሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ፡፡ ብሰንኪ ስእነት ሰላም ክሳብ ሕዚ ብዙሕ ቤተሰብ ተበቲኑ ተሪፉ ‘ዩ፡፡ ማሕበርና እዚ ክድገም ኣይደልን፡፡ ሕጊ ዝጠሓሱ ኣካላት ድማ ብሕጊ ተጠየቕቲ ክኾኑ ኣለዎም ኢሉ ‘ዩ ዝኣምን፡፡ ገበን ዝፈፀመ ተሓታቲ ክኸውን ኣለዎ፡፡ ተዘይኮይኑ ፅባሕ ‘ውን ክድገም ይኽእል ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ምስ በዓል ዓወት ዓድዋ ተተሓሒዙ ከሕልፍዎ ዝደለይዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም፤

ልጅ ዳንኤል፡- ኢትዮጵያውያን ከንፋላለ የብልናን፤ ካብ ዘፋላልየና ሓደ ዝገብረና ‘ዩ ዝበዝሕ፤ ብፍላይ መንእሰይ ወለዶ ከም ቐዳሞት ኣቦታቱ ንሓንቲ ባንዴራ ሃገሩ ብሓድነት፣ ፍቕሪን ስምረትን ጠጠው ክብል ኣለዎ። ንሕገ መንግስቲ ተገዛኢ ብምዃን ንሃገሩ ክሓስብ ኣለዎ። ንሃገሩ ዋርድያ ኮይኑ ብምግልጋል ሃገሩ ክልውጥ ኣለዎ። ብዝተኸኣለ መጠን ብማሕበራዊ ሚድያ ዝፀሓፉን ዝዝረቡን ናይ በለካ ለኽዐካ ሰሚዑ ብስምዒት ተላዒሉ ሃገሩ ከይጎድእ ጥንቓቐ ክገብር ኣለዎ፡፡ ብስምዒት እንተይኮነስ ከም ኣቦታቱ ብብልሓትን ጥበብን ክጎዓዝ ኣለዎ፡፡ ምስትውዓል ዝተመልኦ ኣካይዳ ክኽተል ኣለዎ፡፡ ሃገር ምጥቓምን ምዕባይን ዝከኣል ብሓድነትን ሕብረትን ‘ምበር ብምክፍፋል ኣይኮነን፡፡ ዘጋጥሙ ፀገማት ብጎንፂ ንምፍታሕ ካብ ምፍታን ተቐራሪብካ ብኢሂን ምሂን ምፍታሕ ተመራፂ ከንገብር ኣለና፡፡ ዘጋጥሙ ፀገማት ስኽን ብዝበለ መንገዲ ብዘተ ምፍታሕ ‘ዩ ዘድሊ፡፡ ንሃገር ዝጠቕም እዚ ‘ዩ፡፡

ናይ ሕዚ መንእሰይ ወለዶ ከም ቀዳሞት ኣቦታቱ ሓድነቱን ፍቕሪ ሃገሩን ብምሕያል ኣሰር ወለዱ ክኽተል ኣለዎ፡፡ ወለድና ልክዕ ኣብ ዓድዋ ዘመዝገብዎ ዓወት ናይ ሕዚ መንእሰይ ድማ ኣብ ልምዓት ታሪኽ ክሰርሕ ኣለዎ። ኣብ ትምህርትን ልምዓት ተዓዋቲ ክኸውን ኣለዎ። መንእሰይ ወለዶ ሓድነቱ ብምሕያል ንሃገሩ ዋርድያ ኮይኑ ብምግልጋል ከም ወለዱ ታሪኽ ክሰርሕ ይግባእ። ቀዳሞት ወለዲ ሃገር ናይ ሓበር ‘ያ ኢሎም ‘ዮም ካብ ጫፍ ናጫፍ ብምስላፍ ንፀላኢ ዘሕፈሩ፡፡ ብምዃኑ ናይ ሕዚ ወለዶ ‘ውን ኣሰር ወለዱ ክኽተል ኣለዎ፡፡ ሓድነት እንተሃልዩ ኩሉ ግዜ ተዓዋታይ ኢኻ፤ ካብ ወለዱ ሓድነት፣ ጥንካረ፣ ፍቕሪ ሃገር፣ ምርድዳእ ክወርስ ኣለዎ፡፡ ሃገር ክትዓቢ እትኽእል ብሓድነትን ፍቕርን ተመስሪትካ ኣብ ልምዓት ከትዋፈርን ሓድነትካ ኣጣናኺርካ ንሃገር ክትሓስብን እንተለኻ ‘ምበር ተፈላሊኻ ነንርእስኻ ከትጓነፅ እንተለኻ ኣይኮነን፡፡ ስለዚ መንእሰይ ወለዶ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚድያታት ብዝመሓላለፉ ናይ ሓሶት ሓበሬታታት እንተይተዓሸወ ንሃገር ዝጠቕም ስራሕ ኣብ ምስራሕ ክዋፈር ኣለዎ፡፡

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት ብሽመይን ብሽም ትካል ፕረስ ኢትዮጵያን ከመስግኖም እፈቱ፡፡

ልጅ ዳንኤል፡- ኣነ ‘ውን ብጣዕሚ ኣመስግን፡፡

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 23 ለካቲት 2015 ዓ.ም

Recommended For You