ዓወት ዓድዋ ንዜጋታት ነፃነትን ንሃገር ሓድነት ብሓባር ጠጠው ናይ ምባል ምልክት ‘ዩ

ኣዲስ ኣበባ፡- ብቃልሲ ኣያታት ዝተረኸበ ዓወት ዓድዋ ምፍልላና ናብ ጎኒ ብምግዳፍ ንዜጋታት ነፃነትን ንሃገራዊ ሓድነትን ብሓባር ጠጠው ናይ ምባል ተምሳሌት ብምግባር ዘርኣየ ዓወት ‘ዩ ክብሉ ናይ ታሪኽ ተመራማሪን መምህር ዶክተር ኣየለ በከሬ ተዛሪቦም፡፡

ዶክተር ኣየለ በከሬ ንትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ከምዘገለፅዎ፣ ምልክት ነፃነት ፀለምቲ ዝኾነ ዓወት ዓድዋ ካብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ብሓባር መንፈስ ብዝተኣከቡ ኢትዮጵያውያን ዝረኸብዎ ዓወት ብምዃኑ ኣብነቱ ዓብይ ‘ዩ፡፡

ዓወት ዓድዋ ኢትዮጵያውነትና ሕብረ ብሄራውነት ካብ ምጥንካር ዘለዎ ጥቕሚ ዓብይ ‘ዩ ዝበሉ እቶም ታሪኽ ሙሁር፣ መንነቶም ኢትዮጵያዊ ዝኾኑን ዝተፈላለዩ ቋንቋ፣ባህሊ፣ አተሓሳስባን ናብራን ዘለዎም ሰባት ኣብቲ እዋን ጣልያን ክወረና ምምፅኡ ብምግንዛብ ክብሪ ሃገሮም ንምሕላው ምፍልላዮም ከይገደቦም ብሓባር ተቃሊሶም ‘ዮም፡፡ ከም ዶክተር ኣየለ ገለፃ ህልውና ሃገሮም ኣስጋኢ ኣብ ዝነበሮ እዋን መሬትና ኣይነድፍርን ብምባል ዝተቃለሱ ሃርበኛታት ንሎሚ ወለዶ ዝኾን ደሚቕ ቐለም ፅሒፎም ‘ዮም፡፡

ሃገር ኣቋሪፁ ዝመፀ ባዕዳዊ ስዒሮም ሃገር ንምቕፃል ዘኽእሎ ኣያታት ሕብረት ስለዝነበሮም ‘ዩ ዝበሉ ዶክተር ኣየለ፣ ብዝተወደበ መንገዲ ህልውና ሃገሮም ንምሕላው ዝተቓለሱ ታሪኾም ክነኽብሮን ክንዝክሮን ይግባእ ኢሎም። በቢ እዋኑ መረጋገፂ ዘይብሉ እንጋጨወሉ ምኽንያት ታሪኽ ብኣግባቡ ካብዘይምርዳእ ዝመፀ ‘ዩ ኢሎም፡፡ ስለዚ እዚ ወለዶ ስለ ሃገሩ ሓድነትን ቃልስን ታሪኽ እኹል ፍልጠት ንክህልዎን ብስምዒት ንከይጓዓዝ ዝገብር ግንዛቤ ክፍጠር ይግባእ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ብኣናሽተይ ነገራት ንክንፃላእ ዝደሊ ኣካላት ምስዓር እንኽእል ከም ዓድዋ ዓወት ዝበሉ ዓበይቲ ታሪኽ ምዕራፋት ኣብናይ ኸዚ ወለዶ ንክሰርፅ ብምግባር ‘ዩ ኢሎም። ብመራኸቢ ሓፋሽ ፣ ማሕበራዊ ሚድያም መፅሓፍትን ብዝተፈላለ ግዜ ዝዳለዉ ባዓል ዓድዋ መናእሰይ እናነቃቅሑ ስለዝኾኑ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኣለዎም ኢሎም፡፡

ንህንፀት ሃገር ኣስተዋፅኦ ዘለዎ ዓወት ዓድዋ ንፀለምቲ ህዝብታት ነፃነት ዝተርፍ ታሪኽ ዘለዎ ዓወት ብምዃኑ ኣብ መድረኽ ኣፍሪካ ‘ውን ዝጋወሐሉ ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም ኢሎም፡፡ መበል 127 ዓወት ዓድዋ ንሃገርና ነፃነት ክብሉ ዝተወሰዉኡን ዝተቃለሱን ሃርበኛ ብዝግባእ መገዲ ብምሕሳብ ሓድነትና ክጠናኽር ዝኽእል ስራሕ ክስራሕ ይግባእ ኢሎም፡፡

 መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 23 ለካቲት 2015 ዓ.ም

Recommended For You