ህንፀት ሙዝየም ዓድዋ 78 ነጥቢ ክልተ ሚኢታዊ በፂሑ

• እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝመፅእ ዓመት ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ክዛዘም ‘ዩ

 መኣርግ ገ/ሄር

ኣዲስ ኣበባ፡- መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ዝኾነ ፕሮጀክት ህንፀት ሙዝየም ዓድዋ-ዜሮ ኪሎ ሜትር ኣፈፃፅማኡ 78 ሚኢታዊ ከም ዝበፅሐ ተሓቢሩ። እቲ ፕሮጀክት ክሳብ ዝመፅእ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ምሉእ ብምሉእ ክዛዘም ‘ዩ።

ዳይሬክተር ምሕደራ ኮንትራክት ቤት ፅሕፈት ህንፀት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ዳዊት ጥበቡ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ ዓወት ዓድዋን መበገሲን እናተሃነፀ ዝርከብ ፕሮጀክት ህንፀት ሙዝየም ዓድዋ- ዜሮ ኪሎ ሜትር ፊዚካል ኣፈፃፅምኡ 78 ነጥቢ ክልተ ሚኢታዊ በፂሑ።

እቶም ዳይሬክተር ከምዝበልዎ፤ ምምሕዳር እታ ከተማ ብዓበይቲ ፕሮጀክትታት ህንፀት ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት እናሃነፀ ይርከብ። እቶም ፕሮጀክትታት ብዙሕ ግልጋሎታት ዘለዎም ‘ዮም፡፡ ካብዚኦም ኣብ 2015 ዓ.ም ሓሙሽተ ነባራትን ሽዱሽተ ሓደሽትን ፕሮጀክትታት እናሃነፀ ይርከብ። ፕሮጀክት ሙዝየም ዓድዋ- ዜሮ ኪሎሜትር ሓደ ካብኣቶም ‘ዩ።

እዚ ፕሮጀክት እዙይ መበገሲ ዓወት ፀለምቲ ህዝቢታትን ጅግንነት ሓድነትን ምልክት ኢትዮጵያውያንን ‘ዩ። እቲ ፕሮጀክት ታሪኽ ዓድዋ ብሰፊሑ ንምግላፅ ንኹሉ ከባቢታት ሃገርና መለክዒ ርሕቐት ዜሮ መበገሲ ኪሎ ሜትር ምዃኑ ተሓሳቢ ብምግባር እናተሃነፀ ይርከብ፡፡

እቶም ዳይሬክተር፤ ንህንፀት ፕሮጀክት ሙዝየም ዓድዋ- ዜሮ ኪሎ ሜትር ዘድልዩ እታዎታት ሙሉእ ብሙሉእ ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ ብምዃኖም ብሰንኪ ኮቪድ ሰንሰለት ሎጂስቲክስ እታዎታት ፀገም ከምዝነበረ ገሊፆም። ይኹን ‘ምበር ምስ ኤምባሲ ቻይና ብምዝርራብ እቲ ፀገም ተፈቲሑ ኣብዚ እዋን እዙይ ብዝለዓለ ፍጥነት ይስራሕ ከምዘሎ ኣመልኪቶም። ኣብዚ ሕዚ እዋን “ኣካላዊ” ኣፈፃፅማ እቲ ፕሮጀክት 78 ነጥብን ክልተ ሚኢታዊን ከምዝበፅሐን ሙሉእ ብሙሉእ ተዛዚሙ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ስራሕ ከምዝኣቱ ኣፍሊጦም፡፡

ከም ገለፃ እቶም ዳይሬክተር፤ እቲ ፕሮጀክት ማእኸል ቤተ መዘክር ዓድዋ ኮይኑ ከገልግል ‘ዩ። ምስተዛዘመ ድማ ታሪኽ ኲናት ዓድዋ ቅድሚ ምጅማሩን ክሳብ ዝተኻየደን ኣብቲ እዋን ዝነበረን ሕዚ ዘሎን ታሪኽ ዝገልፅ፣ መፃኢት ኢትዮጵያ እንታይ ከም ትመስል ዝገልፅ ፕሮጀክት ክኸውን ‘ዩ። ኣብ ውሽጡ ናይ ትራንስፖርት ተርሚናል፣ ቤት ሲኒማ፣ መአከቢ ኣዳራሻት፣ ካፍተርያ፣ ልዕሊ ሽሕ መዕረፊ መካይን፣ ንኹነታት እቲ ሙዝየም ዝገልፁ ስነ ጥበባዊ ስራሕቲ ዘጠቓልል ‘ዩ።

እቲ ቤተ መዘክር ሰንሰለት ኣኽራናት ዓድዋን፣ ፈረሰኛታት፣ ንኽብሪ ደቂ ኣንስትዮ ጀጋኑ ዝተሰየሙ መዘከርታታት፣ ንዝኽሪ ሰማእታት፣ ማእኸል ሓድነት፣ መዘከርታ ናፅነት ኣፍሪካን ጉዕዞ ጀጋኑ ኢትዮጵያን ዘርእዩ ስነ-ጥበባዊ ስራሕቲ ከም ዝህልዎ እቶም ዳይሬክተር ጠቒሶም።

ብተወሳኺ መስፋሕፍሒ ሆስፒታል ዘውዲቱ፣ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ መጓዓዝያ፣ ፕሮጀክት ፓርኪንግ ሾላ፣ ማእኸላት ዕዳጋ፣ ን20 ሽሕ መናእሰይ ዕድል ስራሕ ዝፈጥር ማእኸል ኢንዱስትሪ፣ ከምኡ ‘ውን ህንፀት ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ዘዐቢ፣‹‹ፕሮጀክት ተሃድሶን ዳግም ምጥያሽ ደቂ ኣንስትዮን›› ብዝተተለመሎም ግዜ ህንፀቶም ይካየድ ከምዘሎ ወሲኾም ገሊፆም።

ሜጋ ፕሮጀክትታት ብምኽንያት ብኮቪድን ኵናትን ስረሖም ብዘይ ምቁራፅ እናተሰርሑ ምፅነሖምን ኣብ 11 ፕሮጀክትታት ን16 ሽሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጠሩን እቶም ዳይሬክተር ገሊፆም።

ወጋሕታ 23 ለካቲት 2015 ዓ.ም

Recommended For You