‹‹ምጥያሽ ስግግር መንግስቲ ህዝቢ ትግራይ ዝተማለአ ሰላም ንኽረክብ ዝሕግዝ ‘ዩ» ኣይተ ተሻለ ንጉሰ

ኣይተ ተሻለ ንጉሰ ሓላፊ ፖለቲካዊ ክፍሊ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ’ዮም። ኣይተ ተሻለ ኣብ እዋን ደርጊ ኣንፃር ደርጊ ዝተቓለሱ ኮይኖም። ድሕሪ ውድቐት ደርጊ ‘ውን ኣካይዳ ስርዓት ኢህወዲግ ንህዝቢ ዝጠቕም ኣይኮነን፤ ብፍላይ ህወሓት ዝተበገሰሉ ዕላማ መስመሩ ስሒቱ ‘ዩ ብምባል እናተቓለሱ መፂኦም ‘ዮም። ለውጢ ንኽመፅእ ናይ ባዕሎም እጃም ተፃዊቶም ‘ዮም። ሐዚ ‘ውን ኣብ ትዴፓ ኮይኖም ንህዝቢ ይጠቕም ‘ዩ ዝበልዎ ፖለቲካዊ ዕላመኦም ኣብ ምንፅብራቕ ‘ዮም ዝርከቡ። እምበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣይተ ተሻለ ዘለዎም ነዊሕ ፖለቲካዊ ተሞክሮን ልምድን ንኸካፍሉና ኣብ ቐንዲ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብፍላይ ድማ ምስ ትግራይ ዝተተሓሓዘ ኣድሂብና ኣብ ዝገበርናዮ ፃኒሕት ንዝሃቡና ርኢቶን ሓሳብን ከም ዝስዕብ ብምስንዳእ ኣቕሪብናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ግልጋሎታት ኣብ ምጅማር ዘርእዮም ኣይተ ተሻለ፡- መንግስቲ ፌዴራል ብመሰረት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶርያን ናይሮቢን ዝተፈላለዩ ንህዝቢ ዝጠቕሙ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ። ኣብዚ ብዙሕ ዝንቐፍ ነገር የብሉን፤ ዳርጋ ፅቡቕ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ። ኣብ ቴሌ፣ መብራህቲ፣ ባንኪ፣ ሕክምናን መጎዓዝያ ኣየርን ዝመሳሰሉ ነገራት ግልጋሎት ክህቡ እናገበረ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ህዝቢ ትግራይ በቲ ኩናት ዝበፅሖ ፀገም ከቢድ ብምዃኑ እቲ ፀገም ብዝግባእ እናተቓለለ ‘ዩ ዘሎ ምባል ኣይከኣልን።

መንግስቲ ፌዴራል ቐዲሙ ኣብ ዝተቖፃፀሮም ከባቢታት ብቕልጡፍ ሰብኣዊ ሓገዝ ምቕራብ ጀሚሩ ‘ዩ። ሕዚ ድማ ኣብ ኩሉ ቦታ ስለ ዘሎ ብሰፊሑ ይሰርሕ ኣሎ። እዚ ክብል እንተለኹ ግና እቲ ፀገም ተፈቲሑ ‘ዩ ማለተይ ኣይኮነን። ሕዚ ‘ውን ብዙሕ ፀገም ኣሎ። እዚ ኣብ ሓፂር ግዘ ክፍታሕ ዝከኣል ኣይኮነን። ብተፈላለዩ ሚድያታት ንሰምዖ ከም ዘለና ህዝቢ ሕዚ ‘ውን ብዙሓት ፀገማት ኣለውዎ ‘ዮም። ኮይኑ ግና ብዙሕ ፀገም ከምዝተቓለለ ድማ ህዝቢ ባዕሉ ኣብ ሚድያ እናቐረበ ይምስክር ኣሎ ‘ዩ። ደንጉዩ እኳ እንተኾነ ናይ መሬት ትራንስፖርት ንምጅማር ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕርታት ‘ውን ዝበራታታዕ ‘ዩ። መንግስቲ ብዝኣተዎ ስምምዕነት መሰረት ፅቡቕ ‘ዩ ዝኸድ ዘሎ። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ፅቡቕ ይተሓባበር ኣሎ ‘ዩ። እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።

ኮይኑ ግና ሰብኣዊ ሓገዝ ብፍትሓውነት ኣብ ምክፍፋል ፀገም ኣሎ ‘ዩ። ህዝቢ የማርር ከም ዘሎ ብተፈላለዩ ኣጋጣሚታት እንሰምዖ ኣለና ኢና። እዚ ክስተኻኸል ‘ዩ ዝግባእ። ዝለኣኽ ዘሎ መድሓኒታት ኣበይ ከምዝኣቱ ዘሎ ኣይፍለጥን። እዚ በዓሉ እቲ ህዝቢ ዝምስክሮ ዘሎ ጉዳይ ‘ዩ። ንህፃናት፣ ደካማታትን ሽማግለታትን ክበፅሕ ዝግበኦ ምግብን መድሓኒታትን ኣይበፅሕን ዘሎ። እዚ ድማ ናይ ምምሕዳር ጉድለት ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ ኣብ ምቕራብ ምግቢ ዘሎ ኩነታት እኹል ‘ዩ ከንብል ኣይንኽእል። ብምኽንያት እቲ ኩናት ህዝቢ ንኸባቢ ሰለስተ ዓመታት ዳርጋ ሓሪሱ ነይሩ ‘ዩ ዝበሃል ኣይኮነን፤ ኣብ ርእሲ እዚ መንእሰይ ኣብ ኩናት ስለ ዝነበረ ካብቲ ሕብረተሰብ ‘ዩ ቐለብ ይዋፃአሉ ነይሩ። ከም እኒዚኦም ዝበሉ ነገራት ተደማሚሮም ንህዝቢ ከበድቲ ፈተናታት ኮይኖሞ ፀኒሖሞ እዮም፡፡

ወጋሕታ፡- ብወገን ኽልቲኦም ተስማዕማዕቲ ኣካላት እቲ ስምምዕ ሰላም ናብ ባይታ ኣብ ምውራድ ዘለዎም ርኢቶ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ተሻለ፡- ስምምዕነት ሰላም ኣብ ምፍፃም ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ፅቡቕ ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ። ብወገን ህወሓት ‘ውን ዝተወሰኑ ፀገማት ዋላ እንተሃለዉ ድሓን ‘ዩ ምባል ይከኣል። ንኣብነት ከበድቲ ኣፅዋር ኣብ ምርካብ፤ እዚ ብኣወንታዊ መልክዕ ‘የ ዝሪኦ፤ ኮይኑ ግና ካልኦት እንተሃልዮም ‘ውን መሊኡ ሰላም ምእንቲ ክኸውን ከርክብ ‘ዩ ዘለዎ። መንግስቲ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ሰላም፣ ቓል ዝኣተዎ ኩሉ ናይ ምፍፃም ሓላፍነት ኣለዎ። ስለ ዝኾነ ድማ ይፍፅሞም ‘ውን ኣሎ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ዝበራታታዕ ጉዳይ ‘ዩ፡፡

መንግስቲ ብዝኣተዎ ቓል መሰረት ናብ ባይታ ንምውራድ ዝከኣሎ ኩሉ ንምግባር ይሰርሕ ኣብ ዘለወሉ ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ይተሓባበር ኣሎ ‘ዩ። ክሳብ ሕዚ በቲ ስምምዕነት መሰረት ብኽልቲኦም ወገናት ደሓን ምትእምማን እናተፈጠረ ‘ዩ። እቲ ኮሚቴ ስምምዕነት ሰለም ገፅ ንገፅ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ምዝርራብ ምጅማሩ ፅቡቕ ‘ዩ። እዚ ምትእምማን ክህሉ ዝገብር ‘ዩ። እዚ ቐሊል ስጉምቲ ዝበሃል ኣይኮነን። ብኣወንታዊ መልክዕ ክረአ ይኽእል ‘ዩ።

ስለዚ ብኽልቲኦም ዘሎ ኣፋፃፅማ ውዕል ሰላም፣ ክሳብ ሕዚ ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ብኣወንታዊ መልክዕ ዝረአ ‘ዩ። እዚ ተጣናኺሩ ክቕፅል ህዝቢ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ብምዃን ዝከኣሎ ኩሉ ክሰርሕ ኣለዎ። ኮይኑ ግና ኣብ ትግራይ ብዙሓት ናይ ፀጥታ ፀገማት ኣለዉ ‘ዮም። ንኣብነት ብዙሓት ሰባት ብቐትሪ መዓልቲ ይዝረፉ ኣለዉ ‘ዮም። እዚ ክፍታሕ ኣይከኣለን። ስለዚ ብክልቲኦም ወገናት ዝቐርዩ ነገራት ኣለዉ ‘ዮም። እቶም ዝቐረዩ ድማ ብምትሕብባር ህዝብን መንግስትን ክስርሑ ኣለዎም። እዚ ናይ መንግስቲ ፌዴራል ጥራሕ ሓላፍነት ኣይኮነን። ኣብዚ ብፍላይ ኩሉ ትግራዋይ ክተሓባበር ኣለዎ።

ብውዕል መሰረት ናብ ባይታ ንምውራድ ፅቡቕ ይስራሕ እኳ እንተሃለወ ናይ ምድንጓይ ኩነታት ግና ኣሎ ‘ዩ። ክሳብ ሕዚ እቲ ስምምዕነት ልዕሊ ሰለስተ ወርሒ ኮይንዎ ኣሎ። ኣብ ሓደ ወርሒ ክፍፀም ዝግበኦ ዝነበረ ኣብ ክልተ ወርሒ ዝተፈፀመ ኣሎ። ካብኡ ንላዕሊ ዝኸደ ‘ውን ኣሎ ዩ፤ ምድንጓዩ ግቡእ ኣይኮነን። ክሳብ ሕዚ ዘይተጀመረ ‘ውን ኣሎ ‘ዩ። መንግስታዊ ስራሕቲ ኣይተጀመረን ዘሎ። ሰራሕተኛ መንግስቲ ናብ ስርሑ ክምለስ ኣይከኣለን። ትምህርቲ ክጅመር ኣለዎ። እዚ ክድንጕ ዝኸኣለ ድማ ብወገን ህወሓት ክስርሑ ዝግበኦም ብቕልጡፍ ብዘይምስረሖም ‘ዩ። ንኣብነት ስግግር መንግስቲ ገና ኣይተኻየደን ዘሎ። እዚ ክቓላጠፍ ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ። መንግስቲ ‘ውን በቲ ናይ ሰላም ውዕል መሰረት ክገብሮ ዝግበኦ ነገር ኣጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ዝተማልአ ዘላቂ ሰላም ንክህልዎ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ተሻለ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ምዕሩይ ፖለቲካዊ ብዘይ ምህላዉ ህዝቢ ትግራይ ሰላም ስኢኑ ናብ መከራን ፀገምን ተሳጢሑ ‘ዩ። ሕዚ ዝተማልአ ዘላቒ ሰላም ክህልዎ እንተኾይኑ ህዝቢ ትግራይ ተስፋ ዝገበረሎም ስምምዕነት ሰላም ብዝግባእ ክፍፀሙ ኣለዎም። ብፍላይ ህወሓት ይኹን መንግስቲ ፌዴራል ዝኣተውዎ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ጎኒ ህዝቦም ኮይኖም ክፍፅሙ ኣለዎም። ውዕላት ሰላም ክትግበሩ ማሕበረሰብ ዓለም እንተኾነ ‘ውን እጃሙ ክፃወት ኣለዎ። ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ዝነበሩ ኣካላት ነቲ ስምምዕነት ናብ ባይታ ኣብ ምውራድ ከቓላጥፉ ኣለዎም። ኣብ ምፍፃም እቲ ስምምዕነት ሰላም ክከታተሉ ኣለዎም። መን ብትኽክል ይፍፅም ኣሎ፤ ብትኽክል ዘይፍፅም ዘሎ ኸ መን ‘ዩ ኣብ ዝብል ክቖፃፀሩን ክከታተሉን ኣለዎም።

ብሓፈሻ ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ዝተኻተቱ ነጥቢታት ብቕልጡፍ ኣብ ምትግባር ህዝቢ ትግራይ፣ ዳያስፖራ ተጋሩ፣ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ዝላዕለ ሓላፍነት ስለ ዘለዎም እጃሞም ክፃወቱ ኣለዎም። ህዝቢ ትግራይ ዝተማለአ ዘላቒ ሰላም ክረክብ ዝኽእል ስግግር መንግስቲ እንተካይዱ ‘ዩ። እዚ እንተተፈፂሙ ንህዝቢ ትግራይ ዝተማለአ ሰላም ንምርካብ ይሕግዝ ‘ዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ዲሞክራሲያዊ፣ ፍትሓዊ፣ ኣሳታፊ፣ ግልፅን ነፃን ዝኾነ መረፃ ከካይድ ኣለዎ። በርግፅ እዚ ንዓመታት እናተሓላለኸ ዝመፀ ናይ ሰላም ፀገም ብሓደ ግዜ ምቕራፍ ከቢድ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ህዝቢ ብናፃናት ዝደለዮ ውድብ ክመርፅ ኣለዎ። ኣብዚ መንግስቲ ፌዴራል ናይ ኩሎም ፖለቲካዊ ውድባት ዓቕሚ ክጥቐም ኣለዎ። ፅዕንቶ ከሕድር ክኽእል ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ጥዑይ ምምሕዳር ብዘይምርካቡ ክሳብ ሕዚ ክኸፍሎ ዘይግባእ ዋጋ እናኸፈለ ‘ዩ ዘሎ። እዚ ክድገም የብሉን። ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ መሰሉ ንምርግጋፅ ነቒሑ ክቓለስ ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- ብዙሓት ግልጋሎታት ይምለሱ እኳ እንተሃለዉ ሕዚ ‘ውን ዝቐረዩ ነገራት ኣለዉ ‘ዮም፤ እዚኦም ብምልኡነት ንኽፍፀሙ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ?

ኣይተ ተሻለ፡- መንግስቲ ኣብ ምምላስ መሰረታዊ ግልጋሎታት ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቓስ ክሳብ ሕዚ ፅቡቕ ኣሎ። ከም መብራህቲ፣ ስልኪ፣ ባንኪ፣ መጎዓዝያ ኣየርን ካልኦት ግልጋሎታትን ኣብ ምጅማር ፅቡቕ ይኸዱ ኣለዉ ‘ዮም። መንግስቲ ነቲ ስምምዕነት ሰላም ንምፍፃም ዘተባብዕ ስራሕቲ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ብኣወንታዊ ዝረአ ‘ዩ። ብፍላይ ባንኪ ምጅማሩ ብዙሕ ፀገም ህዝቢ ክፍታሕ ክኢሉ ‘ዩ። ቕድሚ ሕዚ ህዝቢ ትግራይ ኣደዳ ኢ-ሕጋውያን ደላሎ ኮይኑ ነይሩ ‘ዩ። እዚ ሕዚ እናተቐረፈ ‘ዩ ዘሎ።

ትራንስፖርት ምጅማሩ ‘ውን ህዝቢ ተንቐሳቒሱ ስርሑ ንክሰርሕ ሓጊዝዎ ‘ዩ። እዚ ንተፈፃምነት ስምምዕነት ሰላም ዝሕግዝ ስለ ዝኾነ መንግስቲ በቲ ሒዝዎ ዘሎ መገዲ ክደፍአሉ ኣለዎ። ብወገን መራሕቲ ህወሓት ‘ውን ኣወንታዊ ስራሕቲ ክስርሑ ኣለዎም። ዕንቕፋት ክህሉ የብሉን። ብዝኣተውዎ ውዕል መሰረት ቖሪፆም ክሰርሑ ኣለዎም። መንግስቲ ምስ ህዝቢ ጀሚርዎ ዘሎ ርክብ ክደፍአሉ ኣለዎ። ህዝቢ ምሓዝ ኣድላይ ‘ዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ እንተሒዝካ ‘ዩ እቲ ስምምዕነት ሰላም ናብ ባይታ ክወርድ ዝኽእል። መሰረት ናይቲ ሰላም ‘ውን ህዝቢ ስለ ዝኾነ መንግስቲ ዝሐሰቦ ናይ ሰላም ኩነታት ንምስኻዕ ምስ ህዝቢ ዘለዎ ርክብ ከጣናኽር ኣለዎ።

ልዕሊ ኩሉ መንግስቲ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ፀገም ንምፍታሕ ዝኸኣሎ ኩሉ ክሰርሕ ኣለዎ። ፖለቲካዊ ስራሕቲ ‘ውን ጎኒ ንጎኒ ክስርሑ ኣለዎም። ፖለቲካዊ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ ክብል እንተለኹ ግና ሸፈጥ ምስራሕ ማለት ኣይኮነን። ንህዝቢ ትኽክለኛ ሓበሬታ ምሃብ፣ ዝጠቕሞን ዘይጠቕሞን ፖለቲካ ውድብ ፈልዩ ክርዳእ ምግባር’ዩ። ምኽንያቱ ተደናቢሩ ዘይጠቕሞ ፖለቲካ ከይኽተል እቲ ትኽክለኛን ዝጠቕሞን መገዲ ክሕዝ ኣብ ምግባር ናይ መንግስቲ ሓላፍነት ስለ ዝኾነ ኣብዚ ክስራሕ ኣለዎ። ብወገን መንግስቲ ዘለዋ ሚድያታት ናብ ሕብረተሰብ ቐሪበን ዝኸኣለኦ ኩሉ ክሕግዛ ኣለዎን።

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ በቲ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ስግግር መንግስቲ ንምጥያሽ እናተሰርሐ ‘ዩ ዝርከብ እዚ ንህዝቢ ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ?

ኣይተ ተሻለ፡- እዚ ስግግር መንግስቲ ኣካል እቲ ስምምዕ ሰላም ‘ዩ። ብምዃኑ ክትግበር ዘለዎ ጉዳይ ‘ዩ። ምኽንያቱ እዚ እንተዘይተገይሩ ህዝቢ ትግራይ እቲ ዝደልዮ ሰላም ክረክብ ኣይኽእል። ኮይኑ ግና ቕድሚ እዚ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ሰፊሕ ምይይጥ የድሊ ‘ዩ። ህወሓት ናይ ስግግር መንግስቲ እሰርሕ ኣለኹ እናበለ ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ፡፡ኮይኑ ግና እዚ ህወሓት በይኑ ክሰርሖ ኣይግበእን። ንግልፅነት መንግስቲ ፌዴራል ኢዱ ክአትወሉ ኣለዎ። ምኽንያቱ እዚ ናይ ህወሓት ሓላፍነት ጥራሕ ኣይኮነን። መጀመርያ ንኹሉ ፖለቲካዊ ውድብ ብምክታት ሰፊሕ ናይ ምዝርራብ መድረኽ ክካየድ ኣለዎ። ከምዚ እንተዘይኮይኑ ግልፅነት ስለ ዘይህልዎ ፀገም ክፍጠር ይኽእል ‘ዩ። ምትእምማን ኣይህሉን። ናይ ህዝቢ ሓላፍነት ሒዝካ ምዝርራብ ክህሉ ናይ ግድን ‘ዩ። ጥቕሚ ህዝቢ ዘቕድም ምይይጣት ክህልዉ ኣለዎም። ናይ ህዝቢ ፖለቲካዊ፣ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዘረጋግፅ ስግግር መንግስቲ ክህሉ መጀመርያ ናይ ምትእምማን ስራሕቲ ክስራሕ ኣለዎ።

ብሓፈሻ ኣብዚ ስግግር መንግስቲ ትግራይ፣ ተሳትፎ ፖለቲካዊ ውድባት፣ ሙሁራትን ዲያስፖራታትን ተጋሩ፣ ሲቪክ ማሕበራትን ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ትግራይ ብሰፊሑ ብማዕረ ተዛትይሉ ክኸውን ኣለዎ። ከምዚ እንተኾይኑ እቲ ስግግር መንግስቲ ኣብ ህዝቢ ቕቡልነት ክህልዎ ይኽእል ‘ዩ። ብህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎ ኣካል ናብ ስልጣን ክመፅእ እንተኾይኑ ገለልተኛ ኣካላት ክዕዘቡ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- ኣብ ቀፃላይ ካብ ሓደ ውድብ ፖለቲካዊ ሓይሊ ወፂኡ ብዝሃነት ሓሳብ ዘተኣናግድ ክልል ንምግባር ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ?

ኣይተ ተሻለ፡- ከም ዝፍለጥ ቕድሚ ሕዚ ብሓደ ዓብላላይነት ውድብ ‘ዩ ህዝቢ ትግራይ ይምራሕ ነይሩ። ዝተፈላለዩ ሓሳባት ፖለቲካዊ ውድባት ዘስተኣናግድ ስርዓት ኣይነበረን። በዚ ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ መማረፂ ፖለቲካዊ ሓይሊ ከይረኸበ ፀኒሑ ‘ዩ። እዚ ሕዚ ክድገም የብሉን። ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ሓሳብ ሒዙ ዝመፅእ ፖለቲካዊ ሓይሊ ክኽልከል የብሉን። ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ ዝነበሩ ኣካይዳታት ከይድገም መንግስቲ ፌዴራል፣ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ፣ ሲቪክ ማሕበራት፣ ሙሁራትን ዳያስፖራታትን ተጋሩ ሓላፍነነቶም ብግቡእ ክፃወቱ ኣለዎም። ኣብዚ ዝግበር ስግግር መንግስቲ እዚ ንኹሎም ፖለቲካዊ ውድባት ብማዕረ ዘሳተፈ ክኸውን ኣለዎ ዝብል ሓሳብን እምነትን ኣለኒ። ኣብዚ ህዝቢ ትግራይ ደስ ዝበሎ ፓርቲ ክመርፅ ክግበር ኣለዎ። ብፍላይ መንግስቲ ፌዴራል ኩሉ ፓርቲ ብማዕረ ተሳቲፍሉን ተዛትይሉን ስግግር መንግስቲ ክምስረት ጥጡዕ ባይታ ከማቻቹ ኣለዎ።

ካሊእ ህዝቢ ትግራይ ዝደሊ ሰላም ‘ዩ። ሰላም እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ ‘ዩ። ዝረብሖን ዘየርበሖን ውድብ ‘ውን ፈልዩ ይፈልጥ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ተበዲሉ ‘ዩ፤ ሕዚ ዳግማይ ከይብደል ክጠቕሞ ዝኽእል ውድብ ክመርፅ ኣለዎ። ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ስለ ዘሎ መንግስቲ ብቕልጡፍ ስግግር መንግስቲ ንኽካየድ ክሰርሕ ኣለዎ። ምኽንያቱ እናደንጎየ ኣብ ዝኸደሉ እዋን ህዝቢ ካሊእ ፀገም ‘ዩ ዘስተኣናግድ ዘሎ። ኣፈፃፅማ ብዝተደናጎየ ቑፅሪ ንሰላም ስግኣት ስለ ዝኾነ ብቕልጡፍ ክትግበር ኣለዎ። እዚ ብቕልጡፍ ኣብዝትግበር ኣብቲ ህዝቢ ዘሎ ፀገም ክቓለል ይኽእል ‘ዩ። ብፍላይ ምስ እዚ ተተሓሒዙ በጀት እንተተለቒቑ ስሩዕ ስራሕቲ ስለ ዝጅመር እቲ ፀገም እናተቓለለ ክኸይድ ይኽእል’ዩ። ክስርሑ ይኽእሉ ‘ዮም።

ወጋሕታ፡- ሓሳቦም ስለ ዘካፈሉና ኣዚና ነመስግን። ኣይተ ተሻለ፡- ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ንኽገልፅ ስለ ዝጋበዝኩምኒ የቕንየለይ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 16 ለካቲት 2015 ዓ.ም

Recommended For You