ተኽሊ እናተኸልና ሃገርና ክትፅብቕ ምግባር ስራሕ ኹላትና ከምዝኾነ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፡-ንመፃኢ ወለዶ ዝመቸወትን ፅብቕቲ ሃገርን ንምርካብ ሎሚ ተኽሊ ምትኻል ናይ ኹላትና ተግባር ክኸውን ከምዘለዎ ቐደማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ገሊፆም፡፡

ቐዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ሳልሳይ መርሃግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ኣብ ከተማ ደብረማርቆስ ሃገር በቀልን ፍራፍረ ተኽሊ ብምትኻል ከጀምሩ ኸለዉ ከምዝገለፅዎ ፤ብዙሕ ሰባት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገለፁ ቦታታት እናራኣዩ ኢትዮጵያ ንኽደና ዝብል እርግፀኛ ተዘይኾኑ’ውን እናተኸልና ክንኸድና ኢና፡፡

ሃገርና ተኽሊ እናተኸልና ሰሓቢት ምግባር ስራሕ ኹላትና እዩ ዝበሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ፣ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ተኽሊ ደጋጊምና ብምትኻል ንባዕልና ደስታን ንደቅና ዝፀበቐ ሃገር ክነረክብ ኣለና ኢሎም፡፡ ኣብቲ ክልል ሎሚ ኣብ ዝካየድ ሳልሳይ ሓምለዋይ ዓሻራ መርሃ ግብሪ 1ነጥቢ83 ቢልየን ተኽሊ ክትከል ከምዝኾነን ካብዚኣቶም 16ሚልየን ፍራፍረ ተኽልታት ከምዝኾኑ ተገሊፁ እዩ፡፡

ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ሓደ መዓልቲ ሓምለዋይ ዓሻራ መርሃ ግብሪ መላእ ናይቲ ክልል ብንቅሓት ብምስታፍ 247 ሚልየን ተኽልታት ከምዝተኸሉ ተፈሊጡ እዩ፡፡ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ብወገኖም ምህርቲ ንምዕባይ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ዓሻራ ዓብይ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ኢሎም፡፡

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ፤ቅድሚ ኺዚ ዝነበሩ ትውልዲ እዛ ሃገር ከምዘረከቡና ገሊፆም ፣ናይ ኸዚ ወለዶ ብዙሕ ነገር እዩ ዝምነ፤እንደልያ ኢትዮጵያ ንምግባር ሓምለዋይ ንኽደና ኢሎም፡፡ኣብ ናይ ሎሚ ክረምቲ ኣብቲ ክልል ሳልሳይ ዙር መርሃ ግብር ካብ ዝትከሉ ተኽልታት ኣውሊዕ፣ኣቮካዶ፣ቡናን ማንጎን…  ከምዝርከብዎም ተገሊፁ፡፡ኣድላይ መረፃ ቦታን ካርታን ተኽልን ምድላው ከምዝተገበረን ንጎረቤት ሃገራት ዝዋሃቡ ተኽልታት’ውን ከምዝተዳለዉ ተገሊፁ እዩ፡፡

እቲ ክልል ብዘፅንዖ ፅንዓት ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ዓመታት ዝተተኸሉ ተኽሊ ዝፀደቑ ልዕሊ 87ሚኢታዊ ከምዝኾነ ፣ኣብ 2011ዓ.ም ኣብቲ ክልል ዝተጀመረ ሓምለዋይ ዓሻራ መርሃ ግብሪ ኣብ 2012 ዓ.ም ልዕሊ ሰለስተ ቢልየን ተኽሊ ከምዝተተኸሉ ተገሊፁ እዩ፡፡

ተኽሊ ምትካል ኣባይን ካልኦት ሩባታትን ፍሰት ማይ ንክውስኽ ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ተሓበሩ፤ብብርኪ ሃገርለኸ ብቐዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ‹‹ኢትዮጵያ ንኽደና››ብዝብል መርሕ ቃል ሳልሳይ ሃገርለኸ ሓምለዋይ ዓሻራ መርሃግብሪ ሽድሽተ ነጥቢ ኽልተ ቢልየን ተኽልታት ከምዝትከሉ ኣብ ቐረባ ዕላዊ ከምዝኾነ ዝፍለጥ እዩ፡፡

ኣብ መጀመሪ እቲ መርሃ ግብሪ ምክትል ቐዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ኣይተ ደመቀ መኮንን፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር፤ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮምያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞን ሓዊሱ ላዕለዎት ፌደራልን ክልልን ባዓል ስልጣናት ተረኺቦም እዮም፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You