‹‹ሓረስታይ ሓሪሱ ብምምራት ዝበፅሐ ጉድኣት ንከካሓሕስን ካብ ረድኤት ንክወፅእ ተሓሲቡ እናተሰርሐ እዩ›› ኣይተ ብርሃነ ኣርኣያ

መቐለ፡- ሓረስታይ ሓሪሱ ብምምራት ዝበፅሐ ጉድኣት ንከካሓሕስን ካብ ረድኤት ንክወፅእ ተሓሲቡ እናተሰርሐ ከምዝኾ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ኣይተ ብርሃነ ኣርኣያ ገሊፆም፡፡ኣብ ምህርቲ ዘመን ሓደ ነጥቢ ሓደ ሚልየን ሓረስቶት ኣብ ግብርና ንምስታፍ ዝተድሓዘ ትልሚ ንምስኻዕ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ንክሳተፉ ሓቲቶም እዮም፡፡

 ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ስጉምቲ ምኽባር ሕጊ ምንቅስቓሳት ሕርሻ ኣመልኪቶም ከምዝተዛረብዎ፤እዚ ስጉምቲ ስዒቡ 80 ሚኢታዊ ዕንወት ዝበፅሐ ኣብ ግብርና እዩ፡፡እዚ ድማ ኣብ ገጠር ዝነበሩ ሰባት ንፀገም ንኽቃልዑ እናገበሮም እንትኾን እዚ ቢሮ ካብዚ ፀገም ንምልቃቕ ሓረስታይ ሕርሽኡ ብምስራሕ ንከምርትን ዝበፅሐ ጉድኣት ንምክሕሓስን ካብ ሓገዝ ንክወፅእ ዘኽእሉ ስራሕቲ እናሰርሐ ይርከብ፡፡

ከም ኣይተ ብርሃነ ገለፃ ፣እቲ ቢሮ ዝተፈጠረ ፀገም ንምቅላል ናብ ዝነበሮ ንምምላስ ንከኽእሎ መጀመርያ ክንደይ ዝኣክል ጉድኣት ከምዝበፅሐ መፅናዕቲ ገይሩ እዩ፡ ፡እቲ መፅናዕቲ ጉጅለ ከምዝገለፆ ኣብ ገጠራማ ኸባቢ ልዑል ዕንወት ከምዝበፅሐን ኣብ ነበርቲ ‘ውን ፀገም ከምዘለወን ኣፍሊጡ እዩ፡፡እቲ ቢሮ ህፁፅ ሓገዝ ትልሚ ብምውፃእ ንዝምልከቶም ኣካላት ፌደራል መንግስትን ሓገዝ ንዝህቡ ትካላትን ክበፅሕ ገይሩ እዩ፡፡እዚ ግብርና ናብ ዝነበሮ ንክምለስ ብር 102 ቢልየን ከምዘድሊ ኣንፈት ተቐሚጡ እዩ፡፡

ንኣብነት 492ሽሕ ኩንታል ዘርኢ ፣800ሽሕ ኩንታል ማዳበርያ ከምኡ’ውን ኽልተ ነጥቢ ኽልተ ሚሊዮን ናይ ሕርሻ ብዕራይ የድልዩ እዮም ተባሂሉ ትልሚ ተዳሒዙ እዩ፡፡ክሳብ ኸዚ ካብ ወደብ ክመፅእ ካብ ዝነበሮ 800ሽሕ ኩንታል ማዳበርያ 300ሽሕ ኩንታል ዝበፅሐ እንትኸውን ፣ቅድም ኢሉ ምስዝነበረ 214ሽሕ ኩንታል ተደሚሩ 514 ሽሕ ኩንታል ናብ ወረዳታት እናከፋፈልና እንትንኸውን ፤ክሳብ ኸዚ 210 ሽሕ 795 ኩንታል ንሓረስቶት በፂሑ እዩ፡፡

ብተመሳሳሊ ካብ ዝተሓሰበ 492 ሽሕ ኩንታል ቃል ዝተኣተወን ኣብ መኽዘን ዘሎን 97ሽሕ 246ኩንታል ዝፅጋዕ እንትኸውን ፤66ሽሕ 387ኩንታል ተገዚኡ መቐለ መኻዚኖ ዝኣተወ እንትኸውን ካብዚ ውሽጢ 10ሽሕ 644ኩንታል ዘርኢ ናብ 20 ዝኾኑ ወረዳታት ተባፂሑ እዩ፡፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ኣብቲ ክልል ኣብ ኹሉ ወረዳ ንሕርሻን ዘርእን ዝኾን ዝናብ እናዘነበ እንትኾን ፣ኣብ ሓሙሽተ ዞባታት ሓረስታይ ብዝቐረበሉ ዘርእን ማዳበርያን ተጠቒሙ እናሓረሰን ከም ዒልቦ፣ማሽላ ፤ዳጉሻ ጣፍን ስገም ዝኣመሰሉ እናዘርአ ይርከብ፡፡ብዛዕባ ዞባ ምዕራብ ግና ሓበሬታ የብልናል ኢሎም፡፡

እዚ ከይዲ ብዙሓት ዕንቅፋት እናበፀሖ እዩ፤ናብ ማሕረስ ክኸይድ ከሎ ብዕራይ ንክፈትሕን ናውቲ ሕርሻ እናተሰበሮ እንተኾነ’ውን፤ ናውቲ ናብቲ ወረዳ ኣብ ዝጓዓዘሉ እዋን ዝገጥም ኩነታት ፀጥታ ምስ ሕፅረት በጀት ተደሚሩን ሓገዝ ውሃብቲ ትካላት ድማ ግዝያዊ ሓገዝ እንበር ዘላቒ ስለዘይኾነ እቲ ከይዲ እናተፈታተንዎ እዮም፡፡ነዚ እቲ ሓደ መርኣያ ዝኾነ ድማ ካብ ዝተሓሰበ ብር 102ቢልየን ብር 600 ሚልየን ጥራሕ ከምዝተረኸበ እዩ፡፡ብዙሕ ህዝቢ ካብ መረበቱ ተሰዲዱን ርሒቁን ስለዘሎ ዝተድሓዘ ትልሚ ዕንቅፋት ክኾን ከምዝኽእል ይእመን እዩ፡፡

እቲ ሓረስታይ ብሓገዝ ክነብር ስለዘይደሊ ናይ ምሕራስ ልዑል ድልየት ዘለዎ እንትኾን ለይቲ ‘ውን እናሓረሰ ብኣመ እናቆፈረ እናዘርአ ይርከብ፡፡ብምዃኑ ዝተመዛበሉ ክፋል ሕብረትሰብ ናብ ዝነበርዎ ንክምለሱን ኣብ ግብርና ስራሕ ዕንቅፋት እናፈጠሩ ዘለዉ ጉዳያት ንክፍትሑ ብምግባር ምስ ዝምልከቶም ኣካላት እቲ ቢሮ እናሰርሐ ይርከብ፡፡ፌደራል መንግስቲ ሓዊሱ ዝመልከቶም ኣካላት እዚ ብምሕሳብ ንክሰርሑን ሓረስታይ ብዝተማለአ መልክዑ ናብ ስራሕቲ ግብርና ንክኣቱ ክገብሩ ኣለዎም ኢሎም ክብል ወንደወሰን ሽመልሽ ካብ መቐለ ፀብፂቡ፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You