- ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ 24 ፕሮጀክታት መንገዲ ኣመሪቑ
ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ 2013ዓ.ም በጀት ዓመት አብ ኣዲስ ኣበባ 2ሽሕ60 ፕሮጀክት ከምዝተዛዘሙ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን፡፡
እተን ከንቲባ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈላለዩ ክፍለ ከተማታት ዝተሃነፁ 24 መንገድታት ኣብ ምርቃት ስነ ስርዓት ከምዝገለፅኦ ፣ብዘይ ፃዕሪ ውፅኢት ክመፅእ ኣይኽእልን፤እቲ ምምሕዳር ነቶም ፕሮጀክትታት ኣፈፃጽማ ብዝሃቦ ልዑል ትኹረት 2ሽሕ60 ፕሮጀክት ንክዛዘሙ ተኻኢሉ እዩ፡፡ ኣብዚ በጀት ዓመት ንምምሕዳር ከተማ ካብ ዝተመደበ ብር 61 ቢልየን 33ሚልየን ንካፒታል ውዒሉ እዩ፡፡እቶም ፕሮጀክት ኣብ ሓፂር እዋን ምዝዛሞም ካብ ሙስና ዝፀረየ ስራሕ ከምዝኾነ የሪኤና ኢለን፡፡
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ምምራቕ ዘለዉ ብዙሓት ፕሮጀክትታት ጉዕዞ ብልፅግና ኢትዮጵያ መርኣያ እዮም ዝበላ ወይዘሮ ኣዳነች ፣ፕሮጀክት መንገዲ ፍሰት ትራፊክ ካብ ምፍጣን ብተወሳኺ ንከተማ ዕብየት ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ገሊፀን፡፡ካልኦት ፕሮጀክትታት ህንፀት ኣብ ዝተድሓዘሎም እዋን እናተዛዛሙ ንግልጋሎት ከምዝውዕሉ ኣረጋጊፀን እየን፡፡
መንገዲ ፕሮጀክት ብቕልጡፍ ንክዛዘሙ ብወሰን ምኽባር ምትሕብባር ዝገብሩ ነበርቲ ፣ዋና ስራሕ ኣካያዲ ብዓል መዚ መንገዲ ኣዲስ ኣበባ ኢንጅነር ሞገስ ጥበቡ ብወገኖም፣ ልዕሊ ብር ኽልተ ቢልየን ወፃኢ ዝተገበረሎም ብጠቕላላ 37ነጥቢ 6ኪሎ ሜትር ንውሓትን ካብ 10 ክሳብ 40 ሜትር ስፍሓት ዘለዎም 24 ህንፀት ፕሮጀክት መንገዲ ተዛዚሙ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ንምርቃት ከምዝዋዓሉ ገሊፆም እዮም፡፡
ዓሰርተ ሸሞንተ ፕሮጀክታት ህንፀት መንገዲ ብ ብዓል መዚ መንገዲ ኣዲስ ኣበባ ዝተሰርሑ ከምዝኾኑ ኣፍሊጦም እዮም፡፡ምስራሕ መንገዲ ፍሰት ትራፊክ ካብ ምስላጥ ብዝሓለፈ ማሕበራዊ ርክባት ዘቃላጥፍ እዩ ዝበሉ ኣይተ ሞገስ ፣ብፍላይ ዝተፈላላዩ ማሕበረሰባት ምህርቶም ብእዋኑ ተበፃሒ ንምግባር ህንፀት መንገዲ ተሰሪሑ ንግልጋሎት ክፍቲ ምዃኑ ዓብይ ጥቕሚ ኣለዎ፡፡እቶም ፕሮጀክት 24 ኣስፓልት መንገዲ እንትኾኑ ብድምሩ 37ነጥቢ 6ኪሎ ሜትር ንውሓት ኣለዎም፡፡ ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምርቃት ፕሮጀክት ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ሰራሕ መንግስቲ ተረኺቦም እዮም፡፡
መሰረት ገ/ዮሃንስ
ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም