‹‹ናይ ሩሑቕን ናይ ቐረባን ታሪኽ ምንጭ ብምዃን እናገልገለ ዝርከብ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ባዕሉ ዓሻራ እዩ›› ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፡- ናይ ብዙሕ ዜናታት ኸምኡ’ውን ናይ ሩሑቕን ቐረባን ታሪኽ ምንጭ ብምዃን እናገልገለ ዝርከብ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ባዕሉ ዓሻራ (ሓድጊ) ምዃኑ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ አፍሊጦም፡፡ እቲ ትካል ካብ 24 መጋቢት 2010 ዓ.ም ጀሚሩ እስካብ 14 መጋቢት 2013 ዓ.ም ዘለዉ ናይ ቐዳማይ ሚኒስትር መደረታት “ዐሻራ “ ዝተሰመየ መፅሓፍ ብምሕታም ነኣንበብቲ ኣቕሪቡ እዩ፡፡

ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣብ ናይ 80 ዓመት ኽብረ በዓል አዲስ ዘመን ኸምኡ’ውን ኣፍቲ ምረቓ መፅሓፍ ተረኺቦም ብዝገበርዎ መደረ፤ ዓሻራ ምንባር ዓብዪ ስራሕ ይደሊ እዩ፤ እንተዘይሰሪሕና ዓሻራ ኽነዕርፍ ኣይንኽእልን፡፡ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ጠንኪሩ ብምስርሑ ክሳብ እዛ ናይ ሎምዓንቲ ዕለት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዓብዪ ዓሻራ እናስፈረ ፀኒሑ እዩ፡፡ ሕዚ’ውን እጃሙ እናወፈየ ስለዝርከብ እቲ ትካል ባዕሉ ዓሻራ እዩ፡፡

 ኹሉ ሰብ ናይ ባዕሉ ሓሳብ ኣለዎ፤ ነቲ ሓሳቡ ድማ ብተፈላለየ መገዲ ናብ ሰባት የብፅሕ፣ እዚ ድማ ነቲ ዝተርፍ አካል ዓሻራ ኾይኑ ከምዝተርፍ ዘመልከቱ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር፤ እቲ ትካል ናተይ ጥራይ ዘይኾነስ ካባይ ዝሓሹ ንኢትዮጵያ ብዙሕ ክሰርሑ ዝኽእሉ ሰባት መደረ ሃገር ክቕይር ዝኽእል ብምዃኑ ብተመሳሳሊ ሰነድ ተገይሩ ናይ ታሪኽ ብዓል ውዕለታነቱ እናተረጋገፀ ክቕፅል ኸምዘለዎ ኣመልኪቶም፡፡ ብኸምዚ መንገዲ ምስራሕ ትውልዲ ንምህናፅን ፅባሕ ንንሃስባ ሃገር ንምስራሕ ዓብዪ መሰረት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብዙሓት ሰባት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዘሕለፍናዮም ፀገማት ኸም ዓብዪ ነገር ወሲዶም የማርሩ እዮም ዝበሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ እቶም ፀገማት ከምዘለዉ ዝካሓድ አይኮነን፤ ኮይኑ ግና ብኣንፃራዊነት ሰላም ኾይና ካብ ዘሕለፍናዮም ዝሓለፉ 10 ዓመታት ክነነፃፅሮ ኸለና፤ ብፀገም ውሽጢ እናሓለፍካ ኸመይ ጌርካ ሃገር ንቕድሚት ክተሳግራ ኸምትኽእል ዝራእናሉ ግዜ ኸምዝኾነ ክርሳዕ የብሉን ኢሎም እዮም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኹሎም ኸባቢታት ሃገርና ኣብ ዝለዓለ ስቓይን መከራን ዋላ እንተኣተና ናይ ሎሚ 7 ተን 8 ዓመት ተጀሚሮም ክጠናቐቑ እናተገበኦም፤ ዘይተዛዘሙ ናይ ሽኮር ፕሮጀክትታት ንምዝዛም ዓብዪ ስራሕ ሰሪሕና ካብ 10ቲኡ 7ቲኡ ብብር 92 ቢሊዮን ክንዛዝሞም ኺኢልና ኢና ኢሎም፡፡ ኣብ ኣግሮ ኢንዱስትሪን ኢንዱስትሪ ፓርክ’ውን ዝተጀመረ’ምበር ዝተዛዘመ ስራሕ ኣይነበረን ብኡ ወገን’ውን ዘምፃናዮ ለውጢ ዓብዪ ምዃኑ ኣመልኪቶም፡፡

ኣብዚ ኸዚ ሰዓት ብዙሓት ሰባት ንዚ ሽቶ እዚ ምርዳእ ዝኣበዮም ዓይኖምን ልቦምን ብምዕማቶም እዩ ዝበሉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ፣እዚ ድማ ንሃገርና ዘሳግር ብዘይምኻኑ ዓይንን ልብን ምኽፋት ዝተሰርሐ ምድናቕ ጉድለት እንትህሉ ኸሎ ድማ ብኣግባቡ ምሕታት ኸምዝግባእ ጠቑሞም፡፡ ናይ ኢትዮጵያ ሰላምን ብልፅግናን ዘይተርፍ ዝረጋገፅ እዩ ዝበሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ፣ ኾይኑ ግና ኹላህና ኣቐዲምና ኣፍቲ ወለዶ ክንሰርሖ ዝግባእ ክንሰርሕ ኽንኽእል ኣለና ኽብሉ ኣፍሊጦም፡፡

ፅቡቕ ትሰርሑ ናይ መንግስቲ ናይ ስራሕ ሓለፍቲ ብስራሕኹም ክትዕበዩ ወይ ከዓ ዝሰራሕኩሞ ምዝራብ ዘይኾነስ ንዝለዓለ ሽቶን ንዕቤት ሃገር ልዑል ፃዕሪ ኽትገብሩ ትፅቢት ይግበር ኢሎም እዮም፡፡ ዋና ስራሕ ፈፃሚ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ኣይተ ጌትነት ታደሰ ብወገኖም፣ 2010 ዓ.ም ኣብ ሃገርና ብታሪኽ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መገዲ ዴሞክራሲያዊ ዝኾነ ናይ ስልጣን ስግግር ዝተረአየሉ ጊዜ እዩ፡፡ ምስዚ ጎኒ ንጎኒ 24 መጋቢት 2010ዓ.ም ብታሪኽ ሃገርና ዓብዪ ቦታ ዝወሃቦ መደረ ብቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኸምተገብረ ኣመልኪቶም፡፡

ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ “ ዕለታዊ ዜና እናሰራሕና ታሪኽ ኽንስንድ ኢና“ ዝብል መሪሕ ቃል ሒዝና እናሰራሕና ንርከብ፡፡ ብምዃኑ ካብ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ እስካብ ኸዚ ዘለዉ እቶም ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ዘስምዕዎም መደረታት ብታሪኽ ድርሳን መልክዕ “ዓሻራ“ ኢልና ንምሕታም በቒዕና ኣለና፡፡ እቲ ኸይዲ ኣዝዩ አድኻሚ እንተኾነ’ውን ዓብዪ ውፅኢት ዝተርኣየሉ ኸምዝኾነ ኣፍሊጦም፡፡

እቲ ትካል 80 ዓመት ናይ ልደት በዓሉ እንተኽብር እንከሎ ቑፅሪ ጥራይ ዘይኾነስ ካብዞም ቕደሚ ኸዚ ዘሐትሞም ብተወሳኺ ብቋንቋ ትግርኛ ጋዜጣ ወጋሕታ፣ብቋንቋ ሲዳምኛ ጋዜጣ ባካልቾ ወሲኹ እዩ፡ ፡ ብመፅሓፍ ደረጃ’ውን ቕድሚ ኸዚ ምስ ቤት ፅሕፈት ቐዳማይ ሚኒስትር ዝተሓተመ ኸምዘሎ ኾይኑ ናይ መንግስቲ መረዳእታ ዝሓዘ ዳይሬክቶሬት መፅሓፍ’ውን ምሕታም ኽኢሉ እዩ፡፡ ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ’ውን ናይ 80 ኛ ዓመት በዓሉ እናኽበረ መፅሓፍ “ዓሻራ” ንምሕታምን ንምምራቕን በቒኡ እዩ፡፡ በዚ’ውን ሕጉሳት ኢና ኢሎም ፡፡

ኣፍቲ ምረቓ ስነስርዓት በዓል ቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ሓዊሱ ናይ ፌዴሪኢ ሰራዊት ምክልኻል ኢታማዦር ሹም ጀነራል ብርሃኑ ጁላ ፤ ናይ ኽልል ርዕሰ መስተዳድራት፤ ናይ አዲስ አበባ ኸተማ ምኽትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፤ ተፈለጥቲ ሰባት ፤ ዝተፈላለዩ ምሁራን ናይት ትካል ናይ ስራሕ ሓለፍቲ ኸምኡ’ውን ሰራሕተኛታትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም እዮም፡፡

ኣኽበረት ታደለ

 ወጋሕታ 3 ሰነ 2013 ዓ.ም

Recommended For You