‹‹መንእሰይ ትግራይ ሓታታይ ክኾን ይግባእ››- ኣይተ ናትናኤል ኣስመላሽ

መንእሰይ ናትናኤል ኣስመላሽ ኣብ ዝሓለፈ ኸልተ ዓመታት ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ተፈጢሩ ዝነበረ ጎንፂ ኣንፃር ህወሓት ጠጠው ብምባል ዓብይ ተሳትፎ ገይሩ’ዩ፡፡ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ምንቃሕ ትኹረት ብምግባር ኣብ ሶሻል ሚድያ እንትነጥፍ ዝፀንሐ መንእሰይ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብትኽክለኛ መራሕቲ ኣይኮነን ዝምራሕ ዘሎ ብዝብል እዚ ኹነታት ድማ ክቕየር ከምዘለዎ ሓሳቡ ብነፃነት እናገለፀ ዝፀንሐ ‘ዩ፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ትግራይ ናይቲ መንእሰይ ከምዝኾነትን መንእሰይ ትግራይ ሓላፍነት ተቐቢሉ ንህዝቢ ትግራይ ዝድብሰሉ እዋን ኸዚ ‘ዩ ይብል፡፡ ምስ ኣይተ ናትናኤል ኣስመላሽ ዝገበርናዮ ቃለ መሕተትን ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝቕፅል ኣቕሪብናልኩም ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ

ወጋሕታ፡- እቲ ስምምዕነት ሰላም ዘለካ ርኢቶ እንታይ ይመስል ፣ እዚ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ መንግስቲ ፌዴራል ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዘለካ ርኢቶ እንታይ ይመስል ? ኣይተ ናትናኤል፡- ብናተይ ኣተሓሳስባ እቲ ስምምዕነት ንህዝቢ ትግራይ ተሓሲቡ ዝተገበረ እንተትኾን ነይሩ ቅድሚ ኸዚ ኣብ ዝነበሩ ናይ ሰላም ዕድላት እቲ ስምምዕነት ምተፈፀመ ነይሩ ፤ካብ ዓቕሚ ንላዕሊ ምስኾነ ‘ዩ ናብ ሰላም ንክመፅእ ዝተገበረ። ብናተይ ኣተሓሳስባ ንህዝቢ ትግራይ ተባሂሉ ዝተፈረመ ምምዕነት ዘሎ ኣይመስልንን፡፡ ንህዝቢ ትግራይ እንተትሕሰብ ነይሩ ካብ መጀመሪኡ እቲ ኹናት ኣይተጀመርን፡፡ ዝኾነ ኾይኑ ኣብዚ ሰዓት እዚ ሰላም መፂኡ መንግስቲ ፌደራል ‘ውን ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ግልጋሎት ንክጅመር ፃዕሪ እናተበረ ‘ዩ፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ንህዝቢ ዓብይ ፀገም ኾይኑ ዘሎ ሲስተም ባንኪ ‘ዩ፣እዚ ድማ ህወሓት ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ገንዘብ ሕፅረት ምቕራፍ ብቅዓት ኣለዎም፡፡ ምኸንያቱ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመታት ናብ ትግራይ ዝላኣኽ ዝነበረ ገንዘብ ኣርባዓ ስልሳ ሚኢታዊ እናተቖረፀ ኣብ ኢድ ዉሑዳት ዝዘዋወር ዝነበረ ገንዘብ ነይሩ ‘ዩ፡፡ ስለዚ ፌደራል መንግስቲ እቲ መሰረታዊ ግልጋሎት ኸፊቱ ሕፅረት ገንዘብ ንምቕራፍ ህወሓት እቶም ነጋዶ ንህዘቢ ትግራይ ሰንሰን ዘብልዎ ዘለዉ ብሰንኪ እዚ ኹናት እዚ ተጠቐምቲ ዝነበሩ ብምግዳድ እቲ ኣብ ገዘኦም ሒዘምዎ ዘለዉ ቅርሺ ናብ ባንኪ ንከእትዉን ስራሕቲ ብንቡር ክስርሑ ፣ እቲ ህዝቢ ‘ውን ኣብ ባንኪ ዘለዎ ገንዘብ ንከውፅእ ይካኣል ነይሩ ‘ዩ ፤ እዚ እንድሕር ዘይኾይኑ እቲ መሪሕነት ንባዕሉ ካብዚ ተጠቃሚ ከምዝኾነ ‘ዩ ዘሪአና፡፡ ፌደራል መንግስቲ ክሳብ ኸዚ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ግቡእ ‘ዩ፤ህወሓት ድማ ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ክወስድ እናኻኣለ እናግበሮ ኣይኮንን፡፡ ብሓፈሻ ግና ፌደራል መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ተግባራት ዝናኣድ ‘ዩ ፣ ህዝቢ ንኽልተ ዓመት ተፈላልዩ እናሃለወ ክሳብ ሽረ ንክራኸብ ስለዝገበረ በዚ ኣጋጣሚ ክምስገን ኣለዎ ይብል ፡፡

ወጋሕታ፡- ትግራይ ናብ ዝነበረቶ ንምምላስ ብፍላይ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ንግደስ ኢና ዝብሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝርከቡ ተጋሩ ብምንታይ መገዲ ‘ዮም ተሳትፈኦም ከሪኡ ዘለዎም ትብል? ኣይተ ናትናኤል፡– እንትጅመር ትግራይ ማለት ህዝቢ ትግራይ ማለት ‘ዩ፡፡ ስለዚ እቲ ናይ መጀመርያ ስጉምቲ ትግራዋይ ምስ ውድብ እንተይኾነስ ምስ ህዝቢ ‘ዩ ክውግን ዘለዎ፡፡ ኣብዝሓ ትግራዋይ ምስ ህወሓት እናጣቀዐ ‘ምበር ምስ ህዝቡ ኾይኑ ዘጣቅዕ ዝነበረ ዉሑድ ‘ዩ፡፡ እቲ ናይ መጀመርያ ክወስድዎ ዝግባእ ስጉምቲ ዉድብና ካብ ምባል ህዝብና ምባል ክኽእሉ ኣለዎም፡፡ ዉድብ ማለት ግዝያዊ ‘ዩ ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ እናተደራደረ ‘ዩ፡፡ ግና ቅድሚ እዚ ድርድር ብዙሓት መንእሰያት ረጊፎም ‘ዮም፡፡ ስለዚ ኣብ ወፃኢ ይኹን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ዘሎ ትግራዋይ ምስ ህዝቡ ክውግን ኣለዎ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ንምንታይ ‘ዩ ናብዚ ኣትዩ፣ ህዝቢ ትግራይ ንምንታይ ‘ዩ ኣርባዓን ሽውዓተን ዓመት ልዕሊ ዓሰርተ ዝኾን ውግእ ኣብ ትግራይ ተኻይዱ፣ መንእሰይ ትግራይ መስዋእትነት እንትኸፈል ከሎ ንምንታይ ‘ዩ ኢሉ ክሓትት ኣለዎ፡፡ህዝቢ ትግራይ ምስ ካልኦት ህዝብታት ብሰላም ክነብር ዘይኻኣለ ኢሉ ባዕሉ መርሚሩ ምስ ህዝቢ ወጊኑ ‘ዩ ክቃለስ ዘለዎ፡፡ ማንም ፖለቲከኛ ቐዳምነት ክህብ ዘለዎ ንህዝቢ ‘ዩ፡፡ መጀመርያ ህዝቢ ድሕንነት ክረጋገፅ ኣለዎ፡፡ ብፍላይ ድማ እዚ ወለዶ እዚ ትግራይ ብኣይ’ያ እትምራሕ ኢሉ ብሰላማዊ መገዲ ተቓሊሱ ስልጣን ክጭብጥ ክኽእል ኣዎ፡፡ ናይ ዝፀንሐ ኣተሓሳሰባ ዘለዎም ፖለቲከኛታት ትግራይ እትምራሕ እንድሕር ደኣ ፈቒዱ እዚ ወለዶ እዛ ኸዚ እንሪኣ ዘለና ትግራይ ድሕሪ ዒስራ ዓመት ‘ውን ክንሪኣ ኢና፡፡

ወጋሕታ ፡- ካብ ፌደራል መንግስቲ ኾነ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ዝላኣኹ ሓገዛት ብትኽክል ኣብ ኢድ ህዝቢ ንክበፅሕ ብምንታይ መገዲ ክሰራሕ ኣለዎ ትብል ? ኣይተ ናትናኤል ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን መቐለ ጥራሕ እንተዘይኾኑ ህወሓት ዘመሓድሮ ትግራይ የለን፡፡ ቅድሚ ኸዚ ዝባሃል ከምዝነበረ ሓገዛት ናብ ኢድ ህዝቢ ኣይበፅሕን ንዝብል ብምኽንያት እዚ ኹናት እዚ ዝሓመም ፀገም ዝገጠሞ ኣብ ምሕጋዝ ዘለዉ ኣካላትን እቶም እነማሓድር ኢና ዝብሉ ዘለዉ ኣካላት ‘ዩ ዝመልከቶም ፡፡ ኣብ መቐለ ካብ ፌደራል መንግስቲ ዝተልኣኸ እኹል መድሓኒት ኣበይ ኣትዩ ይሽየጥ ከምዝነበረ እናሰማዕና ነይርና ኢና፡፡ ሆስፒታል ዓይደር ኣብ መቐለ ብሕታዊ ግልጋሎት ዝህብ ዘሎ ሆስፒታል ‘ዩ፡፡ ግና መድሓኒት ብኽባር እናገዝአ ንክጥቀም ‘ዩ እናገደደ ነይሩ፡፡ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ረድኤት ብካድረታትን ካልኦት ዘይተኣመንቲን ኢድ ኣትዩ ገንዘብ ዝእክብሉ ግዘ ‘ዩ፡፡ ኣብ ቀረባ ኣብ ትግራይ በፂሖም ዝመፁ ኣካላት ከምዝተዘራብዎ ድማ ንህዝቢ ኢሉ ዝኸይድ ሓገዝ ኣብ ማእኸል መቐለ እናተሸጠ ከምዝኾነ ተዛሪቦም ‘ዮም፡፡

 ኸዚ ‘ውን እናበፅሐ ኣይኮነን፡፡ ናብ ኢድ ህዝቢ ንክበፅሕ ብምንታይ መገዲ ክኾን ኣለዎ ንዝብል እቲ መንእሰይ ኣብ ትግራይ ኮፍ ኢሉ ኸዚ ‘ውን ግፍዕታት ኣብ ህዝቢ ኣብ ትግራይ እንትበፅሕ ኮፍ ኢሉ ይርእይን ይሰምዕን ኣሎ፡፡ ስለዚ ነዚ ኣካይዳ እዚ ክቃለስ ይግባእ ፣ ኣይኾንን እንድሕር ኢሉ ህዝብና ክዕንገል እዩ ፣ እቲ ፀገም ክቕረፍ ‘ዩ ፡፡ ፌደራል መንግስቲ ብዘለዎ ዓቕሚ ናይ ምቕራብ ግዴታ ‘ዩ ዘለዎ ‘ምበር እታ ከተማ ዘማሓደራ ዘሎ ኣካል ኣብቲ ህዝቢ ከመይ ኢሉ ክበፅሕ ናይ ባዕሉ ስራሕ ‘ዩ ዝኾን፡፡ ኣብዚ ሐዚ እዋን መቐለ ሕጊ ዘይሰፈነላ ከተማ ኾይና ኣላ ፣ ስለዚ ኣብ ትግራይ መጀመርያ ስርዓት ዘኽብር ንህዝቡ ዝሓሊ መንግስቲ እንድሕር ዘየለ ኣብ ቀፃሊ ‘ውን ከምዚ ‘ዩ ዝቕፅል፡፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ምትኳስን ምግዳልን ዘይፈርሕ መንእሰይ ኣብዚ ሕጊ ናይ ምኸባር ሰላማውን ፖለቲካወዊ ቓልሲ ‘ውን ጅግንነቱ ከርኢ ኣለዎ፡፡ ህዝቢ እናተጎሳቖለ መከራ እናረአየ ሱቕ ኢልካ ምርኣይ ሐዚ ‘ውን ዋጋ ከኽፍለና ‘ዩ፡፡ ስለዚ ሓገዛት ብትኽክል ኣብ ኢድ ህዝቢ ንክበፅሕ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢድ ኣብቲ ቦታ ዘሎ መንእሰይን ምምሕዳርን ‘ዩ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብ ትግራይ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ፣ ተስፋን ሓዱሽ ራእይን ንክመፅእ መንእሰይ ዓብይ ግደ ከምዘለዎ ዝፍለጥ ‘ዩ፣ ግና ኣብዚ ኸዚ እዋን ኣብ ትግራይ እዚ ሓዱሽ ነገር ንክመፅእ ብዙሕ ዕንቅፋት ዝኾኑ እንትፍጠሩ እናተርኣየ ‘ዩ፣ እዚኦም ዕንቅፋት እቲ መንእሰይ ብምንታይ መገዲ ክስተኻኽሎም ኣለዎ ኢልካ ትሓስብ ? ኣይተ ናትናኤል፡- መጀመርያ ፀላኢኻ ምፍላጥ ‘ዩ፡፡ መብዛሕትኡ መንእሰይ ትግራይ ብዘይምጥያቑ ፀገም ፈጢሩ ‘ዩ፡፡ መጀመርያ ከም ተጋሩ እዚ ክነውግድ ኣለና፡፡ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ኣካል ከይተሰማዕማዕኻ ካልእ ኣካል ፀላኢ ምግባር ኹሉ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ናይ ባዕልና ፀገማ ከየፅረና ንማዕዶ ምጥማት ጠጠው ክነብል ኣለና፡፡

መጀመርያ ብምኽንያት እዚ ኹናት ፍትሒ ሲኢኑ ዘሎ ፣ ረድኤት ስኢኑ ዘሎ ፣ ግልጋሎት ጥዕና ስኢኑ ዘሎ እሞ ኹሉ ነገር ኣቕርቦት እናሃለወ ግና ብምኽንያት ስሱዓትን ነጋዶ ካድረታትን እቲ ህዝቢ ንከይጥቀም እናሰርሑ ስለ ዘለዉ እዚ መንእሰይ ትግራይ ክቃለስ ኣለዎ፡፡ ስለዚ መጀመርያ መንእሰይ ትግራይ ዕንቅፋት ዝኾኖ ዘሎ ክፈሊ ኣለዎ፡፡ ድሕሪ ኽልተ ዓመት ቤት ትምህርትታት መአከቢ ስደተኛታት ኾይነን ትምህርቲ ሕልሚ ዝኾነላ ክልል ተፈጢራ እናራኣየ እዚ ብምንታይ ምኽንያት ‘ዩ መፂኡ ክብል ክኽእል ኣለዎ፡፡ ናብ ተግባር ክኣቱ ክኽእል ኣለዎ፡፡ ኣብ ሶሻል ሚድያ ፀገማት ስለዝፃሓፍካ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ለውጢ ክመፅእ ‘ዩ ማለት ኣይኮነን፡፡ እዛ እዋን እዚኣ ወሳኒት ‘ያ፡፡ ኣብዚ ኣርባዕተ ዓመት ዶክተር ኣብይ ናብ ሰልጣን ኣብ ዝመፀሉ እዋን መንእሰይ ትግራይ ዓብይ ዕድል ኣምሊጥዎ ‘ዩ፡፡ ከም ካልኦት ክልላት ኣብ ትግራይ ለውጢ ንክምፅእ ‘ዩ ክቃለስ ነይርዎ ግና ብኣንፃሩ ፀላእቱ ዘይኾነ አካላት ተፃሊኡ ዘምፀኦ ኣይኮነን፡፡ መንእሰይ ትግራይ ነፃነቱ ክእውጅ ክኽእል ኣለዎ፡፡ ስለዚ መንእሰይ ትግራይ ተወዲቡ ለውጢ ኣተሓሳስባ ብፍላይ ናይዚ ዘመን ኣተሓሳስባ ዝጠልብ ክፈጥር ኣለዎ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ምሁራን ፖለቲከኛታትን ተጋሩ ኣብ ልዕሊ እቲ መንእሰይ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምፅኡ ዝኽእሉ ብምንታይ መገዲ እንተኸይዶም ‘ዩ ትብል? ኣይተ ናትናኤል፡- እቲ ለውጢ ካብ ባዕሉ መንእሰይን ህዝቢ ትግራይን ‘ዩ ክመፅእ ዝኽእል፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ህዝቢ ትግራይ ዝራኣዮ ስቓይ ብዙሕ ‘ዩ፡፡ ካብዚ ንላዕሊ ትምህርተ የለን፡፡ ድሕሪ ኸዚ ተወዲብካ ኣፅዋር ኹናት ሒዝካ ምስ ጎረቤት ምውጋእ ኣድላይ ከምዘይኾነ መጀመርያ እቲ መንእሰይ ክርዳእ ይግበኦ፡፡ ኣተሓሳስባ ለውጢ ከምፅእ ኣለዎ፡፡ ፌደራል መንግስቲ በቲ ሕገ መንግስቲ ንክጉዓዝ ኢሉ እቲ ክልል ተቐቢለዮ ‘የ እንድሕር ደኣ ኢሉ ፣ በቲ ሕገ መንግስቲ ኣብ ትግራይ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ምግባር መሰል ኣለዎ።

 ስለዚ ሰለማዊ ሰልፊ ብምግባር እቲ መስዋእትነት ዝኸፈለ መንእሰይ ኾነ ኣብ ፀገም ዝነበረ ህዝቡ ቆላሕታ ንክወሃቦ ክገብር ኣለዎ፡፡ ሓዱሽ ወለዶ ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ክረአ ኣለዎ ባሃላይ ‘የ፡፡ ካብ ናተይ ኣተሓሳስባ ካብ ሙሁር ትግራዋይ ዝፅበዮ ነገር የለን፡፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ኾይኖም ዝቃለሱ ዘለዋ ዉድባት ብርግፅ ክናኣዱ ኣለዎም፡፡ እዚኦም ውድባት ብመናእሰይ ዝተመስረቱ ስለዝኾኑ እቲ መንእሰይ ብምውዳብን ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ናይ ምምፃእ ይኽእሉ ‘ዮም፡፡ ስለዚ ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ዝተብሃለ ኹለን ኣብ ሚድያ ጥራሕ እንተይኾነስ ኣብ ተግባር ኣብ መሬት ወሪድካ ክስራሓ ክኽእላ ኣለዎን። ኣብ ትግራይ ንመጀመሪያ እዋን ኣንፃር ህወሓት ዝወፀ ዉድብ ዓረና ‘ዩ፡፡ ድሕሪ ኸዚ ‘ውን ከምዚ ዓይነት ኣካይዳን ዝኽተሉ ዉድባት የድልየና ‘ዮም፡፡ ንዚኣቶም ምድጋፍ ‘ውን ኣድላይ ‘ዩ፡፡ ካብ ሙሁር ትግራዋይ ግና ዝፅበዮ ነገር የለን፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመታት ዝነበረ ናይ ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ተሳትፎ ከመይ ርኢኻዮ? እዚ ተሳትፎ ድሕሪ ኸዚ ብምንታይ መገዲ ክቕፅል ኣለዎ ትብል ? ኣይተ ናትናኤል፡- ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመታት ዝነበረ ተሳትፎ ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ብቑፅሪ ዉሑዳት ኢና ነይርና፡፡ ኣብዝሓ ኣብ ወፃኢ ዝነብር ትግራዋይ ንዉድብ ዝድግፍ ‘ዩ ነይሩ፡፡ ምናልባት ኣብ ዝሓለፉ ኽልተ ኣዋርሕ እቲ ስምምዕነት ሰላም ምስተፈራረመ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ምስተፈለጠ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ዘውፅእዎ ዘለዉ ሓበሬታ ዝናኣድ ‘ዩ፡፡ ኣብ ወፃኢ ዝነበርና ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ዋላ እኳ ንዉሓድ ‘ምበር ከም ሚልየናት ኾይና ኢና ሰሪሕና፡፡

ዓብይ ታሪኻዊ እጃም ኣበርኪትና ኢና፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመታት ኣብ ሶሻል ሚድያ ዝግበር ተሳትፎ ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝግበር ፅዕንቶ ከምኒ ጋዜጠኛ ሄርሜላ ኣረጋዊ ዝበሉ ናይ ባዕሎም ዓሻራ ዘቕመጡ ኢትዮጵያውያን ተጋሩ ነይሮም ‘ዮም፡፡ ኣብዚ ኸዚ ኢትዮጵያውነት ዝብል ካብ ማእኸል መቐለ እናተሰምዐ ‘ዩ ዝርከብ፤እዚ ዓብይ ለውጢ ‘ዩ ፣ በዚ ኣጋጣሚ ድማ ንክቕፅሉን ምሳና ‘ውን ተሓዊሶም ፀገም ትግራይ ንክፈትሑ ፃውዒተይ የቕርብ። ኣብቲ ውሽጢ ትግራይ ዘሎ መንእሰይ እቲ ሓቂ ተረዲእዎ ‘ዩ ዘሎ፡፡ ኸዚ እቲ ድፍረት ‘ዩ ተሳኢኑ ዘሎ። ኣብ ትግራይ ከመይ ገይርካ ተወዲብካ ናብ መሬት ወሪድካ ህዝብን መንእሰይን እተእምነሉ ሓሳብ ምግላፅ ‘ዩ እቲ ፀገም ኾይኑ ዘሎ፡፡ እንተ ኣብ ወፃኢ እንነብር ብኢትዮጵያዊነትናን ትግራዋይነትናን እንኣምን ተጋሩ እቲ ቃልስና ጠጠው ዝብል ኣይኮነን፡፡ ምኽንያቱ ሕድሕድ ትግራዋይ ፖለቲካ ከመይ ከምዝቐየሮ ኣብዚ ኽልተ ዓመት ርኢና ኢና፡፡ ስለዚ ጠጠው ዝብል ኣይኮነን፡፡ኸዚ ‘ውን እቲ ቃልስና ክቕፅል ‘ዩ፡፡ እዚ ኸዚ እናኾነ ዘሎ ቅድሚ ኸዚ ንሕና ክኾን ‘ዩ እንብሎ ዝነበርና ‘ዩ፡፡ ኣብ ወፃኢ ዝነብር ዘሎ ኣብዝሓ ትግራዋይ እዚ ኹሉ ፀገምን ፀበባን ህዝቢ ትግራይ ተረዲእዎ እቶም ዝተኣመመነሎም ንሰላም ቕሩቡ እንትኾኑ ንሳም ‘ውን ናትና ኣተሓሳስባ ‘ዮም ዝኽተሉ ኢለ ተስፋ ይገብር፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብዚ ሐዚ እዋን ፌደራል መንግስቲ ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ምንታይ ትኹረት ገይሩ እንተሰሪሑ ‘ዩ ቕልጡፍ ዝኾነ ለውጢ ክመፅእ ዝኽእል ? ኣይተ ናትናኤል፡- መጀመርያ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝባሃል ቀልጢፉ ክምስረት ክኽእል ኣለዎ። መንግስቲ ዝህቦ ሓገዛት ብፍላይ ድማ ኣብ እኽልን መድሓኒትን ባዕሉ ኢዱ ኣእትዩ ክሰርሕ ኣለዎ። ምኽንያቱ መንግስቲ ፌደራል እኽሊ ፣ መድሓኒት ይሰድድ፤ ኮይኑ ግና ኣብ ኢድ ነጋዶ እናበፅሐ እቲ ህዝቢ ብዝግባእ እናተውሃቦ ኣይኮነን፡፡ መንግስቲ ፌደራል ባዕሉ ኢዱ ከእቱ ክኽእል ኣለዎ፡፡ ፌደራል መንግስቲ ኣብ ዘለዎ ቦታታት ከምንሪኦ ዘለና እቲ ትግራዋይ ብሰላም ‘ዩ እናነበረ ዘሎ፡፡መሰረታዊ ረድኤት’ውን እናቐረበሉ’ዩ ፡፡

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ እተሕልፎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ? ኣይተ ናትናኤል፡- ትግራዋይ ኸዚ ‘ውን ኣብ ጎኒ ህዝቡ ጠጠው ክብል ኣለዎ፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዝያት ንውድብ ደጊፍና ኣብ ትግራይ እንታይ ከምዝበፅሐ ሪእናዮ ኢና፡፡ ድሕሪ እዚ ኹሉ መጨረሽኡ ሰላምን ድርድርን ‘ዩ ኾይኑ፡፡ እዚ ብምርኣይ ትግራዋይ ንድሕሪት ተመሊሱ ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ። ብፍላይ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ተኸታላይ ካብ ምዃን ጠጠው ኢሉ ክሓስብ ኣለዎ፡፡ ህዝቢ ትግራይ ካብዚ ንላዕሊ ዋጋ ንክኸፍል እንድሕር ገይርና ንውድብ ጥራሕ እነጨብጭብ እንድሕር ደኣ ኾይና እዛ ኸዚ እንሪኣ ዘለና ትግራይ ለውጢ ኣይንርአላን፡፡

ኹሉ ትግራዋይ እዚ ኣብ ትግራይ በፂሑ ዘሎ ብርሰትን መስዋእትን ናይዚ ኹሉ ተሓታታትይ መን ‘ዩ ኢሉ ክሓትት ይግባእ፤ ንፌደራል መንግስቲ እናወቐስካ ፀኒሕኻ ኸዚ መራሕቲ ህወሓት እናገበርዎ ዘለዉ ስራሕ ሱቕ ኢልካ ምርኣይ ኸዚ ‘ውን መስዋእቲ ከኽፍለና ‘ዩ። መንእሰይን ኣብ ወፃኢ ዝነብር ትግራዋይን ክሓትት ክኽእል ኣለዎ፡፡ ከምቲ ኣብ ትግራይ ኹናት ጠጠው ንክብል ሰለማዋ ሰልፊ ዝገብር ዝነበረ እዚ ኹናት ጠጠው ምስ በለ ድማ መን ‘ዩ ተሓታታይ ኢሉ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብር ኣለዎ፡፡ ኣብ መቐለ ዝረአ ዘሉ ሕጊ ዘይምኽባር ገበናት ክቃዎም ኣለዎ፡፡ ገዛና ዘይፅረና ገዛ እንዳማትና ምፅራይ ይትረፈና፡፡ ቅድሚ ኹሉ ድሕንነት እቲ ህዝቢ ክሕሎ ኣለዎ፡፡

ወጋሕታ፡-ንዝሃብኒ ቃለ መሕተት የመስግን።

ኣይተ ናትናኤል ፡- ኣነ ‘ውን የመስግን፡፡

Recommended For You