‹‹ብወገን መንግስቲ ፌደራል ዘሎ ናይ ሰላም ቁርፀኝነት ብጣዕሚ ዝድነቅ ‘ዩ›› -ወይዘሮ አበባ በርሀ

ናይ ሎሚ ዕድምቲ ጋሽና ወይዘሮ ኣበባ በርሀ ኣብ ነበር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ መራሒት ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ብልጽግና ትግራይ ዝነበራን ሐዚ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ሓላፊት ቤት ፅሕፈት ቁፅፅር ምግብን መድሃኒትን ዘለዋ ኮይነን ቅድሚ ሐዚ ብዝተፈላለየ እዋናዊ ጉዳይ ሓሳበን ዘካፍላና’የን፡ ፡ ሎሚ ድማ ኣብ ዛዕባ ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላም ከምይ መልክዕ ክሕዝ ይግባእ? ብዝብል ምስ ትካል ፕረስ ኢትዮጵያ ዝገበርኦ ቃለ መሕትት ከምዚ ዝስዕብ ነቅርበልኩም ኣለና፡፡ ሰናይ ንባብ፡፡

ሕቶ፦ ኣብ ዛዕባ ኣተገባብራ ስምምዕነት ሰላም ዘለወን ርኢቶ እንታይ ‘ዩ? ወይዘሮ ኣበባ፦ ከምዝፍለጥ ስምምዕነት ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ከም ሃገር ንኢትዮጵያም’ውን ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ ነይሩ። ናይዚ ምኽንያት ኣድላይነቱ ብዙሕ እንተኾነ’ውን ብፍላይ እቲ ውግእ ህዝብን ኢኮኖሚን እናበልዓ ዝነበረ ብምዃኑ መንግስቲ ንሰላም ቆራፅነት ኣርእዩ ናብ ስምምነትነት ሰላም ብምምፅኡ ክድነቅን ዝግባእ ዓብይ ውሳኔ ብምዃኑ ብቀዳማይ ብርኪ ክምስገን ይግባእ። ብኻሊእ ወገን ድማ እቲ ስምምነት ሰላም ዘላቂነት ዘለዎ ዝመስልን ናይ ትግራይ ህዝቢ ብዘላቂነት ካብቲ ዝኣተዎ መከራ ዝላቀቀሉ ኩነታት ምክያዱ ጠንካራ ጎኒ ናይቲ ስምምዕነት ሰላም ‘ዩ። ናብ ኣተገባብርኡ ክንመፅእ ከለና ግና ንእሽተይ ምድንጓያት ይርኣይ ኣሎ ‘ዩ።

 ኣብዙይ ንምዱንጋዩ ብዙሕ ምክንያታት ምቅራብ ይክኣል ይኾን ‘ዩ ይኹን ‘ምበር እቶም ዋና ዋና ዓበይቲ ምክንያታት ግና በቲ ኲናት ምክንያት ዝተበላሸዩ ብዙሓት ነገራት ዝነበሩ ምዃኖም ‘ዩ። ኣብ ከባቢ ትግራይ በቲ ኲናት ምኽንያት ዝተበደለ ህዝቢ ኣሎ ፤ብፍላይ ኣዴታት ህፃናት ግዳይ እቲ ፀገም ኮይኖም ‘ዮም፤ እቲ ኻሊእ ህዝቢ እንተኾነ’ውን ብምግቢን መድሓኒትን ጀሚሩ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ግልጋሎታት ከምድልየቱ ዝረኽበሉ ኩነታት ኣይነበረን። እዚኦም ድማ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕነት ሰላም እንተኾነ’ውን ብቀሊሉ መስመር ምትሓዝ ስለዘይትኽኣለ እቲ ትግበራ ብዝድለይ ቅልጣፈ ንክጕዐዝ ኣየኽኣልዎን። ይኹን ‘ምበር ብኲናት ዝሓለፈ እዋን ይኹን ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ዝኸድናሎም ርሕቀታት እኹል ስለዝኾኑ እቲ ህዝቢ ካብዙይ ብላዕሊ ክሰቃይ ስለዘይብሉ ሐዚ እቲ ስምምነት ኣብ መሬት ዝወርደሉን ብዝተኽኣለ ዓቕሚ እቲ ህዝቢ ካብ ዝኣተዎ ዘውፅእ ተግባር ክፍፀም ይግባእ።

ሕቶ ፦መንግስቲ ካብቲ ውግእ ዝተረፉ መሰረተ ልምዓታት ተጠቂሙ ካብኡ’ውን ዝተፈላለዩ አማረፅቲ ሒዙ እቲ ስምምነት ናብተግባር ንምቅያር ፃዕሪ እናገበረ ‘ዩ፤ ነዚ መርአይ ድማ ሰብዓዊ ሓገዛት ምቅራቡ፤ ሓደ ሓደ መሰረታዊ ድልየታት ንክማልኡ ምኽኣሉ ይሕበር ‘ዩ እዚ ከመይ ይሪእኦ? ወይዘሮ ኣበባ፦ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ዘሎ ናይ ሰላም ቁርፀኝነት በጣዕሚ ዝድነቅ ‘ዩ። ኣይኮነን ሐዚ ስምምዕነት ሰላም ተፈሪሙ በቲ ውግእ እዋን’ውን እንተኾነ ህዝቢ ንከይጉዳእ ምስ ለገስቲ ኣካላት ብምዃን ሓገዛት ናይ ምእታው ስራሕቲ ነይሩ ‘ዩ።

እዙይ ስለዝኾነ’ውን ‘ዩ ሎሚ ብዝተወሰነ እንተኾነ’ውን ህዝብና ዝኾነ ህዝቢ ትግራይ ንከይጉዳእ ኣኽኢልዎ ‘ዩ። እቲ ህዝቢ ከምዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ ክልላት ነበርቲ ብሰላም ወፂኡ ንክኣት’ውን መሰረታዊ ድልየታቱ ከይተኣጓጎል ብዙሕ ፃዕርታት ተገይሩ ‘ዩ እናተገበረ’ውን ‘ዩ። ሐዚ’ውን ብፍላይ መሰረታዊ ድልየታት ናብ ዝነበርዎ ንምምላስ መጀመሪያ ካብ ሽረ ጀሚሩ ካብኡ አላማጣን መኾንን እናበለ ሐዚ ኣብ መላእ ከባቢታት ትግራይ ናይ ኤሌክትተሪክ፣ስልኪ ግልጋሎት፤ከምኡ ድማ ናይ ምግብ ሓገዛት እናተባፅሐ ‘ዩ። ናይ ናውቲ ሕክምና እተኾኑ’ውን ወረዳታት በሙሉኦም ከምኡ’ውን ኣብ ዓይደር ሆስፒታል እናተማልኡ ‘ዮም። እዚ ድማ ፅቡቅ ኣከያይዳ ‘ዩ። ኩላትና’ውን እንፈልጦ ሓቂ ‘ዩ። እዙይ ከምዘሎ ኮይኑ ግና ኣብቲ ኽልል ዘሎ ናይ ፀጥታ ጉዳይ ሙሉእ ብሙሉእ መስመር ዝሓዘ ብዘይምዃኑ ሰባት ካብ ስግኣት ተላቂቆም ብሰላም ስርሖም ሰሪሖም ዝኣትውሉ ኩነታት ገና ‘ዩ። እዚ ድማ እናተስርሑ ዘለው መሰረተ ልምዓታት ምሉእ ከይኾኑን ናይ ሓገዝ ምቅራብ ስራሕቲ ንክትኣጓጎል ዝገብሮ ብምዃኑ መንግስቲ ብዙይ ወገን ዘለዎ ስራህ ብአግባቡ ክዋፅእ ይግባእ።

ሕቶ ፦ ኣብ ከይዲ ምትግባር ስምምነት ሰላም ግደ ፖለቲካ ፓርቲታት ትግራይ ከመይ ትገልፅኦ? ወይዘሮ ኣበባ፦ ውድባት ፖለቲካ ኣብ እዋን ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓደ ሓደ ቦታታት ርኺቦም ኣብቲ ኽልል ኣብ ኹሉ ሓቆፍ ተግባራት ንክሳተፉ ተገይሩ ነይሩ። ይኹን ‘ምበር ሐዚ ብፍላይ ድሕሪ ምፍራም ስምምዕነት ሰላም እዞም ኣካላት ቦታ ዝተውሃቦም ኣለው ኢለ ኣይኣምንም። ይኹን ‘ምበር ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝተወደቡ ውድባት ፖለቲካ ብልፅግና ሓዊሱ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ጠጠው ኢልናሉ ንዝብልዎ ህዝቢ ናብቲ ናይ ቀደም መንነቱን ተግባሩን ኣብ ምምላስ ወገን ኢድን ጓንትን ኮይኖም ክሰርሑ ይግባእ።

 ምኽንይቱ’ውን ውድብ ዝምስረት ጠጠው ኢለሉ ‘የ ህዝቢ ንክቃለስ ‘ዩ። እቲ ህዝቢ እንተዘይሃልዩ ነሃቶም ህልውናውን ዘብቅዐሉ ስለዝኸውን ጠጠው ኢልናሉ ኢና ንዝብልዎ ህዝቢ ብተግባር ኣብ ጎኑ ጠጠው ኢሎም ከርእዩ ይግባእ። እዚ ንክገብሩ ድማ ሃገር እናመሓደረ ዘሎ ናይ መንግስቲ መሓውር ንክሕግዞምን ንክድግፎምን ቅድሚ ሐዚ ተጀሚሩ ከምዝነበረ ኣብ ጎነይ ኩኑ ኢሉ ክፅውዖምን ቦታ ክህቦምን ግዲ ይብል። ብኻሊእ ወገን ድማ ውድባት ፓርቲ ጥራሕ ከይኮኑ ናይቲ ክልል ተወለድትን ዋላ ተወለድቲ እቲ ክልል ዘይኮኑ እቲ ጉዳይ ነሃተይ ‘ዩ ናይ ኢትዮጵያ ፀገም ምፍታሕ ኣብ ርእሰይ ‘ዩ ዘሎ ኢሉ ዝሓስብ ኩሉ ንቁሕ ተሳትፎ ብምግባር እቲ ክልል ካብ ፀገም ምሽጋር ይግባእ።

ሕቶ ፦ ምሁራትን ዲያስፖራታትን ትግራይ ኣብቲ ውግእ እዋን ዘርአይዎ ምትሕብባርን ሓድነትን ሐዚ’ውን ኣብ ምትግባር ስምምነት ሰላም ንከርእዩ እንታይ ክገብሩ ኣለዎም ይብላ? ወይዘሮ አበባ ፦ ትኽክል ‘ዩ ሓንቲ ሃገር ሃገር ኮይና ክትቅፅል ዝትኽእል ኩሉ ሰብ ኣብ ውሽጡ ሰላም እንትስምዖ ሓሳቡ ሰላማዊ ተግባሩ’ውን ቅኑዕ ይኸውን። ሐዚ መንግስቲ ዕጥቂ እናፍትሐ ካልኦት ነገራት እናገበረን እቲ ስምምዕነት ሰላም ናብ መሬት ንምውራድ እናሞከረ ‘ዩ፤ እዚ ድማ ኩሉ ዝጠቅም ካብ ምዃኑ ብላዕሊ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ዳግማይ ዝውለደሉ ኣጋጣሚ ‘ዩ።

ስለዝኾነ’ውን ብውግእ ምኽንያት ህዝብና ተጎዲኡ ኢሎም ዝተፈላለዩ ነገራት ዝገብሩ ዝነበሩ ምሁራት ይኹኑ ዳያስፖራታት ነቲ ህዝቢ ኣየኑ ‘ዩ ዝሐሾ ብውግእ ዓረር እናተቃፀለ እሶም ክእውይሉ ወይ ድማ ብሰላም ደቂሱ እናሓደረ ንሶም ድማ ዝኽእልዎ ገይሮም ነቲ ክልል ከዕብዩ ካብዚኣን ክልቲኣን ዝሐሸ መሪፅካ ምጉዓዝ ‘ዩ ዘዋፅእ። ስለዝኾነ ኣነ ነቶም ምሁራት ኾኑ ንዲያስፖራታት ዝብሎ ነገር ብልምዓታዊ ኣተሓሳስባ ብስነ ምግባር ብዝተሃፀ መልክዑ ፀገማት ንክፍትሑ ንምግባር ኢሉ’ውን ደፊኦም ህዝቢ ካብቲ ዘእተውዎ ውግእ ፍልጥቶምን ዓቅሞምን ተጠቂሞም ንሰላሙ ዘብዒ ጠጠው ብምባል ናይ ብፅሒቶም ክዋፅኡ ኣለዎም።

ሕቶ ፦ ህዝቢ ትግራይ ዝተማልአ ዘላቂ ሰላም ንክህልዎ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብላ? ወይዘሮ ኣበባ፦ ሐዚ ኣብ ሃገሩ ሰላም ዝብል ኣዋጅ ተኣውጅሉ ‘ዩ። እዚ ኣዋጅ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ እንተዘይኮነ’ውን ብውስን ናብ ተግባር እንተኣትዩ እቲ ህዝቢ ሕጉስ ይኾን። ግን ድማ ዘላቂ ንክኸውን እቲ ሰላም ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ንክባፃሕ ሐዚ’ውን ብዙሕ ዝተርፉ ገዛ ዕዮታት ኣለው። ካብ ኩሉ ብላዕሊ ቀዳማይ ዕዮ ገዛ ድማ እቲ ስምምነት ሰላም ናይ ሓቂ ድዩ ዝብል ናይ ህዝቢ ምጥርጣር ንክሓድግ ምግባር ‘ዩ። እዚ ናይ ህዝቢ ምእማን ስራሕ ድማ ብዋናነት ናይ መንግስቲ ሓላፊነት እንተኾነ’ውን ካልኦት ውድባት ፖለቲካ፣ መራሕቲ ሃይማኖታትን ውልቀሰባትን ብሓፈሻ ህዝቢ ክሰምዖም ክርድኦም ዝኽእሉ ኩሎም ተሳተፍቲ ክኾንዎ ይግባእ።

ብዙይ ብርኪ ተሰሪሑ ህዝቢ ምስ ኣመነ ዝቅፅል ነገር ድማ ሕቶታት ምምላስ ይኸውን። ስለዝኾነ ካብ ፍርቂ ሰላም ወፂኡ ሙሉእ ሰላሙ ተረጋጊፁ ናብኡ ካልኦት ክልላት ህዝቢታት ከየተረፉ ነቲ ክልል ብኣተሓሳስባ ብሰላም ብስራሕ ንክለምዕ ምግባር ናይ ኩሉ ሓላፊነት ‘ዩ። ኩሉ ናይ ኢትዮጵያ ህዝቢ ናብቲ ክልል ከይዱ ህዝቢ ክሕግዝን ከበረታትዕ ድማ እቲ መገዲ ካብ ስግኣት ነፃ ኮይኑ ክኽፈት ይግባእ። ብምዃኑ’ውን እቲ ዋና ዓብይ ነገር ዝተሓባበረ ናይ ኢትዮጵያውያን ኢድ ንህዝቢ ትግራይ የድሊ ‘ዩ በይኑ ዝሰርሕ ዝጎዓዘሉ ርሕቀት ብዙሕ ኣይከውንን።

ሕቶ ፦ ኣብቲ ክልል ናይ ኣመራርሓ ለውጢ ተገይሩ ንምቅፃል ዝግበር ፃዕሪታት ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብላ? ወይዘሮ ኣበባ፦ ብኻሊእ ወገን ሐዚ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ክልል ናይ ሰላም ኣየር ይነፍስ ኣሎ። ሰባት’ ውን ብዛዕባ ውግእ ምዝራብ ገዲፎም ብዛዕባ ሰላም ምምኻር ጀሚሮም ‘ዮም ፤ “ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ብዛዕባ ሰላም ምዝራብ ጀሚሩ ጥራሕ ዘይኮነስ መፃኢ ዕድሉ ኣብ ምትላም ይርከብ፤ ስለዝኾነ ‘ውን እዚ ፅቡቅ ኣጋጣሚ ምጥቃምን መንግስቲ ህዝቢ እቲ ክልል ድጋፍ ብምሓዝ ዝተረፉ ስራሕቲ ብቅልጡፍ ብምዝዛም ዓብይ ሓላፍነት ዘለዎ ይመስለኒ።

ሕቶ ፦ ንሰን ኣብ እዋን ጊዜያዊ ምምሕዳር ናይ ውድብ ብልጽግና ትግራይ ናይ ሊግ ደቂ ኣንስትዮ ሓላፊት ነይረን ሐዚ ውን እናሰርሓ ‘የንሞ እስቲ ስምምዕነት ሰላም ናብ መሬት ንክወርድ ናይ ደቂ ኣነስትዮ ሓላፊነት እንታይ ክኸውን ይግባእ ይብላ? ወይዘሮ ኣበባ፦ እወ፣ ኲናት ሰብ ስራሕ ሓደጋ ‘ዩ። ናይዚ ሰብ ስራሕ ሓደጋ ግዳይ ዝኸውን ድማ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣዴታት ምስ ደቀን ከምኡ’ውን ደቂ ኣንስትዮ ‘የን። ስለዝኾነ’ውን እዚ ፀገም ኣብ ሃገርና ካልኣይ ከይኽሰት ደቂ ኣንስትዮ ብጣዕሚ ዓብይ ሓላፍነት ከምዘለወን ‘ዩ ዝስምዓኒ።

ካብዙይ ምምሃር ዘይምምሃር ወድማ ፖለቲከኛ ምዃን ዘይምዃን ኣይኮነን እቲ ሕቶ፤ ከም ዜጋን ከም ኣዶን ደቂ ኣንስትዮን እቲ ጉድኣት ብምርዳእ ፀገሙ ዳግም ከይፍጠር ልዕል ኢሎም ደው ብምባል ብብዙሕ ፀገም ዝመፅአ ሰላመን ከይዕንቀፍ ክቃለሱ ይግብአን። ካልኣይ ብሂወት ኮነ ብሞት ምፍልላይ ከይፍጠር ኣዶ ብዛዕባ ድሕንነት ውሉዳ ኣብ ዘይትፈልጠሉ ኩነታትን ውሊድ ኣዲኦም ኣበይ ከምዘላ ሓቲቶም ዘይፈልጥሉ ኩነታት ዳግም ኣብቲ ክልል ከይፍጠር ኣዴታት ብቆራፅነት ክቃለሳ ኣለወን። ደቀን ክመኽራን ፅቡቅን ሕማቅን ከርእያ ኣለወን። እዙይ ናይ ገዛ ዕዮአን ምስራሕ እንተኽኢለንን ሓጋፍነተን እንተተዋፂአን ከም ሃገር ኢድ ንኢድ ተታሒዝና ምዕባይን ምቅፃልን ንኽእል ኢና።

ሕቶ ፦ ብዙይ ብርኪ ኣዴታት እቲ ፀገም ተረዲእዎን ኣካል እቲ ተፈፃሚነት ስምምዕነት ሰላም ንክኾና ተገይሩ ኢለን የኣምናዶ? ወይዘሮ ኣበባ፦ ሐዚ እንታይ ዝብል እምነት ኣለኒ መስልኪ ኣዴታት ካብ ምምሃር ብላዕሊ ኣብ ውሽጢ ስቃይን መከራን ነይረን ሪኦንኦ ‘የን። ደቅኺ ኣዝምቲ ተባሂለን እንትእሰራ፣ ናብ ኵናት ዝኸደ ወዳ ከይተመለሰ ክተርፍ ከሎ፣ በዓል ቤታ ዘሚቱ ኣካል ጎዶሎ ኮይኑ እንትምለስ፣ ኣብ ገዛ ዘለው ኣናእሽተይ ደቃ ከም መሓዙቶም ናብ ቤት ትምህርቲ ከይዶም ከይተምሃሩ እንትተርፉ ኩሉ ብተግባር ሪኣቶ ‘ያ። ስለዝኾነ’ውን እዚ ንክድገም ካብ ሞንጎ ዘይደልዩ ሰባት ኣዴታትን ደቂ ኣንስትዮን ቀዳሞት ይመስለኒ። ስለዝኾነ ኣብዚ እዋን መንግስቲ ዝጀመሮ ከይዲ ሰላም ንክቅፅል ኣዴታት ኣብ ጎኑ ክገብር ኣለዎ።

ሕቶ ፦ ኣብ ቀፃላይ ካብ ሓደ ውድብ ፖለቲካ ወፂኡ ብዝሕነት ሓሳብ ዘተኣናግድ ክልል ንምግባር ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብላ? ወይዘሮ ኣበባ፦ ብዙሕ ነገራት ትፅቢት ይግበር ይኹን ‘ምበር እቶም ትፅቢት ዝግበረሎም ኩሎም ኣብ መሬት ኣውሪዱ ከርኢ ዘለዎ መንግስቲ ‘ዩ። ብምቅፃል እቶም ዝወረዱ ነገራት ተቐቢሉ እናፈፀመ ሰላሙ ከረጋግፅ ዝግብኦ ድማ ህዝቢ እቲ ክልል ‘ዩ። መንግስቲ ናብ ህዝቢ ወሪዱ ዝሐሸ ነገር የርኢ፤ ህዝቢ ድማ መልሲ ይህብ ዝመረፆ ይመርፅ ፤ ብህብረ ብሄራዊነትን ብዝሓነት ሃሳብን ብኢትዮጵያዊነት ብፍቅሪ ብምትሕስሳብ ምስ ጎረቤት ህዝብታት ሓበራዊ ናብራኡ’ውን ይቕፅል። ኣብዙይ ናይ ምብዛሕን ናይ ዘይምብዛሕን ናይ ምምሃርን ዘይምምሃርን ጉዳይ ኣይኮነን፤ ንኣብነት ሓደ ህፃን ናብ ኣዲኡ ጎዩ ከይዱ ምርጭኡ ኣዲኡ ምዃና ዘርኢ ዘዋፆ ቀዲሙ ዝለዝተረድኦ ‘ዩ። ህዝቢ ድማ ዘዋፅኦ ስለዝፈልጥ ዕድል ምሃብ የድሊ። ስለዝኾነ መንግስትን ህዝብ ተናቢቦም ዝኸድሉ ኩነታት ክመቻቸው ይግባእ።

ሕቶ ፦ ከም ሃገር ሃገራዊ ምኽክር ኮሚሽን ተመስሪቱ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ‘ዩ እሞ፤ ናይቲ ኮምሽን ስራሕ ብዝድለይ ልክዕ ንክኸይድ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብላ? ወይዘሮ ኣበባ፦ ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ከም ሃገር ዓብይ ሓላፊነት ዝተወሃቦ ‘ዩ። ስርሑ ድማ ንክልል ትግራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዘጋጠመን እናጋጠመዘሎን ፀገማት ናይ መፍትሒ ኣካል ክኸውን ‘ዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ‘ዩ። ብዙይ ብርኪ ዓብይ ገዛ እዮ ዝተውሃቦ ኮሚሽን ድማ ስርሑ ብፍላይ ናይ ሲቪክ ማሕበራት ብብዝሓት ብምሓዝ እንተዝሰርሕ ውፅኢታዊ ይኸውን ዝብል እምነት ኣለኒ። ብኻሊእ ወገን ድማ ነዚ ኮምሽን ዝሕግዙ በቢክልሉ ብዝተፈላለዩ ሊጋት ተመስሪቶም እቲ ስራሕ ቀሊል ንክኸውን ካብ ምግባር ብላዕሊ ምኽክር ባህልና ንምግባር ልዑል ጥቅሚ ይህልዎ።

ሕቶ ፦ ዝተረፈ ሕሳብ እንተሃልዩ ዕድል ክህበን? ወይዘሮ ኣበባ፦ ብዙሕ ዝተረፈ ነገር ተዘይለወ እኳ ስምምዕነት ሰላም እናኸዶ ዘሎ ርሕቀት ፅቡቅ እኳ እንተኾነ ከባቢ ዘሎ ሰላም ተረጋጊፁ እቲ ህዝቢ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ከምልቡ ዝዘዋወረሉ ኩነታት ተዝምቻቸው። ክሳብ ሐዚ ብኣየር ጥራሕ ዝነበረ ጉዕዞ ክሳብ መኪና ወሪዱ ብዝበለፀ ርክብ ህዝቢ ንህዝቢ እንተዝጠናኸር ዝብል ሓሳብ ኣለኒ። ብኻሊ ወገን ድማ እቲ ህዝቢ ሰራዊት መከላኸሊ ሃገር ማለት እንታይ ማለት ከምዝኾነ ብዝግባእ ይፈልጥ ‘ዩ፤ቅድሚ ሐዚ’ውን ሓቢሩ ይነብር ነይሩ፤ ሐዚ’ውን እናነበረ ‘ዩ ስለዝኾነ እቲ መከላኽሊ ህዝቢ ናይ ምርግጋዕን ናይ ምሕላውን ስርሑ ካብዚ ብዝበለፀ ኩነታት ኣጥናኺሩ ስምምዕነት ሰላም ምሉእ ንክኸውን ከኽእል ኣለዎ።

፦ ንዝነበረና ፅንሒት ብጣዕሚ የቀንየለይ።

ወይዘሮ ኣበባ፡- ኣነ’ውን ብጣዕሚ ዘመስግን

Recommended For You