‹‹ህዝቢ ትግራይ ንሰላም ዘርእዮ ዘሎ ምንቕስቓስ ኣጣናኺሩ ክቕፅለሉ ኣለዎ››- ኮማንደር ገ/መስቀል ወልደሚካኤል

ኮማንደር ገብረመስቀል ወልደሚካኤል ኣብ 1956 ዓ.ም ኣብ ራያ ኣላማጣ ተወሊዶም ክሳብ 12 ክፍሊ ‘ውን ኣብ ከተማ ኣላማጣ ‘ዮም ተማሂሮም። ድሕሪ 12 ክፍሊ ምውደኦም ኣብ 1974 ዓ.ም ናብ ፖሊስ ሰራዊት ዝተፀመሩ እንትኾኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ፖሊስ ብፍላይ ኣብ ድሕንነት ትራፊክ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ሰሪሖም ‘ዮም። ኣብ 2012 ዓ.ም ጡረታ ዝወፁ ኮይኖም ለውጢ ምስ መፀ ነዚ ብምድጋፍ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ደጉዓ ተምቤን ከተማ ሃገረሰላም ብናይ ፀጥታ ምልሻ ሓላፍነት እናሰርሑ ድሕሪ ምፅነሖም መንግስቲ ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ምስ ምውፃእ ተተሓሒዙ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመፁ ክኢሎም ‘ዮም። ሕዚ ኮማንደር ገብረመስቀል ኣባል ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ‘ዮም። እምበኣርከስ ክቡራት ተኸታተልቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ወድዓዊ ኩነታት ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ጋሻና ገይርና ኣቕሪብናዮም ኣለና ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኢኮኖሚ ትግራይ ናብ ዝነበሮ ንኽምለስ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ? ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር? ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ኢኮኖሚ ትግራይ ዳግም ንምሕያው ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክተሓባበር ኣለዎ፤ በቲ ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ኩናት ዝተጎድአ ኢኮኖሚ ትግራይ ዳግም ክሓዩ እንተኾይኑ ናይ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ጠለብ ይደሊ ‘ዩ። ክልል ትግራይ በቲ ዘጋጠመ ኩናት ልዑል ኢኮኖሚያዊን ስነ ልቦናዊን ክሳራ በፂሕዋ ‘ዩ፤ እዚ ዘጋጠመ ፀገም ብናይ ዓቕሚ መንግስቲ ጥራሕ ክፅገን ስለ ዘይኽእል ካልኦት ከም ገበርቲ ሰናይን ዝበሉ ኣካላት ክተሓባበሩ ኣለዎም። መንግስቲ ፌዴራል ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም መሰረተ ልምዓት ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝነኣድ ዋላ’ኳ እንተኾነ፣ ኮይኑ ግና እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ከቢድ ብምዃኑ በይኑ ክሽፍኖ ኣይኽእልን።

ብምዃኑ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብፍላይ ድማ ኣብ ውሽጢ ዓድን ደገን ዝርከብ ትግራዋይ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክገብር ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ዘጋጠሞ ከቢድ ፀገም ክናገፍ እንድሕር ደኣ ኮይኑ ኩሉ ትግራዋይ ተዋሃሂዱ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ንምምላስ በርቲዑ ክሰርሕ እንተሎ ‘ዩ ስቓይን መከራን ህዝቢ ትግራይ ዝቓለል፤ ካብ ምትሕግጋዝ ወፃኢ ካሊእ መማረፂ የለን። ኩሉ ኣብ ሓደ መስመር ረቢቡ ኣብ ልምዓት ክተሓጋገዝ ኣለዎ። ብኻሊእ ወገን ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ክሳራ ናይ ሃገር ክሳራ ‘ውን ምዃኑ ብምግንዛብ ዝኾነ ኢትዮጵያዊ ከም ሃገር ብምሕሳብ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ኢዱ ክሓውስ ኣለዎ። ሓድነት ህዝቢታት፣ ሰላም፣ ልምዓትን ሉኣላውነትን ሃገር ክረጋገፅ ዝኽእል ብምትሕግጋዝን ብምትሕልላይን ‘ዩ።

ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም መንግስቲ ፌዴራል ብወሳናይ መልክዑ ከም ግልጋሎታት ቴሌ፣ መጎዓዝያ ኣየርን መብራህትን ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝነኣድ እዃ እንተኾነ፤ ኮይኑ ግና ኣብ መጎኣዝያ ምድሪን ባንክን ዘሎ ፀገም ብዝግባእ ዘይፈትሐ ፀገም ‘ዩ፤ ብምዃኖም ህዝቢ ኣዝዩ ተፀጊሙ ‘ዩ ዝርከብ። ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ኢደይ ኢድካ እንተተበሃሂሉ ዝጠፍአ ሂወት ሰብ ጥራሕ ‘ዩ ክምለስ ዘይኽእል ‘ምበር ኢኮኖሚ ክምልስ ይኽእል ‘ዩ። ከም ሃገርን ዜጋን ብምሕሳብ ኣብ ትግራይ ይኹን ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝበፅሐ ጉድኣት፣ ጉድኣት ሃገር ምዃኑ ብምግንዛብ ኩሉ ኢትዮጵያዊ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ክሕግዝ ‘ዩ ዘለዎ። ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዕርቐ ሰላም ካብ ልቢ ብምቕባል ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሐ ኢኮኖሚያዊ ክሳራታት ካብ ምፅጋን ብተወሳኺ ኣብ ስነ ኣእምሮ ህዝቢ ዝበፅሐ ጉድኣት ‘ውን ናብ ንቡር ንኽምለስ ብፍላይ ፖለቲካዊ ውድባት ሃገርና ኣብ ውህደት፣ ሰላምን ሓድነትን ቆላሕታ ገይሮም ክሰርሑ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ብፍላይ መንግስቲ ፌዴራል መሰረታዊ ግልጋሎታት ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቓስ ከመይ ይዕዘብዎ? ኮማንደር ገ/መስቀል፡- መንግስቲ ፌዴራል ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ብወሳናይ መልክዑ ከም ግልጋሎታት ቴሌ፣መብራህትን መጎዓዝያ ኣየርን ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ፃዕሪ ዝነኣድ ‘ዩ። ኮይኑ ግና ኣብ መጎዓዝያ ምድሪን ባንክን ብዝግባእ ዘይተፈትሑ ፀገማት ካብ ዝበሃሉ ግልጋሎታት ‘ዮም። ብምዃኑ ህዝቢ ኣዝዩ ተፀጊሙ ‘ዩ ዝርከብ። ብሓፂሩ ክንሪኦ እንተለና ግና መሰረተ ልምዓት ትግራይ ናብ ንቡር ንምምላስ ዝገብሮ ዘሎ ምንቕስቐስ ዝበራታታዕ ‘ዩ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ እቲ ዝበፅሐ ጉድኣት ከቢድ ብምዃኑ መንግስቲ በይኑ ክሽፍኖ ዝኽእል ስለ ዘይኮነ ከምቲ ቕድም ኢለ ዝበልክዎ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክሕግዝ ኣለዎ። ናይ ንግዲ ኩነታት እንተርኢና ገና ‘ዩ ዘሎ፤ ናይ ምድሪ መጎዓዝያ ብዝግባእ ብዘይ ምጅማሩ ብዙሓት ፀገማት ኣለዉ ‘ዮም። ናይ ሸቐጣት ሕፅረት ኣሎ። ስሩዕ ብዝኾነ መንገዲ ክንድትዝድለ ኣይኣቱን ዘሎ።እዚ ብቑልጡፍ ክፍታሕ እንተዘይ ክኢሉ ከቢድ ‘ዩ። ናይ መንግስቲ ቤት ዕዮታት ‘ውን ስረሐን ክጅምራ ኣለወን፤ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክምለሱ ኣለዎም፤ ሰራሕተኛ መንግስቲ ‘ውን ናብ ስርሑ ክምለስ ኣለዎ። ብሓፈሻ ናብቲ ናይ ቕድሚ ኩናት ዝነበሮ ኩነታት ክምለስ ክኽእል ኣለዎ። ከምዚ ክኸውን እንተኾይኑ ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ዝተኻተቱ ነጥቢታት ብሙልእነት ኣብ ተግባር ክውዕል ኣለዎ። ኣብዚ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክተሓጋገዝ ክኽእል ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ትግራይ በረራ ምጅማሩ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ? ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ምጅማር በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ግልፂ ‘ዩ። ንዓመታት ተፈላልዮም ዝነበሩ ቤተሰብ ክራኸቡ ገይሩ ‘ዩ። እዚ ፅቡቕ ኮይኑ ግና ንኹሉ ህዝቢ ትግራይ ዘማእኸለ ኣይኮነን። እዚ መብዛሕትኡ ንሃፋትም ‘ምበር ንድኻታት ዝጠቕም ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብጣዕሚ ክባር ‘ዩ። ነቲ ዓቕሚ ንዘይብሉ ክጠቕሞ ዝኽእል ናይ ምድሪ መጎዓዝያ ‘ዩ። እዚ ብቕልጡፍ ምስ ጀመረ ‘ዩ እቲ ፀገም ዝቓለል። ብሰፊሑ ናይ ንግዲ ምንቕስቓስ እንተጀሚሩ ‘ዩ ኢኮኖሚ እቲ ክልል ክንቐሳቐስ ዝኽእል። መጎዓዝያ ኣየር ጥራሕ እኹል ኣይኮነን። ብዝግባእ ህዝቢ ንህዝቢ ክራኸብ ዝኽእል ‘ውን ናይ መሬት መጎዓዝያ ተጠቓሚ እንተኾይኑ ‘ዩ። ብኣየር ጥራሕ ዝግበር በረራ ብዝግባእ ናይ ንግዲ ምንቕስቓስ ከቓላጥፍ ዘኽእል ኣይኮነን።

ወጋሕታ፡-ዝተፈላለዩ ልኡኻት ጉጅለ ናብ መቐለ ብምኻድ ዝተፈላለዩ ትካላት መንግስቲ ክዕዘቡ ይረአዩ ‘ዮም። እዚ እንታይ ትርጉም ኣለዎ ይብሉ? ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝያት ናብ መቐለ ብምኻድ በቲ ኩናት ዝዓነዉ ትካላት ክዕዘቡ ይረአዩ ‘ዮም። እዚ ፅቡቕ ‘ዩ፤ እቲ ስምምዕነት ሰላም ናብ ፅቡቕ ደረጃ እናኸደ ምዃኑ ‘ዩ ዘማላኽት። ከምኡ ‘ውን በቲ ኩናት ክንደየናይ ጉድኣት ከምዝበፅሐ ብምርኣይ ደጊምካ ንምህናፅ ዝሕግዝ ‘ዩ ኢለ ‘የ ክወስዶ ዝኽእል። ኣበየናይ ትካል፣ እንታይ ዓይነት ጉድኣት በፂሑ፣ ኢልካ ብምፅናዕ ደጊምካ ንምህናፅ እንታይ ዝኣክል በጀት የድሊ ኢልካ ናብ ስራሕ ንምእታው ዝጠቕም ‘ዩ።

ካሊእ እቲ ሕብረተሰብ ዘለዎ ኩነታት ንምርኣይን ካልኦት ምስ እዚኦም ዝተኣሳሰሩ ነገራት ንምርኣይን ርኢኻ ‘ውን ፍታሕ ንምቕማጥ ናይ በዓሉ ኣስተዋፀኦ ኣለዎ። ናይ ሓይሊ ሰብ ፣ በጀት፣ ናብራ ህዝቢ እንታይ ከምዝመስል ብምፍላጥ ኣድላይ ዝበሃል ናይ ምሕያው ስራሕቲ ንምስራሕ ዝሕግዝ ‘ዩ። ስለዚ እቲ ዝግበር ዘሎ ትዕዝብቲ ነቲ ንዳግመ ህንፀት ትግራይ ዝግበር ዘሎ ምንቕስቓስ ወሳኒ ‘ዩ። እዚ ሓደ ኣካል መፅናዕቲ ንዳግመ ህንፀት ዝግበር ዘሎ ምንቕስቓስ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ቕድሚ በጀት ምብጃቱ ምርኣይ፣ ምፍታሽን ምዕዛብን ኣድላይ ስለ ዝኾነ ‘ዩ።ከምቲ ቕድም ኢለ ዝበልክዎ ኩሎም ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ናብ ዝነበርዎ ንምምላስ ዝግበር ዘሎ ምንቕስቓስ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን። ኮይኑ ግና እዚ ክፋጠን ኣለዎ፤ ግዜ ክወስድ የብሉን፤ ምኽንያቱ ህዝቢ ኣብ ከቢድ ፀገም ‘ዩ ዘሎ። ስራሕ ስእነት ኣሎ፤ ደሞዝ ጠጠው ኢሉ ‘ዩ ዘሎ፤ ካልኦት ፀገማትን ስለ ዘለዉ ብዝግባእ ተፀኒዑ ቕልጡፍ መፍትሒ ክዋሃቦ ኣለዎ። መንግስቲ ዝጎደሉ ነገራት ናይ ምምላእ ሓላፍነት ስለ ዘለዎ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ፅቡቕ ‘ዩ፤ ተጣናኺሩ ድማ ክቕፅል ተስፋ እገብር።

ወጋሕታ፡- እቲ ስምምዕነት ሰላም ብሙሉእነት ናብ ተግባር ንምቕያር እንታይ ክግበር ኣለዎ? ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር ይብሉ? ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ስምምዕነት ሰላም ብሙሉእነት ናብ ባይታ ንምውራድ ወይ ንምትግባር በቲ ስምምዕነት መሰረት ብቕንዕና ምስራሕ የድሊ። ብፍላይ ክልቲኦም ተፃባእቲ ዝነበሩ ኣካላት ብዝግባእ ክሰርሑ ኣለዎም። ብዝኣተዉዎ ስምምዕነት መሰረት ብቖራፅነት ክሰርሑ ኣለዎም። ክሳብ ሕዚ ደሓን ይኸዱ ኣለዉ ‘ዮም፤ ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ብዙሓት ነገራት ይሰርሕ ኣሎ ‘ዩ፤ ህወሓት ‘ውን ከበድቲ ኣፅዋራት የርክብ ኣሎ ‘ዩ። እዚ ዝነኣድ ናይ ሰላም ስጉምቲ ኮይኑ ካልኦት ዝቀረዩ ነገራት ‘ውን ክስርሑ ኣለዎም።

 ብፍላይ መንግስቲ ፌዴራል ህዝቢ ብምልዕዓል ዝከኣሎ ኩሉ ክሰርሕ ኣለዎ። እቲ ዝዓበየ ሓላፍነት ኣብ መንግስቲ ፌዴራል ‘ዩ ዘሎ። ኣብ ሰላምን ልምዓትን ፀቒጡ ክሰርሕ ኣለዎ። ፖለቲካዊ ፓርቲታት ሃገርና ‘ውን ፖለቲካዊ ኣፈላላዮም ንግዝኡ ንጎኒ ብምግዳፍ ኣብ ሰላምን ዳግመ ህንፀትን ትግራይ ናብ ንቡር ንኽምለስ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ደው ብምባል በርቲዖም ክሰርሑ ኣለዎም። ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ትግራይ ናብ ንቡር ክምለስ ኣለዎ ዝብል ሓደ ካብቶም ኣብቲ ስምምዕነት ዝተኸተቱ ነጥቢ ‘ዩ። እዚ ንምግባር ድማ ኩሉ ዜጋ ብፍላይ ኣብ ደገን ውሽጥን ዓዲ ዘሎ ትግራዋይ ክተሓባበር ይግባእ። እቶም ውድባት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘፋቕር፣ ሰላም ዘምፅእን ሓድነት ዘጣናኽርን ስራሕቲ ክሰርሑ ኣለዎም። ሓደ ሓደ ኣካላት ፖለቲካ ሕዚ ‘ውን ናይ ፅልኢ ቓላት ዝድርብዩ ኣለዉ ‘ዮም።

እዚ ፈፂሙ ምስቲ ስምምዕነት ሰላም ዘይኸይድ ኩነታት ስለ ዝኾነ ካብ ከምዚ ዓይነት ተግባር ክቑጠቡ ኣለዎም። ናይ ሰላም ስራሕቲ ሰላም ኣብ ምስፋን ቖላሕታ ገይሮም ክሰርሑ ይግባእ። ዝተጀመሩ ናይ ሰላም ስራሕቲ ተጣናኺሮም ክቕፅሉ ኣለዎም። ኣብዚ ብስፍሓት ክስረሐሉ ኣለዎ። ፖለቲካዊ ፓርቲታት ሃገርና ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዘቓሓሕር ገዲፎም ኣብ ዘቓራርቡ ነገራት ክሰርሑ ኣለዎም። ምስቲ ዘሎ ፖለቲካዊ ፀገም ነዚ ንምምላስ ብመንግስቲ፣ ሲቪክ ማሕበራት ይኹን ፖለቲካዊ ውድባት ሃገርና ህዝቢ ንህዝቢ ኣብ ምቕርራብ ክንድትዝድለ ክሰርሑ ኣለዎም። ሓድነትን ፍቕርን ህዝቢ ተዘይተጣናኺሩ ከምሃገር ንምቕፃል ክኸብድ ይኽእል ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ምስቲ ዝነበረ ከቢድ ኩነታት ብዙሓት ዝስርሑ ነገራት ‘ዮም ዘለዉ።

እቲ ፀገም ዋላ ብቑልጡፍ ክውገድ ኣይከኣል ብዝግባእ እንተተሰሪሑ ግና ክቓለል ይኽእል ‘ዩ። ቐንዲ ቐንዲ መሰረተ ልምዓታት ተተፀጊኖም፣ ሓይሊ ሰብ ‘ውን እንተተማሊእሎምን ማሕበራዊ ፀገም ህዝቢ ንምፍታሕ ብሰፊሑ እንተተሰሪሕሉን ክቃለል ዝኽእል ጉዳይ ስለ ዝኾነ ብዘይ ምቑራፅ ለይትን ቐትርን ክስራሕ ኣለዎ። ኣብዚ ዝኾነ ዓይነት ፖለቲካዊ ውድብ ብዛዕባ ሰላም ክሰብኽን ክዝምርን ‘ዩ ዘለዎ። ከምዚ እንተኾይኑ ሰላም ኣብ ሕብረተሰብ ሰፊኑ ህዝቢ ሰላሙ ዘየስተማቕረሉ ኩነታት ኣይህሉን። ህዝቢ ትግራይ ናይቲ ሰላም ቐጥታ ተጠቓሚ ‘ዩ፤ ኣብዚ ሰላም ክሰፍን ቐጥታ ተሳታፊ ብምዃን ሰላሙ ክሕሉ ኣለዎ። ሰላም ዘሐንኩሉ ኣካላት እንተልዮም ዕረፉ ክብሎም ይግባእ።

ቕድሚ ሕዚ ሰላም ብምስኣን ብዙሕ ስቓይን መከራን ገጢምዎ ‘ዩ። ስለዚ ሰላሙ ኣብ ምሕላው ብዝግባእ ክሰርሕ ኣለዎ። ኣብዚ ፖለቲከኛታት ትግራይ ናይ በዓሎም ኣብዪ ሓላፍነት ኣለዎም ‘ዩ። እቲ ሓላፍነት ድማ ህዝቢ ትግራይ ደጊሙ ኩናት ከየጋጥሞ ኣብ ሰላምን ልምዓትን ጥራሕ ብሰፊሑ ክሰርሑ ኣለዎም። ህዝቢ ምስ ህዝቢ ከራምፅ ዝኽእል መልእኽቲ ካብ ምምሕልላፍ ክቑጠቡ ኣለዎም። ሙሉእ ሓይሎምን ግዚኦምን ኣብ ምስባኽ ሰላም ከሕልፍዎ ኣለዎም። ህዝቢ ንህዝቢ ኣብ ምቅርራብ ታሪኻዊ ሓለፍነት ኣለዎም። ከሰማምዕ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ክሰርሑ ኣለዎም። ኣብ ልምዓት ‘ውን ህዝቢ ብምትሕብባርን መንግስቲ ኣብ ምሕጋዝን ክነጥፉ ኣለዎም። ፓርቲ ከም ፓርቲ ክቕፅሉ ዝኽእሉ ህዝብን ሃገርን ክህሉ እንተሎ ‘ዩ። ቕድሚ ሕዚ ዝነበሩ ድኽመታት ክእረሙ ኣለዎም። ህዝቢ ትግራይ ምስ ኩሎም ጎረባብቱ ህዝቢታት ሰላም ዝኾነሉ ኩነታት ዮም ክሰርሑ ዘለዎም። ኣብ ዲያስፖራ ተጋሩን ሙሁራንን ‘ውን ተመሳሳሊ ስራሕ ክሰርሑ ኣለዎም። ብፍላ ድማ ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብሰፊሑ ክሳተፉ ኣለዎም። እቲ ስምምዕነት ሰላም ንኽፍፀም ታሪኻዊ ሓላፍነቶም ክፃወቱ ኣለዎም። ምስ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ኮይኖም እቲ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ዘቀላጥፍ ኩነታት ኣድሂቦም ክሰርሑ ኣለዎም።

ወጋሕታ፡- ዘሕልፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም፤ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ። ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ህዝቢ ትግራይ ንመሰሉ በዓሉ ብምጥባቕ ነቒሑ ክከታተል ኣለዎ። መንግስቲ ፌዴራልን ካልኦት ገበርቲ ሰናያት ዘቕርብዎ ዘለዉ ሰብኣዊ ሓገዛት ብትኽክል ምብፅሑ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ክከታተል ኣለዎ፤ ነቒሑ ክከታተል መሰሉ ‘ዩ። ኣበይ ይውዕል ኣሎ ኢሉ ብንቕሓት ክሓትትን ክከታተልን ግብኡ ‘ዩ። ከምኡ ‘ውን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ጠጠው ብምባል ሰላሙ ኣብ ምሕላው ዝላዕለ እጃሙ ክፃወት ኣለዎ። ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የቕንየልና። ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ንምግላፅ ስለ ተጋበዝኹ የቕንየለይ።

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 25 ጥሪ 2015 ዓ.ም

Recommended For You