‹‹ሚዩዚክ ኣዋርድ››

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕለተ ሰሉስ ‹‹መበል 11 ሚዩዚክ ኣዋርድ›› ኣብ ሆቴል ማርዮት ተኻይዱ። ካብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ሕፁያት ቀሪቦም ልዑል ውድድር ገይሮም ፤ተዓወቲ ድማ ተፈልዮም እዮም። ብመሰረት እዚ ‹‹እስክሽር›› ዝተብሃለ ክሊፕ ሳያት ደምሴ ናይዚ ዓመት ሰዓራይ እንትኸውን፤‹‹ገራገር›› ብዘቢባ ግርማ ዝተዜመ እንትኸውን ናይዚ ዓመት ዝተመረፀ ነፀላ ዜማ ተሸለምቲ ኾይነን እየን።

ኣብዚ ሙዩዚክ ኣዋርድ ንስራሕቲ ኣልበም ኣፍልጦ ዝተውሃበ እንትኸውን፤በዚ ድማ ናይ ድምፃዊ ዳዊት ፅጌ ‹‹የኔ ዜማ›› ዝብል ተፈታዊ ስራሕ ብዘይ ሓደ ተነሓናሒ ዝተደመፀን ቐልቢ ኣድመፅቲ ዝገዝአን እዩ። ሰዓራይ ምሩፅ ኣልበም ዝኾነ ድምፃዊ ዳዊት ፅጌ ኣብ ተኸታታሊ ውድድር ኢትዮጵያ ቴሌቪዥን ‹‹ባላገሩ ኣይደል›› ቕድሚ ዓመታት ሰዓራይ ነይሩ። እቲ ውድድር እንትዛዘም ድማ ንዝሰዓረ ተወዳዳራይ ኣልበም ምድላው ናይቲ ሽልማት ኣካል ስለዝነበረ፤ኣፍቲ ውድድር ዳዊት ብዘርኣዮ ዝድነቕ ኽእለት ብመፍቀርቲ ሙዚቃ እቲ ኣልበም ብሃንቀውታ ትፅቢት ክግበረሉ ፀኒሑ እዩ።

ከምቲ ትፅቢት ዝተገበረሉ ድማ ‹‹የኔ ዜማ›› ብዝብል መፀውዒ ናይ መጀመሪያ መፀውዒ ኣልበሙ  ንመድነቕቱ ኣቐሪቡ እዩ። ዓሰርተ ኣርባዕተ ስራሕቲ ሙዚቃ ዘካተተ ሙዚቃ ዳዊት ፅጌ ኣልበም ‹‹የኔ ዜማ›› ውድድር ስዒሩ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ዝወፀ ብምዃኑ ደንጉዩ እዩ ዝብሉ ብዙሓት እዮም።

ይኹን ‘ምበር ኣፍቲ ውድድር ሙዚቃ ዝተፈላለዩ ፍሉጣት ድምፃውያን እናተፃወተ ስለዝነበረ፤ኣብ ፃንሒት ኣርባዕተ ዓመት ናይ ባዕሉ ቀለም ሙዚቃ ፈልዩ ንኽረክብ እናፀዓረ ከምዝነበረ ሓደ እዋን ኣብ ራድዮ ጀርመን (ዶቼ ቬሌ) ገሊፁ። ነዚ ድማ ስሙይ ሙዚቀኛ ኣበበ መለሰ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ገይርሉ እዩ። ኣብ ኣልበም ‹‹የኔ ዜማ›› ዳዊት ፅጌ ዓሻራ ኣብርሃም ወልዴ ዝዓረፎ እንትኸውን፤‹‹ባላገሩ ቑፅሪ ኣርባዕተ’ውን ኣብዚ ተኻቲቱ እዩ።‹‹ኣስመሪኖ›› ኣብ ዝብል ዜምኡ ድማ ከም በዓል ፀሃይቱ ባራኺ ዝበላ ዓበይቲ ድምፃውያን ኤርትራ ዘኪሩ እዩ።

‹‹ባላገሩ ኣይደል›› ኣብ ዝብል ውድድር ሙዚቃ ኣብ ዝነበሮ ፃንሒት ኣብ ውሽጢ ልቢ ኣፍቀርቲ ሙዚቃ ዓብዪ ቦታ ሒዙ ዝፀንሐ ድምፃዊ ዳዊት ፅጌ፤ኣብ ቐረባ እዋን ዘውፀኦ ኣልበም ሙዚቃ ብኣድመፅቲ ፅቡቕ ምላሽ እናረኸበ ፀኒሑ እዩ፤ብምዃኑ ድማ እዚ ኣልበም ኣብ ኣዲስ ሙዩዚክ ኣዋርድ ተዓዋታይ ኾይኑ እዩ። ኣፍቲ ዕለት ንተዓደምቲ ደስታን ሓዘንን ዝፈጠረ ‹‹ናይ ዘመን በዓል ውዕለታ›› ነይሩ። ሙዚቃ ብልዑል ኪነጥበብ ብቑልዕነቱ ዝጀመረ ኣርቲስት ሱራፍኤል

 ‹‹ቖልዓ እናሃለኹ ንድምፃዊ ኣለማየሁ እሸቴ ፍሉይ ፍቕሪ ነይሩኒ›› ክብል ኣብ ታዛ መፅሄት ሓደ እዋን ተዛሪቡ ነይሩ። ኣብ ቀበሌ ኪነት ብምፅዋት ኽእለቱ ኣዳቢሩ ብ1972 ዓ/ም ኣብ ዝተቖፀረሉ ራስ ቲያትር ንውሕ ንዝበሉ እዋናት ብድምፃውነትን ብስዕስዒትን ኣገልጊሉ እዩ። ብ1979 ዓ/ም ምስ ሮሃ ባንድ ዝሰርሖ ‹‹ታድለሻል›› ዝተብሃለ ኣልበም ካብ ትያትር መድረኽ ብተወሳኺ ናብ ህዝቢ ዝበፅሐ በኹሪ ስርሑ እዩ። በ1980 ዓ/ም ድማ ምስ ኻልኦት ድምፃውያን ብሓንሳብ ተፃዊቱ እዩ። ካብ መንጎ ስራሕቱ ‹‹ሳዱላዬ፣እንደኔ ነው ወይ፣ይገርማል፣የማር ወለላ›› ዝብሉ ዝጥቀሱ እዮም።

ኣርቲስት ሱራፌል ኣብ መወዳእታ 1970ታት ጀሚሩ ገፁ ናብ ግጥሚ፣ ዜማን ድርሰትን መሊሱ እዩ። ኣብ ሙዚቃ ኢትዮጵያ ኣብ 70ታትን 80ታትን ካብ መንጎ ደሚቕ ዓሻራ ዘዕረፉ፤ደረስቲ ዜማን ግጥምን ማለት’ውን ከም ምስ በዓል ኣበበ መለሰ፣ኣበበ ብርሃኔ፣ሞገስ ተካ፣ዘላለም መኩሪያ ተሰሊፉ ዘበን ዘይስዕሮም ስራሕቲ ኣበርኪቱ እዩ። ኣብ መብዛሕትኡ ኣፍልጦ ዝረኸበሉን እስካዕ ሕልፈቱ እናሰርሖ ዝነበረ ሞያ ድርሰት ሙዚቃ እዩ ነይሩ። ነፃነት መለሰ፣ገረመው ኣሰፋ፣ራሄል ዮሃንስ፣ምናሉሽ ረታ፣መሃሪ ደገፋው፣ሻምበል በላይነህ፣ትእግስት ወይሶ፣ሃመልማል ኣባተ፣… ናቱ ድርሰት ግጥምን ዜማን ካብ መንጎ ዝተፃወቱ ድምፃውያን ይርከብዎም።

 ብሞያ ኣጋራቱ ፀባየ ሰናይ ከምዝኾነ ዝዝረበሉ ኣርቲስት ሱራፌል መብዛሕትኡ ስራሕቲ ግጥምን ዜማን ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነትን ተደማፅነትን ረኺቦምሉ እዮም። ካብ መንጎ እዚኦም ቴዎድሮስ ታደሰ ‹‹ጥፋተኛው ገላ››፣ ማርታ ኣሻጋሪ ‹‹ደማይ ደማይ››፣ፀጋዬ እሸቱ ‹፣ተጓዥ ባይኔ ላይ››፣ኩኩ ሰብስቤ ‹፣ዘንድሮ››፣ህብስት ጥሩነህ ‹‹እምዬን ኣደራ››፣ዳዊት ፅጌ ‹‹የኔ የኔ››ተጠቀስቲ እዮም።

ኣቦ ድምፃዊ ብስራት ሱራፍኤል ዝኾነ ኣርቲስት ሱራፌል ኣበበ ዓሚ ኣብ መፈርቕ ወርሒ ሰነ ብሃንደበት ካብዛ ዓለም ከም ዝተፈለየ ዝዝከር እዩ እዚ በዓል ሞያ ኣብ መበል 11 ሽልማት ሙዩዚክ ኣዋርድ ‹‹ናይ ዘመን በዓል ውዕለታ›› ሰዓራይ ኾይኑ እዩ። ኣወሃህባ ድምፂ ኣዲስ ሙዩዚክ ኣዋርድ ብሓፂር መልእኽቲ 8022ን ሙዩዚክ ዶት ኦርግ ብዝብልን መረብ መራኸቢ ብዝተልኣኹ ድምፅታት ተመልከትን ኣድመፅትን ከምኡ ‘ውን ነጥቢ ሰብ ሞያ ተወሲኽዎ ሰዓራይ ዝተፈለየሉ ውድድር እዩ።

እቲ ኣዋርድ ብዘፈር ሙዚቃ እንተኾነ ‘ውን ኣዋርድ ዘፈር ትያትር ብምክታት ንውፅኢት ጥበብ ፊልም’ውን ኣፍልጦ ሂቡ እዩ። እዚ ብዝምልከት ብትወና ማርታ ጎይቶኦም ‹‹ናይዚ ዓመት ምርፅቲ ተዋሳኢት›› ብዝብል ዘፈር ቐዳመይቲ ብምዃን ካባ ደሪባ እያ።

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You