ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዘይኣምን ሓይሊ ክሓቑፍ የብሉን ተባሂሉ

መኣርግ ገ/ሄር

 ኣዲስ ኣበባ፡- ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንኽዓስል ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ፍትሕን ማዕርነትን ዘይኣምን ሓይሊ ክሓቑፍ የብሉን ክብሉ መስራቲ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ(ትዴፓ) መምህር መኮነን ዘለለው ገሊፆም።

መምህር መኮነን ምስ ጋዜጣ ወጋሕታ ኣብ ዝገበርዎ ቓለ መሕትት ከምዝገለፅዎ፣ ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ነፃነት፣ልምዓትን ኢኮኖሚያዊ ለውጢ ንምርካብ ብተደጋጋሚ መስዋእቲ እናኸፈለ እንተመፅአ’ውን ብሰንኪ ፈተውቲ ስልጣንን ጥቕምን ዝሓሰቦ ከይተሳኽዐ ተሪፉ እዩ።

ህዝቢ ትግራይ ነፃነቱ ንምርካብ ብሰላም ክቓለስ ኣለዎ ዝበሉ መምህር መኮነን፣ቕድሚ ሕዚ ህዝቢ ምስ ህወሓት ኮይኑ ንብዙሕ ዘመናት ተቓሊሱ እዩ፤ ህወሓት ናይ ባዕሉ ረብሓ ካብ ምድልዳል ሓሊፉ ንህዝቢ ዘይሓስብ ምዃኑ ድማ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ተራእዩ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ራሕዋ፣ ዲሞክራሲን ኢኮኖሚያዊ ዕቤትን ምስ ዘምፀአሉ ኣካል ክኸውን ይግበኦ ኢሎም።

 ህወሓት ብሓይሊ ዝኣምን ውድብ ብምኻኑ ዲሞክራሲ ከምፅእ ኣይኽእልን ዝበሉ መምህር መኮነን፣ህዝቢ ትግራይ ደቑ ናብ ውግእ ሰዲዱ ዝረኸቦ ረብሓ ከምዘየለ ገሊፆም።

ህዝቢ ትግራይ ፖለቲካዊ ቓልሲ ንነዊሕ እዋን እናካየደ ዝመፀ ብምዃኑ ዋጋ ፍትሕን ሰላምን ክቡር ምዃኑ ዝፈልጥ ህዝቢ እዩ ክብሉ ኣረዲኦም።

ህወሓት መናእሰይ ትግራይ እናታለለ ክዐጥቑ ምግባር ትኽክል ስለዘይኮነ፤ ‹‹ህዝቢ ንምንታይ ኢና ደቕና ናብ ውግእ ንሰድድ ዘለና ፣ናይ ቕድሚ ሕዚ ኣይኣኽለናን ድዩ ኢሉ ክሓትት›› ይግበኦ ኢሎም። ደቑ መሳርሒ ኣጀንዳ ህወሓት ክኾኑ የብሎምን። ፀገም ህዝቢ ትግራይ ክፍታሕ እንተኾይኑ ደቑ ንሰላም ‘ምበር ናብ ውግእ ከሰልፍ የብሉን ኢሎም።

ህዝቢ ትግራይ ሰላም ንዘይረክብ ብዙሕ ናይ ኣካልን ሂወትን ዋጋ ዝኸፈለ ምዃኑ ዘዛኻኸሩ መምህር መኮነን፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ህወሓት ካብ ጠፍአ ድሕሪ ሕዚ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብብረት ተይኮነስ ኣብ መድረኽ እዩ ክኸውን ዘለዎ ክብሉ ተዛሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ ቓልሱ ኣብ ሰላም፣ፍትህን ዲሞክራሲን ክገብር ከምኡ’ውን ሰላምን ፍትሕን ምስ ዝኣምን መንግስቲ ጠጠው ክብል ኣብ ወፃኢን ውሽጥን ዘሎ ትግራዋይ ስለ ሰላም’ምበር ስለ ጥፍኣት ክሰብኽ የብሉን ክብሉ ኣመልኪቶም።

‹‹ብውግእ ዝመፅእ ሰላም የለን፤ህዝቢ ትግራይ ፀገሙ ክፈትሕ ዝኽእል ብሰላማዊ ቓልሲ ጥራሕ እዩ። ጎንፂን ፅልእን ዝደሊ ኣካል እንተሐልዩ ህዝቢ ትግራይ ባዕሉ ክቓለሶ’ምበር ተታሊሉ ምስኡ ክስለፍ የብሉን›› ኢሎም።

ብኵናት ዝመፀ ሓይሊ ሰላምን ዲሞክራሲን ስለ ዘይረአየ ኣብ መወዳእትኡ ወፃዒ እዩ ዝኸውን ዝበሉ መምህር መኮነን፣ ነዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ሂወቱ ርኢይዎ ዝሓለፈ ኩነታት ስለ ዝኾነ ደጊሙ ክታለል ከምዘይብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ክፍታሕ እንተኾይኑ ኩሉ ሰላም ደላዪ ኣካል ዝከኣሎ ግደ ክፃወት ከምዝግበኦ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ወጋሕታ 7 ሚያዚያ 2013

Recommended For You