ክለባት ኩዕሶ እግሪ ትግራይ በጀት ዓብይ ፈተና ኮይንዎም ኣሎ

ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ሰለስተ ክለባት ክልል ትግራይ መቐለ 70 እንደርታ ፣ስሑል ሽረን ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ኣብቲ ክልል ብዝተፈጠረ ፀገም ፀጥታ ተተሓሒዙ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ከይተሳተፉ ምትራፎም ዝፍለጥ እዩ፡፡ እዚኦም ክለባት ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ተሳተፍቲ ንክኾኑ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ፃዕሪ ከምዝጀመረ ዝገለፀ እንትኸውን ፣ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል በምዃን እናሞከረ ከምዝርከብ ተገሊፁ እዩ፡፡

ናይቲ ክልል ቢሮ ስፖርትን መናእሰይን ምስቲ ክልል ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ከምኡ’ውን ናይ ሰለስቲኦም ክለባት ኣመራርሓ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ ከምዘካይዱ ተፈሊጡ እዩ፡፡ ኣብቲ ዘተ ድማ እቶም ክለባት ኣብ ቀፃሊ ዓመት ናብ ንሕንሕ ዝምለስሉ መገዲ ከመይ ከምዝኾነ ክዘራረብሉ እዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር፡፡ እዞም ክለባት ኣብ ቀፃሊ ዓመት ናብ ንሕንሕ ክምለሱ ድዮም ወይስ ሊግ ካምፓኒ ቅድም ክብል ብዘውፀኦ ኣማራፂ ሓሳብ መሰረት ‹‹ካብቲ ፕሪሚየር ሊግ ዝወረዱ ሰለስተ ክለባትን ኣብ ላዕለዋይ ሊግ ኻልኣይ ኾይኖም ብሰለስቲኡ ምድብ ዝወድኡ ሰለስተ ጋንታታት ብኣውዲቅኻ ምሕላፍ ፀወታታት ተገይሮም ብዓሰርተ ሽድሽተ ጋንታታት ፕሪሚየር ሊግ ክቕፅል ››ዝብል ሓሳብ ናይ ብዙሓት ስድራ ስፖርት ሕቶ ኾይኑ እዩ፡፡

ኣብ ግዝያዊ ምምሓዳር ክልል ትግራይ ሓላፊ ቢሮ መናእሰይን ስፖርትን ኣይተ ባርያጋብር ኣባይ ፣እቶም ክለባት ኣብ ቐፃሊ ናብ ንሕንሕ ንምምላስ ሰፊሕ በጀት ከምዘድሊ እዚ ንምምላእ ኣብቲ ክልል ኣፀጋሚ ኹነታት ከምዘሎ ገሊፆም እዮም፡፡ እዚ ፀገም ንምፍታሕ ዝተፈላለየ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዘሎ ንኣዲስ ዘመን ተዛሪቦም እዮም፡ ፡ እቶም ክለባት ብፍላይ መቐለ 70 እንደርታ ቅድሚ ኸዚ ብፋይናንስ እናተሓገዘ ዝነበረ በቲ ከተማ ምምሓዳርን ወረዳን ከምኡ’ውን ካብ ደገፍቲ ዝርከብ ኣታዊ ከምዝነበረ ዘዘኻኸሩ እቶም ሓላፊ፣ኸዚ ኣብ ዘሎ ኹነታት ምምሕዳር እቲ ከተማ ግብሪ እናኣከበ ብዘይምዃኑ ደገፍቲ ‘ውን ኣብ ምንቅስቓስ ብዘይምዃኖም ናብ ንሕንሕ ንምምላስ ዘድሊ በጀት ምርካብ ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ኣረዲኦም እዮም፡፡

ፀገም በጀት ተቐሪፉ እተን ክለባት ናብ ንሕንሕ ንምምላስ ናይቲ ክልል ቢሮ መናእሰይን ስፖርት ምስ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ፕሬዝዳንት ኣይተ ኢሳያስ ጅራ ኣብዚ ጉዳይ ከምዝተዘራረቡ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፣ምስቲ ክልል ግዝያዊ ምምሕዳር ዋና ስራሕ ኣፈፃሚ ዶክተር ኣብርሃም በላይ እንታይ ምግባር ከምዘድሊ ዘተ ከምዝገበሩን ፌደራል መንግስቲ ሓገዝ ንክገብር ሕቶ ንምቕራብ ከምዝተሓሰበ ተዛሪቦም እዮም፡፡

ቅድሚ ኸዚ ናይቲ ጋንታ ቦርድ ኣባላት ሰብሰብቲ ምምሓዳር ኣባል ህወሓት ከምዝነበሩ ዘዘከሩ እቶም ሓላፊ ፣ኣብዚ ኸዚ እዚኦም ቦርድ ኣመራርሓን ኣባላትን ስለዝተበታተኑን ስለዘይርከቡን ምስብሳብ ከምዘይተኽኣለ ገሊፆም እዮም፡፡ እዚ ድማ እቶም ክለባት ከም ሓድሽ ኦዲት ተገይሮምን ሓድሽ ቦርድ ተጣይሹ ስራሕቲ ንምፍጣን ዝግበር ፃዕሪ ከምዝተጓተተ ኣረዲኦም እዮም፡፡ ነቶም ክለባት ኣብዚ ኸዚ ዘለዉ ተፃወቲ ብዝሓት ንምፍላጥ ደብዳቤ ዝተላኣኸሎም እንትኸውን ክሳብ ኸዚ ዘሎ ኩነታት ኦዲት ንምግባር ኣፀጋሚ ከምዝኾነ ገሊፆም እዮም፡፡ ‹‹እቶም ክለባት ኦዲት ተገይሩ ተዝመፅእ ፅቡቕ ነይሩ፣ምስ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምዃን ንሕና ንምቁፅፃር እዩ ነይሩ፣ ሓሳብና ኾይኑ ግና እቶም ክለባት ኦዲት

 ክገብሩ ኣይኻኣሉን ፣ስለዚ አብ ትግራይ ዘለዉ ኣርባዕተ ዩኒቨርስትታት ፣ሲሚንቶ መሰቦን ባንኪ ወጋገንን ዝኣመሰሉ ትካላት ሓገዝ ንክገብሩ ንምሕታት ሓሲብና ኢና›› ዝበሉ እቶም ሓላፊ እቶም ክለባት ኣብ ቀፃሊ ናብ ንሕንሕ ዝምለሱሉ ኩነታት ንምፍጣር ፃዕሪ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም እዮም፡፡ ኣብዚ ክልል ብዙሓት ዘፃደፉ ነገራት እንተሃለዉ እውን ኣብ ቐፃሊ ዓመት እቶም ጋንታታት ናብ ንሕንሕ ንክምለሱ ናይቲ ክለብ ቦርድ ኣባላት ዘተ ዝካየድ እንትኾን ክሳብ ኸዚ ሕድሕድ እቶም ጋንታታት ዘተ እናገበረ ከምዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ፡፡

ማሃያ ዘይተገበረሎም ኣብ ከይዲ ከምዝኽፈሎምን ፣ምስቲ ጋንታ ዝቕፅሉ ተፃወቲ እንተሃልዮም ‘ውን ማሃየኦም ናይቶም ክለባት ዓቕሚ ኣንፃር ካብ ዝነበርዎ ቀኒሶም ክፃወቱ ከምዘለዎምን ከም ቅድሚ ኸዚ ኽልተ ሚኢትን ሰለስተ ሚኢትን ሽሕ ብር ምኽፋል ከቢድ ከምዝኾነ እቶም ሓላፊ ኣብሪሆም፡፡ እዚ ብምስትኽኻል እቲ ጋንታ ብተፃወቲ ንምጥንኻር ዝነበሩ ተፃወቲ እንተተመሊሶም ከም ፅቡቕ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ዝተሓሰበ እንትኾን እዚ እንተዘይኾይኑ ኣብ ትግራይ ካብ ዘለዉ ቀዳማይ ሊግ ካብ ዝባሃሉ ጋንታታት ተፃወቲ ብምፍራም ናብ ንሕንሕ ንምምላስ ፃዕሪ ከምዝግበር ወሲኾም ገሊፆም እዮም፡ ፡ በዚ መሰረት ወልዋሎ ዓድግራት ዩኒቨርሲቲን ስሑል ሽረን ሓደሽትን መናእሰይ ተፃወቲ ካብቲ ክልል ኣናእሽተይ ጋንታታት ከይተረፈ እናፈረሙ ፅቡቕ ስራሕ እናሰርሑ እንትኮን ፣ንእሽተይ ዘፀግም ምንቅስቓስ ዘይጀመረ መቐለ 70 እንደርታ ከምዝኾነ ተፈሊጡ እዩ፡፡ ስሩዕ ተዘይኾነ እውን ምክትል ኣሰልጣንን ዒስራን ኽልተን ተፃወትን ልምምድ እናገበሩ ከምዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ እዩ፡፡

እዚ ከምዚ ከምዘሎ ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከባ ሰለስቲአን ጋንታታት ፕሪሚየር ሊግ ኣብ ውድድር ዘበነ 2014 ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ክሳተፋ ከምዝደልያ ኣፍሊጠን። ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ምስ ዝኾና ሰለስተ ጋንታታት ትግራይ ብዛዕባ ዝቕፅል ዓመት ተሳትፎአን ኣመልኪቱ ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዩ። ኣብቲ መድረኽ ዘተ ፕሬዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን ኣይተ ኢሳይያስ ጅራ፣ ኣካቢ ኮሚቴ ማርኬቲንግ ኣይተ ኣበበ ገላጋይን ዋና ፀሓፊ እቲ ፌዴሬሽን ኣይተ ባህሩ ጥላሁን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፣ ኣመራርሓታት ጋንታ መቐለ 70 እንደርታ፣ ጋንታ ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ፣ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ክልል ትግራይን ኮሚሽን ስፖርት ክልል ትግራይን ብኣካል ተረኺቦም።

ኣመራርሓታት ጋንታ ስሑል ሽረ ብኣካል ክርከቡ ስለዘይከኣሉ ድማ ብቐጥታ ብቴሌ ኮንፈረንስ ከምዝተሳተፉ ተገሊፁእተን ጋንታታት ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝርከባሉ ነባራዊ ኩነታት ዘብርሃ እንትኾና፥ ናብ ውድድር ንምምላስ ድሌት ይሃልወን እምበር ፀገም ፋይናንስ ዓቢዪ ማሕለኻ ከምዝኾነን ኣፍሊጠን።ድሕሪ እቲ ዘተ ዝወሰደኦ ሓሳብ ብምውሳድ ነናብ ጋንተአን ተመሊሰን፤ ምስ ደገፍተንን ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልልን ብምዝርራብ ኣብ ሓፂር እዋን ናይ መወዳእታ ውሳነአን ከምዘፍልጣ ገሊፀን።ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብግድኡ፥ እተን ጋንታታት ናብ ውድድር ንኽምለሳ ዝኸኣሎ ሓገዝ ንምግባር ድሉው ምዃኑ ምግላፁ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

መሰረት ገ/ዮሃንስ

ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You