‹‹ንዳግመ ህንፀት ትግራይ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክተሓባበር ይግባእ›› – ሸኽ ሓሰን መሓመድኑርኣላህ

ሸኽ ሓሰን መሓመድኑርኣላህ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወረዳ ሳሕርቲ ከተማ ግጀት ዝተወለዱ እንትኾኑ፤ ካብ ቐዳማይ ክፍሊ ጀሚሮም ክሳብ 10ይ ክፍሊ ‘ውን ኣብ ከተማ ግጀት ‘ዮም ተማሂሮም፤ ሼክ ሓሰን ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ኣባል ዓረና ትግራይ ኮይኖም ዘገልገሉ እንትኾኑ ቕድሚ ናብዚ ውድብ እዚ ምእታዎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ተቐሚጦም ‘ዮም፤ ኣባል ብኣዴን ‘ውን ነይሮም ‘ዮም። ድሕሪ ለውጢ ድማ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዞባ ደቡብ ምብራቕ ወረዳ ሳሕርቲ ከተማ ግጀት ሓላፊ ፀጥታን ኣመሓዳሪ ዝነበሩ ኮይኖም ሐዚ ኣባል ፓርቲ ብልፅግና ‘ዮም። እንበኣርከስ ክቡራት መንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ እቲ ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተገብረ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝረአዩ ዘለዉ ንጥፈታት ርኢትኦም ንኸካፍሉና ምስ ሸኽ ሓሰን መሓመድኑርኣላህ ዝገበርናዮ ቓለ መሕትት ከም ዘስዕብ ኣዳሊውናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብ ትግባረ ስምምዕነት ሰላም መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ትግራይ ዝሰርሖም ዘለዉ ስራሕቲ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል? ሸኽ ሓሰን፡- ኣብ መንጎ መንግስትን ህወሓትን ኣብ ከተማ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ብዝተገብረ ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ነገራት ይስርሑ ኣለዉ ‘ዮም:: ዝረአዩ ዘለዉ ለውጥታት ክበረታትዑ ‘ዩ ዝግበኦም:: ሙሉእ ኣይኮነን ግና ፅቡቕ ጅማሮ ‘ዩ:: ንኣብነት ከም ምጅማር ስልኪ፣ መብራህቲ ከምኡ ‘ውን ከም ባንኪታት ብውሱን መልክዑ ጀሚሮም ኣለዉ ‘ዮም:: እዚ ንህዝቢ ትግራይ ዓብዪ ተስፋ ‘ዩ፤ ከምቲዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ ንኸባቢ ክልተ ዓመት ኣብ ፀልማት ‘ዩ ነይሩ ምባል ይከኣል::

 ካሊእ ይቕረ ተኹሲ ጠጠው ምባሉ ዓብዪ ነገር ‘ዩ:: ህዝቢ ካብ ዝነበሮ ከቢድ ስግኣትን ኢሉ ‘ውን ምስኣን ሂወትን ኣካልን ክድሕን ክኢሉ ‘ዩ:: ኣፋውስ ‘ውን ይኣቱ ኣሎ፤ እዚ ፅቡቕ ጅማሮ ‘ዩ፤ ብዙሕ ሰብ ሰኣን መድሓኒት ሂወቱ እናሰኣነ ‘ዩ ነይሩ:: ሕዚ ግና ብውሱን መልክዑ መድሓኒት ይኣቱ ስለ ዘሎ ካብ ናይ ቕድሚ ሕዚ ዝሓሸ ‘ዩ:: ይኹን ‘ምበር እዚ እኹል ኣይኮነን፤ ካብዚ ንላዕሊ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ:: ባንኪ ሙሉእ ብሙሉእ ኣይተኸፈተን፤ ትራንስፖርት ‘ውን ብተመሳሳሊ፤ ብኣየር ጥራሕ ‘ምበር ብመኪና ዳርጋ ኣይተጀመረን ዘሎ:: በዚ ምኽንያት ህዝቢ ከምድላዩ ክንቐሳቐስ ኣይከኣለን:: ሸቐጣት ክንድትዝድለ ኣይኣትዉን ዘለዉ::

ናይ ምድሪ መጎዓዝያ ተዘይተኸፊቱ እቲ ፀገም ክቓለል ኣይኽእልን:: ካሊእ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ፀገማት ብዋናነት ክቓለሉ እንተኾይኖም ገበርቲ ሰናይ ብዝግባእ ክሳተፉ ኣለዎም:: ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ዝተፈጥረ ፀገም መንግስቲ ጥራሕ ክፈትሖ ኣይኽእልን:: ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ክተሓባበር ኣለዎ:: ብሓፈሻ መንግስቲ ጀሚርዎ ዘሎ ፃዕሪ ፅቡቕ ኮይኑ ይኹን ‘ምበር እኹል ስለ ዘይኮነ ተወሳኺ ፃዕሪ የድሊ ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ናብ ትግራይ ምጅማር በረራ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ረብሓ ከመይ ይገልፅዎ? ሸኽ ሓሰን፡- መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሽረን መቐለን ምብራር ጀሚሩ ኣሎ:: እዚ ፅቡቕ ‘ዩ:: ይኹን ‘ምበር እኹል ኣይኮነን:: ብፍላይ ናይ ምድሪ መጎዓዝያ ብዘይ ምህላዉ ተጨናኒቑ ‘ዩ ዘሎ:: ኩለን ኣብ ትግራይ ዘለዋ መዕርፎ ነፈርቲ ድማ ፅገና ተገይሩለን ስረሐን ክጅምራ ኣለዎን:: ንኣብነት ናብ ኣክሱም ኣይተጀመረን ዘሎ:: እዚ ክጅመር ኣለዎ:: ብሓፈሻ ግና ኣጀማምርኡ ፅቡቕ ‘ዩ ዘሎ፤ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ:: ብሰፊሑ ክስረሐሉ ኣለዎ:: እዚ ምልክት ‘ምበር እኹል ኣይኮነን:: በርግፅ ንኽልተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ኩናት ስለ ዝነበረ ብሓደ ግዜ ኩሉ ተፀጊኑ ኣብ ዝሓፀረ ግዜ ናብ ንቡር ንምምላስ ክኸብድ ይኽእል ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ኩሉ ተተሓባቢሩ ዝኸብድ ኣይኾንን:: ክስራሕ ይኽእል ‘ዩ:: ቐንዲ ጉዳይ ሓድነትን ምትሕብባርን ‘ዩ ዘድሊ::

ወጋሕታ፡- ልኡኻት መንግስቲ ናብ መቐለ ምኻዶም ዘለዎ ትርጉም እንታይ ‘ዩ ይብሉ? ሸኽ ሓሰን፡- እቶም ልኡኻት መንግስቲ ናብ ትግራይ ምኻዶም ፅቡቕ ‘ዩ፤ እዚ ዘሪአካ እቲ ሰላም ፅቡቕ እናኸደ ምዃኑ ‘ዩ:: ምቕርራብን ምትእምማንም ዘጠናኽር ‘ዩ፤ እዚ ፍረ ስምምዕነት ሰላም ‘ዩ፤ ስለዚ እዚ ፅቡቕ ሃዋህው ሰላም ዘመላኽት ስለ ዝኾነ ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ:: ክሳብ ሕዚ ብዝተኻየደ ኩናት ብዙሕ ሂወት ሰብን ንብረትን ጠፊኡ’ዩ:: እዚ ከብቕዕ ኣለዎ:: ኣብዚ ኣትሌታት ትግራይ ‘ውን ምኻዶም ቤተሰቦም ሪኦም ምምላሶም ፅቡቕ ‘ዩ:: ነቲ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ዘጣናኽር ‘ዩ::

ወጋሕታ፡- ስምምዕነት ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ንምትግባር ኣብ ቀፃሊ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ? ሸኽ ሓሰን፡- መጀመርያ ቒም ዘለዎ ኩሉ ካብ ልቢ ክዕረቕ ኣለዎ፡፡እቲ ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ንኽትግበር ኩሉ ይቕረ ይቕረ ብምባል ንሰላም ከሰርሕ ኣለዎ:: ኹሉ ቒም ገዲፉ ንሰላም ክሰርሕ ኣለዎ:: ዳያስፖራታት’ውን ናብ ዓዶም ክኣትዉን ኣለዎም:: ቕርሕንቲ ክህሉ የብሉን:: ተጀሚሩ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ተጣናኺሩ ክቕፅል ወይ እቲ ስምምዕነት ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ክኸውን ኩሉ ኢትዮጵያዊ ብዕቱብ ክሰርሐሉ ይግባእ፡፡ እዚ ክሳብ ሕዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ቐሊል ኣይኮነን:: ብዙሓት ለውጥታት ኣለዉ ‘ዮም:: ህዝቢ ትግራይ ሃይማኖታዊ በዓላት ብሰላም የሐልፍ ኣሎ ‘ዩ:: እዚ ሳላ እቲ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ‘ዩ:: ሰላም ቐሊል ኣይኮነን::

ወጋሕታ፡-ኣብ ትግባረ ስምምዕነት ሰላም ግደ ፖለቲካዊ ፓርትታት ትግራይ እንታይ ክኸውን ይግባእ? ሸኽ ሓሰን፡- ኣብ ትግባረ ስምምዕነት ሰላም ግደ ፖለቲካዊ ፓርትታት ትግራይ ክኸውን ዘለዎ ፖለቲካዊ ውድባት ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዝጠቕም ኩነታት ፀቒጦም ክሰርሑ ኣለዎም:: ኣብ ሓድነት ህዝቢታት ከድህቡ ኣለዎም:: ትግራይ ኣካል ኢትዮጵያ ‘ያ፤ ኢትዮጵያ ‘ውን ኣካል ትግራይ ‘ያ፤ ክነፃፀላ ኣይኽእላን:: ስለዚ ፈላልዮም ክሪኡ የብሎምን:: ኣብ ሓድነት ክሰርሑን ክሰብኩን ኣለዎም:: ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዝፈላሊ ሓሳብ ከምፅኡ የብሎምን:: ኣፅቢብካ ምሕሳብ ክህሉ የብሉን:: ብኻሊእ ወገን እቲ ስምምዕነት ሰላም በቲ ዘለዎ ክቕፅል ኣብ ጎኒ መንግስቲ ክስለፉ ኣለዎም:: ሓገዝቲ ክኾኑ ኣለዎም:: ኣብ ትግራይ ዘሎ ምምሕዳራዊ ፀገም ኣብ ምፍታሕ ‘ውን ክረባረቡ ኣለዎም:: ዘጋጠመ ፀገም ክፍታሕ ሓገዝቲ ክኾኑ ኣለዎም፤ ንህዝቢ ኣብ ዘይጠቕም ኣጀንዳ ክፅመዱ የብሎምን:: ንህዝቢ ትግራይ ብፍልጠት ይኹን ብገንዘብ ኣተሓባቢሮም ኣብ ምሕጋዝ ክነጥፉ ኣለዎም:: ከምዝፍለጥ ህዝቢ ትግራይ መድሓኒት፣ ቀለብን መጎዓዝያን ዝመሳሰሉ ፀገማት ኣለውዎ ‘ዮም:: ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ፀገሙ ዝፈትሐሉ ሓሳብ ‘ዩ ዝደሊ:: ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ዘየርበሖ ምፅማዶም ትርጉም የብሉን::

ወጋሕታ፡- ምሁራንን ዳያስፖራ ትግራይን ኣብ ትግባረ ስምምዕነት ሰላም እንታይ ክሰርሑ ኣለዎም ይብሉ? ሸኽ ሓሰን፡- ምሁራንን ዳያስፖራ ትግራይን ኣብ ትግባረ ስምምዕነት ሰላም ክገብርዎ ዘለዎም ብገንዘቦምን ፍልጠቶምን ንህዝቢ ትግራይ ክሕግዝዎ ኣለዎም:: ብፍላይ ዳያስፖራ ትግራይ ባንዴራ ሒዝካ ምዝላል እንተይኮነስ ብገንዘብ ክሕግዝዎ ኣለዎም:: ህዝቢ ትግራይ ኣብ ፀገም ‘ዩ ዘሎ:: እቲ ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ናብ መሬት ክወርድ ንሰላም ክሰብኩ ኣለዎም:: ህዝቢ ትግራይ ሰላም ‘ዩ ዘጠቕሞ፤ ንህዝቢ ትግራይ ጠጠው ዝበሉ እንተኾይኖም ህዝቢ ትግራይ ሰላም፣ ልምዓት፣ ዲሞክራሲን ፍትሕን ክረክብ ክፅዕሩ ኣለዎም:: ካብ ሰላም ወፃኢ ንህዝቢ ትግራይ ዝጠቕም ነገር የለን:: ስለዚ ሰላም ንምምፃእ ዝተቐመጡ ነጥቢታት ናብ ተግባር ንምቕያር ክሰርሑ ኣለዎም:: ብሓፈሻ ዳያስፖራ ተጋሩ ብገንዘቦምን ፍልጠቶምን ኣብ ዳግመ ህንፀት ንትግራይ ሰፊሕ ርብርብ ክገብሩ ኣለዎም:: ብዝተኸኣሎም መጠን ምስ ገበርቲ ሰናይን መንግስትን ኮይኖም ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ምሕጋዝ ክተሓባበሩ ኣለዎም::

ወጋሕታ፡- ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ሰላም ንክኾን እጃሙ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ? ሸኽ ሓሰን፡- ህዝቢ ትግራይ ደላዪ ሰላም ‘ዩ፤ ኩሉ ግዜ ንሰላም ዘለዎ ባህጊ ልዑል ‘ዩ፤ ቕሩብ ‘ውን ‘ዩ:: ኮይኑ ግና ብሰንኪ ሰላም ዘይደልዩ ኣካላት ኣብ ፀገም ወዲቑ ፀኒሑ ‘ዩ:: ይኹን ‘ምበር ሕዚ ብዝተወሰነ ደረጃ ሰላም ረኺቡ ኣሎ ‘ዩ:: እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ብቐንዱ ንህዝቢ ትግራይ ‘ዩ ዝጠቕም:: ህዝቢ ትግራይ ክሳብ ሕዚ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ‘ዩ:: ሕዚ ‘ውን ደጊሙ ከይኸፍል ንሰላም ዝለዓለ ግደ ክፃወት ኣለዎ:: ምኽንያቱ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ዝጉዳእ ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ:: ሕዚ ‘ውን ነዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ንምኹላፍ ዝንቐሳቀሱ ኣካላት ኣለዉ ‘ዮም:: ነዚኦም ዕድል ክህቦም የብሉን:: ሰላሙ ከይዘርግሉ ብጥንቓቐ ክከታተሎም ኣለዎ:: ሰላም ንዘይደልዩ ኣካላት እናተቓለሰ ሰላሙ ከረጋግፅ ኣለዎ:: ኣብዚ ዘይሕለል ፃዕሪ ክገብር ኣለዎ::

ወጋሕታ፡- ከሐልፍዎ ዝደለዩ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም? ሸኽ ሓሰን፡- ሙሁራን ተጋሩ ይኹኑ ካልኦት ኢትዮጵያውን፣ ዳያስፖራን መንግስቲ ጀሚርዎ ዘሎ ፃዕሪ ክሕግዝዎ ኣለዎም:: ህዝቦም ኣብ ምሕጋዝ ኣድሂቦም ክሰርሑ ኣለዎም:: ብፍላይ ድማ ክሳብ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋህው ወይ ተበፂሑ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ብዓንቐፍቲ ኣካላት ንድሒሪት ከይምለስ ኩሉ ዝምልከቶ ኣካል ኣብ ጎኒ መንግስቲ ኮይኑ ክሰርሕ ኣለዎ:: ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ብዕቱብ ክከታተሎ ኣለዎ:: እዚ ሰላም እዚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ወሳኒ ‘ዩ:: ሓደ ሓደ ሰላም ዝዘርጉ ግብረ እከያት ስለ ዘይሰኣኑ ኩሉ ሰላም ደላዪ ነቒሑ ክቓለሶም ኣለዎ:: መንግስቲን ገበርቲ ሰናይን ‘ውን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓት ትግራይ ኣብ ምምላስ ብሰፊሑ ክተሓባበሩ ኣለዎም::

ኣብ ትግራይ ዘለዉ ኣካላት ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ክፍተት ተጠቒሞም ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ናይ በዓልቶም ጥቕሚ እናውዐልዎ ዝርከቡ ኣካላት ኣለዉ ‘ዮም:: ነዚኦም ህዝቢ ትግራይ ነቒሑ ክቓለሶም ኣለዎ:: እዚ ‘ውን ሰላም ካብ ምዝራግ ዘይነኣኣስ ኩነታት ‘ዩ:: ጠቕላላ ዝጎደለ መሰረት ልምዓት ኣብ ምፅጋን ዝግበር ምንቕስቓስ ኣደዳ ለያቡ ከይኸውን ህዝቢ ምክትታል ክገብር ኣለዎ:: ጎኒ ጎኒ ሰላም ምስ ምርግጋፅ ግዕዝይና ንምቅላስ ‘ውን ነቒሑ ክከታተል ኣለዎ:: ኣብ ከምዚ ሰፊሕ ምቑፅፃርን ምክትታልን ብምግባር ብቐንዱ እጃሙ ክዋፃእ ኣለዎ:: ዳያስፖራ ትግራይ ‘ውን ኣብ ጎኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ብምባል ኣብ ዳግም ህንፀት ትግራይ ክሳተፍ ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ኣለዎ:: ህዝቢ ትግራይ ካብ ቐደም ኣትሒዙ ንሰላምን ልምዓትን ውፉይ ‘ዩ:: ህዝቢ ትግራይ ዳግም ናብ ኩናት ከይትኣቱ ነቒሕኻ ሰላምካ ከትሕሉ ኣለካ:: ከም ናይ ቕድሚ ሕዚ ደቕኻ ከትስእን የብልካን ክብል እፈቱ::

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት ኣመስግን፡፡ ሸኽ ሓሰን፡- ኣነ እውን ንዝተገበረለይ ዕድመ ኣመስግን።

መኣርግ ገ/ሄር

18 ጥሪ 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You