ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ምቕራቡ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፡-ፕሮግራም ምግቢ ዓለም (WFP) ኣብ ትግራይ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ህፁፅ ምግቢ ሓገዝ ከምዘቕረበ ኣፍሊጡ። ፕሮግራም ምግቢ ዓለም (WFP) ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ከምዝሓበሮ፣ ምክፍፋል ህፁፅ ሓገዝ ካብ ዝጅምር ጀሚሩ ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ሰሜን ምዕራብን ደቡብን ንሓደ ሚሊዮን ሰባት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ኣቕሪቡ።

እቲ መግለፂ ከምዝሕብሮ ኣስቴር በየነ ዝተባህለት ጓል 43 ዓመትን ኣዶ 7 ቖልዑትን ዝኾነት በቲ ዝተፈጥረ ኵናት ስዒቡ ገዝኣን ኣዝርእታን ኣብ በረኻ ሓዲጋ ሂወታ ክተድሕን ሃዲማ እያ።በዚ ምኽንያት ኣስቴር ካብ ዝተፀገዐትሉ ጎረቤት ንእሽተይ ምግቢ እናተሓገዘት ኣብ ብጥሜት ትነብር ነይራ።ኣስቴር ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ 50 ኪሎሜትር ካብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ርሒቓ ዓዲ ምሌን ዝተባህለ ቑሸት እያ እትነብር።እቲ ትካል ክሳብ እቲ ትነብረሉ ቑሸት ከይዱ ሓገዝ ስለ ዝገበረላ ቕድሚኡ ካብ ዝነበረ ፀገም ጥሜት ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ከምእትርከብ ምግላፃ እቲ መግለፂ ይሕብር።

 እቲ ትካል ኣብቲ ዞባ ን4ሽሕ500 ቑሸታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ዘቕረበ እንተኸውን፣ በቢ 6 ሰሙን ዘቅርቦ ሓገዝ ምግቢ ብምብፅሑ ኣስቴር እዚ ትካል እዚ ናብ ቐረበኦም ከይዱ ክሕግዞም ብምኽኣሉ ደስ ከምዝበላ እቲ መግለፂ ይሕብር። ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ እዚ ትካል ናብ ሰሜን ምዕራብ 13 ወረዳታት ከብፅሕ ክኢሉ እዩ።ከምኡ ‘ውን 885ሽሕ ተሓገዝቲ ከምዝሓገዘ ገሊፁ።

ብተወሳኺ WFP ኣብ ወርሒ መጋቢት ኣብ ዞባ ደቡብ ሰለስተ ወረዳታት 168ሽሕ ሰባት ዝሓገዘ እንትኸውን ብድምር ናብ ሓደ ነጥቢ 05 ሚልዮን ህዝቢ ሓገዝ ኣባፂሑ እዩ። ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ናይ ምቅራብ ሐላፍነት ኣለዎ እዩ ዝበለ እቲ መግለፂ፣ እቲ ሓገዝ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብን ደቡብን ናብ 2ነጥቢ 1 ሚልዮን ህዝቢ ንምዕባይ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣብ መግለፂኡ ኣፍሊጡ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ብድምር 5ነጥቢ 2ሚልዮን ህዝቢ ማለት 91ሚኢታዊ ህዝቢ ትግራይ ብምኽንያት እቲ ኵናት ህፁፅ ናይ ምግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮ ገሊፁ እዩ።

መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You