‹‹መንግስቲ ብዝተኽኣሎ መጠን ትማሊ’ውን ሎሚ’ውን ንሰላም ፃዕሪ ይገብር ኣሎ››-መምህር ተስፋይ ኣለማየሁ

መምህር ተስፋይ ኣለማየሁ ብ1952 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ከባቢ መቐለ ኵሓ ከተማ ዝተወለዱ እንትኾኑ ዝዓበይሉን ካብ መባእታውን ክሳብ ካልኣይ ብርኪ ዝተማሃርሉን ኣብ ከተማ ዓዲ ግራትን ዓድዋን’ዩ፡፡ድሕሪ ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ምውደኦም ብ1971 ዓ.ም ደርጊ ኣብ ዝገብሮ ካልኣይ ዙር ወፍሪ ኣንፃር ህወሓትን ሻዕብያን ሰልጢኖም ናብ ኤርትራ ወፍሮም ድሕሪ ምስራሕ ብ1972 ዓ.ም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም ኣብ ኮተቤ መምህራን ኮሌጅ ብሞያ መምህርነት ብታሪኽን ሕብረተሰብን ተመሪቖም፡፡ድሕሪ ምረቓ ኣብ ኦሮሚያ ኢሉኣባቦራ ን11 ዓመታት ብመምህርነት ኣገልጊሎም ‘ዮም። ከምኡ ‘ውን ድሕሪ 1986ዓ.ም ጀሚሮም ኣብ ዘፈር ቱሪዝም ኢትዮጵያ ኣስጎብኚ ድርጅት ዝብሃል ቱርጋይድ ኮይኖም ተቆፂሮም ንሓሙሽተ ዓመታት ድሕሪ ምስርሖም ክሳብ ሐዚ ኣብቲ ዝፈር ብውልቆም ዓዲ ብምፍላጥ እናነጠፉ ይርከቡ፡ ፡ብ2012 ዓ.ም ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ኩነታት ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ናብ ናይ ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ብምፅንባር ኣብቲ ውድብ ምኽትል ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ኮይኖም እናሰርሑ ይርከቡ። ክቡራት ኣንበብቲ ጋዜጣ ወጋሕታ እዋናዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና መሰረት ብምግባር ምስ መምህር ተስፋይ ዝገበርናዮ ፃኒሒት ከምዝስዕብ ኣሳናዲእናልኩም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ :- ኣብ ትግባረ ስምምዕነት ሰላም መንግስቲ ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ዘለዎም ሪኢቶ እንታይ ይመስል? መምህር ተስፋይ :- መንግስቲ ኣብ ትግራይ ሰላም ንክዓስል ህዝቢ ንክቀስን ፈለማ’ውን ንሰላም ህዝቢ ትግራይ ይፅዕር ነይሩ ‘ዩ። ሐዚ’ውን ንሰላም ይፅዕር ከምዝነበረ ብዘርኢ መገዲ ምስ ህወሓት ተደራዲሩ ንህዝቢ ትግራይ እኽሊ ንክኣቱ ትምህርቲ ንክጅምርን ናብቲ ናይ ቀደም ስሩዕ ምንቅስቃስ ንክምለስ ህዝቢ ቀሲኑ ንኽነብር ዓብይ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ይፈልጥ ‘የ።ሐዚ ድማ ከምቲ እንሪኦ ዘለና እቲ ፃዕሩ ሰሚሩሉ ‘ዩ። ብዝረኽቦ ዘለኹ ሓበሬታት በቲ ዘሎ ሰላም ህዝቢ ደስ ኢልዎ እንኳዕ ደስ በለና እናበለ ‘ዩ ዝርከብ ዘሎ። ብትኽክል ጎደሎታት ክህልው ይኽእሉ ‘ዮም። ኣብ ኵናት ዝነበሮ ዓዲ እቲ ዝተፈጠረ ናይ ስነልቦናታት፣ ማሕበራዊ ግልጋሎታት፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ ስልኪን መብራህትን ዝፈረሰሉ ኩነታት ስለዝነበረ ናብቲ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ዝነበሮ ኣይተመልሰን። ይኹን’ምበር ኽቡር ይስፋሕ ወደይን ሰበይተይን ኣብ ትግራይ ኣለውኒ ይድውሉለይ ኣለው። ሕማቅ ኵናት ‘ምበር ሕማቅ ዝብሃል ሰላም የለን። ስለዝኾነ እቲ መንግስቲ ብዝተኽኣሎ መጠን ትማሊ’ውን ሎሚ’ውን ንሰላም ፃዕሪ ይገብር ኣሎ። እንድሕር ናይ ብሓቂ ክልቲኦም ወገናት ናብቲ ዝፈረምዎ ኣትዮም በቲ ዝፈረምዎ እንተኸይዶም ህዝቢ ትግራይ ናብ ዝበለፀ ሰላም ምርግጋዕን ልምዓትን ዝኣትወሉ እዋን ክኸውን ‘ዩ ኢለ የኣምን።

ወጋሕታ :- ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤትን መሰረታዊ ግልጋሎትን ዘለዎም ርኢቶ? መምህር ተስፋይ :- ኣነ ከምዝሪኦ ዘለኹ እዚ ኹሉ ንክኸውን ንኣብነት ትራንስፖርት የድልዮ ‘ዩ። ሐዚ ኣብ ትግራይ ናይ ህዝቢ ኮነ ናይ ፅዕነት ዝህባ ሙሉእ መጎዓዓዝያ የለን። እንተስ መደባሪያ እንተስ ሓገዛት ንምእታው ምችው ዝኾነ ኩነታት የለን። ኣብ ርእሲ እዚ እኹል መሰረተ ልምዓት የለን። ዝለዝኾነ እቲ ዝግበር ዘሎ ሓገዛት ከምቲ ዝድለይ ኣይኮነን ምኽንያቱ ሓደ ሓደ ቦታታት ድልድላት ዝፈረስዎ መንገድታት’ውን ዝተበላሽይዎ ‘ዩ ዘሎ። ይኹን ‘ምበር እንኳዕ ናብዚ ሰላም በፃሕና እምበር እቲ ዝግበር ዘሎ ክመሓየሽ ‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ። ኩሉ ሙሉእ ንሙሉእ ብትኽክል ሽፋን ሂብካ ናብቲ ዝነበሮ ምምላስ ከቢድ ‘ዩ። ኣይኮነንዶ ሐዚ ህወሓት ሙሉእ ብሙሉእ ተቆፃፂሩ እናመሓደረ እናሃለወ’ውን ብትኽክል ዘይባፀሐሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ። እኳደኣስ ስርቂ ዝነበሮ ‘ዩ ነይሩ። ኣጋኒንካ ድርቂ ይንገር ኣጋኒንካ ርዳእታ እናተብሃለ ሓሶት ‘ዩ ነይሩ። ሐዚ ግን ኵናት’ውን ነይሩ፤መሰረተ ልምዓት’ውን ፈሪሱ ስለ ዝኾነ እንታይ ክግበር ከምዝግብኦ ክልቲኦም ወገናት በቲ ዝተስማዕምዑሉ መገዲ መሰረተ ልምዓት እናስፋሕፍሑ ናይ ህዝቢ ይኹን ናይ ፅዕነት መጎዓዓዝያ ተኸፊቱ ግልጋሎት ምሃብ እንተጀሚሩ ሐዚ’ውን ፅቡቅ ተስፋ ክህልው ‘ዩ። ሐዚ ግን ኣብ ኩሉ ቦታታት ከምቲ ዝድለ ኣይኮነን ምኽንያቱ ናይ ትራንስፖርት፣ ኮሙኒኬሽንን መሰረተ ልምዓትን ባንክን ዝመሳሰሉ ፀገም ስለዘሎ። ሓደ ሓደ ዝሰምዖም ኣሉታዊ ዝኾኑ ኣለው ‘ዮም፤ ይኹን ‘ምበር ሰላም እናበልካ ኣንፃር ሰላም ዝኾነ ዝግበር ዘሎ ዝርርብ በቲ ኻሊእ ሓይሊ ፅቡቅ ኣይኮነን። ‘ምበር ፀገማት ኣለው ‘ዮም።

ወጋሕታ :- ምጅማር በረራ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ዝምፅኦ ረብሓ ተዝገልፁልና? መምህር ተስፋይ :- እዚ ሕቶ የብሉን፤ብዙሕ ረብሓ ‘ዩ ዘለዎ። ሓደ ህዝቢ እንተስ ብስራሕ እንተስ ዘመድ ንምጥያቅን ልምዓት ንምስፍሕፋሕን ብሓፈሻ ብዘይ ትራንስፖርት ምንም ክትገብር ኣይትኽእልን። ስለዝኾነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ዝጀመሮ ኩነታት ፅቡቅ ‘ዩ። ትራንስፖርት ኣብዚ ሐዚ እዋን ናይ ቅንጦት ጉዳይ ዘይኮነስ ኣገዳሲ ናይ ልምዓት ጉዳይ ‘ዩ። ስለዝኾነ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ፅቡቅ ጅማሮ ጀሚሩ ኣሎ፤ ከምኡ’ውን ኩሉ ብኣየር ክ ኸ ድ ስለዘይኽእል ናይ ህዝቢ ኣውቶቡስ መጎዓዓዝያ ተዝጅምር እብል። ካብኡ ክዓ ህዝቢ ትግራይ ብብዙሕ ነገር ተጎሳቍሉ ስለዘሎ ፀገማቱ ንከቃልል ከምድልየቱ ናብ ዝደለዮ ቦታ ብዘይገደብ ክወፅእን ክኣቱን ናብርኡ ንምምራሕ ክንቀሳቀስ ኣለዎ፡፡እዚ ንምግባር ድማ መጎዓዓዝያ ኣድላይ ‘ዩ። ኣውሮፕላን ንዝተወሰኑ ኣሽሓት ሰባት ክጠቅም ይኽእል ‘ዩ። ንሱ’ውን እንተኾነ ኣይንፅልኦን፤ ይኹን ‘ምበር እቲ ዋና ኣብዝሓ ተጠቃሚ ዝኾነሉ ናይ ምድሪ መጎዓዓዝያ ኣድላይ ‘ዩ። ንኣብነት ኣብ ትግራይ ቤተሰበይ ካብ እንትጮ ንዓድዋ ከይዶም ደዊሎምለይ፤ትራንስፖርት ተኸፊቱ ድዩ ኢለዮም፤ኣይ ብእግርና ኢና መፂና ኢሎምኒ። ስለዚ ሰብ ካብ ፈረስ ማይ ንዓድዋ ካብ ብዘት ንዓዲግራት ብእግሩ እናኸደ ‘ዩ ዘሎ። ካብቲ ዝነበሮ ግና ይሕይሽ እንተነኣሰ ተኹሲ የለን። ይኹን ‘ምበር ትግራይ ክትህነፅ እንተኾይኑ ህዝቢ ንክንቀሳቀስ ክፈቅዱሉ ኣለዎም።

ወጋሕታ :- ልኡኻት መንግስቲ ናብ መቐለ ምኻዱ ትርጉም እንታይ ‘ዩ? መምህር ተስፋይ :- ኣነ ዝተፈለየ ትርጉም ዝህብ ኣይመስለንን ፤ምኽንያቱ ትማሊ ቅድሚ እቲ ኵናት’ውን ተቀቢልዎ ነይሩ ‘ዩ። እቲ ህዝቢ ምስ መንግስቲ ፀገም ኣይነበሮን። ናብ ኵናት ክኸድ ኣይደልን ነይሩ ይፈልጦ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ሐዚ ድሕሪ እቲ ኵናት ምስ ምዃኑ ሓቂ ‘ዩ ኢሉ እቲ ዘሎ ንኽኣምን እፎይ ኢሉ ንኽሓድርን እንኳዕ መፅእኹምልና ዝብል ልባዊ ሓጎስ ክህልዎ ይኾን። ድሕሪ እዚ ኹሉ ሞትን ሓዘንን ምዃኑ ድማ ዳርጋ ደበስ ‘ዩ ‘የ ዝብል። ንህዝቢ ትግራይ እንተተገበረሉ ‘ውን ይንእሶ ‘ምበር ኣይበዝሖን ምኽንያቱ ክልተ ሰልስተ ግዜ ዝተበደለ ህዝቢ ‘ዩ።

ወጋሕታ :- ስምምዕነት ሰላም ምሉእ ንምግባር ኣብ ቀፃሊ እንታይ ይገበር ይብሉ? መምህር ተስፋይ :- ክልቲኦም ሓይልታት ቃሎም ክሕልው ኣለዎም። ሰብ ክቡር ‘ዩ ስለዝኾነ ምእንቲ ክብሪ ሰብ ክብሉ ናይ ባዕሎም ድልየት፣ ረብሓ፣ ሃፍትን ስልጣንን ሓዲጎም ነዚ ህዝቢ ክብሉ ቃሎም ሓልዮም ክሰርሑ ‘ዩ

ዝግብኦም። እቲ ውዕሊ ኹናት ጠጠው ይበል ጥራሕ ኣይኮነን ዝብል። ብሕገ መንግስቲ መሰረት ሰብኣዊን ዲሞክራስያዊን መሰላት ይረጋገፀሉ ‘ዩ ዝብል። በቲ ሕገመንግስቲ መሰረት ምሕሳብ፣ ምሕታትን ምዝራብን ኣይትኽእልን ዝብል የለን። ስለዝኾነ እቲ ትግራይ ነሃተይ ‘ዩ ኢሉ ዘመሓድር ዘሎ ክፍሊ ሐዚ እኳ ፌደራል የኣቲ ኣሎ ይመስለኒ እቶም ዓገበኛታት ናብ ኹናት ዘአተውዎ’ውን ዘይተኣሰሩስ መንግስቲ ደጊፍኩም ዝተብሃሉ ኣዕርኽትና ግና ክሳብ ሐዚ ተኣሲሮም ‘ዮም ዘለው። ሐዚ ሰላም ተባሂሉ ብሓሳብ ንምንታይ ይእሰሩ፧ ክፍትሑ ኣለዎም። ካብ መንግስቲ ዘኽብሮ ሓንትን ሓንትን ‘ያ ንሳ’ውን ፈሰስ ምግባር ‘ዩ። በጀቱ፣ ባንኩ፣ እኽሉን መደባርያኡን ናይ እኸለ ደጋፊ ናይ እኸለ ደጋፊ ከይተብሃለ ሰብ ብምዃኑ ጥራሕ ብማዕርነት ከገልግልዎ ይግባእ።

ወጋሕታ :- ኣብ ትግበራ ስምምዕነት ሰላም ግደ ፖለቲካ ፓርትታት ትግራይ እንታይ ‘ዩ ይብሉ? መምህር ተስፋይ :- ናይ ፖለቲካ ፓርትታት ካብ ፖለቲካዊ ስራሕቲ ብላዕሊ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላይ ንጎኒ ሓዲገን ሕዝቢ ትግራይ እንታይ ‘ዩ ዝደሊ ብምባል ናይ ህዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ድልየታት ሕቶን ንኽመልእን ጠምዩ ይተዓንገል፣ ፀሚኡ ‘ዩ ማይ ይስተ ይርወይ፣ ዓሪቁ ‘ዩ ይከደን፣ መፅለሊ ስኢኑ ‘ዩ ገዝኡ ይሰርሓሉ ኢለን ‘የን ክሰርሓ ዘለወን። ካሊእ እዘን ፓርትታት ክሰርሕኦ ዝግባእ እዛ ሃገር ጠጠው እትብለሉን ህዝቢ ትግራይ ዝቐስነሉን ምስራሕ ‘ዩ። ሐዚ ህዝቢ ትግራይ ናይ ፖለቲካ ኣፈላላይን ርእዮተ ኣለምን ዝሰምዓሉ ጉዳይ ዘይኮነስ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ናይ ምስራሕን ዘይምስራሕን ጉዳይ ‘ዩ። ናይ ፖለቲካ ዕላማ ዘይምክእኣል’ዩ ናብ ኹናት ዘእተው፡፡ እዚ ኹናት ድማ ህዝቢ ጠምዩ ኣሎ ህዝቢ ተፈናቂሉ ኣሎ ኣብዙይ እጃምና ከመይ ኢልና ንፃወት ‘ዩ ሐዚ ዝድለ። ዋላ እኳ ብዙሕ ፓርቲ ኣብ ትግራይ ኣይሃልዋ ዋላ ሽሕ ፓርቲ ተዝህልዋ’ውን ቀዳም ቀዳድም ህዝቢ ትግራይ ካብ ጥምየትን ስደትን ከመይ ይድሓን ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ። ህዝቢ ትግራይ ከም ሎሚ በሪሱ ከም ሎሚ ተሰዲዱ ኣይፈልጥን ስለዝኾነ ቅድሚ ህልውና ፓርቲኦም ንህልውና ህዝቢ ኣቀዲሞም ክሰርሑ ኣለዎም። ብትኽክል ህዝቢ ንፈትው ኢና ንህዝቢ ጠጠው ዝበልና ኢና ዝብሉ’ውን ዝፍተንሉን ተፈቲኖም ዝሓልፉሉ ሐዚ ‘ዩ። ስለዝኾነ’ውን ፖለቲካ ፓርትታት ሲቪል ማሕበራት ነቲ ስምምዕነት ሰላም ክሕግዙ ኣለዎም። ነቲ ውዕል ክልቲኦም ሓይልታት ይትግብርዎ ኣለውዶ ብምባል ምትግባሩን ዘይምትግባሩን ክሓቱን ክድግፉን ኣለዎም። ነዚ ህዝቢ እንታይ ክንሰምዓካ ‘ምበር ስምዓና እንብለሉ ግዜ’ውን ኣይኮነን።

ወጋሕታ :- ምሁራን ዳያስፖራ ትግራይ ኣብ ትግበራ ስምምዕነት ሰላም እንታይ ክሰርሑ ኣለዎም? መምህር ተስፋይ :- ኣብዚኣ ካብቲ ንፖለትከኛታት ዝሃብኩዎ ማዕዳ ንላዕሊ ኣይህቦን። ሓቀኛ ተጋሩ እንተኽይኖም እቲ ህዝቢ ኣብ ዘይብሉ ዘምሃሮም ኣብ ዝሃለው ይሃልው ህሊና እንተሃልይዎ ሐዚ ከመይ ገይረ ህዝበይ ክሃንፅ ኢሉ ይስራሕ። ምኽንያቱ መንግስትታት ትካላት ፓርትታት ሓለፍቲ ‘ዮም ህዝቢ ግና ሓላፊ ኣይኮነን፤ስለዝኾነ ውዕለታ ንዝገብረሉ ህዝቢ ክኽሕስ ኣለዎ ‘ምበር ኣብ ወፃኢ ኣብ ምቾት ኮይንካ እናነበርካ ብናይ ህዝቢ መከራን ኪሳራን ተሓጒስካ ምንባር ፅቡቅ ኣይኮነን ግፍዒ ‘ዩ። ስለዚ ዳያስፖራ ‘የ ዝብል ናብ ልቡ ይመለስ፡፡ምኽንያቱ ብህዝቢ እቶት ዝዓበየ ‘ዩ፤ስለዝኾነ ነቲ ስምምዕነት ሰላም ምድጋፍ ‘ምበር ‹‹ንህወሓት ሸይጥኩምና ኢልካ ምውቃስ ኮነ ንመንግስቲ ጨፍጪፍካና ጆኖሳይድ ኣካይድካልና›› ኢልካ ምውቃስ ዋጋ የብሉን። ሐዚ ዝድለይ ንዚ ክልቲኦም ወገናት ተስማሚዖምሉ ዘለው ኣብ ዘጉደልዎ ብዘይ ፍርሒ ንጠይቆም ንሓግዞም።

ወጋሕታ:- ህዝቢ ትግራይ ሙሉእ ሰላም ንክኸውን እጃሙ እንታይ ‘ዩ? መምህር ተስፋይ :- ኣነ ናይ ህዝቢ እጃም ባዕሉ ክነግረና ኣለዎ ኣልዎ በሃሊ ‘የ። እቲ ህዝቢ ድልየቱ እንታይ ምዃኑ ክናገር ኣለዎ ። ከጥፍኡ ከለው ‹‹ዓር ይብለኪ ኬር ይብለኪ እንተ ኣበኺ ንወኻርያ ይህበኪ›› ከምዝብል ምስላ ሐዚ ውን ‹‹ዓር ይበል ኬር ይበል›› ፖለቲከኛታት

ብዙሕ ተዛሪቦም ‘ዮም ሐዚ ኸዓ ንህዝቢ ትግራይ ከዳምፅዎ ኣለዎም። እንታይ ‘ዩ ድልየትካ ንስኻ ተዛረብ ኣንሕና ክንሰምዓካ ክብልዎ ኣለዎም። ስለዚ ናይ ህዝቢ ትግራይ እጃም ዘደልዮ ነገር ምዝራብ ‘ዩ። ኣብ ትግራይ ዝተቀሳቐሰ ዝኾነ ፓርቲ ንህዝቢ ትግራይ ዝሃቦ ነገር ውርደት ሕስረት ‘ዩ ባህሉን እምነቱ ሕያውነቱን ንከጥፍእ ‘ዮም ገይረሞ፤ስለዚ ድሕሪ ሐዚ ፓርቲታት ዝሰምዑሉ ‘ምበር ዝዛረብሉ ሞራል’ውን የብሎምን።

ወጋሕታ :- ምሁራን ፣ዳያስፖራን ፓርትታት ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እንታይ ክገበሩ ኣለዎም? መምህር ተስፋይ :- ህዝቢ ትግራይ ካብ ቀደሙ ሓደ ብዓለም ለኸ ኩነታት ናብ ቀይሕ ባሕሪ ቀርባ ብምዃኑ፣ ደሓር ከዓ ድሕሪ ዓመታት ቀዳማይ ካልኣይ ወያነ ቓልሲ ምስመፅኣ ብዙሓት ናይ ፖለቲካ ፓርትታት ኣብ ትግራይ ናይ ዕጥቂ ቃልሲ ሐዊሱ ተንቀሳቂሰን ‘የን። ብፍላይ ኢድዩ፣ ሻዕብያ፣ ጀብሃ፣ ህወሓትን ኢማልድየን ኩለን ተንቀሳቂሰን ‘የን። እዝኦም ንፍትሕን ንነፃነትን ኢና እንቃለስ እናበሉ ክወዳደሩ ከለው ብዙሓት ደቂ ትግራይ ኣቅቲሎም ‘ዮም።ምቅታል ጥራይ ዘይኮነስ ሙማት ንቡር እዩ ብጥይት ይኹን ብተፈጥሮ ክትመውት ትኽእል ኢኻ ህዝቢ ትግራይ ግን ናይ ባህሊ፣ ናይ እምነት፣ ናይ ምምርማርን ክብርታት ኣሲኖምዎ ‘ዮም። ካብ ኩሉ ንላእሊ ኸዓ ህወሓት ‘ዩ። ስለዚ ህዝቢ ትግራይ ርእሱ ኣድኒኑ ንክነብርን ብዛዕባ ረብሓኡ ንከይዛረብ ንከይቃለስ እናፈርሐ ንክነብር ኩሉ ግደ ተፃዊቶም ‘ዮም። ናይ ዝሓለፈ ጌጋኦም ደው ኣቢሎም ሐዚ ኣብ ዳግመ ህንፀት ግደኦም ክፃአውቱ ኣለዎም።እዙይ ከዓ ንፖለቲካዊ ረብሓም ብምሕሳብ ዘይኮነስ ንህዝቢ ብምሕሳብ ‘ዩ ክኸውን ዘለዎ። ካብቲ ብዘፈላለየ መንገዲ ዝሰባሰብዎ ገንዘብ ‘ውን ቀዳምነት ዝወሃቦ ነገር እናረአዩ እንድያውም ኩሎም ውድባት ብምዝርራብ ስምምዕነት ብምግባር ብዝተቀናጀወ መገዲ ኣብ ኩሉ ቦታታት ቤት ፅሕፈት ከፊቶም ኣብቲ ህንፀት እቲ ህዝቢ እንታይ ‘ዩ ዘደሊ፣ እንታይ ንሃቦ ብምባል ኣብቲ ህንፀት ኢዶም እናፀንበሩ ነቶም ስምምዕነት ዝገበሩ ሓይልታት ከዓ በቲ ዝገበርዎ ስምምዕነት ይኸዱ’ዶ ኣለው ወይስ ኣይኸዱን ዘለው ኢሎም ኣብቲ ዳግማይ ህንፀት ግደኦም ክፃወቱ ይግባእ። እቲ ህንፀት ብትኽክል ዝኸደሉ መገዲ ነቲ ህዝቢ ሓገዝስ ይኹን ትምህርትስ ይኹን ሕክምናስ ይኹን ከምሰብ ይረክብ ኣሎዶ ? እቲ ዝኣተውዎ ቃልከ ብትኽክል ይፍፅሙዶ ኣለው ኢሎም ክሓቱ አለዎም። ካብኡ ብተወሳኺ ከዓ ከራባታ ተኸዲኑ ነሃትካ ‘የ ማለት ጥራሕ ዘይኮነስ ኢዱ ሓዋሳይ ክኸውን ብዝኽእሎ ዓቅሚ ነቲ ህዝቢ ክመስል ኣለዎ። ኣብ ሓዘኑ ይሕዘን ኣብ ሓጎሱ ይተሓጎስ ኢዙይ ገይርካ እንተኣቲኻዮ እቲ ህዝቢ ሃርኳት፣ ፃዕራም፣ ብስራሕ’ውን ዘይሕመ ስለዘይኮነ ብቀሊሉ ዝሰርሕ ‘ዩ። ህዝቢ ስምምዕነት ሰላም ዝተኣተወ ቃል ዘይሓለወን ዘይፈፀመን መንግስቲ ይኹን ህወሓት ኣይገበርካዮን ኣይፈፀምካዮን ብምባል ንክፍፅም ብምስራሕ መገዲ ‘ዩ እቲ ዳግመ ህንፀት ክኸይድ ዘለዎ።

ወጋሕታ:-ዘይተልዓለ መልእኽቲ እንተሃልይዎም ዕድል ክሕቦም? መምህር ተስፋይ :- ናይ መወዳእታ መልእኽተይ ንህወሓት ‘ያ። ሐዚ ዝሰምዖ ዘለኹ ነገራት ብመንግስቲ ጥራሕ ‘ዩ ፅቡቅ ዝፍፀም ዘሎ። ከመሓድረካ ‘የ ዝብሎ ዘሎ ውድብ ናብ ፀገምን ኲናትን ዘእተዎ ሐዚ ‘ውን እሱራት ሒዙ ‘ዩ ዘሎ ክፈትሕ ኣለዎ።ንምንታይ ደኣ ሰላማዊ ህዝቢ ደጋፊ መንግስቲ ነይርካ ኢሎም የኣስሩ፧ እቲ ካሊእ ስምምዕነት ከምዘለዎ ኮይኑ ኣብቲ ቃል ኪዳን ኣብ ምኽባር ሐዚ ‘ውን ናይ ሓሳብን ናይ ሕሊናን እሱራት ክህልው የብሎምን። መንግስቲ ‘ውን ሕገ መንግስታዊ መሰል ኣብ ህወሓት ጥራሕ ዘይኮነ ዘተግብርስ እቲ ኻሊእ ‘ውን ዜጋ ስለዝኾነ ዝተኣሰረ ጠይቁ ከፍትሕ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ተኣሲሮም ዘለው ደቀይ ፍትሑለይ ኣምፅእዎም ንስኹም’ውን ኣይተኣሰርኹምን ክብሎም ኣለዎ፤የቐንየለይ። ወጋሕታ :- ኣነ’ውን የቀንየለይ።

ኣብርሃ ሓጎስ

11 ጥሪ 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You