ግጉይ ፖሊሲ

ምዕራባውያን ክሰርሕዎ ዝግባእ ብዘይምስርሖም ናብ ግጉይ ስጉምቲ ንኸምርሑ ገይርዎም እዩ ክብሉ ተንታኒ ጉዳያት ዓለምለኸ ሴሞ ፒካ ፓርቪያነን ይዛረቡ፡፡ ፊንላንዳዊ ተንታኒ ዓለምለኸ ጉዳያት ሴሞ ፔካ ፓርቪያነን ‹‹Tigray Conflict: Homework Not Done by Western Countries Has Led to Wrong Policy Action›› ብዝብል ርእሲ ኣብዚ ዝፀሃፍዎ ንውሕ ዝበለ ርእሰ ጉዳይ፤ኣብ ክልል ትግራይ ዝተገበረ ስጉምቲ ኸይዲ ምኽባር ሕጊ መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕራባውያንን መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት ከምኡ’ውን ኣውፃእቲ ፖሊሲ ፤ፕሮፖጋንዳ ህወሓት እናጋውሑ ታሪኻዊ ኹነታት ረሲዖም ኣብ ግጉይ ድምዳመ ንኽበፅሑ ገይርዎም እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

‹‹ጎንፅታት ብኣጋጣሚ ኣይኽሰቱን ዝኾነ ኣካል እዩ ዝጅምሮም›› ብምባል ሓሳቦም ዘብራህርሁ ተንታኒ ሲሞ ፔካ ጉጅለ ዕጡቓት ህወሓት ኣብ 1991 ኣ.ፈ ስርዓት ደርጊ ኣወጊዱ ስልጣን ድሕሪ ምቁፅፃር ኣፍታ ሃገር መረፃ እናተኻየደ ዝፀንሐ እንተኾነ’ውን ዋላ ሓደ ናፃን ገለልተኛን ከምዘይነበሩ ይገልፁ፡፡ እቶም ተንታኒ ከምዝበልዎ ሐዚ ሃገር ኣብ ምምራሕ ዝርከቡ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ልዕሊ 3 ሽሕ ዓመታት ታሪኽ ዘለዋ ሃገር ስግግር ዲሞክራሲ ንኽትገብር እቲ ኸይዲ እናመርሑ ከምዝኾኑ ኣብ ፅሑፎም ዘርዚሮም፡፡

ምስዚ ኣተሓሒዞም ከምዝገለፅዎ ተመራመርቲ ታሪኽ ንዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት እታ ሃገር ብልዕልነት እናመርሓ ዝነበረ ጉጅለ ህወሓት ኹሎም መማርፅታት ሰላም ብዘይ ምቕባል ተነፂሉ ወፂኡ ቕድም ክብል ናብ ዝነበረሉ በረኻ ንምንታይ ክምለስ ከምዝደለየ ክትምርምሩ ትፅቢት ይግበረልኩም ኢሎም፡፡ እቶም ተንታኒ ከምዝበልዎ ጉጅለ ህወሓት ብርክት ንዝበሉ ዓመታት ዘኻዕበቶ ብመስመር ፖለቲካ ናይ ምቅላስ ብቕዓት ተጠቒሙ ኣብ ውሽጢ ጥምረት ኾይኑ ዲሞክራሲያዊ ቃልሲ ምግባር ይኽእል ከምዝነበረ ብምጥቋም፤ኾይኑ ግና ካብዚ ብተፃራሪ ከምተን ብዙሓት ናይ ኣፍሪካ ዓማፅያን ዝተለመደ በረኻ ናይ ምእታው መማረፂ ደጊምዎ እዩ ክብሉ ተችዮም፡፡

ናብ ዲሞክራሲ ንምኻድ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዘተዓናቕፎ ከምዚ ዓይነት ድሑር ኣተሓሳስባ እዩ ክብሉ ወሲኾም ገሊፆም፡፡ ነገራት ዝተቐየሩ ህወሓት ኣብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ፤ኣብ ትግራይ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ናይቲ ክልል ህዝቢ ካብ ናይ ደገ ወራሪ እናሓለዎ ንዝነበረ ሓይሊ መከላኸሊ ሰራዊት ኣብ ልዕሊኡ ብብፆቱን መራሕቱን ትእዛዝ ብምትሕልላፍ፤ደቂሶም እናሃለዉ መጥቃዕቲ ኣብ ዝፈፀመሉ እዋን እዩ ዝብሉ እቶም ተንታኒ መጥቃዕቲ ዝተፈፀሞም ኣባላት ሰራዊት ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ዝተወፃፅኡ ብምዃኖም እቲ ሰራዊት ኣብ ዝደቀሰሉ ዝተፈነዎ ኸቢድ መጥቃዕቲ መርኣያ ናይቲ መጥቃዕቲ እዩ ኢሎም፡፡

እዚ መደንገፂ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍፃሙ ብቕልጡፍ ተሰራጭዩ መዘራረቢ መራኸብቲ ሓፋሽ ከምዝኾነ ብምምልካት፤ኣብ መንጎ እዚ ዝተሰራጨዉ ፕሮፖጋንዳታት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ እናተኸናወነ ኣብ ዘሎ ጉዳይ ትኽክለኛ ፍልጠትን መረዳእታ ንኸይህልዎ ገይሮሞ እዮም ኢሎም፡፡ ህወሓት ካብ ፈለማ ስውር ኣካይዳ ብምኻድ ዝኽእሎ ከምዘየለ ዝገለፁ እቶም ፀሓፊ፤ኣብ በረኻ ዝነበረሉ እዋን ነቲ ኣምባገነን ስርዓት ንምግርሳስን ናብ ስልጣን ምድያብ ዘኽእልዎ ዝተፈላለዩ ስልትታት ይጥቀም ከምዝነበረ ዝገለፁ እቶም ፀሓፊ፤መራኸብቲ ሓፋሽ ምዕራባውያን፣ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ትካላት ዓለምለኸ፣ኣውፃእቲ ፖሊሲ፣ኣብ ላዕለወት ትካላት ትምህርቲ ዝሰርሑ ሙሁራን ሓዊሱ ብፕሮፖጋንዳ ኣጠሚቕዎም እዩ ኢሎም፡፡

ብተወሳኺ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ብምጥቃም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ናይ ሓሶት ወረ ንኽቀባበሉ ብምግባር መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ገይሩ እናተጠቐመሎም ከምዝፀንሐ ኣልዒሎም፡፡ እቶም ተንታኒ ከም ኣብነት ዘልዕልዎ ‹‹ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወፍሪ ምጥፋእ ዘርኢ ተኸፊትዎ››ብዝብል ኣብ ዝነዝሖ መረዳእታ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ሩዋንዳ ንኽዝክሩ ናይ ምግባር ሓይሊ ከምዝነበሮ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ወፍሪ ምጥፋእ ዘርኢ ከምዝተኸፈቶ ዘጋውሑ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ዓለምለኸ ዝሰርሑ ኣባላት ህወሓት እዮም ዝበሉ እቶም ፀሓፊ፤ ከም መርኣያ ዘቕረብዎ ዋና ዳይሬክተር ትካል ዓለምለኸ ጥዕና ዶክተር ቴዎድሮሰ ኣድሓኖም እንትኸውን፤እሶም ኣብ ዓለም እናወሰኸ ንዝመፀ ቫይረስ ኮሮና ኣመልኪቶም እናስዐቦ ንዘሎ ጉድኣት ንኽቕንስ ትኹረት ሂቦም ክሰርሑ እናተገበኦም፤ኣብዚ ሐዚ እዋን ግና ቐትርን ለይትን ፕሮፖጋንዳ ህወሓት ንህዝቢ ዓለም ኣብ ምስርጫው ከምዝተፀመዱ ኣልዒሎም፡፡

እዚ ጉጅለ ኣፅዋራት ኲናት ንምቁፅፃር ዝኸደሉ መገዲ ብመንፅር ርኢቶ ወተሃደራዊ ሳይንስ ግጉይ ከም ዝነበረ ዘልዓሉ እቶም ፀሓፊ፤ይኹን ‘ምበር ህወሓት ከምዝተለሞ ኣፅዋራት ኲናት ምቑፅፃር ተዝኽእል ነይሩ ምስቲ ዝፀንሐ ከም ተመን ዝናኸስ ሃንደበታዊ ኣመሉ ተደሚሩ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ዝተኻረረ ወጥሪ ይኽሰት ከምዝነበረን ካብዚ ሐሊፉ ድማ ኣፍቲ ጎደቦ ክፍጠር ዝኽእል ፀገም ተሓሳቢ ብምግባር ኢትዮጵያ ድጋፍ ኤርትራ ምሕታታን ኤርትራ’ውን ቕልጡፍ ምላሽ ምሃባ ልክዕ ከምዝኾነ ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ጎንፅታት ዘበናዊ ዓለም መብዛሕትኡ ግዘ ዝኽሰቱ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምስ ዘለዉ ተዋሳእቲ ንዘሎ ምኽንያት ዘይምቅዳው ሓሊፉ ሓሊፉ፤ብቐጥታ ኣብ መንጎ ሃገራት ብምእታው ዝፍጠር ከምዝኾነ ዝዛረቡ እቶም ፀሓፊ ኣብ መንጎ ዝኣትዋ ሃገራት ናይ ባዕለን ጥቕሚ ንምኽባር ክብላ ተወሳኺ ፀገም ክፈጥራ ከምዝኽእላ ትፅቢት ዝግበር ከምዝኾነ ይገልፁ፡፡

ነዚ ድማ ፅቡቕ መርኣያ ኢሎም ዘቕረብዎ ናይ ግብፂ ምንቅስቓስ እዩ፡፡ ግብፂ ዋላኳ ብናይ ኣባይ ማይ ኣመኽንያ ናፍቲ ከባቢ ዝተፀገዐት እንተኾነት ‘ውን፤ህንፀት ግድብ ህዳሰ ኣብ ቐረብ ማይ ግድብ ታሕተወት ሃገራት ጉድኣት ከምዘስዕብ ዘርእይ ዋላ ሓንቲ መረዳእታ ከይሃለወ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝተፈጠረ ክፍተት ንምጥቃም ምስ ሱዳን ብምትሕብባር ኣብ ዶብ ከባቢ ወረራ ንኽፍፀምን ኣብ መንጎ ኽልቲአን ሃገራት ወጥሪ ንኽፍጠር ከምዝገበረት ኣልዒሎም፡፡

እዚ ተቐባልነት ዘይብሉ ናይ ግብፂ ድሌት ዘይምቅዋም፤ ብቐጥታ ዝራኸብ ምስ ጂኦፖለቲክስ ማእኸላይ ምብራቕ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡ በዚ ምኽንያት መንግስቲ ኣሜሪካ ንኣመሓድራ ኣምባገነናዊ መንግስቲ ግብፂ ድጋፍ ከምዝግበረሉ ኣልዒሎም፡፡ ኣሜሪካ ነዚ እትገብረሉ ምኽንያት ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ዘለዋ ቦታ ንኽተኽብርን ናይ እስራኤል ጥቕሚ ንምሕላውን ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

እዚ ሓቂ ብጋህዲ ንኽርኣይ ዝገብሮ ነበር ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ውግንነኦም ንግብፂ ብምግባር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ልዑል ፅዕንቶ ንምሕዳር ፃዕሪ ገይሮም ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም፡፡ ሐዚ’ውን እቲ ሓዱሽ ኣመሓድራ መንግስቲ ኣሜሪካ እቲ ዝነበረ ኹነታት እናተስተውዓለ ከምዝኾነ ዘልዐሉ እቶም ፀሓፊ ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ኣሜሪካ ናይ ኣቀራርባ ትሕዝቶ ተዘይኮይኑ ኹሎም ዕላምኦምን ትኹረቶምን ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣሜሪካ ሚሊሻ ኣምሓራ ካብ ክልል ትግራይ ንኽወፅእ ዝህብዎ ትእዛዝ ከም ኣብነት ዘልዕሉ እቶም ተንታኒ፣እዚ ሕቶ ኣብ መረፃ መንግስቲ ኣሜሪካ ተቓውሞ ኣብ ዝተልዓለሉ እዋን ብሄራዊ ጦር ሜሪላንድ ካብ ዋሽንግተን ዲሲ ንኽወፅእ ምሕታት ማዕረ ንፅፅር ዝርኣይ እዩ ክብሉ ቐዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ዝገለፅዎ ከም ኣብነት ተጠቒሞም፡፡

ብምዃኑ ድማ ኣሜሪካ ከምዚ ዝበለ ሕቶ እንትቐርበላ ብኸመይ ተተኣናግዶ ክብሉ ብመልክዕ ሕቶ ኣልዒሎም፤እዚ ድማ ናይ ሓደ ናፃን ሉኣላውን ሃገር መሰል ዝዳፋእ ኢድ ኣታውነት ግቡእ ከምዘይኮነ ኣብሪሆም፡፡ ጉጅለ ህወሓት 24ጥቅምቲ2013 ዓ/ም ብሃንደበት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ሓይሊ መከላኸሊ ብተመሳሳሊ ሰዓት መጥቃዕቲ ከም ዝተፈነወ ዘዘኻኸሩ እቶም ፀሓፊ ፤ብምኽንያት እዚ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኣባላት እቲ ሰራዊትን ነባራት ኣመራርሓን ኣብ ዝርከቡሉ ምቕታሎም ስዒቡ መንግስቲ ብዝወሰዶ ስጉምቲ እቲ ጉጅለ ንስዕረት ከምዝተዳረገ ገሊፆም፡፡ ኣብ 9ን10 ጥቅምቲ ደገፍቲ ህወሓት ኣብ ማይካድራ ዝፈፀምዎ ጨፍጫፍ ምጥፋእ ዘርኢ 800 ዝበፅሑ ንፁሃት ሰባት ከምዝተቐተሉን ድሕሪኡ ዶብ ተሳጊሮም ናብ ሱዳን ከምዝተሰደዱን ዘዘኻኸሩ እቶም ፀሓፍቲ፣ ኣብዚ ሐዚ እዋን ተረፍ መረፍ ህወሓት ናይ ‹‹ድብያ›› ውግእ ከምዝጀመሩ ኣብሪሆም፡፡

ዝተወሰኑ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ምዕራባውያን ሃገራት ኲናት ኣብ ዝተኻየደለን ከባብታት ድጋፍ ብኣግባቡ ንኽቐርብ ዘለዎም ስግኣት ብተደጋጋሚ እናገለፁ ከምዝተሰምዑ ዘዘኻኸሩ እቶም ፀሓፊ፤ ይኹን ‘ምበር ኣብዝኾነ ከምዚ ዝበሉ ፀገማት ዝኽሰቶም ሉኣላዊ ሃገራት ሰብኣዊ ድጋፍ ንምግባር ብዝብል ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ኣብ ውሽጢ እቲ ግዝኣት ዘይተገደበ ውሕስና ምንቅስቓስ ዝሃበ ሃገር ብተግባር ከምዘይርከብ በዚ መዳይ ህወሓት ካብ 1975 እስካብ 1991 ኣ.ኣ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ናይ ደርጊ መንግስቲ ካብ ስልጣን ንምውራድ ኣብ ዝገበሮ ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣብ ዝሓለፉ 3 ዓመታት ሰብኣዊ ድጋፋት ንኣፅዋር ኲናት ናይ ምጥቃም ዘዳበረ ልምዲ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተፈጠረ ጎንፂ ብዝምልከት ዝህብዎም ውሳነታት ድሕሪት ዝነበረ ታሪኽ ብዘይምርዳእን ቑልፊ ሓቅታት ናብ ጎኒ ብምሕዳግን ዝተፈጠሩ ከምዝኾኑ ዘልዕሉ እቶም ፀሓፊ፤በዚ ዝተልዓለ ምዕራባውያን እቲ ጉዳይ ካብ መሰረቱ ኣብ ክንዲ ምርኣይ ብህወሓት ዝተኸለሰ ብሕሶት ዝተመልአ መረዳእታ ብምርኣይ ጥራሕ ግጉይ ናብ ዝኾነ ድምዳመ ንኽበፅሑ ከምዝገበሮም ገሊፆም፡፡

እዚ ፖለቲካዊ ኹነታት ዓለም፤ ትካል ፀጥታ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ኤፕሪል 2021 ኣ.ኣ ኣብ ዝገበሮ ኣኼባ ብግልፂ ተራእዩ እዩ ኢሎም፡፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ነባራዊ ኹነታት ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ዝሰራጮ መረዳእታ ጥራሕ መሰረት ብምግባር ምግንዛብ ኣይከኣልን ዝበሉ እቶም ተንታኒ፤ከም መርኣያ ኣብ ጥሪ 2021 ኣ.ፈ ዋሽንግተን ፖስት ኤዲቶሪያል ኢትዮጵያ ንትግራይ ከምዝወረረት ገይሩ ዝፀብፀቦ ምርኣይ እኹል ከምዝኾነ ይገልፁ፡፡ እቶም ተንታኒ ከምዝገልፅዎ ሕብረት ኣውሮፓን ኣሜሪካን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ክሰርሕዎ ዝግባእ ስራሕ ኣይሰርሑን፡፡

ኢትዮጵያ ምስ ብግብረ ራዕዲ ዝተሰየመ ጉጅለ ህወሓት ድርድር ናይ ምግባር ዝኾነ ዓይነት ድሌት የብላን ዝብሉ እቶም ተንታኒ፤መንግስቲ እቲ ጉዳይ ውሽጣዊ ከምዝኾነ ናይ ደገ ኢድ ኣታውነት ከምዘይብሉ ብግልፂ ከምዘፍለጠ ኣብሪሆም፡፡ እዚ ናይ መንግስቲ መልእኽቲ ብወገን ምዕራባውያን ክኽበር ይግበኦ ከምዝነበረ ኣተሓሒዞም ገሊፆም፡፡ ይኹን‘ምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ብወገን ምዕራባውያን እናተስተውዓሉ ዘለዉ ንኢትዮጵያ ‹‹ኣንሕና ንፈልጠላ››ዝብል ሕማም ከምዘሎ ኣብቲ ፅሑፎም ኣስፊሮም፡፡ ኣብ መወዳእታ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ተፈፂሙ ብዝብል ዝቐርቡ ኽስታት ንምፅራይ ቑርፀኛ ምዃና ከምዘረጋገፀት ዘዘኻኸሩ እቶም ተንታኒ ፣ ብዘበናዊ ኣተሓሳስባ ይምራሕ ዝበሃል ናይ ኣውሮፓን ኣሜሪካን ሰራዊት እኳ ካብ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ሙሉእ ንሙሉእ ዝፀረየ እዩ ክበሃል ከምዘይከኣል ኢራቅን ኣፍጋኒስታንን ከም ኣብነት ጠቒሶም፡፡

ሰለዝኾነ ድማ ምዕራባውያን ሃገራት ንባዕሎም ፍፁም ገይሮም ዘቕርብዎ ነገር ብምግዳፍ ቕዋሞም ተዘመዓርዩ ይምረፅ ክብሉ ገ ሊፆም፡፡ እኳ ድኣስ ነቲ ሓቂ ብዕምቆት ተገንዚቦም ንወድዓዊ ኹነታት ኢትዮጵያ እዋናዊ ፍታሕ ክኸውን ዝኽእልን እታ ሃገር እናሰርሐቶ ዘላ ስራሕ ከጠናኽር ዝኽእል ሃናፂ ድጋፍ ምሃብ ተዝኽእሉ ዝሐሸ ከምዝኸውን ጠቍሞም፡፡ (ፍልፍል፤ ግዜኢ)

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You