‹‹ኢትዮጵያ ካብ ደገ ንዝመፃ ዝኾነ ዓይነት ፅዕንቶ ናይ ምምካት ልምድን ብቕዓትን ኣለዋ›› ኮሞዶር ዋለፃ ዋቻ ምክትል ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪን ሓላፊ ሎጂስቲክስን ፌዴሪኢ

ኣዲስ ኣበባ፡- ኢትዮጵያ ካብ ደገ ንዝመፃ ዝኾነ ዓይነት ፅዕንቶን ወረራን ናይ ምምካት ልምድን ብቕዓትን ኣለዋ እዩ ክብሉ ምክትል ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ባሕርን ሓላፊ ሎጂስቲክስን ፌዴሪኢ ኮሞዶር ዋለፃ ዋቻ ገሊፆም። ኮሞዶር ዋለፃ ምስ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገበርዎ ቓለ መሕትት ከምዝገለፅዎ፣ ዝኾነ ዓይነት ናይ ደገ ሓይሊ ንኢትዮጵያ ክደፍር ኣይኽእልን። ካብ ደገ ንዝመፅ ዝኾነ ዓይነት ሓይሊ ንምምካት ሓይሊ ኣየር፣ ሓይሊ ባሕሪ ከምኡ ‘ውን ሓይሊ ምድሪ ተናቢቦም እዮም እናሰርሑ ዝርከቡ። ዝኾነ ዓይነት ሓይሊ ንምምካትን ከምኡ ‘ውን ንምጥቓዕ ኢትዮጵያ ኣብ ሙሉእ ብቕዓት እያ እትርከብ።

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ናይ ደገ ሓይሊታት ቐጥታ መፂኦም ዝዋግእሉ ምኽንያት ኣይህሉን ዝበሉ ኮሞደር ዋላፃ፣ ናይ ደገ ሓይሊ ንትዮጵያ ክደፍሩ ዝኽእል ኣብ ውሽጥና ብዘሎ ክፍተት ተጠቒሞም ጥራሕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም። እዞም ሓይልታት ውሽጣዊ ድኽመትና እናረኣዩን ኣብ ውሽጥና ሽግር ብምፍጣርን ክፍተትና ብምጥቓምን እዮም ክዋግኡና ዝኽእሉ። ናይ ደገ ሓይልታት ውሽጣዊ ሰላምና ክርበሽ ምግባር ዋና ስርሖም እዩ ዝበሉ ኮሞዶር ዋላፃ፣ ሰራዊትና ካብ መደበኛ ስርሑ ወፂኡ ብናታቶም ኣጀንዳ ክፅመድ ምግባር እናሰርሑ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

እዚ ድማ ኣብ ሰራዊትና ዘሎ ሓድነትን ጥንካረን ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ከምዘሎ ብምጥቋም፣ ነዚ ንምፍሻል ካብ ማንም ግዜ ንላዕሊ ጥንካረን ሓድነትን ሰራዊት ወሳኒ ምዃኑ ተዛሪቦም። ኣብ ሕብረተሰብና ‘ውን እንተኾነ ግዝያዊ ሽግር ዋላ ይሃሉ ኣብ ጉዳይ ሃገር ንድሓር ዝብል ኣይኮነን ክብሉ ወሲኾም ተዛሪቦም። ሰራዊት አትዮጵያ ካብ ኣመሳራርትኡ ጀሚሩ ካብ ማንም ፖለቲካዊ ውድብን ዘርኣውነትን ኣተሓሳስባ ናፃ እዩ ዝበሉ እቶም ኮሞዶር፣ ዋና ስርሑን ተልእኹኡን ሰላምን ድሕንነት ሃገር ምሕላው እዩ ኢሎም። ንኢትዮጵያ ንምውራር ዝደሊ ናይ ደገ ሓይሊ እንተሃልዩ ዘየዋፆ ምዃኑ ክግንዘብ ይግባእ ዝበሉ ኮሞደር ዋላፃ፣ ደፊሩ ዝሙክር እንተሃልዩ ግና ኢትዮጵያ ብኹሎም ሓይሊታት ተዋዲዳ ብምስራሕ ብቕዓታ ኣብ ዝላዕለ ብርኪ እትርከብ ብምዃና ፀላኢ ናይ ምክልኻል ጥራሕ እንተይኮነትስ ሓሊፋ ናይ ምጥቓዕ ተኽእሎን ‘ውን ኣለዋ እዩ ኢሎም።

ብፍላይ ድሕሪ ለውጢ ኣብ ሰራዊት ዝተገብረ ምምሕያሻት ልምድን ፍልጠትን ዘለዎ ሰራዊት ሃገር ተሃኒፁ ከምዘሎ ብምጥቋም፣ ኢትዮጵያ ፀላኢ ብብቕዓት ክምክት ዝኽእል ዝሰልጠነ ሓይሊ ከምዘለዋ ገሊፆም። ኢትዮጵያ ብባሕሪ፣ ብምድሪ፣ብኣየር ክመፅእ ዝኽእል ሓይሊ ንምምካት ኩሎም ሓይልታት እናተናቡ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም። ኢትዮጵያ ብምድሪ፣ ባሕሪን ኣየርን ክምፅእ ዝኽእል ሓይሊ ብምምካን ብሄራዊ ጥቕሚ ከኽብር ዝኽእል ሞራልን፣ ክእለት፣ ብቕዓትን ድልውነትን ዘለዎ ሰራዊት ከምዘለዋ ተዛሪቦም።

 መኣርግ ገ/ሄር

ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You