‹‹ብኹናት ዝተሃሰየት ትግራይ መማረፂኣ ሰላም ጥራሕ ‘ዩ››- ኣይተ ግርማይ ገዛኸኝ

ኣይተ ግርማይ ገዛሀኝ ይባሃሉ፡፡ ተወሊዶም ዝዓበይሉ ኣብ ከባቢ ኢሮብ ‘ዩ፡፡ ቀዳማይን ካልኣይን ትምህርቶም ኣብ ዓሊተናን ዓድግራትን ዝተኸታተሉ እንትኾኑ ኣብ ቢሾፍቱ ድማ ብሕርሻ ኮሌጅ ብዲፕሎማ ተመሪቖም ‘ዮም፡፡ ናብ ኣውሮፓ ብምኻድ ናይ መጀመርያ ዲግሪኦም ብኤሌክትሮኒክስ ተኸታቲሎም ‘ዮም፡፡ ኣብዚ ኸዚ እዋን ድማ ኣብ ሃገረ ኣሜሪካ ኣብ ስራሕ ይርከቡ፡፡ ኣይተ ግርማይ ‹‹እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ክንደየናይ ጠቓሚ ከምዝኾነ ካብቲ ህዝቢ እንሰምዖ ዘለና ሓሳብ ‘ዩ›› ይብሉ፡፡ እዚ ተስፋ ሰላም ዘላቕነት ንክህልዎ ኣብ ክልቲኦም ወገናት ምትእምማን ከምዘድልን እዚ ድማ ምእንተ ህዝቢ ተባሂሉ ዝኽፈል ዋጋ ከምዝኾነ ይገልፁ፡፡ እዝን ካልኦትን ሓሳባት ምስ ኣይተ ግርማይ ገዛኸኝ ዝገበርናዮ ፃንሒት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናልኩም ኣለና ፡፡ ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- እዚ ስምምዕነት ሰላምን ኣብ ተግባራውነቱን ከመይ ሪኦምዎ? ኣቶ ግርማይ፡- ቅድሚ ኹሉ ንህዝብና ካብዚ ኹሉ ጭንቅን ፀበባን ኣውፂኡ ብዘይተኹሲ እፎይ ክብል ዝተገበረሉ እዋን ስለዝተፈጠረ ኣምላኽ ምስጋነ ይብፃሓዮ። እንትጅመር ‘ውን ካብ መፈለምታ ጀሚሩ ክኸውን ዘይግበኦ ነገር ‘ዩ ዝኾነ፤ዝኾነ ኾኑ ግና እቲ ዝተረፈ ሰብ ንምትራፍ ስምምዕነት ሰላም ምግባሮም ምስጋን ንፌደራል መንግስቲ ይኹን ንመራሕቲ ህወሓት ይግበኦም ‘ዩ። ምኽንያቱ እዚ ኹናት እንተዝቕፅል ነይሩ ናብ ዝገደደ ጥፍኣትን ህልቂትን ዝኸደሉ’ምበር ምንም እነትርፎ ነገር የለን። እዚ ስምምዕነት ሰላም ካብ ልቢ ‘ዩ ክኾን ዝግበኦ። ትግራይ ካብዚ ኹናት እተትርፎ ነገር የለን፤ስለዚ እዚ ስምምዕነት ብኽልቲኡ ወገን ብቅንዕና ክፍፀም ኣለዎ ኢለ ‘የ ሓሳብ ክህብ ዝደሊ። እዚ ኹናት እንትጅመር መብዛሕቲኡ ህዝቢ ስለዘይተቐበሎ ጠጠው ክብል ኣለዎ እናተብሃለ ዝፀንሐ ከምዝኾነ ዝፍለጥ ‘ዩ።

 ዘይኾነ ሕልሚ ተዳሒዙ ኣይዘኹም ጠንክሩ እናተብሃለ እቲ መንእሰይ ናብ ዝተስሓሓተ መገዲ ንከምርሕ ተገይሩ ‘ዩ። እዚ ኹሉ ሓሊፉ ኣብዚ ኩነታት በፂሕና ኣለና። ኹሉግዜ ዝጠራጠሮ ነገር ግን እዚ ስምምዕነት ብፍላይ ድማ ህወሓት እምነት ንከይህልወኒ ይኽእል ‘ዩ። እዚ ዝብል ዘለሑ ካብ ልምዲ ዝተልዓለ ‘ዩ፤ ካብ ተምሃራይ ጀሚረ ህወሓት ይፈልጦ ‘የ። እታ ዘላ ሓቂ ከም ዘላ ንህዝቢ ኣብ ምሃብ ሓቂ ዘይምዝራብን ከም ልምዲ ገይሩ ዝወሰደ ወድብ ‘ዩ። ኮይኑ ግና መጀመሪያ ፕሪቶርያ ኸይዱ እቲ ዝነበረ ጥሕሰት ሕገ መንግስቲ ትኽክል ኣይኮነን ኢሉ ምፍራሙ እዚ ፅቡቕ ነገር ‘ዩ። ኹናት ዝኸፈተሉ ናይ ስልጣን ህርፈት ስለዝነበረ ስልጣን ንምምላስ ይደልዩ ስለዝነበረ ‘ዩ። ዝኾነ ኾይኑ ኸዚ ካብ ዝሓለፈ ኽልተ ዓመታት እንታይ ኣትሪፍና እንታይ ኸ ኸሲብና ናብ ዝብል እንድሕር ዳኣ ኸይድና ኣብቲ እዋን እቲ ኣዶታት መንእሰይን ብኹናት ዝተጎድኣሉ ‘ዩ ነይሩ። ህፃናትን ሽማግለታትን ድማ ብስእነት ምግብን መድሓኒትን ኣብ ዓብይ ፀገም ከምዝኣተው ‘ዩ ዘሪአና። ኸዚ እምነት ‘ዩ ዘድልየና።እዚ ሰላም እዚ ቀፃልነት ንክህልዎ ብቅንዕና ተኣማሚኖም ክስርሑ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ።

ወጋሕታ፡-ልኡኽ መንግስቲ ፌደራል ናብ መቐለ ከይዱ ምስ መራሕቲ ህወሓት ዝገበሮ ዘተ ከመይ ሪኦምዎ? ኣይተ ግርማይ፡- እቲ ናብ መቐለ ኸይዶም ዝገበርዎ ዘተ ብጣዕሚ ዝድነቕ ‘ዩ። እዚ ናይ ደፋራት ውሳነ ‘ዩ። እዚ ዘሪአና መንግስቲ ንሰላም ክደየናይ ከምዝቖረፀ ‘ዩ። መንገዲ ሰላም ንምእላሽ ኹሉ ክግበር ዝግበኦ ኹሉ ምግባሩ እቲ መንግስቲ ብጣዕሚ ‘የ ዘድንቖ። ስለዚ እቶም ልኡኻን ናብ መቐለ ምኻዶም ኣነ ብኣወንታ ‘የ ዝሪኦ፤ለውጢ ‘ውን ኣምፁኡ ‘ዩ። እቲ ድኻ ‘ዩ ህይወቱ ኸፊሉ ፣ ደቁ ኸፊሉ ብጥምየትን ፀገምን ዝውዳእ ዝነበረ እቲ ድኻ ‘ዩ። እቶም ናብዚ ኹናት ዘእተውና ደቆም ኣብቲ ኹናት ኣይተሳተፉን። ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ደቆም ኣብ ወፃኢ ኣቐሚጦም ‘ዮም እቲ ኹናት ዝተጀመረ። ኣብ ትግራይ እንተሃለዉ ‘ውን ፀግዒ ሒዞም ሓሳብ ምሃብ ‘ምበር ናብቲ ሓዊ ቐሪቦም ኣይተቓለሱን። ስለዚ እቲ ዝተወደአ እቲ ወዲ ድኻ ‘ዩ። ምንም ኣያ ዘይነበሮ ማለት ‘ዩ። ስለዚ እዚ ኹናት ጠጠው ንምባል ፌደራል መንግስቲ ዘወሰዶ ስጉምትን ናብ መቐለ ምኻድን ናብዚ ስምምዕነት እዚ ምብፃሕን ዓብይ ዕድል ‘ዩ። እዚ ከምዚ እናሃለወ ናይ ኢትዮጵያ ሉኣላውነት ክኽበሩ ኣለዎም ። ስለዚ እቶም ሉኡኻን ናብ መቐለ ምኻዶም ጀሚሩ ‘ዩ ነዳዲ ዝተፈቐደ ፣ ስልኪ ዝጀመረ፣ ሓገዛት ዝያዳ ምኻድ ዝጀመሩ፤እዚ ልኡኽ መቐለ ምኻዱ ውፅኢት እናምፀአ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡-እቲ ስምምዕነት ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንክኾን እንታይ ክግበር ኣለዎ ፣ ካብ መን ኸ እንታይ ትፅቢት ክግበር ኣለዎ? ኣይተ ግርማይ፡- እዚ ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንክኾን እቲ ሓደ ህወሓት ክትሓባበር ኣለዎ። ምኽንያቱ ድሕሪ ኸዚ ላዕልን ታሕትን በልካ ብወታደራዊ ዓቕሚ ህወሓት ዝገብሮ ነገር የለን። ሱቕ ኢልካ ናብራ ህዝብና ንምምስቕቓልን መናእሰይና ምውዳእ ተዘይኾኑ። ድሕሪ ኸዚ ሁከትን ኩናትን ብምውላዕ ዝመፅእ ነገር የለን። ስለዚ እዚ ሰላም ተጠቂሙ ብዘለዎ ሓይሊ ቀፃልነት ንህልዎ ክተሓባበር ኣለዎ። ካብ ልቡ ተሓባባሪ ክኾን ኣለዎ። ህይወትን ንብረትን ንክጠፍእ ተሓታታይ ክህልው ኣለዎ ኢለ ‘ውን ይኣምን። ስለዚ ካብ ናታቶም ህይወት ነቲ ህዝብን ክልልን ቀዳምነት ሂቦም ክተሓባበሩ ኣለዎም ኢለ ‘የ ዝኣምን።

ፌደራል መንግስቲ ብናይ ሓቂ ንምዝራብ እቲ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ይፅዕር ኣሎ። ህዝቢ ትግራይ እናተብሃለ ከምዝነበረ ፌደራል መንግስቲ እንድሕር ኣትዩ ኣብ ትግራይ ማንም ከምዘይተርፍ ህዝቢ ከጥፍእ ‘ዩ ዝመፅእ ዘሎ እናተብሃለ ዝነበረ እንተኾነ ‘ውን ኸዚ ግና ብተግባር እናራኣዮ ‘ዩ። ኣብዚ እዋን ዝሰልጠነ ግዜ ‘ዩ ከምዚ ዝባሃል ነገር የለን። ሰራዊት ፌደራል ቅድሚ ኸዚ ‘ውን ኣብኡ ነይሩ ‘ዩ፣ ንህዝቢ ግና ኣይነክእን ነይሩ ። ተጋሩ እኮ ካብ ትግራይ ወፃኢ ብሰላም እናነበሩ ‘ዮም። ሰራዊትን ፌደራልን ንህዝቢ ትግራይ ክጠቅም’ምበር ከጥፍእ ኣይኮነን ዝኣቱ ዘሎ። ገበናት ተፈፂሞም ዶ ኣይተፈፀሙን እንኳን ኣብ ትግራይ ኹናት ዝነበረሉ ቦታ ይትረፍ ኣብ ካልእ ‘ውን ይፍፀሙ ‘ዮም። ዝተፈፀመ ገበን በቲ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ክፃረ ኣለዎ። ተፃርዩ እቶም ገበነኛታት ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ኣለዎም። ቅድሚ ሐዚ እቲ ዝንዛሕ ዝነበረ ወረ ግና ንፖለቲካ ስራሕ ‘ዩ ‘ምበር ሓቂ ኣይኮነን። ሓደ ሓደ እዋን እቲ ሕብረተሰብና ‘ውን ሕልፍ ኢሉ እዚ ዝኾን ዘሎ ከመይ ‘ዩ ኢሉ ዘይምሕሳቡ ዝገርም ‘ዩ። ከምኡ ከምዘይ ነበረ ‘ውን ኸዚ ብተግባር እናራእናዮ ኢና። ክሳብ ኸዚ ተመስገን ዘብል ‘ዩ። ንፌደራል መንግስቲ ብዝተኽኣለና መጠን ሓጊዝና እዚ ሰላም ዘላቒ ክንገብሮ ይግባእ።

ወጋሕታ፡- እዚ ሰላም ዘላቒ ንክኾን ካብ ዲያስፖራ ኾነ ምሁራን ተጋሩን እንታይ ትፅቢት ይግበር? ኣይተ ግርማይ፡- በርግፅ ኣብ ኣብዝሓ ዲያስፖራ እምነተይ ካብ ዘልዕል ፀኒሐ ‘የ። ምሁራ ተጋሩ እንትብል ከለና ኣነ ውሑዳት ‘ዮም እናተርኣዩነ ዘለዉ። ምሁር ማለት ፍታሕ ዘምፅእ ብዛዕባ መነባብሮ ሕብረተሰብ ፣ ፍትሒ ንክነግስ ፣ ነቲ ሕብረተሰብ እንታይ ‘ዩ ዝሓይሽ ዝብል ኣብ ፅንዓት ዝተደረኸ መፅናዕቲ ብምግባር ኣብ መነባባሮ ህዝቢ ለውጢ ዘምእእ ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝወሰዶ። ግና በቢ ዘለዎም ሞያ ሊቃውንት ዝኾኑ ተጋሩ ከምዘለዉ ‘ውን ይፈልጥ ‘የ ፤ ግና ኣብዚ እናረእናዮ ዘለና ተለማማፃይ ሙሁር ‘ዩ ዘሎ። ስለዚ እዚ ሙሁር ንህወሓት እቲ ትኸድዎ ዘለኩም ኣካይዳ ፅቡቕ ኣይኮነን ብምባል ክከራኸሮም ክመኽሮም ክምዕዶም እቲ መገዲ ‘ውን እናሓበርዎ ኣይነበረን።

በርግፅ እዚ ዝኾነሉ ኩነታት ኣብ ትግራይ ፍትሒ ዝባሃል ስለዘይነበረ ‘ዩ። ፍትሒ ዝትርጎም ብኣባልነት ‘ዩ ነይሩ። እቲ ህዝቢ መሕብኢ እታ ውድብ ‘ዩ ነይሩ ክሳብ ኸዚ። ኣባላት እንድሕር ዘይኾይኖም እዚ ቦታ ኣይግበአኩምን እናተብሃሉ ‘ዮም ነይሮም። እዞም ትግራይ ኣለዉዋ ዝበልናዮም ሙሁራን ‘ውን ሱቕታ ዝመርፁ ዝነበሩ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ስለዝነበረ ‘ዩ። እቲ ዳኛ አባል ፓርቲ ‘ዩ ኾይኑ ። ስለዚ ኸዚ እቲ ዝመፀ ሰላም ተግባራዊ ንከይኾን ዝቃዎሙ ኣባላት ካብዚ ዝተልዓለ ‘ዩ ፤ ኸዚ ‘ውን ዳያስፖራ ትግራይ ኾነ ምሁራንን ካልኦት ትግራዎትን እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋህው ሰላም ብምጥቃም እተ ዝሓለፈ ኣሰራርሓ ንከይድገም ክቃለሱ ኣለዎም። ትግራይ ሙሉእ ሰላም ዓንዲ ፍትሒ ክትኾን እንድሕር ኾይና መራሕቲ ህወሓት ብኽብሪ ስልጣኖም ነቲ ሓድሽ ወለዶ ብምርካብ ሓዳሽ ትግራይ ክፈጥሩ ዕደል ኣለዎም ‘ዩ። እቲ መንእሰይ ሰላም ዝፀምአ ‘ዩ እቲ ህዝቢ ልምዓት ዝናፈቐ ‘ዩ። ኹሉ ትግራዋይ ክረባረብ ዘለዎ እቲ ዝነበረ ስርዓት ብምግዳፍን ትምህርቲ ብምውሳድን ሓዱሽ ኣተሓሳስባ ሓዱሽ ኣብነት ክኾኑ ይግባእ። እዚ ድማ ናይ እከለ ኢልካ እትፈልዮ ኣይኮነን ።

ብፍላይ ኹላትና ትግራዎት ዓብይ ሓላፍነት ‘ዩ ዝፅበየና ዘሎ። ኸዚ ህዝቢ ፍታሕ ከምፅእ ኣይኽእልን። ግዜ ይደሊ ‘ዩ። ኣብ ኹናት ዘሕለፈ ህዝቢ ‘ዩ። ኸዚ እፎይታ የድልዮ ‘ዩ። ክሕገዝ ኣለዎ። ፌደራል መንግስቲ ካብ ዝገብሮ ሓገዛትን ትግራይ ካብ ዝኣተወቶ ፀገም ንምውፃእን ጎኒ ንጎኒ ንሕና ‘ውን ኹሉ በቢሞይኡ ክሕግዝ ኣለዎ። እዚ ኹሉ ኹናት ተገይሩ መንእሰይ ሃሊቁ ምንም ፍታሕ ኣየመፀአን ። ስለዚ ሰላምን ልምዓትን ይሕሸና ፣ ብፍላይ ድማ ብኹናት ዝተሃሰየት ትግራይ መማረፂኣ ሰላም ጥራሕ ‘ዩ ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን ።

ኣይተ ግርማይ ፡- ኣነ እውን የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

4 ጥሪ 2015 ዓ.ም ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ

Recommended For You