“ትማሊ ካብ ዝሰኣናዮ ብላዕሊ ፅባሕ ዝህልወና ይበልፅ”- ኣይተ ከበደ ኣሰፋ

ናይ ሎሚ ጋሻና ኣይተ ከበደ ኣሰፋ ይብሃሉ።ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ምንቅስቓስ ደለይቲ ለውጢ ካብዝሳተፉ ተጋሩ ሓደ ዝኾኑን ቅድም ክብል ኣብ ትግራይ ኣብ ነበር ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መንገድን ትራንስፖርትን ከተማ መቐለ ኮይኖም ሰሪሖም ‘ዮም። ኣይተ ከበደ ዝተወለዱ ብ1972 ዓ.ም ኣብ ትግራይ እንደርታ ከተማ ዓዲ ጉደም እንትኾን፤ ቀዳማይ ብርኪ ትምህርቶም ኣብ ከተማ ዓዲጉደም ተማሂሮም ፤ካልኣይ ብርኪ ማለት’ውን 9ይን 10ይን ድማ ኣብ መቐለ ሃፀይ ዮሃንስ ዝተመሃሩ እንትኾኑ፤ 11ን12 ድማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤት ትምህርቲ መነን ብምምሃር ካብኡ ናብ ዩኒቨርስቲ ኣትዮም ቀዳማይ ዲግሪ ብፍዚክስ ብምምራቅ በዚ ሞያ ናይ ፍዚክስ መምህር ኮይኖም ሰርሖም’ዮም፡፡ ቀፂሎም ድማ ካብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ሕጊ ተማሂሮም ብምምራቅ በዚ ሞያ ሰርሖም’ዮም፡፡ ጎናጎኒ ድማ ኣብ ንግዲ ዓለም ኣብ ዘፈር ሆቴል ከምዝነጥፉ ዝገልፁ ናይ ሎሚ ጋሻና ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ኣድሂቦም ሓሳቦም ንከካፍሉ ካብ ዝገበርናዮ ቃለ መሕትት ብዝተወሰነ ኣሕፂና ከምዚ ዝስዕብ ኣቅሪብናልኩም ኣለና፤ሰናይ ንባብ:-

ወጋሕታ :- ኸይዲ ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ሰላም ከመይ ይሪእዎ? ኣይተ ከበደ :- ኣነ ኸይዲ ስምምዕነት ሰላም ብዓብይ ተስፋ ‘የ ዝሪኦ። ምኽንያቱ ቅድሚ ሕዚ ዝግበሩ ዝነበሩ ናይ ፖለቲካ ዝርርባት ምትላላት ዝበዝሖም ‘ዮም ነይሮም። በቲ ዝነበረ ወገን ኾነ በዚ ዝነበረ ናይ ምድላው ግዘ ንምውሳድ ጭቡጥነት ዘይነበሮም ዘይተረጋገፁ ናይ በይናዊ ተኽሲ ጠጠው ምባል ‘ዮም ነይሮም። ሐዚ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ግና ኢትዮጵያ ብዘይተለመደን ብዘይተኸደን መገዲ ‘ያ ትኸድ ዘላ። ምኽንያቱ ቅድሚ ሐዚ ዝመፅኡ ዝነበሩ ለውጥታት ደማዊ ዝኾነ ጭካነ ዝተመልኦ ጭቆና ዝፈጠሩ ብምዃኖም፤ ካብኡ ዝሐሸት ኢትዮጵያ ንምፍጣር ንዕርቂ ዝዕድምን’ዩ፡፡ ሒዚ ኣሸባሪ ዝተብሃለ ህወሓት ናብ ድርድር ምቅራብ ማለት እዙይ ዝተፈለየን ዘይተለመደን መገዲ ሰላም ምዃኑ ዘርኢ ‘ዩ። ስለዝኾነ እዚ ስምምዕነት ሰላም ናይ ብሓቂ ተሓሲብዎን ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሐዚ ብዘይተኸዶ መንገዲ ኸይዳ ዝሐሸት ሃገር ንምግባር መንግስቲ ቆሪፁ ከምዝተልዓለ ዘርኢ ‘ዩ። ብህወሓት ወገን ‘ውን ዝተኸደ ኽያዶ ቀሊል ኣይኮነን። ምኽንያቱ ብዙሕ ቅድመ ኹነታት ናይ ድርድር እናዘርዘሩ ድሕሪ ምፅናሕ እዚ ኹሉ ነገር ሓዲጎም ናብ ሰላም ድርድር ምምፅኦም ክምስገኑ ‘ዩ ዘለዎም። ብኽልቲኦም ወገናት ዘሎ እንትርኣ እቲ ኸይዲ ስምምዕነት ሰላም ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ዝተፈለየ ‘ዩ ‘የ ዝብል፡፡ኣብዙይ ‘ውን ዓብይ ተስፋ ‘ዩ ዘለኒ። እቲ ሕብረተሰብና ‘ውን እንተኾነ ብዕልልታ ‘ዩ ተቀቢልዎ። ብዙሕ ፖለቲካዊ ጥቅሚ ንምስኻዕ ዝዓለመ መሲሉ ኣየተሰምዓንን። ንህዝቢ ማእኸል ዝገበርን ረብሓ ሃገር ዘቀደመን ካብ ትማሊ ዝተምሃረ ፅባሕ ዝሐሸ ንምግባር ዝዓለመ ስምምዕነት ሰላም ከምዝኾነ ‘ዩ እቶም ምልክታት ዝሕብሩ።

ወጋሕታ :- ጉጅለ ልኡኽ መንግስቲ ፌደራል ናብ መቐለ ተጓዒዙ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ዝተገበረ ዘተ ከመይ ይገልፅዎ? ኣይተ ከበደ :- መንግስቲ እቲ ሰላም ብዘላቂነት ንምቕፃል ወይ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንምትግባር ዘለዎ ቆራፅነት ብተግባር ርኢና ኢና። ናብ 50 ዝኾኑ ዋና ዋና ዝብሃሉ ዘርፍታት ዘለውዎም ጉጅለ ልኡኻት ከም ኢትዮጵያ ኣየር መንገዲ፣ ኢትዮቴሌኮም፣ መንገዲ ትራንስፖርት ኢትዮጵያ፣ ንግዳውን ዞባውን ምትእስሳር ሚኒስተር፣ሓይሊ መብራህቲ ኢትዮጵያን ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያን ካልኦት ዋና ዝብሃሉ ዘርፍታትን ኣብ ባይቶ ኢትዮጵያ ዝዓበየ ስልጣን ዘለዎ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲን ሚኒስትር ፍትሕን ብምልኣኽ ንኣብነት ህወሓት ብሽብርትነት ዝተኸሰሰ ብምዃኑ ናይ ፍትሒ ምኒስትር ምዃዱ ምስ ዝነበረ ናይ ክሲ ከይዲ ተቋሪፁ እቲ ሰላም ብዘላቂነት ንምቅፃል ዝተተለመ ምዃኑ ዘርኢ ‘ዩ። ከምኡ’ውን ኮምሽን ሃገራዊ ምኽክርን ኸይዶም ‘ዮም። እዚ ኸዓ ዘይምርድድኣት ብዕርቅን ምኽክርን ንምፍታሕ ዘኽእል ብምዃኑ እቲ ኣብኡ ዘሎ ኹነታት ኣፅኒዑ ንምምፃእ ዘኽእል ‘ዩ። ከምዝፍለጥ ኲናት መዕነዊ ‘ዩ ምህናፅ መሰረተ ልምዓት ድማ ግዘ ዝወስድን ኢንቨስትመንት ይሓትትን ‘ዩ። ምናልባት ትግራይ ናብ ሓምሳ ስልሳ ዓመት ዝመለሰ ኣዕናዊ ኵናት ‘ዩ ነይሩ እንተይልና እዙይ ኸዓ ሓምሳ ስልሳ ዓመት ንድሕሪት ተመሊስና ማለት ‘ዩ። ስለዝኾነ እዙይ ንምምላስ ግዘ ዝወስድ ‘ዩ፤ይኹን ‘ምበር መንግስቲ ብዝገርም ቅልጣፈ መብዛሒቲኡ ብምዕራብ ገፅ ክሳብ ዓድዋ ዘሎ ክፋል ትግራይ ስልኪ፣መብራሕቲ ብሓፂር እዋን ብዝብሃል ብቕልጡፍ ክምልሶ ክኢሉ ‘ዩ። መንግስቲ ብሓፂር እዋን ፀጊኑ ግልጋሎት ምቅራቡ ክንድምንታይ ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት ዘርኢ ‘ዩ። ከምኡ’ውን ብተመሳሳሊ ብደቡባዊ ትግራይ ክሳብ መኾኒን ማይጨውን ዘሎ ኣከባቢ መብራህትን ስልክን ምእታው ብዝደወሉልና ቤተሰብና ኣረጋጊፅና ኢና። ዝለዝኾነ መንግስቲ ኣብ ዝሓዞ ኸባቢ ኩሉ መሰረተ ልምዓታት እናመለሰ ‘ዩ ዘሎ እዙይ ኸዓ ተስፋ ዝህብ ‘ዩ።

ወጋሕታ :-ስምምዕነት ሰላም ብቅልጡፍ ሙሉእ ተግባራዊ ንክኸውን እንታይ ክግበር ኣለዎ?ካብ መን እንታይ ትፅቢት ይግበር? ኣይተ ከበደ :- እቲ ስምምዕነት ሰላም ብቅልጡፍ ተግባራዊ ምግባር ንፅባሕ ዝብሃል ስራሕ ኣይኮነን። ምኽንያቱ እቲ ማሕበረሰብና ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብጣዕሚ ኸቢድ ዝኾነ ጉድኣት በፂሕዎ ‘ዩ። ስለዝኾን ዝግምተኛ ዝኾነ ናይ ሰላም ኸይዲ እንተኾይኑ ኣብ ማእኸል ዝተፈላለዩ ዕንቅፋት ዝፈጥሩ ኣካላት ከበላሽዎ ይኽእሉ ‘ዮም። እቲ ሰላም ብዝተቀመጠሉ ግዘ መሰረት ንክከናወን ሓደ መንግስቲ ሰብኣዊ ሓገዛት ብዝድለይ መጠን ብእዋኑ ክኣትው ምግባር፣ መሰረታዊ ልምዓታት ብኣግባቡ ፀጊኑ ናብ ግልጋሎት ምእታው፣ ኩሎም ክልላትን ኩሎም ኢትዮጵያውያንን ተጋሩን ኣተሓባቢሩን ምስ ዝተፈላለይ ጉጅለታት ኣቀናጅዩ ኣብ ትግራይ ዘላቂ ሰላም ንኽረጋገፅ፤ ትግራይ መሊስካ ኣብ ምህናፅ ኸይዲ ናይ ኩሉ ዓሽራ ነኸንብር ናይ ምትሕብባር ስራሕ ጀሚርዎ ኣሎ፤እዚ ምቅፃል ‘ዩ።

ብህወሓት ወገን ከዓ ይኣኽሎም ክሳብ ሐዚ ብሕልኽን ብክንርአአ ኢና ዝብል መገዲ እቲ ዝርኣይዎ መንካራ ቀሊል ኣይኮነን። 17 ዓመት ናይ ማሕበረሰብ ቃልሲ መሪሖም ብዙሕ ታሪኽ ሰሪሖም ‘ዩም ኾይኑ ግና ንበይነይ ብዝብል ዓርሰ ፍትወት ምኽንያት እቲ ናይ ህዝቢ መስዋእትነት ረሲዖም ናብ ገደል ኣትዮም ናይ ውልቆምን ጉጅለኦምን ድልየት ብምቅዳም ‹‹ኣነ ‘የ ዝፈልጠልካ›› ብዝብል ህልኽ ኣትዮም እቲ ማሕበረሰብ ናብ ዘይድሊ ህልቂት ኣእትዮምዎ ‘ዮም። ሐዚ ካብኡ ዝተምሃሩ ይመስሉ፤ክምሃሩ ‘ውን ኣለዎም። ታሪክ ብፅቡቅ ጎኑ ክፅሕፎም እናተገብኣ መውዳእትኦም ብዘይምፅባቁ ምኽንያት እቲ ንፀረ ጭቆና ህዝቢ ትግራይ ዝኸፈልዎ መስዋእቲን ዝፀሓፍዎ ደሚቅ ዓሸራ ብዘደብዝዝ መልክዕ ዝኸድዎ ናይ መወዳእታ ኸይዲ ክውገዝ ዝግብኦ ነውሪ ስለዝኾነ፤ ምኽንያቱ ኣንሕና ብዙሓት ኣሕዋትና መስዋእቲ ዝኸፈልዎ ቃልሲ ትግራይ ናብ ገደል ዘእተወ ስለዝኾነ ካብኡ ምምሃር ይግብኣ።

እዚ ታሪኽ ሕድሪ ሰማእታት ምብላዕ ስለዝኾነ እቲ ዝደብዘዝዎ ታሪኽ መሊሶም ብደሚቅ ክፅሕፍዎ ስለዝግባእ ሐዚ ‘ውን እቲ ዕድል ኣብ ኢዶም ስለዘሎ ስልጣን ካብ ምሕሳብ ወፂኦም ሃገርን ወለዶን ብምሕሳብ ናብ ዝሐሸት ዲሞክራሳዊት ትግራይ ንክሻገር ብፍላይ እዚ ወለዶ መፃኢኡ ባዕሉ ክፅሕፍ ስለዘለዎ እቲ ዕድል ነቲ ወለዶ ክወሃቦ ይግባእ። ዕርቂ ብዝምልከት ምስኹሉ ‘ዩ ክግበር ዘለዎ። ዕርቂ ክተገብር ከላኻ ምስ ሓደ ጫፍ ጥራሕ ዘይኮነ ክትትዓርቅ ዘለካስ ምስ ኩሉ ኢኻ ክትትዓረቅ ዝግባእ ፡፡ትግራይ ናብዚ ሰዓቤን ኵናት ዘእተዋ ሓፈሻዊ ድምር ውፂኢት ‘ዩ። ምስ ፈደራል ብዝነበሮ ዘይምርድዳእ ጥራሕ ኣይኮነን ምስ ኣምሓራ ዝነበሮ ምስሕሓባት፣ ብዓፋር ወገን ብኤርትራ ወገን ኩሉ ተደማሚሩ ዝሓለፉ ዓመታት ተኸቢቡ መውፅኢ መእተዊ ስኢኑ ናብዚ ኹሉ ዝኣተወ።

ሐዚ ‘ውን ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ምስ ጎራብቱ ዘለዎ ርክብ ንክምሓየሹ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ክተዓረቅ ‘ዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ ናብ ወደብ ቀረባ ‘ዩ። ንግዳዊ ርክባቱ ፅቡቅ እንተኾይኑ እቲ ህዝቢ ብብዙሕ ነገር ተጠቃሚ ‘ዩ ዝኸውን። ምስ ኣምሓራይን ዓፋርን ‘ውን ብተመሳሳሊ ‘ዩ። እቲ ዕርቂ ድማ ከም ሃገር ‘ምበር ፈሊኻ ምስ ፌደራል ጥራሕ ክኸውን የብሉን። ፀገማት ክህልው ይኽእሉ ‘ዮም፤ኾይኑ ግና መንግስቲ ተራ ብተራ ናይ ህወሓት ዕጡቃት ዕጥቂ ዝፈትሐሉ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ካልኦት ሓይልታት ‘ውን ዝወፅእሉ ኩነታት ከመቻችው ‘የ ኢሉ ‘ዩ። ስለዝኾነ ኤርትራ ሓይሊ ኾኑ ኣምሓራ ሓይሊ ክወፅኡ ‘ዮም። መንግስቲ እዙይ ንምግባር ኮሚትመንት ኣትዩ ‘ዩ። ስለዝኾነ እዙይ ንምግባር ቅልጥፍ ኢሉ ንክግበር ኣውንታዊ ድፊት ፅዕንቶ ምግባር ‘ምበር ተንካዊ ዝኾኑ ቃላት ኣብ ሚድያ ምጉዋሕ ኣድላይ ኣይኮነን።ካሊእ እናተገበሩ ዘለው ተግባራት ኣፍልጦ እናሃብካ ምኻድ የድሊ፡፡ልክዕ እዩ ዝጎድል ነገር ክህልው ይኽእል ‘ዩ። ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝተፈጠረ ፀገም እኮ ቀሊል ኣይኮነን ብሓደ ለይቲ ዝቅረፍ ፀገም የለን ስለዝኾነ እቲ ጅምር ክበረታታዕ ይግባእ። ዘሎ ለውጢ ክበረታታዕ ይግባእ። ስለዝኾን ብህወሓት ወገን ዘሎ ኣቀራርባ ክስተኻኸል ኣለዎ። ኣነ ካብ ህወሓት ዝፅበዮ ሓደ ነገር ‘ዩ ንሱ ከዓ ትማሊ ዘበላሽይዎ ብምኽሓስ ቅድሚ ትማሊ ዝሰርሕዎ ደሚቅ ታሪኽ ምምላስ ዝኽእልሉ ዕድል ኣብ ኢዶም ስለዘሎ እዙይ ንክገቡሩ ተስፋ ይገብር።

ወጋሕታ :- ሐዚ ብፍላይ ዲያስፖራ ኣብ ሰላም ዙርያ ከምኡ’ውን ኣብ ልምዓት ምስታፍ ንክኽእሉ ከመይ ክስራሕ ኣለዎ ይብሉ? ኣይተ ከበደ :- ሐዚ ንዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ካብ ህወሓት ወፃኢ ዝኾነ ነገር ምድጋፍ ከምዘይክኣል ተገይሩ ዝተቐረፀ ማሕበረሰብ ብቀሊሉ ናብዚ ምምፃእ ከቢድ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር ሓደ ሓደ ግዘ ናይ ዓድና ፖለቲካ ብጣዕሚ ተቀያያሪ ምዃኑ ምርዳእ የድሊ። በቃ ሞይቱ ‘ዩ ዝበልክዮ ብዘይሓሰብካዮ ‘ውን ዝትስእ፣ ተበታቲና ኢና ኣብቂዕልና ‘ዩ ኣብዝበልክዮ እዋን ድማ ብዘግርም ቅልጣፈ ሓደ ኮይንና እንርከበሉ፣ ብጣዕሚ ዝሒሉ ‘ዩ ኣብ ዝበልክሉ እዋን ኣብ ሓደ ለይቲ ዝትስኣሉን ፀባይ ‘ዩ ዘለዎ- ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ። ስለዝኾነ ትማሊ ብዝትፈጠረ ኵናት ምኽንያት ማሕበራዊ ሚድያ ይኹን እቲ ዋና መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ሞንጎ ማሕበረሰብ ከቢድ ምቁሳል ብምፍጣሩ ምኽንያት ክልቲኦም ኣብ ክልተ ጫፍ ጠጠው ኢሎም ዝቁዝሙሉ ኩነታት ‘ዩ ነይሩ።

 ይኹን ‘ምበር ሐዚ ኢቲ ስምምዕነት ሰላም ዝፈጠሮ ኣፋፍኖት ተስፋ ፈጢሉ ኣሎ። ንፅባሕ ተስፋ ዝትገብር ናይ ትማሊ ምርሳዕ ‘ዩ። ናይ ትማሊ ንረስዕዮ ማለት ግና ንሕደጎ ማለት ኣይኾነን ፅባሕ ዝሐሸ ንምግባር ትምህርቲ ወሲድናሉ ንፅባሕ እንተሓሲብና ቀስ ብቀስ ናይ ዲያስፖራ ማሕበረሰብ ‘ውን ናብዚ ክምፅእ ይኽእል ‘ዩ ኢለ ‘የ ዝኣምን። ይኹን ‘ምበር ሐዚ ኣንሕና እንታይ ኢና ንገብር ዘለና ዝኾረየን ዝቆዘመን ምስ መንግስቲ ወገን ጠጠው ብምባሉ ምኽንያት መንግስቲ ችላ ዝበሎ ደላይ ለውጢ ማሕበረሰብ ብምትሕብባር ሓደ ናይ ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ፎረም እናመስርታና ኢና ዘለና። እቲ ብቀዳማይ ዝተገበረ መድረኽ ‘ውን ሓደ ኣካል ነሃቱ ‘ዩ።

ስለዝኾነ ናይዚ ፎሮም ዋና ዕላማ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘለዉ ደለይቲ ለውጢ ምትሕብባርን ክሳብ ሐዚ ዝመፃእናሉ ብደንቢ ግልፅነት ብምፍጣር ካብኡ ትምሕርቲ ብምውሳድ እቲ ሰላም ዘላቂ ብምግባር ትግራይ መሊስካ ብምህናፅ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ዝላሕለሓ ጉዳይ ኢትዮጵያዊነትና መሊስካ ብምርካብ ብዘኽእል መንገዲ ተጋሩ ናይ ምትሕብባር ፎሮም ‘ዩ። እዚ ፎረም ዚ ኣብ ዝቕፅል ክሳብ ዲያስፖራ ዘሊቁ ብምእታው ኣብ ዲያስፖራ ከባቢ ዘለው ደለይቲ ለውጢ ብምትሕብባር ቀስ ብቀስ ናይ ዲያስፖራ ማሕበረብ ናይዚ ምንቅስቃስ ኣካል ንምግባር ተተሊሙ ይስራሕ ‘ዩ ዘሎ።

ናይ ግዘ ጉዳይ ‘ምበር እዚ ጉዳይ ምዝሓሉ ዘይተርፍ ‘ዩ። ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ናብዚ ከምዝመፅኡ ዘጠራጥር ጉዳይ የብሉን። ዳያስፖራ ዘለው ተወለድቲ ተጋሩ ፅባሕ ድሕሪ ፅባሕ ምስ ዓዶም ተሰሊፎም ኣብ ከይዲ ምህናፅ ትግራይ ይኹን ኣብ ምልማዕ ኢትዮጵያ ናይ ትማሊ ዓሸራኦም ኣየቅምጡን ኢለ ኣይሓስብን። ዳያስፖራ ተጋሩ ኣብ ሓፂር እዋን ትግራይ መሊሶም ኣብ ምህናፅ ናይ ባዕሎም ብፅሒት ከምዝገብሩ ተስፋ ይገብር።

ወጋሕታ :- ኣብ መወዳእታ ተሪፉ እትብልዎ ወይ ክሕልፍዎ ዝደልዩ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም? ኣይተ ከበደ :- ብዙሕ ተሪፉ ዝብሎ ሓሳብ የብለይን፡፡ ኮይኑ ግና ዘሕልፎ መልእኽቲ ኣለኒ። እዚ መልእኽተይ ክዓ ትማሊ ካብ ዝሰኣናዮ ነገር ብላዕሊ ፅባሕ ዘለና ነገር ናይ ፅባሕ ተስፋና ይበልፅ ስለዝኾነ ናይ ትማሊና ከም ትምህርቲ ወሲድና ፅባሕና ዝሐሸ ንምግባር ኩሉ ትማሊ ብምርጋም ትማሊ ብምውቃስ ዘይኮነስ ካብ ትማሊ ተማሂርና ፅባሕና ዝሐሸ ንምግባር ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ምስራሕ የድሊ። እዙይ ፖለቲካ ‘ዩ ምኽንያቱ ኣብ ፖለቲካ ዓለም ነባሪ ፀላኢ ነባሪ ፈታዊ ስለዘየሎ፤ ብፍላይ ከዓ ናይ ትግራይ ህዝቢ በባህሪኡ ድርቂ ኮነ ኲናት ፀገም ከጋጥሞ ከሎ ብቀሊሉ ብጥምየት ዝመውት ህዝቢ ኣይኮነን። ተወሳዊሱ ዝሰርሕ ህዝቢ ስለዝኾነ ተወሳዊሱ ሰሪሑ ህይወቱን ዓዱን ከባቢኡን ዝቅይር ማሕበረሰብ ኣይኮነን ኢትዮጵያስ ዓለምውን ትፀቦ ‘ያ።

ስለዝኾነ እቲ ኢትዮጵያ ዝፈጠረ፣ ናይ ኢትዮጵያ ሰረት ዝኾነ ናይ ኣኽሱን ስልጣነ በዓል ቤት ኢትዮጵያ ፀሊኡ ፀባብ ዓዲ ትግራይ ሃገር ክገብር ‘የ ምባል ይትረፍ ኣቦሑጉታቱን ቅድሚ ኣቦሑጎታቱ ኣብ እዋን ስልጣነ ኣኽሱም ኣብ ዓለም ካብ ዝነበሩ ኣርባዕተ ስልጣነታት ሓደ ዝነበረ ስልጣነ ፈጢሮም ዝነበሩ ስለዝኾኑ ነሃቶም ደቂ ደቆም ናይ ሎሚ ተወለድቲ ትግራይ ብምንታይ ሓሳብ ‘ዩ እታ ዓባይ ሃገሮም ሓዲጎም ፀባብ ትግራይ ዝምነዩ።

 ኣንሕና ተጋሩ ብነፃነት ተወሳዊስና ኣብ መላእ ሃገር እንሰርሓሉ ስርዓት ‘ዩ ዝፍጠር ዘለዎ ‘ምበር ብብሄር ተገዲብና ተሓፂርና ከምድላይና ዘይንቀሳቀሰሉ ኢትዮጵያ ክኸውን ኣይነበሮን።በዚ እንተኸደ ፀላኢ በቲ እንተኸደ ፀላኢ ዝኾነት ሃገር ፈጢርካ ምስ ዝሓለፉ ናይ ሰለስተ ሽሕ ኣርባዕተ ሽሕ ዘመናት መንነቱ ስልጣንኡ ዘይኸድ ኢትዮጵያዊ ዘይኾነ ካበይ ከምዝመፅኣ ዘይፍለጥ ስለዝኾነ ኩሎም ተጋሩ ኣብ ሃገሮም ዘለዎም ኣረኣእያ ጠጠው ኢሎም ክሓስቡ ፅቡቅ ‘ዩ።

ወጋሕታ፡-ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን፡፡

 ኣይተ ከበደ፡-ኣነ’ውን የመስግን፡፡

ኣብርሃ ሓጎስ

ትሕዝቶ ጋዜጣ ወጋሕታ 27 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም

Recommended For You