ኣዲስ ኣበባ፡- ኣሜሪካ ኣብ ታሪኻ ሃገራት ናይ ምፍራስን ምብፅባፅን ፀባይ ስለ ዘለዋ ነዚኣ ምስዓር ዝከኣል ሃገራዊ ሓድነት ብምጥንኻር ከምዝኾነ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ፖለቲካል ሳይንስ ዶክተር ደመቀ ኣጪሶ ኣፍሊጦም።ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሉኣላዊት ሃገር ጣልቓ ኣትያ ‹‹እዚ ካብዚ ኣውፅ፣ እዚ ናብዚ ኣእትዎ›› እናበለት መምርሒ ዋሃቢት ምዃን ብናይ ዝኾነ ዓለም ሕጊ ተቐባልነት ከምዘይብሉ ኣመልኪቶም።
ዶክተር ደመቀ ብፍላይ ንጋዜጣ ኣዲስ ዘመን ከምዝገለፅዎ፣ ኣሜሪካ ኣብ ታሪኻ ሃገራት ናይ ምፍራስን ምብፅባፅን ፀባይ ስለዘለዋ ምስዓር ዝካኣል ሃገራዊ ሓድነት ብምጥንኻር እዩ።ናይ ደገ ፅዕንቶ ኣብ መንግስቲ ኢትዮጵያ እንተይኮነስ ኣብ ሉኣላውነት ሃገር ዝተፈፀመ ድፍረት እዩ።ናይ ውሽጢ ጉዳይ ከም ቤተሰብ ብናይ ባዕልኻ ዝፍታሕ ብምዃኑ ኣብ ናይ ደገ ፅዕንቶ ቖላሕታ ሂብካ ምትሕግጋዝ ይግባእ።
ኣሜሪካ ዕላማ ገይራ እትሰርሖ ዘላ ኣይንኡ ይምቹ? ምስመን እንተዝሰርሕ ይምችው? ዝብል ብምስላሕ ናይ ባዕላ ጥቕሚ ንምሕላው እዩ። ኣሜሪካ ንመሰል ደቂ ሰባት ተገዲሳ ኣይኮነትን ብዝብል ጥራሕ ምዝራብ ኣይካኣልን ዝበሉ ዶክተር ደመቐ፣ ዋላ እኳ ንመሰል ደቂ ሰባት ተገዳሳ ኣይትግበሮ፣ ንሃገራት ናይ ምፍራስ ልምዲ ስለዘለዋ ነዚ ጉዳይ ብጥንቓቐ ምርኣይ ግቡእ እዩ ኢሎም።
ካብ ኢትዮጵያ መንግስቲ ብተፃራሪ ደው ዝበሉን ንኣሜሪካ መንግስቲ ሓበሬታ ዘቕብሉ ኣብወፃኢ ዝነብሩ ኣካላት ስለ ዘለዉ ካብ ስምዒታዊነት ወፂእና ብሜላ ናይ ዲፕሎማሲ ሓቒ ምርኣይ ከምዘድሊ ኣታሓሳሲቦም። ድሕሪ ሕዚ ምስ ኣሜሪካ ተፈላሊና ኢና ብዝብል ሓሳብ ምኹራይ ኣየድልን፤ ሕብረት ኣውሮፓ ሓዊሱ ዓበይቲ ናይ ፋይናንስ ትካላት ብኣሜሪካ ስለ ዝጥምዘዙ ጥንቓቐ ከምዘድሊ ኣመልኪቶም።
ከም ገለፃ ዶክተር ደመቀ፣ ካብ 2006 ዓ.ም.ፈ ጀሚሩ ኢትዮጵያ ንኣሜሪካ ዘሸግሩ ዝነበሩ ከም ኣልሻባብ ዝበሉ ራዕዳውያን ከትዋጋእ ፀኒሓ እያ።ርክብን ትሕብብርን ክልቲአን ሃገራት ልዕሊ ሚኢቲ ዓመት ዘቑፀረ ዋላ እንተኾነ ሕዚ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝኻዶ ዘሎ ኣካይዳ ነዚ ታሪኽ እዚ ብዜሮ ዘራብሕ እዩ። ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ መብዛሕትኡ ስራሕ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ይስራሕ ከምዝነበረ ኣሜሪካ ትፈልጥ እያ ዝበሉ ዶክተር ደመቀ፣ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ግና ከም ቅዋም መንግስቲ ኣሜሪካ ክልቲኦም ሃገራት ተጎዳእቲ ክኾኑ እዮም ኢሎም።ካብዚ ተላዒሉ ክልቲኦም ሃገራት ሞያዊ ዲፕሎማሲ ክኽተሉ ይግባእ ኢሎም።
ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ እትገብሮ ዘላ ኢድ ኣእታውነት ብዝምልከት ኢትዮጵያ ጥበባዊን ሞያዊን ዲፕሎማሲ ክትጥቀም ከምዘለዋ ጠቚሞም።ኣሜሪካ እትገብሮ ዘላ ምንቕስቓስ ካብ ሰብኣዊ መሰል ተገዳስነት ዝፈልፈለ ከምዘይኮነ ዓለም ትፈልጥ እያ።ፈተውታ ዝኾና ሃገራት ብምሕጓስ ብሄራዊ ጥቕማ ምሕላው እዩ ኢሎም። ኣሜሪካ ብዙሓት ሃገራት ዘፍረሰትን ዘተራመሰትን ሃገር ስለዝኾነት ብወገን ኢትዮጵያ ዝውሰድ ዘሎ መልሲ ጥበባዊን ሞያዊን ዲፕሎማሲ ዝተላበሰ ክኸውን ከምዘለዎ ኣመልኪቶም።ስምዒታዊ፣ ቑጠዐን ዘየድልዩ ቓላት ምድርባይን ኣግባብ ከምዘይኮነ ጠቚሞም።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድነቱ ብምጥንኻር ሰላም ሃገሩ ብምርግጋፅ ንመንግስቲ ክሕግዝ ኣለዎ።ኣሜሪካ እትጥቐሞ ኣብ ሃገር ውሽጢ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ስለ ዝኾነ ነዚ ክነፅብቦን ክነቕርዮን ይግባእ። ‹‹ኣሜሪካ ንዜጋታታ እኹል ሓለዋ ምግባር ዘይትኽእል ሃገር እያ ኔራ›› ዝበሉ ዶክትር ደመቀ፣ ኣሜሪካ ብሄራዊ ጥቕማ ክተኽብር እትኽእል ኣብ ካልኦት ሃገራት ፅዕንቶ ብምግባር ከምዝኾነ ጠቒሞም እዮም።
ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ምግሓስ መሰል ደቒ ሰባት ኣብ ዝፍፀመሉ ግዜ ምንም ኢላ ኣይትፈልጥን።ጁንታ ህወሓት ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ምግሓስ ገበን እንትፍፅም ትንፍስ ኣይበለትን።ሕዚ ተቖርቃሪት መሲላ ዝመፀት መሰል ደቒ ሰባት ምኽንያት ገይራ ናይ ባዕላ ዕላማ ንምስኻዕ እዩ።
መኣርግ ገ/ሄር
ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም