
ዝኸበርኩም ኢትዮጵያውያን፣
ዝኸበርኩም ፈተውቲ ኢትዮጵያ፣
ክቡራትን ክቡራንን፣
ሃገርና ኢትዮጵያ እትርከበሉ ጂኦ-ፖለቲካዊ ሎሚ ከምትማሊ መዕረፊት ናይ ዓለም ዓይኒ ኮይኑ ይርከብ። ካብ ባሕሪ ሜዲትራንያን ቐፂሉ ኣብ ናይ ዓለም ታሪኽ ኣብ ዝግበሩ ዝተፈላለዩ ናይ ንግዲ ምንቕስቓሳት ዝጥቀስ ቐይሕ ባሕሪ እዩ። ኣብዚ ዞባዊ ዓብላላይነት ምዃን ኣብ ፖለቲካን ቚጠባን ዓለም ለኸ ዓብዪ ትርጉም ከምዘለዎ ይእመን። ስለዚ ብዙሓት ሃገራት ካብ ካሊእ ከባቢታት ዓለም ብምምፃእ ኣብ ዙርያ ቐይሕ ባሕሪ ናይ ኣፅዋር ሰፈር ካብ ምምስራትን ፖለቲካ ኢዶም ካብ ምእታውን ሓሊፎም ዶብ ምልማዕ፣ ንግዲታት መስመር ምዝርጋሕ ክገብሩ ኣይረአዩን።
ኢትዮጵያ ምስ ቐይሕ ባሕሪ ሓቢራ ዝተፈጠረትን ዝነበረትን ሃገር እያ። ካብ ቐደም ጀሚሩ ኣብ ቐይሕ ባሕሪ ዝግበር ዝነበረ ምንቕስቓስ ፖለቲካዊ፣ ወተሃደራዊን ንግድን ፍሉጥ ግደ ነይርዋ እዩ። ናትና ተሳትፎ ካብ ካልኦት ሃገራት ፍልይ ዘብሎ ፍልፍል ድሌትና ምስ ቐይሕ ባሕሪ ብዘለና ቕርበት ዝተተሓሓዘ ብምዃኑ እዩ። ዋላ ካብዚ ክንርሕቕ እንተንደሊ ‘ውን ካብ ፖለቲካ ቐይሕ ባሕሪ ክነምልጥ ኣይንኽእልን። ከም ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ሓደ ሓደ ኣካላት ምስ ቐይሕ ባሕሪ ዘለዎም ድሌት ስዒቡ ድሌቶም ዝሳኻዕ ዝመስሎም ኢትዮጵያ ክትዳኸም እንተላ እዩ ኢሎም እዮም ዝኣምኑ። እዚ ድማ ከም ሉኣላውነት ሃገር ፍፁም ተቐባልነት የብሉን። ጥቕሚ ሃገርና ብሓይሊ ወይ ብዲፕሎማስያዊ ፅዕንቶ ንስእኖ ምንም ዓይነት ድሌት ከምዘይብልና ክፍለጥ ኣለዎ። ንሕና ከም ሃገር ካብ ቐይሕ ባሕሪ ጥቕሚ ንምርካብ እንትንትልም ምስ ኩሎም ጎረባብትና ብሂብካ ምቕባል ዝተመስረተ ኣካይዳ እዩ ምበር፣ ምስ ማንም ፀገም ብምፍጣር ኣይኮነን። ናይ ሓባር ድሌትና ሓቢርካ ንምስኻዕ ተረዳዲእና፣ ብሰላማዊ መገዲ ከምንሰርሕ ታሪኽ ዲፕሎማሲና ኣብነት ክኸውን ይኽእል እዩ።
ካሊእ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢ ቐይሕ ባሕሪ ምስ ዘለዋ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጥቕሚ ሓሊፉ ፍልፍል ሩባ ኣባይ ብምዃናን ናይ ቐርኒ ኣፍሪካን ሰሜን ምብራቕ ኣፍሪካን ኩነታት ናይ ምውሳን ዓቕሚ ኣለዋ። ካብ ስልጣነ ግሪክ ጀሚሩ ኣውሮፓውያንን ኤስያውያንን ንኢትዮጵያ ንምርካብ ካብ ዝተግህሉ ምኽንያታት እቲ ሓደ ፍልፍል ኣባይ ንምፍላጥን ንምቑፅፃርን ከምዝኾነ መዛግብት ታሪኽ የርድኡ። በዞም ክልቲኦም ጂኦ-ፖለቲካዊ ምኽንያታት ዝተላዕለ ኢትዮጵያ ኣብ ቐርኒ ኣፍሪካ፣ ኢሉ’ውን ብብርኪ ክፍለ ዓለም ኣፍሪካ ሓያል እናኾነት እንተመፂኣ ጥቕሞም ዝንካእ ዝመስሎም ኣካላት ክሰግኡ ከምዝኽእሉ ግልፂ እዩ።
ኮይኑ ግና ክፍለጥ ዘለዎ ሓቒ ኣሎ፤ ቐደም ይኹን ሐዚ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ካልኦት ጥቕሚ ምንም ዓይነት ስግኣት ናይ ምፍጣር ዕላማ የብላን። ብተማሳሳሊ ካልኦት ሃገራት ‘ውን ኣብ ናይና ሃገር ፅልዋ ክፈጥሩልና ኣይንደልን። ለውጢ ስዒቡ ኣብቲ ጎደቦ ዝተረጋግዑ ኩነታት ክፍጠርን ምስቲ ከባቢ ዘለና ርክብ ክጠናኸር ዝሰራሕናዮም ስራሕቲ ኣለዉ እዮም። ምስ ኤርትራ ዘለና ርክብ ምሕዳሱን ብሓፈሻ ኣብቲ ጎደቦ ዝፈጠርናዮ ፅቡቕ ርክብን ምትእስሳርን ነቲ ከባቢ ዝዕዘቡ ሓይልታት ደስ ከምዘይብሎም ሓቒ እዩ።
ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ቐረባ ግዜ ምስ ሱዳን ኣትያቶ ዘላ ኩነታት ቕድሚ ሕዚ ምስ ዝነበረና ፅቡቕ ናይ ነዊሕ ዘመናት ርክብ ተተሓሒዙ ክፍተሸ እንተሎ ፈፂሙ ክፍጠር ከምዘይብሉ ግልፂ እዩ። ሕዚ ‘ውን እንተኾነ ንዘመናት ዝፀንሐ ፅቡቕ ርክብ ተሓሳቢ ብምግባር ዝተፈጠረ ፀገም ዶብ ብሰላማዊ ኩነታት ንምፍታሕ ክንሰርሕ ኢና። ሱዳናውያን ‘ውን ካብ ምስፍሕፋሕን ፅልኢ ካብ ምፍጣርን ወፂኦም ንሰላም ጠጠው ክብሉ ተስፋና እዩ።
ምዕባለ ኢትዮጵያ ምርኣይ ዘይደልዩ ኣካላት ዋና ዕላመኦም ድኽምቲ ኢትዮጵያ ምፍጣር እዩ። ነዚ ድማ ሰለስተ መገዲታት ይጥቐሙ። ንኢትዮጵያ ብዝተፈጥረ ምችው ኣጋጣሚ ተጠቒሞም ምስ ጎረቤት ሃገራት ብዅናት ምትሕሓዝ፣ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ምድኻም፣ ከምኡ ‘ውን ብኸባብያዊን እምነትን ክጓነፁ ምግባር እዩ። ኢትዮጵያ ካብ ቐደም ጀሚራ ምስ ብዙሓት ወረርቲ ውግእ ኣሕሊፋ እያ። እዞም ፀላእቲ እዚኦም ዋና ዕላመኦም ኢትዮጵያ ዕረፍቲ ረኺባ ኣብ ምዕባለ ጎደና ከይትሕምበብ እዩ ነይሩ። ርግፅ እዩ እቲ ዝሓለፈ ኵናት ንሃገርና ብዝተወሰነ መልክዑ ኣዳኺምዋ ሃሊፉ እዩ። ካብቲ ኵናት ሓሊፉ ናይ ኢትዮጵያ መስመራት ንግዲ ብምሓዝ፣ ካብ ባ ሕሪ ወፃኢ
ብምግባር ከምኡ ‘ውን ዓለም ለኸ ልቓሕን ሓገዝን ረኺባ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ከይተካይድ ዕንቕፋት ብምፍጣር ቚጠባ እዛ ሃገር ንምሑንኳል ፃዕሪ ተገይሩ እዩ። ግድብ ኣብ ሩባ ኣባይ ይኹን ካልኦት ግድባት ንምህናፅ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ዝገበረቶም ፃዕሪታት ዕውት ዘይኮንሉ ምኽንያት እዚ እዩ ነይሩ።ካብ ሩባ ኣባይ ግቡእ ጥቕሚ ምርካብ ከይንኽእል ካብ ዝገበሩና ምኽንያታት ነቲ ፕሮጀክት መስርሒ ዝውዕል ገንዘብ ሕፅረት፣ ነንባዕልኻ ኣብ ኵናት ምእታው ከምኡ ‘ውን ኣሳላልፋ ፖለቲካዊ ዓለም ተለዋዋጢ ብምዃኑ እዩ።ሓደ ሓደ ሓይልታት ኣብ ኢትዮጵያ ብጎረቤት ሃገራት ዝፍጠሩ ጎንፅታት ብምልዕዓልን ብምድጋፍን፣ ኣብ ሃገር ውሽጢ ፖለቲካዊ ዓመፅቲ ብምድጋፍ ህዝቢ ነንባዕሉ ኣብ ኵናት ክኣቱ ብምግባር፣ ሃገራት ገበርቲ ሰናይ ከይሕግዛ ብምግባር፣ ወዘተ… ኣባይ ከይንጥቀም ዝከኣሎም ኩሉ ይገብሩ ከምዝነበሩ ይፍለጥ እዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ፅዕንቶ ብምፍጣር ብሽም ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሕነት ከምኡ ‘ውን ብሰላምን ብሽም መሰል ሰብኣዊ ፅዕንቶ ክግበር ይረአ እዩ። ነቲ ለውጢ ስዒቡ ኢኮኖሚያዊ ምምሕያሽ እንትንገብርን ናይ ፖሊሲ ናፅነትና ንምሕላው ከይንንቀሳቐስ እግርና ካብ ዝጎቱና እቲ ሓደ እዩ፤ ብዲፕሎማሲ መልክዕ ዝመፅእ ፅዕንቶ እዩ። ንሕና ብግብረ ራዕዳዊነት ንምስያም ኣብ ዝተገደድናሉ ገበን ጁንታ ናይ ዲፕሎማሲ ወገናትና ብቐሊሉ ተመልኪቶም ፅዕንቶ ክገብሩልና ይረአዩ እዮም።
ሩባ ኣባይ ብናይ ባዕልና ገንዘብ ሰሪሕና ናብ መወዳእታ ምብፃሕና፣ ኣብ ቐይሕ ባሕሪ ዝነበረና ዓብላልነት ንክንመልስ ተጊህና ምስራሕና፣ ምስ ኤርትራ ዝነበረና ዝተባላሸወ ርክብ ኣሐዲስና ቤተሰብ ምምስራትና፤ ናይ ጁንታ ውግእ ንሶም ካብዝተፀበይዎ ወፃኢ ኣብ ዝሓፀረ ግዘ ውሽጢ ክነሸንፍ ምኽኣልና። ናይ ባዕልትና ኢኮኖሚ ንምዕባይ ናይ ዓሰርተ ዓመት ምምሕያሽ ኢኮኖሚ ምህናፅና፤ ኣብ ሓድነትን ምትሕብባርን ጎስጓስ ብምግባር ናብ ሓያል ሃገር እናተጓዓዝና ምዃና ዘየሐጎሶም ሓይልታት ከምዘለዉ ግልፂ እዩ።
እዚ እዋን እዚ ኢትዮጵያውያን ክልተ ነገራት ፈልዮም ብምፍላጥ ብጥንካረ ደው ዝብልሉ ግዘ እዩ። ናይ ውሽጢ ጉዳይና ብኽርክር ብናይ ፈላጣት ዝርርብን እንፈትሖም እዮም። እዚኦም ዝተፈጥሩ ብሓደ ለይቲ ኣይኮኑን። ንሕና ናይ ብዙሕ ግዜ ወረስቲ ኢና። ዕዳ ዘለዎ ሰብ ክልተ ነገር ክሰርሕ ይግደድ። በቲ ሓደ ወገን ናይ ዘይነበረሉ ዕዳ ክኸፍል ይግደድ። ብኻሊእ ወገን ድማ ሕዚ ዝገጠሙና ፀገማት ይፈትሕ። ንሕና ዝገጠመና እዚ እዩ። ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ናይ ውሽጢ ፀገምና ክንፈትሕ ከምንኽእል ዘወላውል ኣይኮንን።
ናይ ደገ ፈተና ግና ግዜ ዝህበና ኣይኮነን። ኣብ መርከብ ዝተሳፈሩ ተጓዓዝቲ ክከራኸሩን ክናሓንሑን ዝኽእሉ መጀመርያ እታ መርከብ እንትትህሉ ጥራሕ እዩ። እናጠሓሉ መሰል፣ ምይይጥ፣ ንሕንሕን ልዝብ ወዘተ የለን። ጉዳይ ሃገር ‘ውን ከምዚ እዩ። ኣቦታትና ናፅነትን ሉአላውነትን ሃገርና ኣኽቢሮም ክነብሩ ዝኸኣሉ ጉዳይ ውሽጢ ሃገሮም ከይፈተኖም ቐርዩ ኣይኮነን። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ሃገርና ገጢሞምና ዘለዉ ከም ሞትን ምምዝባል ዜጋታት ነዚ ክፍጠር ዝገብሩ ዘለዉ ሓይልታት ንህልውና ሃገርናን ዜጋታትና ስግኣት ስለ ዝኾኑ ኣብ ትሕቲ ቚፅፅር ናይ ምውዓልን ልዕልና ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ።
ኣብ ዝሕዚ ሰዓት ብየማንን ፀጋምን ዘጋጠመና ሓደጋ ንምፍሻል፤ ኣፈሺልና ናብ ዝጀመርናዮ ጉዕዞ ስልጣነ ንምግስጋስ ከም ተዛራቢ ሓንቲ ቓል፣ ከም መኻሪ ሓደ ልቢ ኮይና ጠጠው እንብለሉ ግዘ እዩ። ብፍላይ ኣብ ቕድሜና ዘለዉ ክልተ ሃገራዊ ተልእኾታት ብዝግባእ ብምውፃእ ኢትዮጵያ ሰብ ከምዘለዋ ክነረጋግፅ ኣለና። እቶም ክልተ ሃገራዊ ተልእኾታት ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰን ሃገራዊ መረፃ ብዓወት ምፍፃምን እዮም። እዚኦም ክልቲኦም ንዕድል ኢትዮጵያውያን ወሰንቲ እዮም።
ሻድሻይ ሃገራዊ መረፃ ሰላማዊን ዲሞክራስያዊን ኮይኑ ክውዳእ ኣብ ናይ መወዳእታ ምዕራፍ እንርከብ። ናይ ተናሕናሕቲን መረፅትን ምዝገባ ተኻይዱ፣ ጎስጓስ መረፃን ካልኦት ንመረፃ ዘድልዩ ነገራት ተወዲኦም ሕዚ ቐርዩ ዘሎ ድምፂ ናይ ምሃብ ከይዲ እዩ። እዚ ብዓወት ምዝዛም ንሃገርና ዓብዪ ዓወት ሒዙ ክመፅእ እዩ። ኢትዮጵያ ኣብ ህንፀት ዲሞክራስያዊ ስርዓት እትገብሮ ስግግር ሓደ ብርኪ ከምዘዕብዮ ምንም ዘወላውል ኣይኮነን። እዚ መረፃ እዚ ዲሞክራስያዊን ተኣማንነቱን ሓልዩ ክዛዘም ኩሎም ኣካላት ክተሓባበሩ በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒትና ነቕርብ።
ብወገን መንግስቲ ዝተጀመሩ ልዕልነት ሕግን ሰላምን ናይ ምኽባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል እዩ። ብተፈላለዩ ምኽንያታት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታትና ብቕልጡፍ ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝተፈላለዩ ኣካላትን ህዝብናን ብምትሕብባር ክስራሕ እዩ። መንግስቲ ኣብ ትግራይ ዝጀመሮ ዳግም ህንፀት ስራሕቲን ሰብኣዊ ሓገዝን ምስ ፈተውትና ተጠናኺሩ ዝቕፅል ይኸውን።
ናይ እምነትን ብሄርን ፍልልያት ከም ሃፍቲ ጥራሕ ብምቑፃር፣ ሓደ ኮይና ከምብዙሕ፣ ብዙሓት ኮይና ከም ሓደ ብምንቅስቓስ፣ ዝጀመርናዮም ኩሎም ፕሮጀክትታት ብዝግባእ ፍጥነትን ደረጃን ክንዛዝም፤ካብ ቃል ንተግባር ቀዳምነት ብምሃብ፤ ሓይሊ ምክልኻልና ብምሉእ ዓቕምና ብምድጋፍ፤ ፖለቲካዊ ኣመራርሓና ኣብ ሃገራዊ ተልእኾ ትኹረት ክገብር፤ ኣብተፈላለዩ ክፍልታት ኣለም ዝርከቡ ዲፕሎማትና ኣብ መድረኽ ዓለም ንሃገርና ብብቕዓት ዝተወከሉ ምዃኖም ከምስክሩ ኣለዎም። ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኢትዮጵያውያንን ንሃገርና ዝጠቅም ኩሉ እናገለፁ፣ ኣብ ጎኒ ሃገሮምን ህዝቦምን ብምዃን ሃገሮም ምፍታዎም ከምስክሩ ከምዝግበኦም ፃውዒትና ነቕርብ።
በዚ ኣጋጣሚ ምስ ግድብ ህዳሰ ተተሓሒዙ ኢትዮጵያ ክትረኽቦ ዝግባኣ ጥቕሚ ክሕሎ ድምፅኹም ብምስማዕ ድምፂ ኮይንኩም ናይ ሃገርና ድምፂ ክስማዕ፣ንሓቒ ክትብሉ ኣብ መድረኻት ኣለም ሚድያታት ማእኻላይ ምብራቕ እናተኻራኸርኩም ንኢትዮጵያ ዘለኩም ሓልዮት ክተመስክሩ ኣለኩም። ሃገርና ንዓኩም ዘለዋ ክብሪ ልዑል እዩ። ምስ ሉኣላውነት ሃገርና ተተሓሒዙ ዝገጥሙና ፅዕንቶታት ብሞያኹምን ብድምፅኹምን እናመከትኩም ንሃገርኩም ዘለኩም ሓልዮት ክተመስክሩ ኣለኩም። ከምዚ እንትኾን እንተሎ ንሃገሮም ኣብ ሜዳ ካብ ዝተሰውኡላ ንፉዓት ኣቦታትና ሃገርና ፈልያ ኣይትሪኤኩምን። ታሪኽ እናስታወሰኩም ከምዝነብር ዘጠራጥር ኣይኮነን።
ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግና
20 ግንቦት2013 ዓ.ም
ኣዲስ ኣበባ
ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም