‹‹ፖለቲካዊ ጎንፂ ንጎኒ ገዲፍና ህዝብና ኣብ ምድሓን ክንረባረብ ይግባእ››- ኣይተ መሓመድ ብርሃን

– ኣይተ መሓመድ ብርሃን

ኣይተ መሓመድ ብርሃን ይባሃሉ። ነባርነቶም ኣብ ሃገር ኣሜሪካ እንትኾን ተቓዋሚ ስርዓት ህወሓትን ደጋፊ ለውጥን ‘ዮም። ኣይተ መሓመድ ኣብ መንጎ ፌደራል መንግስትን ህወሓትን ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶርያ ዝተኻየደ ስምምዕነት ሰላም ዝደገፉ እንትኾኑ እትጅመር ‘ውን ንኽልተ ዓመት ዝነበረ ኹናት ኣድላይ ዘይኾነን ህዝቢ ትግራይ ዘይደገፎን ከምዝነበረ ይገልፁ። እዚ መፂኡ ዘሎ ዕደል ሰላም ብፍላይ ደማ ንህዝቢ ትግራይ ዓብይ ዕድል’ዩ ይብሉ። እዚ ህዝቢ ድምፂ ኣየር እናሰምዐ ብሰቐቐን ዝነበረን ፣ መረበቱ ገዲፉ እናተመዛበለ ዝነበረን ፣ ደቁ ብሰላም ኣትዮም ብሰላም ንክወፁ ኣብ ዘይኽእልሉ ብርኪ ንዝነበረ ህዝቢ ስለ ሰላም ምስማዕ ማለት እፎይታ ምሃብ ማለት ‘ዩ ይብሉ። እዚ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ካብ ፌደራል መንግስቲ ሓላፍነት ብተወሳኺ ናይ ኹሉ ትግራዋይ ሓላፍነት ከምዝደልን ፣ ፖለቲካዊ ጎንፂ ንጎኒ ገዲፍና ህዝብና ኣብ ምድሓን ኩሉ ናይ ግድኡ ክዋፃእ ኣለዎ ይብሉ። እዚኦምን ካልኦት ሓሳባትን ምስ ኣይተ መሓመድ ብርሃን ዝገበርናዮ ቃለ መሕተት ሙሉእ ትሕዝትኡ ከምዝስዕብ ኣቕሪብናዮ ኣለና። ሰናይ ንባብ!

ወጋሕታ፡- ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ዘለዎም ርኢቶ እንታይ’ዩ? ኣይተ መሓመድ፡- እንትጅመር ‘ውን እዚ ኹናት እንትካየድ ንምንታይ ከምዝካየድ እኮ ህዝቢ ዝፈልጦ ነገር የብሉን። ኣብ ትግራይ ሓደ ነገር እንትፍጠር እቲ ህዝቢ እንታይ ‘ዩ፣ ንምንታይ ተገበር ኢሉ ሓሳቡ ናይ ምግላፅ መሰል ኣይነበሮን። ኾይኑ ግና እቲ ኹናት ተኻይዱ ንኽልተ ዓመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዓብይ ፀገም ኣብፂሑ ‘ዩ። እዚ ኹናት ቅድሚ ምጅማሩ እኮ ብዛዕባ ሰላም ተላዒሉ ‘ዩ። እንትጅመር ከሎ ናብ መቐለ ሽማግለታትን ኣዴታትን ዓበይቲ ዓድን ከይዶም በጃኹም ብሰላም ይፈታሕ ኹናት ኣየድልናን ‘ዩ ብምባል ለሚኖም ‘ዮም እኮ። መንግስቲ ቅድሚ ኸዚ ‘ውን እቲ ህዝቢ ሰላም ክረክብ ኢሉ ናይ ሰላም ኣጋጣሚ ፈጢሩ ነይሩ ‘ዩ። ግና እቲ ዝተውብዎ ሰላም ኣይተጠቐሙሉን ተመሊስካ ናብ ኹናት ብምእታው ክንደይ ሰብ ሃሊቁ ‘ዩ። ኣብ መወዳእታ ግን እዚ ዕርቂ ክቕበሉ ክኢሎም ‘ዮም። እዚ ዕርቂ ካብ ኹሉ ንላዕሊ ዝርባሕ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ንኽልተ ዓመት ኣብ ፀገም ብምእታው ምንም ክንቀሳቐስ ኣይካኣለን ነይሩ ብምኽንያት ኹናት ስእነት ምግቢ ተሓስዩ ‘ዩ ፣ መድሓኒት ብዘይምርካብ እናተሳቐየ ‘ዩ ፣ ካብዚ ንምውፃእ ድማ እቲ ዕርቂ ሰላም ምምፅኡ ብፍላይ ንህዝቢ ትግራይ ዓብይ ዕደል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- እቲ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ካብ ክልቲኦም ወገናት እንታይ ትፅቢት ይግበር? ኣይተ መሓመድ፡- በቲ ስምምዕነት መሰረት እቲ መንግስቲ ዝካኣሎ ይገብር ኣሎ። ሓገዛት እናተላኣኸ ከምዝኾነ ብዝተፈላለየ ሚድያታት እናሰማዕናዮ ኢና ። ግና ብወገን ህወሓት ከምቲ ዝድለ እናተኸደ ኣይኮነን። እቲ ስምምዕነት መንግስቲ ኣሜሪካን ሕብረት ኣፍሪካን ኢድ ኣእታውነት ዘለዎ ‘ዩ ተኻይዱ። ግና እቲ ስምምዕነት እንትገብሩ ህወሓት ሒዘምዎ ዝኸዱ ነገር ኣይነበረን። ምኽንያቱ ህዝቦም ኣብ ፀገም ወዲቑ ‘ዩ። ስለዚ መንግስቲ ዘቕረበሎም ኣጀንዳ ስምምዕነት ‘ዮም ተቐቢሎም። መጀመርያ ንባዕሎም ቀፂሉ ድማ እቲ ህዝቢ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከምዘሎ ምስ ረኣዩ ‘ዮም ኣትየምዎን ዝተቀበልዎን። ርግፅ እዚ ሰላም ስምምዕነት ንህዝቢ ንምእማን ግዘ ክወስድ ‘ዩ። ምኽንያቱ ህዝቢ ትግራይ ንምንታይ ‘ዩ ዘይቕበሎ እቲ ዝህብዎ ዝነበሩ ሓበሬታ ኸቢድ ‘ዮም ነይሮም። ንህዝቢ ዝብልዎ ዝነበረ ካልእ ‘ዩ። ኸዚ ግና ቀስ ብቀስ እቲ ስምምዕነት ኣብ ተግባር እናዋዓለ ‘ዩ ዝርከብ፤ ኣብ ሓደ ሓደ መንግስቲ ዝሓዞም ቦታታት ‘ውን ሰብኣዊ ሓገዝን ስራሕትን እናቐፀለ ‘ዩ ዘሎ። ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ድማ እቲ ሰላም ተቐቢሉ ምስ መንግስቲ ኾይኑ ‘ዩ እናሰርሐ ዘሎ።

ወጋሕታ፡- እዚ ስምምዕነት ሰላም ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘሕለፎ ፀገም መንፃር ዝህልዎ ረብሓ እንታይ እዩ? ኣይተ መሓመድ፡- ህዝቢ ትግራይ በዚ ሰላም እዚ ተረባሒ ‘ዩ። ምኽንያቱ ኽልተ ዓመት ሙሉእ ኣብ ዕፅዋ ‘ዩ ነይሩ። እዚ ቀሊል ኣይኮነን። በቲ ንሳቶም ዝበልዎ መንገዲ ‘ዩ ዝኸይድ ነይሩ። ብዙሓት ህይወቶም ሂቦም ‘ዮም ፣ ጉድኣት ኣካል ዝኾኑ ኣለዉ ፣ ብዙሓት መናእሰይ ኣብ ልምዓት ተዋፊሮም ዓርሶምን ሃገሮምን ዝቕይረሉ እዋን ኣብ ኹናት ኣሕሊፎም ‘ዮም። በዚ ስምምዕነት ሰላም ድማ ደቁ በሰላም ኣትዮም ብሰላም ክወፁ ስለዝደሊ እዚ ዕደል ንህዝቢ ትግራይ ብጣዕሚ ኣድላይ ‘ዩ። እቶም ዘመሓድርዎ ኣካላት ኹልግዜ ኣብ ፅቡቕ ዝነበሩ ክኾኑ ይኽእሉ ፣ እቲ ህዝቢ ትግራይ ግና መውፅኢ ኣይነበሮን።

እዚ ህዝቢ ኣብ ፀልማት ‘ዩ ነይሩ ንሳቶም ድማ ምንም ከምዘይረብሕዎ ፈሊጡ ‘ዩ ፣ ህዝቦም ካብ ዝኣተዎ ፀገም ከውፅኡ ኣይካኣሉን ፣ ክሰርሕዎ ዝኽእል ክሰርሑ ኣይካኣሉን። እቲ ህዝቢ እናተረደኦ መፂኡ ‘ዩ። ስለዚ እዚ ስምምዕነት ሰላም ተጠቃሚ ህዝቢ ትግራይ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ዘሕለፎ ፀገም ካባና ንላዕሊ እሱ ይፈልጦ። ኣብ ደቁ ዝበፅሐ በደል ቀሊል ኣይኮነን። ብሰንኪ እዚ ኹናት ህዝቢ መረበቱ ገዲፉ ናብ ፈቐድኡ ጎረባባቲ ዓዲ ተመዛቢሉ ‘ዩ። እዚ ዝኾነሉ ካብ ሰላም ምስኣን ዝተልዓለ ‘ዩ፣ ድምፂ ኣውሮፕላን እናሰማዕኻ ካብ ናብራ ሰቐቐን ንምህዳም ‘ዩ ፣ ካብ ስቓይ ንምህዳም ‘ዩ። ስለዚ እዚ ሰላም እዚ ኣድላይን ኣገዳስነት ዘለዎን ሰላም ‘ዩ መፂኡ ። እቲ ህዝቢ ‘ውን ተቐቢልዎ ‘ዩ። ኣብ ስልኪ ዝተጀመርሉ ቦታታት ‘ውን ሰባት ምስ ስድረኦም ምርኻብ ጀሚሮም ኣለዉ። ፅቡቕ ሃዋህው ‘ውን እናተሰምዐ ‘ዩ ዘሎ እዚ ሰላም ንህዝቢ ትግራይ ዓብይ ዕደል ‘ዩ ክብል ዝደሊ።

ወጋሕታ፡- ሓደ ሓደ ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይ እቲ ስምምዕነት ሰላም ክቃዎሙ እናረእና ኢና ፣ እዚ ካብ ምንታይ ዝተልዓለ እዩ ይብሉ?

ኣይተ መሓመድ፡- እቶም ኣብዚ ኮይኖም ነቲ ስምምዕነትሰላምዝቃዎሙደገፍቲሓደኣካል‘ዮም‘ምበር ደገፍቲ ህዝቢ ትግራይ ኣይኮኑን። ንሶም ሰልፊ እንትወፁ ህዝቢ ትግራይ ኢና እንድግፍ ዘለና ‘ዮም ዝብሉ ፣ ግና እቲ ዝገብርዎ ምንቅስቃስን ተልእኾን ኣብ ሚድያ ዝህብዎ ሓበሬታ ክንርኢ ከለና ግና ነቲ ዝነበረ መሪሒነት ትግራይ ይመለሰና ዝብል ትሕዝቶ ዘለዎም ‘ዮም። እዚኦም ሰባት ኸዚ እዚ ስምምዕነት ሰላም ኣይንቕበሎን ንምባል ዓቕሚ የብሎምን።ንሳቶም ዘናድዶም ነገር እንታይ ‘ዩ እንድሕር መሪሒነት ህወሓት ቀፂሉ ዝተኣተዎለም ቃል ኣሎ። እዚ ቃል ሓላፍነት ንክዋሃቡ ወይ ከዓ መሬት ንክዋሃቡ፤ነዚ ‘ዮም ዝቃለሱ ዝነበሩ ‘ምበር ንህዝቢ ትግራይ ሓልዮም ኣይፈልጡን።

እዚ ‘ውን ካብ ዘቕርብዎ ሓሳባት ምርዳእ ይካኣል ‘ዩ። ንናይ ባዕሎም ጥቕሚ ከምዝኾነ ግልፂ ‘ዩ። ምስ ህወሓት ብጥቕሚ ዝተደሓሓዙ ፣ ኣብ ስልጣን ዝነበሩ ፣ ቤተሰባት ዝኾኑ ገሊኦም ድማ ገንዘብ ሰሪቖም ዝመፁ ስለዘለዉ ንዕኡ እናንቀሳቐሱ ዝነበሩ እቶም ተጠቀምቲ ጥራሕ ‘ዮም ‘ምበር ንህዝቢ ሓልዮም ኣይኮነን። እዚ ድማ እቶም ዝደገፍዎ ዝነበሩ ኣካላት እናተዛረብዎ ‘ዮም። ታደሰ ወረደ ኣብ ዝሓለፈ ዘረብኡ እኮ ገሊፅዎ ‘ዩ። ‹‹እዚ ስምምዕነት ንህዝቢ ትግራይን ንሰራዊት ትግራይን ‘ምበር ኣብ ወፃኢ ዘለኹመ ንዓኹም ዝምልከት ኣይኮነን›› ኢልዎም። ‹‹ዝተቃለሰ ‘ውን ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ‘ዩ›› ኢሉ ‘ዩ›። ድሕሪኡ ዝሕል ‘ዮም ኢሎም ፣ ኸዚ ኸዚ እቲ ሓቂ እናገለፀ ‘ዩ። እዚ ኹሉ ገይሮም ‘ውን ሕፍር ኣይበሉን ።

በዚ ጠጠው ዝብል ኣይኮነን ፣ ኸዚ ድማ እዚ ጥቕሚ ክተርፎም ከሎ ‘ውን ብዙሕ ምዕግርጋር ክህሉ ‘ዩ። እዚ ዕግርግር ጠጠው ንምባል ‘ውን እቶም ዝሕግዝዎም ኣካላት ነጊረምዎም ‘ዮም ካልኦት ‘ውን እናተዛረብዎም ‘ዮም ዘለዉ ፣ ኣየእትወክሙን ‘ዩ እናተብሃሉ ‘ዮም ዝርከቡ ፣ እቲ ኩነታት ዘገርምን ዘስቕን ‘ዩ። ምኽንያቱ ህዝብኻ እናጠመየ ፣ ህዝብኻ እናፀመየ ፣ ህዝብኻ እናሞተ ፣ ትግራወይቲ ኣብ ሰቐቐን እናነበረት እዚ ኹሉእናሰምዑእናራኣዩንከምዘይሰሙዑንከምዘይራኣዩን ኾይኖም ፣ ነቲ ዝመርሕ ዝነበረ ኣካል ጥራሕ ሓገዝ ዝገብሩ ዝነበሩ ሰባት ሐዚ ግና ኣብ ሕማቕ ኩነታትን ምሽምቓቕን ‘ዮም ዝርከቡ ከምዚ ኣይመሰሎምን ነይሩ። የግዳስ ኣብ ወፃኢ ዘሎ ትግራዋይ ብምትሕብባር ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝቡ የድሕን። እንድሕር ናይ ብሓቂ ንህዝቡ ዝሓስብን እዚ ኹሉ ሰልፊ ዝገብር ዝነበረ ንህዝቡ ብምሕላይ እንድሕር ኾይኑ ኸዚ ተፈጢሩ ዘሎ ስምምዕነት ሰላም ብምጥቃም ንህዝቡ ከድሕን ይግባእ። እንድሕር ህዝብኻ ዝጠቅም ጉዳይ ሰላም እንትመፅእ እትቃወም ኾይንካ ግን ቀደሙ ‘ውን ንህዝቢ ኣይነበረን ወገናውነትካ ማለት ‘ዩ። እዚ ዝመፀ ዕድል ሰላም ግና ንህዝቢ ትግራይ ፅቡቕ ነቶም ዕድመ ልከዖም ኹናትን ሁከትን ዝደልዩ ግና ሕማቕ ዜና ‘ዩ ።

ወጋሕታ፡- ዝተረኸበ ዕደል ሰላም ተግባራዊ ንክኸውን ካብ መንግስቲን ህዝብን ከምኡ ድማ ፖለቲካ ፓርትታት እንታይ ትፅቢት ይግበር ? ኣይተ መሓመድ፡- እዚ ‘ዩ እቲ ኣገዳሲ ሕቶ። እዚ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ኾይኑ ህዝብና እንድሕር ዘላቒ ሰላም ክረክብ ኾይኑ መንግስቲ ሙሉእ ብሙሉእ ትግራይ ብሓላፍነት ክድሕዝ ኣለዎ። ካብ ጫፍ ክሳብ ጫፍ ትግራይ ተቆፃፂሩ እቶም ንዕኡ ዝምጥኑ እቶም ሹመት ዝዋሃም ድማ ደቂ ዓዲ ዝኾኑ ኣብቲ ዝዓበይሉ ማሕበረሰብ ብምምራፅ ዘየተኣማምን ነገር ስለዝበዝሐ ወዲ ዓዲ ‘ዩ ከመሓድር ዘላዎ። ምኽንያቱ እቲ ወዲ ዓዲ ‘ዩ ውሽጣ ውሽጢ ፀገማቱ ዝፈልጦ ንሱ ‘ዩ ከዐርዮ ዝኽእል። ቅድሚ ኸዚ ኣብ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝነበሩ ብነባራት ኣባላት ህወሓት ፅዕንቶ ይበፅሖም ነይሩ ‘ዩ። ናይቲ ህዝቢ ነፃነት እንድሕር ዝረጋጋፅ ኾይኑ ብዝነበሩ ኣመሓደርቲ ክማሓደር የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ካብ መጀመሪኡ ጀሚሩ ብነፃነት ምዝራብ ዝኽእል እንድሕር ነይሩ እዚ ኹናት እዚ ኣይምመፅን። ህዝቢ ትግራይ ሓሳቡ ንከይገልፅ ብዘተ ጎንፂ ንከይፈትሕ እናገበረ ዝመፀ ህዝቢ ስለዝኾነ ኸዚ ዘድልዮ ብዘተ ፀገማቱ ዝፈትሓሉ ‘ዩ። ምስ ጎረባብቱ ዘተዓርቖ ‘ዩ ዝደሊ።

መንግስቲ ኸዚ ‘ውን ከይጋገ። እቲ ስምምዕነት ውዕሊ ከምዝብሎ ክሳብ መረፃ ዝካየድ መሰጋገሪ መንግስቲ የማሓድሮ ‘ዩ ዝብል ። ናብ ክልል ትግራይ ኣትዩ ከማሓድር ከሎ ናይ ፖለቲካ ሕፅበት ክገብር ኣለዎ። ምንቃሕ የድሊ ‘ዩ። እቲ መንእሰይ ካብዚ ዝነበሮ ሕማቕ መንፈስ ንክወፅእ ክስራሕ ኣለዎ። እቲ ህዝቢ ኣቲዎ ካብ ዝነበረ ፀቢብ ኣተሓሳሳባ ወፂኡ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሕብረት ክነብር ይግባእ። እቲ ምሁር ትግራዋይ ‘ውን ንዓደይ ክጠቅም ‘የ ዝብል እንድሕር ኾይኑ ኣብዚ ነገር ክሳተፍ ኣለዎ። ኣብ ፍርሒ ዘሎ ህዝቡ ከድሕን ይግባእ። ሙሁራን ደቂ ዓዱ ሓሳብ ክህብዎ ከለዉ ፣ ምስ ደቂ ዓዱ ክዛተይ ከሎ ሰባት ኣለዉና ‘ዮም ብምባል ካብቲ ዝነበረ ኣተሓሳስባ ወፂኡ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ይብል ‘ዩ። እቲ ህዝቢ መንግስቲ ኣብ ዝሓዞ ከምኒ ሽረ ዝኣመሰሉ ነበርቲ ኣብ ዝህብዎ ሓሳብ እንሰምዖ ዘለና እቲ ህዝቢ ሰላም ከምዝኾነን ድምፂ ኣየር ኣይንሰምዕን ዘለና ሰላማዊ ህይወት ከምዝጀመረ ‘ዩ እናገለፀ ዝርከብ ፣ ሓገዝ ‘ውን እናኣተወ ከምዘሎ እናገለፀ ‘ዩ። እዚ ብዝተጠናኸረ መገዲ ንክቕፅ ናይ ኹሉ ፖለቲካዊ ፓርቲ፣ምሁራን ትግራይ ካልኦት ዝምከቶም ኣካላት ሓላፍነት ኣዎም።

ወጋሕታ፡- ኣብ መወዳእታ ዘመሓላፍዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ? ኣይተ መሓመድ ፡- ህዝቢ ትግራይ ሰላም ካብ ዝርሕቆ ነዊሕ ስለዝገበረ መንግስቲ ፌደራል ህዝቢ ክልል ትግራይ ናብ ዝነበሮ ሰላም ናይ ምምላስ ስራሕ ክሰርሕ ኣለዎ። ሓገዝ ብምግባር መድሓኒት ፣ ትራንስፖር ግልጋሎት ባንኪን ስራሖም ንክጅምር ብምግባር እቲ ህዝቢ ናብ ንቡር ህይወቱ ክምለስ ኣለዎ። ኣብ ምምሕዳር ድማ ብዝግባእ ነቲ ቦታ ዝግብኡ ብምምራፅ ካብ ማንም ፖለቲካ ነፃ ዝነበሩ ሰባት ብምምራፅ ንክማሓደር ምግባር። ቀፂሉ ድማ ከም ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ትግራይ ‘ውን ባዕላ መሪፃ እትማሓደረሉ ኣሰራርሓ ክህሉ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ብወገኑ እቲ መፂኡ ዘሎ ሰላም ዕንቅፋት ንከይኾን ምስ መንግስቲ ፌደራል ብምዃን ክተሓባበር ኣለዎ። እቶም ንሰላሙ ጠንቂ ዝኾኑ ፈልዩ ክፈልጥ ኣለዎ ክቃዎሞም ኣለዎ። ገበን ዝሰርሑ ኹሎም ናብ ፍርዲ ክቕረቡ ኣለዎም። ኣብ ወፃኢ እትነብሩ ነቲ ዝነበረ ስርዓት እትድግፉ ዝነበርኩም ኸዚ ድማ ገፅኹም ናብቲ ህዝብኹም ዘይርኩም ነቲ ህዝቢ ዘድልዮ ሓገዛት ኣብ ምሃብ ክንሰርሕ ይግባእ። እቲ ዝነበረና ኣፈላላይ ገዲፍና ብሓባር ኾይና ኣብ ፀገም ዘሎ ህዝብና ክነድሕን ይግባእ።

ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃንሒት የመስግን።

 ኣይተ መሓመድ፡- ኣነ እውን ንዝተውሃበኒ ዕድል የመስግን።

መሰረት ገ/ዮሃንስ

20 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም

Recommended For You