‹‹ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ብዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ኮይኑ ‘ዩ›› – ኮማንደር ገ/መስቀል ወልደሚካኤል

ኮማንደር ገብረመስቀል ወልደሚካኤል ኣብ 1956 ዓ.ም ኣብ ራያ ኣላማጣ ተወሊዶም ክሳብ 12 ክፍሊ ‘ውን ኣብ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ተማሂሮም። ድሕሪ 12 ክፍሊ ምውደኦም ኣብ 1974 ዓ.ም ናብ ፖሊስ ሰራዊት ዝተፀመሩ እንትኾኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ፖሊስ ብፍላይ ኣብ ድሕንነት ትራፊክ ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ሰሪሖም ‘ዮም። ኣብ 2012 ዓ.ም ጡረታ ዝወፁ ኮይኖም ለውጢ ምስ መፀ ነዚ ብምድጋፍ ኣብ ነበር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ደጉዓ ተምቤን ከተማ ሃገረሰላም ብናይ ፀጥታ ምልሻ ሓላፍነት እናሰርሑ ድሕሪ ምፅናሖም መንግስቲ ሰራዊቱ ካብ መቐለ ምስ ምውፃእ ተተሓሒዙ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክመፁ ክኢሎም ‘ዮም። ሕዚ ኮማንደር ገብረመስቀል ኣባል ትግራይ ዲሞክራስያዊ ፓርቲ (ትዴፓ) ‘ዮም። ብምዃኑ ክቡራት ተኸታተልቲ ጋዜጣ ወጋሕታ ኮማንደር ገብረመስቀል ምስ ዘለዎም ልምድን ተሞክሮን ኣብ ወድዓዊ ፖለቲካዊ ኩነታት ትግራይን ሃገርናን ኣድሂብና ኣብ ናይ ሎሚ ሕታምና ጋሻና ጌርና ኣቕሪብናዮም ኣለና። ሰናይ ንባብ።

ወጋሕታ፡- ኣብቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተገብረ ስምምዕነት ሰላም ኣብ ከይዲ ትግበርኡ ዘለዎም ርኢቶ እንታይ ይመስል? ብፍላይ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ምቕራብ ዘሎ ከይዲ? ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ህዝቢ ትግራይ ኩናት ሰልችይዎ ‘ዩ፤ ሰላም ‘ዩ ዝደሊ፤ ምኽንያቱ ኩናት ክንደይ ዝኣክል ፀገምን መከራን ዘስዕብ ከምዝኾነ ርኢእዎ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብዚ ኩናት እዚ ከቢድ ዋጋ ከፊሉ ‘ዩ። በዚ ምኽንያት ህዝቢ ትግራይ ነቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን ዝተገብረ ስምምዕነት ሰላም ብሙሉእ ልቢ እናደገፎ ‘ዩ ዝርከብ። ሰራዊት ትግራይ ዕጥቑ እናረከበ ‘ዩ ዘሎ። ምኽንያቱ ካብ ኩናት ዝርከብ ረብሓ ከምዘየለ ርኢዎ ‘ዩ። ብወገን መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ትግበራ ስምምዕነት ሰላም ብፍላይ ምስ ምቕራብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተተሓሒዙ ዝኸዶ ዘሎ ክያዶ ዝበራታታዕ ተግባር ‘ዩ። ከም መብራህቲ፣ ቴሌን ካልኦት መሰራታዊ ነገራትን ኣብ ምቕራብ ፅቡቕ ‘ዩ ዝኸድ ዘሎ። ይኹን ‘ምበር እኹል ስለ ዘይኮነ ኣጣናኺሩ ክቕፅለሉ ኣለዎ። ንኣብነት ባንኪ ገና ‘ዩ ዘሎ ኣይጀመረን። ቴሌ ‘ውን ኣብ ኩሉ ኣይጀመረን ዘሎ። ብሓፈሻ ከንሪኦ እንተለና ግና ኣብ ፅቡቕ ዝበሃል ምንቕስቓስ ‘ዩ ዘሎ። ኣብ ምቕራብ እኽልን መድሓኒትን ፅቡቕ ጀሚሩ ኣሎ ‘ዩ። ይኹን ‘ምበር እኹል ብዘይ ምዃኑ ህዝቢ ሕዚ ‘ውን ኣብ ፀገም ‘ዩ ዘሎ። መንግስቲ ፌዴራል ብዙሕ ስራሕቲ ‘ዮም ዝፅበይዎ። ምኽንያቱ ቑፅሪ ተረዳኢ ብጣዕሚ ብዙሕ ‘ዩ። ኣብ ኣጀማምርኡን ቕልጥፍንኡን ግና ብኣወንታዊ መልክዕ ‘የ ዝምልከቶ። ኣብ ሓፂር እዋን ዝቐርብ ዘሎ ሰብኣዊ ሓገዝ ቐሊል ኣይኮነን። ግና ነቲ ዘሎ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያውን ቕልውላው ሙሉእ ንሙሉእ ዝፈትሕ ስለ ዘይኮነ ካብዚ ንልዕሊ ክኸይድ ኣለዎ። ኣብዚ ንኹሉ ፀገም መንግስቲ ጥራሕ ክሽፍኖ ስለ ዘይኽእል ዓለምለኸ ኣካላት ‘ውን ክሕግዙ ኣሎዎም፤ ከም ዲያስፖራ ትግራይ፣ ውልቐ ትካላትን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ክሳተፉ ክኽእሉ ኣለዎም። ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ክተሓባበር ኣለዎ። ምኽንያቱ እቲ ፀገም ናይ ኩሉ ፀገም ‘ዩ። ክሳብ ሕዚ ኣብ ሰላም ይኹን ኣብ ፀገም እናተደጋገፈ መፂኡ ‘ዩ። ምትሕግጋዝ ሓደ መግለፂ ሓድነት ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- እቲ ስምምዕነት ሰላም ብቕልጡፍ ተፈፃሚ ንኽኸውን ህዝቢ ትግራይ እናሓተተ ‘ዩ ዝርከብ፤ ካብዚ ብምብጋስ ድሌት ህዝቢ ንምምላእ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ? ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ከምቲ ልዕል ኢለ ዝገለፅክዎ ድሌት ህዝቢ ትግራይ ንምምላእ ብዙሕ ስራሕቲ ምስራሕ የድሊ። ዝፈራረሱ መሰረተ ልምዓታት ክፅገኑ ኣለዎም። መንግስቲ ጀሚርዎ ዘሎ ምቕራብ ሰብኣዊ ሓገዛት ተጣናኺሩ ክቕፅል ኣለዎ። ብዙሓት ዕንወታት ተፈፂሞም ‘ዮም። ከም ዘለዎ መሰረታዊ ግልጋሎታት ኣቋሪፆም ፀኒሖም ‘ዮም። ባንኪ ክሳብ ሕዚ የለን። መንግስቲ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ክሰርሕ ኣለዎ። ብቕልጡፍ ተፈፃሚ ክኸውን ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ክብል ኣለዎ። ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ብቕልጡፍ ክፍፀም እንድሕር ኮይኑ መንግስቲ ፌዴራል ይኹን ህወሓት ህዝቦም ኣተሓባቢሮም ብቖራፅነት ክሰርሑ ኣለዎም። ዝጀመረ ምቕራብ ሰብኣዊ ሓገዝ ብዘይ ምቑራፅ ብሰፊሑ ክስረሐሉ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ‘ውን ነዚ ተቐቢልዎ ዘሎ ሰላም ናብ ተግባር ኣብ ምቕያር ብዕቱብ ክሰርሕ ኣለዎ። እዚ ዕድል እዚ ንህዝቢ ትግራይ ኣዝዩ ኣድላይ ስለ ዝኾነ ብጥንቓቐ ክሕዞ ኣለዎ። ሕማቕ ኣራኣእያ ተዘሪኡ ብምንባሩ ናብዚ ኩናት እዚ ተኣትዩ ‘ዩ፤ እዚ ናብ ትኽክለኛ መገዲ ክምለስ እንተኾይኑ ብወገን ህዝቢ ትግራይ ክስራሕ ዝግበኦ ጉዳይ ክስራሕ ክኽእል ኣለዎ። ብመንግስቲ ፌዴራል ‘ውን ብተመሳሳሊ። ፀገማት ብሰላምን ልዝብን ‘ምበር ብውግእ ክፍትሑ ኣይኽእሉን። ካብ ናይ ቕድሚ ሕዚ ውግኣት ትምህርቲ ክውሰድ ኣለዎ። በዚ መሰረት ኣብ ሰላም ጥራሕ ትኹረት ክግበሩ ኣለዎም። ብሓፈሻ ባህጊ ህዝቢ ብቕልጡፍ ተግባራዊ ንክኸውን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ጠጠው ክብል ኣለዎ።

ወጋሕታ፡- እቲ ስምምዕነት ሰላም ብሙሉእነት ተግባራዊ ንኽኸውን ካብ ፓርቲታት ፖለቲካ ሃገርና እንታይ ትፅቢት ይግበር? ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ካብ ፓርቲታት ፖሊቲካ ሃገርና ዝግበር ትፅቢት ንሓድነትን ሰላምን ኢትዮጵያ ብምቑርቋር ክሰርሑ ኣለዎም። ኢትዮጵያ ናብ ንቡር ባህላ ከትምለስ እንድሕር ኮይና ሰላም ‘ዩ ዘድሊ፤ ስለዚ እዞም ፓርቲታት ፖለቲካ ብዛዕባ ሳለምን ሓድነትን ክሰርሑ ኣለዎም። ዘቓራርብ ‘ምበር ዘራሓሕቕ ሓሳብ ከቕርቡ የብሎምን። ኣብ ሓድነትን ሰላምን ከድሕቡ ኣለዎም። ፅልኢ ካብ ምንዛሕ ክቑጠቡ ኣለዎም። ናይ ሰላም ሓሳብን ፖለቲካን ጥራሕ ከቕርቡ ኣለዎም። ኣብ ጎኒ መንግስትን ህዝብን ጠጠው ብምባል ንህዝብን ሃገርን ዝጠቕም ስራሕ ክሰርሑ ይግባእ። ሰላም ክጣናኸረሉ ዝኽእል ስራሕቲ ወይ ህዝቢ ንህዝቢ ከስማዕምዕ ዝኽእል ሓሳብ ከቕርቡ ኣለዎም። ኣብ ናይ ሃገር ህልውናን ሓድነትን ፀቒጦም ክሰርሑ ‘ዩ ዝግበኦም። ናይ ሰላም ፕሮፖጋንዳ ‘ምበር ናይ ፅልኢ ፕሮፖጋንዳ ክነዝሑ የብሎምን። ዝኾነ ይኹን ፓርቲ ናይ ሰላም ሓሳብ ዘጉልብት ስራሕ ብምስራሕ ኣወንታዊ ግዲኡ ክፃወት ኣለዎ። ናይ ጥፍኣት ኣጀንዳ ካብ ምቕራብ ተተዓጊሶም ሰላም ክሰፍን ይኽእል ‘ዩ። ከምዚ እንተኾይኑ እቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ተግባራዊ ክኸውን ይኽእል ‘ዩ።

ወጋሕታ፡- እቲ ስምምዕነት ሰላም ክሳብ ሕዚ ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ረብሓ ኣምፂኡ ይብሉ? ኮማንደር ገ/መስቀል፡- እቲ ስምምዕነት ሰላም ክሳብ ሕዚ ንህዝቢ ትግራይ እንታይ ረብሓ ኣምፁ ዝብል ሓሳብ ብዙሕ ረብሓ ኣምፂኡ ‘ዩ፤ እንተነኣሰ ድምፂ ጥይት ካብ ምስማዕ ድሒኑ፤ ሰብኣዊ ኣቕርቦት ይቐርበሉ ኣሎ። ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅክዎ ኩናት ጠጠው ብምባሉ ከም ቴሌ፣ መድሓነት፣ ምግቢ ዝመሳሰሉ ነገራት ይቐርብሉ ኣለዉ ‘ዮም። ብጥሜትን ኩናትን ዝመውት ዝነበረ ሕዚ ደሓን ‘ዩ፡፡ ካብ ተወሳኺ ካብ ምፍንቓል ‘ውን ድሒኑ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ እቲ ኩናት ክድገም ከምዘይብሉ ኣብ ነስሓ ‘ዩ ዘሎ፤ በቲ ኩናት ተጎዲኡ ዝነበረ ህዝቢ ሕዚ ብዝተወሰነ ደረጃ ስነ ልቦናዊ ዕረፍቲ ረኺቡ ኣሎ። ብዛዕባ ሰላም ክሓስብ ዕድል ረኺቡ ኣሎ። እቲ ዝተኻየደ ኩናት ትኽክል ከምዘይነበረ፤ ብዙሕ ቑጠባውን ፖለቲካውን ክሳራታት ከምዘውረደሉ ብዝግባእ እናተረደአ ‘ዩ ዘሎ። ብዛዕባ ልምዓትን ሰላም ክሓስብ እናገበሮ ‘ዩ። ዋላ ሙሉእ ኣይኹን ናይ ሰላም ሃዋህው ክርእን ከተንፍስ ጀሚሩ ኣሎ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ብዛዕባ ሰላም ከሓስብ ክኢሉ ‘ዩ። ሰላም ክንደየናይ ኣድላይ ከምዝኾነ ይሓስብ ኣሎ ‘ዩ። ኣብዚ ኩናት እዚ ዝበፅሐ ጉድኣት ዋላ ክንዲ ናይ ህዝቢ ትግራይ ኣይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ‘ውን ብዙሕ ጉድኣት በፂሕዎ ‘ዩ። ብሓፈሻ እዚ ስምምዕነት ሰላም እዚ መሰረታዊ ግልጋሎታት ንምኽፋት ዕድል ፈጢሩ ‘ዩ። ኣብ ቐረባ እዋን ‘ውን ትራንስፖርት ክጅመር ተስፋ ይግበር።

ወጋሕታ፡- ነቲ ዝተበፅሐ ስምምዕነት ሰላም ዝቓወሙ ኣካላት ኣለዉ፤ ኣብዚ እንታይ ርኢቶ ኣለዎም? ነዚኦም እንታይ ከ ይምዕዱ? ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ስምምዕነት ሰላም ናብ ባይታ ከይወርድ ወይ ኢትዮጵያ ሰላም ከይትኸውን ቕድሚ ሕዚ ኣትሒዞም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣካላት ኣለዉ፤ ሕዚ ‘ውን ካብ ክልቲኡ ወገን ካብ ደገ ይኹኑ ካብ ውሽጢ እናሰርሑ ‘ዮም ዝርከቡ። እዞም ኣካላት እዚኦም ብዛዕባ ህዝቢ ኢትዮጵያ ወይ ሃገር ዝሓስቡ ኣይኮኑን። ኣብ ናይ ውልቐ ጥቕሞም ጥራሕ ቆላሕታ ገይሮም ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። መንግስቲ ይኹን ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዞም ከምዚኦም ዝበሉ ኣካላት ብጥንቓቐ ክከታተሎም ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ተሳንዩን ሓድነቱ ኣጣናኺሩን ከይነብር ‘ዩ ድሌቶም። እዚኦም ሰላም ክሰፍን እንቶሎ ዓይኖም ደም ‘ዩ ዝሰርብ፤ ንኢትዮጵያ ዘይድቕሱላ ፀላእታ ‘ዮም። ህዝቢ ክቓለሶም ኣለዎ፤ ብኣተሓሳስባ ክቕየሩ ክግበር ኣለዎ። እዞም ኣካላት እዚኦም ጎንፂ ንምፍጣር ንደሓር ዝብሉ ኣይኮኑን። ምቕዋም መሰሎም እኳ እንተኾነ ግና ሃገር ዝጎድእ ክኸውን የብሉን። ንሰላም ዘዕንቕፍ ኣጀንዳ ብምፍጣር ህዝብን ሃገርን ናብ ኩናት ንምምራሕ ‘ዮም ዝሰርሑ ዘለዉ። ስለዚ ትርር ዝበለ ስጉምትን ክትትልን የድልዮም ‘ዩ። እዞም ኣካላት እዚኦም ካብ ናይ ኩናት ኣመላኻኽታ ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ ዝወፁ ምቕላስ ኣድላ ‘ዩ። እዚኦም ኣብቲ ጭቑን ሕብረተሰብ ኣመላኻኽተኦም ብምፅዓን ሰላም ንምስኣን ‘ዩ። ህዝቢ ድማ ይኣኽለኩም ካብ ናይ ትማሊ ተማሂርና ኢና ክብሎም ኣለዎ። ካብ ሕዚ ንደሓር ሰላም ኢና ንደሊ ብምባል ክዋገኦም ኣለዎ። ፀገም እንተልዩ ‘ውን ብልዝብ ኢና ክፍታሕ ንደሊ ‘ምበር ብኹናት ኣይኮናን ክብሎም ኣለዎ፡፡ ካሊእ እዞም ሰላም ዘይደልዩ ኣካላት እዚኦም ናብ ውኒኦም ተዝምለሱ ይሓይሽ፤ ካብ ኩናት ንበዓልቶም እንተዘይኮኖም ህዝቢ ዝረኽቦ ረብሓ የብሉን። ንበዓልቶም ‘ውን እንተኾነ ግዝያዊ ጥቕሚ ‘ምበር ነባሪ ጥቕሚ ዝረኽቡ ኣይኮኑን። ስለዚ ቕድሚ ኩሉ ንሃገርን ህዝቦምን ክሓስቡ ኣለዎም። ሰላም ተዝሰብኩ ንበዓሎምን ሃገሮምን ጥቕሚ ‘ምበር ጉድኣት የብሉን።

 ወጋሕታ፡- ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ እንታይ ክግበር ኣለዎ ይብሉ? ኣብዚ ግደ ዲያስፖራ ትግራይ ኸ እንታይ ክኸውን ኣለዎ ይብሉ? ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ኣብ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ኩሉ ትግራዋይ፣ ዲያስፖራ ትግራይ፣ ውልቐ ትካላት ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ክተሓባባር ኣለዎ። ምኽንያቱ እቲ ዝበፅሐ ዕንወት ከቢድ ብምዃኑ መንግስቲ ጥራሕ ክሽፍኖ ኣይኽእልን። ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኩናት ይኹን ኣብ ህንፀት ሃገር ሓቢሩ እናሰርሐ ዝመፀ ህዝቢ ‘ዩ። ታሪኻዊ ምትሕብባር ኣለዎ፤ እዚ ሕዚ ‘ውን ክደግሞ ኣለዎ። ክደጋገፍ ኣለዎ። ህዝቢ ትግራይ ዝሕገዘሉ እዋን ሕዚ ‘ዩ። ብፍላይ ዳያስፖራ ትግራይ ብዝግባእ ክተሓባበር ኣለዎ። ኩሉ ዓቕሙ ብዝፈቐዶ ክተሓባበር ኣለዎ። ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ዘይሕግዝ ኢትዮጵያዊ ክህሉ የብሉን። መሰረታዊ ልምዓታት ተፀጊነን ስረሐን ክጅምራ ኣለዎን። ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ቚልውላው ገጢምዎ ዝነበረ ህዝቢ ናብ ስሩዕ መነባብርኡ ክምለስ ኣለዎ። ሰራሕተኛ መንግስቲ ናብ ስርሑ ክምለስ ኣለዎ። ተምሃሮ ብቕልጡፍ ናብ ትምህርቶም ክምለሱ ኣለዎም። መሰረታዊ ግልጋሎታት ብግቡእ ተፀጊነን ስረሐን ክጅምራ ኣለዎን። ኣብዚ ዕዙዝ ምትሕብባር የድሊ ‘ዩ። ኩለን ክልላት ‘ውን ኣብ ጎኒ መንግስቲ ፌዴራል ጠጠው ብምባል ክሕግዛ ኣለዎን። ከምቲ ሰላም ንምምፃእ ክተሓባበራ ዝፀንሓ ኣብ ዳግማይ ህንፀት ትግራይ ‘ውን ክተሓባበራ ኣለወን። ኣብ ኩናት ካብ ዝኸፈለኦ ዋጋ ዘይነኣኣስ ዋጋ ክኸፍላ ኣለዎን። ብጉልበት ይኹን ብሓሳብ ኩሉ ክረባረብ ኣለዎ። ሰፊሕ ዝኾነ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ፤ ህዝቢ ትግራይ ድማ ነዚ ዝተረኽበ ሰላም ብጥንቓቐ ክሕዞ ኣለዎ። ኩናት ምጅማር ‘ዩ ቀሊል ‘ምበር ሰላም ምምፃእ ከቢድ ‘ዩ። ስለዚ ኩሉ ኢትዮጵያ ንሰላም ዓብዪ ዋጋ ብምኽፋል ምትሕብባሩን ሓድነቱን ከሕይል በዚ ኣጋጣሚ ፃውዒተይ ከቕርብ እፈቱ።

ወጋሕታ፡- ምስ ስምምዕነት ሰላም ተተሓሒዙ ንህዝቢ ትግራይ ይኹን ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከሕልፍዎ ዝደለይዎ መልእኽቲ እንተሃልዩ ዕድል ክህቦም፡፡ ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ብሓፈሻ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከሕልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ካብ ናይ ምክፍፋል ሓሳብ ክወፅእ ኣለዎ። ምክፍፋል ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክንደየናይ ዋጋ የኽፍሎ ከምዘሎ ብምርዳእ ሓድነቱ ከድልድል ኣለዎ። ነንበዓሉ ካብ ምጥርጣርን ምፅላእን ክወፅእ ኣለዎ። ዝጠቕሞ ምትሕግጋዝን ሓድነትን ‘ዩ። ምክፍፋልን ኣብ ነንርእስኻ ቕርሕቲ ምፍጣርን ጉድኣት ‘ምበር ጥቕሚ ኣየምፀአሉን። ህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፀበብቲ ፖለቲካዊ ሓይልታት ተታሊሉ ናብ ኩናት ክኣቱ የብሉን። ሕብረተሰብ ንናይ ፖለቲካዊ ነጋዴታት ክጥንቐቖም ኣለዎ። ኣብ ህዝቢ ናይ ፅልኢ ፖለቲካ ብምንዛሕ ህዝቢ ከባልዑ ክፍቐደሎም የብሉን። ሓቢርካ ምቕላሶም ‘ምበር ተገሪህኻ ናብ ኩናት ምእታው ዝጠቕም ኣይኮነን። ኩናት ዝባሃል ኣተሓሳስባ ክቕረፍ ‘ዩ ዘለዎ። ምኽንያቱ ኩናት ኣብ ሃገር ከቢድ ዕንወት ዘስዕብ ጉዳይ ‘ዩ፡፡

ብሰንኪ ፖለቲካዊ ምክፍፋል ‘ዩ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝውዳእ ዘሎ። ብኹናት ዋላ ከምናይ ትግራይ ኣይኹን ኣብ ኩለን ክልላት ብዙሕ ህዝቢ ይመውት ኣሎ ‘ዩ። እዚ ድማ ኣብ ህብረተሰብ ፀቢብ ፖለቲካዊ ምንቕስቓስ ክሰርፅ ስለ ዝተገብረ ‘ዩ። ካብዚ ምውፃእ የድሊ። ብፍላይ ፖለቲካዊ ሓይልታት ሃገርና ካብ ፀቢብ ፖለቲካዊ ምንቕስቓስ ክወፁ ኣለዎም። ኣብ ሰላምን ሓድነትን ህዝቢታት ኢትዮጵያ ክሰርሑ ኣለዎም። ንህዝብን ሃገርን ኣብ ዘይጠቕም ፖለቲካ ክኣትዉ የብሎምን። ናይ ሰላምን ሓድነትን ኣምባሳደራት ክኾኑ ኣለዎም። ናይ ቕርሕንቲ ፖለቲካ ንሃገርና ከቢድ ዋጋ እናኽፈላ ‘ዩ ዘሎ። ኣፋላላይ ብልዝብ ‘ምበር ብሓይሊ ንምፍታሕ ዝግበር ፈተነ ‘ውን ክቀሪ ኣለዎ። ወጋሕታ፡- ንዝነበረና ፃኒሕት የቕንየልና፡፡ ኮማንደር ገ/መስቀል፡- ኣነ ‘ውን ሓሳበይ ንምግላፅ ስለ ዝዓደምኩምኒ የቕንየለይ፡፡

Recommended For You