ሓዱሽ ኣፍሪካ ናይ ምቅርማት ምንቅስቓስ

ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝገበረቶ ማዕቀብ ቻይናን ኣሜሪካን ኣብ ኣፍሪካ ዝገብርኦ ልዕልነት ንምሓዝ ዝግበር ምትሕንናቕ መርኣያ እዩ ክብሉ እንግሊዛዊ ተንታኒ ዓለምለኸ ርክብ ቶም ፎዲ የመልክቱ፡፡ እቶም ተንታኒ ቻይና፣ሰሜን ኮርያ፣እንግሊዝ፣ ኣሜሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ብዝምልከት ኣብ ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ትንታነታት ዝህቡ እንትኸውን ንኣርቲ፣ ሲጂቲኤን፣ንቻይና ዴይሊ፣ንግሎባል ታይምስ፣ ንክሮኒክልን ንኻልኦትን ዓለምለኸ ትካላት ሕትመት ሚዲያ ሓሳቦም ብምሃብ ይፍለጡ፡፡

ቶም ከምዝገለፅዎ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ወሳኒት ኣጋር ናይቲ ጎደቦ(ቀጠና) ገይራ ከም እትሪኣ እናገለፀት እንተፀንሐት እኳ፤እቲ ውሳነ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ ናብ ቻይና ንኽትቀርብ ይገብራ ክብሉ ዝገለፁ እንትኸ’ውን ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ምስ ዝነበረን ርክብ ነዊሕ እዋን እንትርኣይ እዚ ውሳነ ማዕቀብ ነንርእሱ ዝዋቓዕ እዩ ኢሎም፡፡ ማዕቀብ ምግባር ንዓለምለኸ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፋይናንስ (ዲኤፍሲ) ሓገዝ ድጋፍ ገንዘብ ዝግበረለን ጥምረት ኩባንያታት ንግዙፋት ኩባንያታት ቻይና ህዋዊን ዜድቲኢ ኣብ ጥቕሚ ዘይውዕለሉ ቕድመ ኹነታት ፤ዘፈር ቴሌኮም ኢትዮጵያ 5 ጂ ጨረታ ኔትወርክ ተወዳዲሮም ምስዓሮም ምስ ተገለፀ፤ ኣብ ፅባሕ እዚ ምዃኑ እቲ ኣግራሞት ልዑል ይገብሮ ኢሎም፡፡

ቤት ፅሕፈት ሚኒስቴር ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ከምዝገበረን ዓለምለኸ ሓገዝ ከምዘቋረፀን ከምኡ ‘ውን ልቓሕ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለምን እገዳ ድጋፋት ዘካተተ ውሳነ እንተሕልፍ ምኽንያት ኢሉ ዘቐመጦም ነገራት ኣብ ክልል ትግራይ ብዝተገበረ ኸይዲ ምኽባር ሕጊ ተፈፂሞም ዝተብሃሉ ኽልከላ ሰብኣዊ ረድኤትን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን ከምዝኾኑ እቶም ተንታኒ ኣብሪሆም፡፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ደም ዘፋሰሰ ጎንፂ ስዒቡ፤ዝተገበረ ማዕቀብ ኣብ ርክባት ኣሜሪካን ኢትዮጵያን ዓብዪ ለውጢ ከምፅእ ዝኽእል ከምዝኾነ ዘብርሁ እቶም ተንታኒ፣ ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ፣ኽልተ ሚሊየን ዝኾኑ ድማ ካብ መረበቶም ከምተፈናቐሉ ብምጥቃስ፤ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዓብዪ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ከምዝተፈፀመ ትካላት ዜና ዓለም ተቐባቢሎም እናፀብፀቡ ከምዝነበሩ ኣልዒሎም፡፡

ኣብ ቐይሕ ባሕርን ከባቢኡን ክኽሰት ዝኽእል ዝኾነ ዘይምርግጋዕ ዓሌታዊ ምስሕሓብ ብምግዳድ ከም ኣልቃይዳን ኣልሸባብን ዝበሉ እስላማዊ ዕጡቓት ክጠናኸሩን ኣፍቲ ከባቢ ዝርከብ ምንቅስቓስ ጠጠው ከብል ይኽእል ዝብል ስግኣት፤ ኣሜሪካ ንነዊሕ እዋን ንኢትዮጵያ ኣብ ምስራቕ ኣፍሪካ ወሳኒት ኣጋር ገይራ እናረአየታ ከምዝፀንሐት ብመልክዕ ሕቶ ኣልዒሎም፡፡

ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ባይደን እቲ ጉዳይ ብዝምልከት ንዝወሰዶ ስጉምቲ ካብ ኮንግረስ ዝተወሰነ ፅዕንቶ ከምዝተገበሮ ግልፂ እዩ ዝበሉ እቶም ተንታኒ፣ ብኣውራ ድማ ቻይና ቕድም ክብል ምስ ሃገራት ኣፍሪካ ብዝፈጠረቶ ፅቡቕ ዝበሃል ርክብ ዘይተሓጎሰት ኣሜሪካ ኣብታ ኣህጉር ቻይና ተወዳዳሪት ኾይና ንምቕራብ ካብ ዘለዋ ድሌት ዝነቐለ እዩ ኢሎም፡፡ ጉዳይ ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሌንከን ኣብ ቐረባ እዋን መራሕቲ ናይጄሪያን ኬንያን ኣብ ዘዘራረቡሉ እዋን ሃገራት ኣፍሪካ ንቻይና ብልዑል ጥንቃቐ ክሪእዋ ከምዝግባእ ዘጠንቀቕሉ ዘረብኦም ፖሊሲ ርክብ ወፃኢ ኣሜሪካ ብኸምዚ ዝበለ ዓይነት መወዳደሪ ዝርኣይ ከም ዝኾነ ፅቡቕ መርኣያ ኾይኑ ተወሲዱ እዩ ኢሎም፡፡

ምስ ቻይና ተፃራሪ ብምዃን ኹሉ ግዘ ስትራቴጂካዊ ልዕልነታ ንምርግጋፅ እትፍትን ኣሜሪካ ኣብ ፖሊሲ ወፃኢ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንምሕዳር የኽእሉ እዮም ዝበለቶም ማዕቀባት ብምቕማጥ፤ውልቀ ዘፈራት ብምጥንኻርን ፅዕንቶ ዕዳን ልቓሕን ከም መደራደሪ ብምጥቃም ብትኹረት እናሰርሐት እያ ኢሎም እቶም ተንታኒ፡፡ ኮርፖሬሽን ዓለምለኸ ልምዓት ፋይናንስ ኣሜሪካ (ዲኤፍሲ) 2019 ኣ.ፈ እንትምስረት ኣብ ግምት ዘእተዎ ንናይ ቻይና ንቤልት ኤንድ ሮድ ኢኒሼቲቭ ንኽስዕርን ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ሃገራት ንዘለዋ ኢንቨስትመንት ግድኣ ልዑል ምግባር እንተኾነ ‘ውን ቻይና ብተቓርኖ ፅዕንቶ ርእዮተ ዓለም ብምዕማሩ ምኽንያት ሃገራት ካብ ኣሜሪካ ዝደልይዎ ነገር ንምርካብ ንስትራቴጂካዊ መረፃ ኣሜሪካ ተገዛእቲ ክኾኑ ግድን ከምዝኾነ እንትገብር፤እቲ ኻሊእ መርኣያ ድማ ሃገራት ትካላቶም ናብ ውልቀ እንተዛውሩ ንኩባንያታት ኣሜሪካ ግድን ክሸጡ ከምዘለዎም ዘገድድ ስለዝኾነ እዩ ክብሉ ገሊፆም፡፡

ናይ ቻይና ቤልት ኤንድ ሮድ፤መንግስቲ ዝሓዞም ኩባንያታት ዝጥቀም እንትኸውን ብኣንፃሩ ናይ ኣሜሪካ ዲኤፍሲ ድማ ኣብ ናይ ውልቀ ዘፈር ንኽሳተፍ ዝደፋፍእ ከምዝኾነ ከም ኣብነት ዘልዓሉ እቶም ተንታኒ፤ኣብ መጀመርያ ዓመት ኤፍ.ዲ.ሲ ምስ መንግስቲ ኢኳዶር ኣገዳዲ ስምምዕነት ብምፍፃም ‹‹ክሊን ኔትወርክ››ንዝተብሃለን ኩባንያታት ቻይና ንኩባንያታት ቴሌ ኣብ ዝሰናበቱሉ ምድላው ከምኡ ‘ውን ኢኳዶር ኩባንያታት ነዳዲ ንሰብ ሃፍቲ ኣሜሪካውያን ኣብ ዝመሓላለፉሉ ኸይዲ ተግባራውነት እታ ሃገር ዝወሰደቶ ዕዳ ንቻይና ንምኽፋል ቃል ከምዝኣተወ ኣልዒሎም፡፡

መስረቲ ትካላት ብሪተን ውድስ ዝበሃሉ ባንኪ ዓለምን ትካል ገንዘብ ዓለም ብፍልስፍና ኒዮሊበራል ኢኮኖሚ ምምራሕ ኣብ 1980ታት ዘውፅእዎም ኣሰራርሓታት ኣወሃህባ ልቓሕ ዝምልከቱ ኢኮኖሚ ሃገራት ኣፍሪካ ብምድኻም፤ምዕራባውያን ሰብ ሃፍቲ ብዝያዳ ዝተርንዑ ኾይኖም ከም ዝተረኸቡ ዘብርሁ እቶም ተንታኒ፣ ኣሜሪካ ክንድዚ ርሕቐት ብምኻድ ሃገራት እተገድድ ኾይና እናሃለወት ቻይና ንኣፍሪካ ብዕዳ ናይ ምፅማድ ፖሊሲ እናሓዘት እያ ብምባል ምኽሳሳ ትዕዝብቲ ዝፈጥር እዩ በሃሊ እዮም፡፡

ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘለዋ ፅዕንቶ ንምስፋሕ ከኽእላ ምእንቲ እትህቦ ልቓሕ ኣብ ቕድመ ኹነታት ንኽመስረት ብምግባርን ማዕቀባት ኣብ ምቕማጥ ከም እትርከብ ዘረድኡ እቶም ተንታኒ፣ ኣሜሪካ ንሃገራት ኣፍሪካ ስረዛ ዕዳን ማዕቀብ ናይ ምልሕላሕ ስጉምትታት ንምውሳድ እተቐምጦ ቕድመ ኹነታት ፀረ ቻይና ቕዋም እንትኸውን እቲ ትልሚ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪካ ክንድቲ ዘይተሳኸዐ ቻይና ብቐሊሉ ብእትህቦ ካፒታልን ብምኽንያት እትኽተሎ ኣብ ውሽጢ ሃገራት ኢድ ዘይምእታው ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እዚ ዝዓይነቱ ውሳነ ኣሜሪካ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብዝህልዋ ምንቅስቓስ ዕንቅፋታት ምፍጣሩ ዘይተርፍ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ዝተገበረ ማዕቀብ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምኹራይ ገፁ ናብ ኻልኦት ንኽርኢ የገድዶ ዝበሉ እቶም ተንታኒ፤ ኢትዮጵያ ‹‹ሉኣላውነት››ዝብል ሓሳብ ናብ ዝድግፉን ኣድለይቲ ኣፅዋራት ናብ ዝቕርቡላ ቻይናን ሩስያን ገፃ ክተዞር ትፅቢት ዝግበር እዩ ኢሎም፡፡

እቶም ተንታኒ ሓሳቦም እንትቕፅሉ ኢትዮጵያን ኻልኦት ሃገራትን ኢንቨስትመንት ኣሜሪካ እንተተጠቐሙ ‘ውን ብምኽንያት ውሽጣዊ ኢድ ኣታውነት ኣድላዪ ዘይኮነ ዋጋ ምኽፋል ስለዘይደልዩ ምስ ቻይና ዝገብርዎ ምትእስሳራት ብብዙሕ ዕፅፊ ንኸዕብዩ ዘኽእሎም ብምዃኑ ኣሜሪካ ብኣፍሪካ እትገብሮ ምንቅስቓስ ቻይና ኣብ ቐረባ እናተኸታተለቶ ከምዝኾነት ገሊፆም፡፡ እቲ ኹነታት ብቐረባ ዝከታተሉ ሰብ ሞያ ርክባት ወፃኢ ሓዱሽ ኣፍሪካ ናይ ምቅርማት ምንቅስቓስ ዝብል ስያመ ክህብዎ ከምዝኽእሉ ዘብርሁ እቶም ተንታኒ፣ሃገራት ኣፍሪካ ዓርሰን ንምክልኻል ኣብ መንጎ ዝገብርኦ ፃዕሪ ዓርሶም ኣብ ውሽጢ ኢድ ልእለ ሓያል ክረኽቡ ዝኽእሉሉ ዕድል ሰፊሕ ከምዝኾነ ኣረዲኦም፡፡

በዚ በለ በቲ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ሃገርን መንግስትን ምድኻም ዝብል ግልፂ ዝኾነ ስትራተጂ ነዲፋ ኣብ ምንቅስቓስ እንትትኸውን ዕላምኦም ድማ ናይ ውልቀ ዘፈር ንምጥንኻር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዕንቅፋት ንኸይፈጥር ማዕቀባት ብምቕማጥ እታ ሃገር ብናይ ባዕላ ምስሊ ናይ ምቕራፅ ትኹረት ዝገበረ ከምዝኾነን ዘብራህርሁ እቶም ተንታኒ ፣ ውፅኢቶም ናይ ዞም ውሳነታት እንታይ ክኾኑ ከምዝኽእሉን ኣብ ኣፍሪካ ናይ መወዳእታ ሰዓሪት ልዕለ ሓያል መን ከምዝኾነትን ዘርእይ ግዘ ጥራሕ ከምዝኾነ ብምግላፅ ሓሳቦም ዛዚሞም፡፡ (ፍልፍል፣ ግዜኢ)

ትርሓስ ፍቃዱ

ወጋሕታ 26 ጉንበት 2013 ዓ.ም

Recommended For You